ስለምንታይ ኣምላኽ ሰብ ኰነ?

ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን፣ ሓደ ኣምላኽ ኣሜን። ሰላም ንዓኹም ክቡራት ኣንበብቲ፣ ሎሚ ሓደ ሕጽር ዝበለ ጽሑፍ ቀሪበልኩም ኣሎኹ። ሓደ ተደጋጋሚ ዝለዓል ሕቶ ኣሎ፣ ንሱ ድማ፣ ስለምንታይ ኣምላኽ ሰብ ኰነ?

መእተዊ

እምነት ክርስትና ካብተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ካልኦት ሃይማኖታት ፍሉይ እዩ። ፍሉይነት እምነት ክርስትና፣ ኣብ ስርዓት፡ ኣብ ዜማ፡ ወይ ኣብ ስርዓተ ኣምልኰ ጥራይ ኣይኰነን፤ እንታይ ደኣ፣ ፍሉይነት ናይ እምነት ክርስትና፣ ኣምላኽ ባዕሉ ስጋ ለቢሱ ዝተመላለሶ መገዲ ብምዃኑ እዩ። ካልኦት ሃይማኖታት፡ ሰባት ባዕሎም ዝመስረትዎ ክኸዉን እንከሎ፣ ክርስትና ግና ባዕሉ እቲ ሰማያዊ ኣምላኽ ነቲ ዝጠፍአን፡ ዝሞተን ኣዳም ከድሕን ኢሉ ዝገበሮ ጉዕዞ እዩ። እዚ ጉዳይ ንብዙሓት የደንጹ እዩ።

ብዛዕባ ወልደ እግዚአብሔር ጐይታና ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘገርም ነገር እንተሃልዩ፣ ናቱ ባህሪያቱ ልዕሊ ኣእምሮ ብምዃኑን፣ እዛ ዉስንቲን ድርትቲን ኣእምሮና ተመራሚራ ክትበጽሖ ዘይትኽእል ስለዝዀነን እዩ።

Christእስከ ንሕሰብ!! ከመይ ጌሩ፤ እቲ ፍጹም ሰማያዊ ኣካል፡ ናይ ኣብ ቃል፡ ኲሉ ዝኽእል መለኮታዊ፡ ናይ እግዚአብሔር ጥበብ ዝኰነ፡ ዓለም ኲሉ ብእኡ ዝተፈጥረት፡ ካብቲ ዝተፈጥረ ዘበለ ድማ ብዘይካ ብእኡ ዝተፈጥረ ዘየልቦ /ዮሃ 1፥3/፣ ወልድ፤ ስጋ ድኹም ኣዳም ለቢሱ፡ ብሓጺር ቁመት ብጸቢብ ደረት፤ ኣብ ሃገረ ይሁዳ ተመላለሰ? እወ፣ ስለምንታይ እቲ ፍጹም ናይ እግዚአብሔር ኣብ ናይ ባህሪ ወዱ፡ ናይ ኣብ ጥበብ፤ ናብ ማህጸን ድንግል ኣትዩ፡ ካብኣ ተወሊዱ፡ ከም ኲሎም ህጻናት ምዕባዩ፡ ደሓር ዉን ከም ኲሉ ታራ ሰብ ብቁመት ብጸጋ ብጥበብ ዓብዩ፡ ኣብ 30 ዓመቱ ተጠሚቑ፡ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ሰቢኹ፡ ኣብ ዕለተ ዓርቢ መከራ መስቀል ተቐቢሉ፡ ሞይቱ፡ ተቐቢሩ፡ ኣብ ሳስልሰይቲ መዓልቲ ንሞት ስዒሩ ተንሲኡ፡ ናብ ናይ ቀደም ክብሩ ኣብ የማን ኣብኡ ተቐሚጡ? መን እዩ እዚ፡ እቲ ኣልፋን ኦሜጋን ዝዀነ፡ መልክዕ እቲ ዘይርአ ኣምላኽ፡ ብባህርዩ ኣምላኽ እዃ እንተ ኾነ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ማዕርነት ኣይገድፍን ኢሉ ዘይተኸራኸረን፡ ሰብ ኮይኑ መልክዕ ባርያ ወሲዱ ብገዛእ ፍቓዱ ንርእሱ ድኻ ዝገበረ፡ ንርእሱ ትሕት ኣቢሉ ክሳብ ሞት መስቀል ዝትዓገሰ? ብሓጺሩ፣ ክርስቶስ መን እዩ? ስለምንታይ ሰብ ኮይኑ? ባህርያቱ`ኸ እንታይ እዩ?

ካብ ምምስራት እምነት ክርስትና ኣትሒዙ፡ እዚ ሕቶ ተሓቲቱን፣ ከብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሩን ብኲሎም መምህራን ቤተክርስቲያን ዉን መልሲ ተዋሂቡሉ እዩ። ከም ፍቓድ ኣምላኽ ድማ ነቲ ናታቶም ጽሑፋት መወከሲ ብምግባር ነዚ ሕቶ እዚ ክንምልስ። ብፍላይ ኣብዚ ጽሑፍ`ዚ፣ ትምህርቲ ናይቶም ካብ 2-5 ክ/ዘ ዝነበሩ ኣቦታት፣ ሰዓብቲ ሓዋርያት ዝነበሩ ቅዱስ ኣቢሉደስ ዘሮም፡ ቅዱስ ኢራኔዎስ ዘሊዮንስ፣ ኣብ 4 ክ/ዘ ዝነበሩ መማህራንን፣ ኣዉራ ድማ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘሓዋርያ ዝደረሳ «ትስጉተ ዘእግዚአብሔር ቃል» ትብል መጽሓፍ ከም ቅርጺ ክንጥቀም ኢና።

እዚ ሕቶ እዚ መሰረታዊ እዩ። ሊቃዉንቲ መማህራን ከም ዝምስክርዎ፣ «እግዚአብሔር ንዓለም ክፈጥር ኢሉ ካብ ዝተጠቕመሉ ጥበብ`ሲ፣ እቲ ንዓለም ዘድሓነሉ ጥበብ ይበልጽ» [pullquote]«እግዚአብሔር ንዓለም ክፈጥር ኢሉ ካብ ዝተጠቕመሉ ጥበብ`ሲ፣ እቲ ንዓለም ዘድሓነሉ ጥበብ ይበልጽ»[/pullquote] እዩ`ሞ፣ ነዚ ብሉጽ ጥበብ ኣምላኽ ክንምርምሮን ክንርድኦን ይግባእ። መሰረት እእምነት ክርስቲና፣ «ኣምላኽ ሰብ ኰነ፣ ሰብ ኣምላኽ ኰነ» እዩ። ስለምንታይ?

ነዛ ሕቶ፣ ብሓንቲ ቃል ምምላስ ይኻኣል እዩ፣ «ፍቕሪ»። ኣምላኽ ፍጹም ስለዝፍቅረና፣ ንዓና ዘለዎ ፍጹም ፍቕሪ ክገልጽ፣ ሰብ ክኸዉን መረጸ፤ «ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።» /ዮሃ 3፥16/። እዚአ መልሲ እንድሕሪ ዘየዕጊባትና ድማ፣ ናብቲ ነዊሕ ዝርዝራዊ መልሲ ክንሓልፍ። ካብ ገነት ንጀምር፤

ፍጥረትን ዉድቀት

ኦሪት ዘፍጥረት ከም ዝነግረና፣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰንበት (እሁድ ብግእዝ ቀዳመይቲ) ኣትሒዙ ክሳብ ዓርቢ (ሻዱሸይቲ መዓልቲ) ሰማይን ምድሪን ኩሉ ንብረታን ፈጠረ። ክቡር ጋሻ ናብ ገዛና ክንዕድም እንከሎና፣ ኲሉ ዝብላዕ ዝስተ ኣዳሊና ከም ንጽበዮ፣ ኣምላኽ ድማ ኣዳም ጋሽኡ ስለዝዀነ፣ ኲሉ ነገር ማለት ዝብላዕ ዝስተ፡ መዕረፊ፡ ኣዳልዩ ፈጠሮ። ምእንቲ በይኑ ከይኸዉን ኢሉ ዉን፣ ንዕዑ እትሰማማዕ፣ ካብ መሰንገለ ወሲዱ ልክዕ ከምኡ ጌሩ ፈጠረሉ። ኣምላኽ ምንጪ ሰናይ ነገር ስለዝዀነ፣ ኲሉ ንሱ ዝፈጠሮ ዉን ኣዝዩ ጽቡቕ ነበረ /ዘፍ 1/። ንኲሎም እንስሳታትን ኣታኽልቲን ካልኦት ፍጥረታትን፣ ሱቕ ኢሉ ብቃሉ ጥራይ ክፈጥሮም እንከሎ፣ ንሰብ ክፈጥሮ እንከሎ ግና፣ ፍሉይ ዕላማ ከም ዘለዎ ምእንቲ ከረድእ፣ ቅድሚ ምፍጣሩ ከምዚ በለ፤

«ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ። ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም። ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም» /ዘፍ 1፥ 26-29/

images (3)ሰብ (ኣዳምን ሔዋንን ንሕና ኩላትናን) ዝተፈጠርናሉ ዕላማ፣ መልክዕን ምስሊን ናይቲ ብባሕሪኡ ዘይርአ ኣምላኽ ምእንቲ ክንኸዉን እዩ። «ኣምላኽ ንኣዳም ኣብ መጀመርታ ክፈጥሮ እንከሎ፡ ግድን ሰብ ስለዘድለዮ ኣይኰነን፡ እንታይ ደኣ ተቐባሊ ናይቲ ሰናይ ባህሪያቱ ምእንቲ ኽዀኑ ኢሉ እዩ» ከምዝበለ ቅዱስ ኢራኔዎስ ዘሊዮንስ(130-200 ዓም)[1]። እዚ ኣባና ሓዲሩ ዘሎ መልክዕን ምስሊን ኣምላኽ እንታይ ከም ዝዀነ ከብርሁ እንከልዉ፣ ሓደ ካብ ናይ ኮፖዶቅያ ኣቦታት[2] ተባሂሉ ዝፍለጡ ቅዱስ ባሲልዮስ ዘቂሳርያ፡ ብከምዚ ይገልጾ።

ኣዳም ክፍጠር እንከሎ፣ መልክዕን ምስሊን ኣምላኽ ኣለዎ። ሓደ ሓዲሽ ዝተወልደ ህጻን፣ ክዉለድ እንከሎ መልክዕ ስድርኡ ኣለዎ። እዚ ህጻን፣ ጸባ ጡብ ኣዲኡ እንዳተመገበን፡ ስርዑ መግቢ እንዳወሰደን፡ ዝነግርዎ ዘበለ ኲሉ፣ ኲሉ ስነ ምግባር እንዳሰምዐን እንሕድሪ ዓብዩ፣ ዝያዳ ንወለዱ እንዳመሰለ ይመጽእ። ብመልክዕ ቅርጺ ሰብነት ጥራይ ዘይኰነ፣ ብጠባይ ዉን ንወለዱ ክመስል ዓቕሚ ኣለዎ። ኣባና ዝሓደረ ጸጋ ኣምላኽ ዉን ከምኡ እዩ። እቲ መልክዕ ኣባና ሕቱም እዩ፣ ናብ ምስሊ ኣምላኽ ድማ፣ ክንዓቢ ንኽእል። ምስ ኣምላኽ ዝህልወና ርኽብ፣ ሓሊና ምስ እንነብር፣ ናብቲ ናቱ ምስሊ፣ ብጸጋ ማለት ብቅድስና ክንዓቢ ንኽእል። [3]

ኣብ ሰብ ሓዲሩ ዝነበረ መልክዕ ኣምላኽ ኣዝዩ ዓቢ እዩ። ከምቲ ኣምላኽ ዝዛረብ፡ ዝሓስብን፡ ህይወት ዘለዎን፤ ኣባና ዉን እትዛረብ (ነባቢት)እትሓስብ (ለባዊት)እስትንፋስ እግዚአብሔር ዘለዋ ዘለዓለማዊት ነፍሲ (ህያዊት) ኣለና። መልክዕ ኣምላኽ ክበሃል እንከሎ፣ ኣምላኽ ከማና ቅርጺ ዘለዎ ኣካላት ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። «ኣምላኽ መንፈስ እዩ» /ዮሃ 4፥23 ዘዳ 4፥15-16/። እቲ መልክዕ ኣምላኽ ተባሂሉ ዘሎ፣ ንመንፈሳዊ መልክዕ ክገልጽ እንከሎ እዩ። ከምቲ ኣምላክ ቅዱስ ዝዀነ ንሕና ዉን ቅዱሳት፣ ከምቲ ንሱ ትሕቱ፡ ፈቃር፡ ለጋስ፡ መሓሪ፡ ይቕረ በሃሊ፡ ሓዳግ. .ወዘተ ዝዀኖ፣ ንሕና ዉን ከምኡ ክንኸዉን ኢና ተጸዊዕና። ልዕሊ ኲሉ ኣባና ዘሕደሮ መልክዕ ግና፣ «ናጻ ፍቓድ» እዩ። ከምቲ ኣምላኽ ብባሕሪኡ ናጻ ዝዀነ፣ ንሕና ዉን፣ ፍጹም ናጽነት ዘለና፣ ንኣምላኽ ብፍጹም ናጽነት ከነምልኽ ዝተጸዋዕና ኢና። እዚ ኣባና ዝሓደረ ናጻ ፍቓድ፣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክፋል እዩ። ንምእዛዝ ኣምላኽ እንድሕሪ ተጠቒምናሉ፣ ዘለዓለማዊ ህይወት፣ ኣንጻር ኣምላኽ ክንዕምጽ እንድሕሪ ተጠቒምናሉ ድማ፣ ዘለዓለማዊ ሞት ከምጽእ ይኽእል። ነዚ ናጻ ፍቓድ ዉን ኣምላኽ ኣይቆጻጸሮን፣ እምበር`ኸ ዝቖጻጸሮ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ናጻ ፍቓድ ኣይበሃልን።

ቅ. ጎርጎርዮስ ዘኒሱን ብዛዕባ ኣባና ዝሓደረ መልክዕ ክዛረብ እንከሎ ከምዚ ይብል፣ «እቶም ምስሊ ነገስታት ዝስእሉ ሰኣልቲ (ቀባእቲ)፣ ካብቲ ንጉስ ኣገደስቲ ነገራት ብምዉሳድን፣ ክቡር፡ ቅጭን ክዳን ብምኽዳንን፣ ምስሊ ናይቲ ንጉስ ይስእሉን፣ ልክዕ ንክብረት ናይቲ ንጉስ ዝበቅዕ ምስሊ የዳልዉ። ብተመሳሳሊ መገዲ፣ ናይ ሰብ ባህሪ ዉን፣ ምእንቲ ነቲ፣ ኣብ ልዕሊ ኲሉ ገዛኢ ንክኸዉን ዝፈጠሮን ነቲ ልዕሊ ኲሉ ዝዀነ ንጉስ ንኽመስል ብሰናይ ባህሪያት (virtues) ተመላኪዑ ተፈጥረ። በዚ ድማ ዝርአ ምስሊ ናቱ (ናይ ኣምላኽ) ኰነ። እዚ ምስሊ ብስም ይኹን ብባህሪኡ ንፈጣሪኡ እዩ ዝመስል። እዚ ምስሊ`ዚ ብቅጭን ክዳን፡ ወይ ብዘንጊ ንግስነትን፡ ወይ ዉን ብክቡር ኣክሊልን ዘጌጸ ኣይነበረን፣ እቲ መበቆላዊ (ባዕሉ ኣምላኽ) ዉን ብኸምኡ ዝተመላኽዐ ኣይኰነን። እዚ ምስሊ`ዚ ኣብ ክንዲ ቅጭን ክዳን ብስነ ምግባር (virtues) ዝተኸድነ እዩ፣ ብሓቂ ተሪኢናዮ ዉን፡ ስነ ምግባር ካብ ኲሎም ናይ ነገሳታት ክዳን ይበልጽ። ኣብ ክንዲ ብናይ ምድራዉያን ዘንጊ ነገስታት ዝምኻሕ፣ ብበረኸት ዘለኣለማዊ ህይወት እዩ ዝያዳ ዝዉከል፤ ኣብ ክንዲ ኣክሊል ንግስነት፣ ኣክሊል ጽድቂ ዝተሰለመ እዩ።»[4]

ኣዳም ኣብ ገነት ምስ እግዚአብሔር ኣምላኽ ፍጹም ሓድነት ነበሮ። ድምጺ ኣምላኽ ይሰምዕ፡ ምስኡ ይዘራረብ፡ ንስሙ የመስግን፡ ምስ ሰበይቱ ብፍቕሪ ይነብር፡ ምስ ኲሎም ፍጥረታት ኣምላኽ ዉን ብፍጹም ሰላም ይነብር፡ ኲሎም ፍጥረታት ዉን ይእዘዝዎ ነበሩ። ነዚ ምስ እግዚአብሔር ዘለዎ ሓድነት መሐለዉታ ክትኸዉን ድማ፣ ሓንቲ ሕጊ ተዋህበቶ።

«እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፡ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ፡ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢሉ አዘዞ።» /ዘፍ 2፥16/። ኣዚኣ ሕጊ እዚኣ፣ ከምቲ ገለ ሰባት ዝብልዎ፣ ንኣዳም መፈተኒት ኣይኰነትንእንታይ ደኣ ጸጋ ክትዀኖ እዩ። ኣምላኽ ሓንቲ ሕጊ ጥራይ እዩ ሂብዎ፣ ካልእ ሕጊ ማለት ኣይትስረቕ ወይ ድማ ኣይትሓሱ ኢሉ ካልእ ኣይወሰከሉን። ብዘይካዚ ዉን፣ ካልእ ኣእላፋት ኣእዋማት ንመግቢ ዝዀንኦ ተዋሂብዎ እዩ። ዂላተን ኣብ ገነት ዝነበረ ኣእዋም «ምርኣዩ ዜብህግ፡ ምብላዑ ዝጥዑም» /ዘፍ 2፥9/ ነበራ። እዛ ትእዛዝ ተዋሂባቶ ዘላ፣ ምእንቲ ነቲ ኣብ መንጎ ኣዳምን እግዚአብሔር ኣምላኽን ዝነበረ ሓድነት፣ መሐለዉታ ንኽትከዉን፣ ብምባል እዩ። ኣዳም ነዛ ዕጸ በለስ ንከይበልዕ ኢሉ ዝገብሮ ጥንቃቐን ገድሊን፣ ምስ ፈጣሪ ፍጹም ሓድነት ንኽህልዎ ይገብሮ፣ ከም ዉጽኢቱ ድማ፣ ኣዳም ብጸጋ እንዳዓበየ ብዝያዳ ንኣምላኽ እንዳመሰለ ናብ ፍጽምና ይዓቢ።
Researches have proved that both biological and psychological issues play the significant role behind the the problem of premature ejaculation. http://www.daveywavey.tv/eroticbody/ generico levitra on line
ኣዳም ነቲ ተዋሂብዎ ዘሎ ናጻ ፍቓድ ተጠቂሙ፣ ንኣምላኽ ከኽብር ይኽእል። ነታ ዝተዋህበቶ ትእዛዝ ብምሕላው ምስቲ ወሃቢ ህይወት ዝዀነ እግዚአብሔር ፍጹም ሓድነት ይቕጽል፣ በዚ ዉን ብህይወት ንዘለኣለም ይነብር። ነታ ትእዛዝ ምስ ዝጥሕስ ማለት ነታ ሕማቕን ጽቡቕን እተፍልጥ፣ ከይትበልዓ ኢሉ ዝተነግሮ ዕጸ በለስ እንድሕሪ በሊዑ ግና፣ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎ ሓድነት ስለዝስበር፣ እዚ ማለት ምስቲ ወሃቢ ህይወት ዝዀነ ኣምላኽ ሕብረት ስለዘይህልዎ፣ ሞት ክመዉት ይኽእል።

ኲልና ከም እንፈልጦ፣ እቲ ኣቐዲሙ ‘ነቲ ልዑል ኣምላኽ’ ክመስል ፈቲኑ /ኢሳ 14/ ብትዕቢቱ ዝተድረበየ ከሳሲና ዲያብሎስ፣ ኣዳም ብምልክዕ ኣምላኽ ወቂቡ ከም ዝተፈጥረ ምስ ረኣየ፣ ተንኮል ኣሊሙ ከስሕቶ ወሰነ። ንኣዳምን ንሄዋንን ከጋጊ፣ ብካልእ ስጋ ተሓቢኡ መጺአ፣ ነታ ኦም ዕጸ በለስ እንድሕሪ በሊዖማ፣ ኣዕይንቶም ከምዝኽፈታን፣ ከም ኣምላኽ ከምዝዀኑን፣ ኢሉ ብምሕሳው ኣታለሎም።

«ስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኲላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ ሐለፈ. . . ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ ኣብቶም ማዕረ እቲ ኣበሳ ኣዳም ሓጢኣት ዘይገበሩውን ሰልጠነ፡» /ሮሜ 5፥12-14/። ብመሰረት ትምህርቲ ቅዱሳን ኣቦታት ኣትናቴዎስን ናይ ኮፖዶቅያ ኣቦታትን፣ ሞት ናባና ዝወረደ መቕጻዕቲ ዘይኰነሲ፣ ካብ ኣምላኽ ምስ ንፍለይ ዘጋጥመና ባህሪያዊ ዉጽኢት እዩ።

original-sinሓደ ሰብ ብርሃን ኣይደልይን እንድሕሪ ኢሉ፣ ጸልማት ክረኽቦ፣ ህይወት ኣይደልይን ዝበለ ድማ ሞት ክረኽቦ ባህሪያዊ እዩ። ኣዳም መሬታዊ እዩ፣ ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ኣምጺኡ ዘኽበሮ ድማ፣ ባዕሉ ኣምላኽ እዩ። ምስ ኣምላኽ ሕብረት እንድሕሪ ሃልዪዎ፣ ንዘለኣለም ክነብር ይኽእል። ምስዚ ምንጪ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝዀነ ኣምላኽ ሕብረት እንድሕሪ ዘይብሉ ግና፣ ሞት ክገዝኦ ግድን እዩ። ኣዳም ብእብራይስጢ ሓመድ ማለት እዩ። ስለዚ ናብ ዘይምንባር ክምለስ ማለት ናብ ሓመድ ክምለስ ግድን እዩ።

ኣብዚ፣ ሞት ተባሂሉ ዘሎ፣ ነፍሲ ካብ ስጋ ምፍላይ ኣይኰነን፤ ከምዚ፡ ስሚ ሰቲኻ ጋሕ ኢልካ እትመዉት፣ ዕጸ በለስ ምስ በልዐ ነፍሱ ካብ ስግኡ ትፍለይ ማለት ኣይኰነን። እንታይ ደኣ ምስ ኣምላኽ ዝነበረ ሕብረት ይፈርስ ማለት እዩ። ምስዚ ምንጪ ዘለዓለማዊ ህይወትና ዝዀነ እግዚአብሔር ሕብረት እንድሕሪ ዘይብልና ድማ፣ ናብ ዘይምንባር ንምለስ ማለት ዘለዓለማዊ ሞት ይገዝኣና።

ስለዚ ሰብ (ኣዳምን ሄዋንን) ነቲ ምስ እግዚአብሔር ዝነበሮም ሕብረትን ሓድነትን ስለዝሰበረዎን ስለዝጥፍእዎን፣ ንሕና ድማ እዚ ሕብረት እዚ ምስ ተሰብረ ስለዝተወለድና፣ ኣባና ዉን ሞት ነገሰ፣ ማለት ምስ ኣምላኽ ሕብረት ዘይብልና ኮይንና። ሕሰብዎ ሓደ ሰለስተ ደቂ ዘለዎ ኣቦ፣ ቁማር ተጻዊቱ ኩሉ ገንዘቡን ንብረቱን እንድሕሪ ኣጥፊእዎ፤ ብሰንኪ ንሱ ዝገብሮ ጌጋ፣ ናብ ደቁን ስድርኡን ድኽነት ከዉርሶም ይኽእል። እንተ ናይ ኣቦኦም ግብሪ ክስዕብዎ፣ ማለት ከምኡ ቁማርተኛታት ክዀኑ ግና፣ ናታቶም ዉሳነ እዩ። ስለዚ ኣዳም ኣቦና፣ ናባና ናብ ደቁ እዚ ድኽነት ማለት፣ ናይ ህይወት ድኽነት (ሞት) ኣዉረሰና፣ ናባና ናብ ኩላትና ዉን ሞት ሓለፈ።

ብሰንኪ ኣዳም፤ ካብ ሕብረት ኣምላኽ ተፈለና፡ ስለዚ ድማ ሞት ክገዝኣና ጀመረ፡ ኣባና ሓዲሩ ዝነበረ መልክዕ ኣምላኽ ተዳኸመን ተጸየቐን፡ እቲ ናብ ቅድስና ክንጥቀመሉ ዝተዋህበና፣ ናይ ናጻ ፍቓድ ጸጋ፣ ብዘይ ኣገባብ ክንጥቀመሉ ጀመርና፣ ማለት እቲ ናጻ ፍቓድ ሓጢኣት ንምስራሕ ክንጥቀመሉ ጀመርና፡ ፍልጠት ኣምላኽ ዘይብልና «ብዕራይ ንዋናኡ፡ ኣድጊ
ድማ ንመብልዕ ማል ጐይታኡ ይፈልጦ. .» /ኢሳ 1፡3/፣ ንሕና ግና ንፈጣሪና ረሲዕና፣ ንኽብሪ እቲ ዘይሐልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዚብልን ንዚመስል ለወጥናዮ። ነቲ ሓቂ
ኣምላኽ ናብ ሓሶት፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ ንፍጡር ከነምልኽ ጀምርና /ሮሜ 1/። እቲ ኲሉ ዝኽእል እግዚአብሔር ኣምላኽ፣ ከም ክቡር ጋሻ ጌሩ ብዕላማ ዝፈጠሮ ሰብ፣ መግለጺ ናይቲ ዘይርአ ባህሪኡ ዝነበረ፣ ሕጂ፣ ብምኽሪ ከይሲ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣትን ዘለኣለማዊ ሞትን ወደቐ። ኣምላኽ ብኽቡር ኢዱ ዝፈጠሮ ሰብ፣ ወዲቑ ክተርፍ እዩ። ስለዚ ኣምላኽ እንታይ ይግበር?!

[1] Against Heresies 4.25 ዝተወስደ ቃል

[2] ናይ ኮፖዶቅያ ኣቦታት ዝበሃሉ፣ ቅ. ባሲልዮስ ዘቂሳርያ፡ ሓዉ ቅ. ጎርጎርዮስ ዘኒሱንን፣ ዓርኩ ዝነበረ ቅ. ጎርጎርዮስ ዘኢንዘናዙን እዮም

[3] On the human condition/ ቅ ባሲልዮስ ዘቂሳርያ ብዛዕባ ኩነታት ደቂ ሰባት ካብ ዝጸሓፎ፣ መጽሓፍ ዝተወስደ ሓሳብ

[4] The creation of human 4/ ቅ ጎርጎርዮስ ዘኒሱን

. . . ካልኣይሳልሳይን ክፋል ይቕጽል

ይትባረክ እግዚአንሔር ኣምላክ ኣበዊነ!