መንፈሳዊ ህይወት ኣብ ግብሪ

መንፈሳዊ ህይወት ኣብ ግብሪ

ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን። ሰላም ንዓኩም፣ ዝኸበርኩም ኣንበብቲ ናይዛ ብሎግ። ንሎሚ ትርጉም ናይ ሓንቲ ጽብቕቲን ሓጻርን መንፈሳዊ መጽሓፍ ሒዘልኩም ቀሪበ ኣለኹ። እዛ መጽሓፍ፣ ኣብ ካናዳ ዝቕመጡ፣ ቀሺ ኣትናቴዎስ እስክንድር ዝበሃሉ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ኣገልጋሊ፣ “Practical Spirituality by Fr Athanasius Iskander” እያ ተዳልያ። ኣብ ናጻ ኣገልግሎት ካብ ትዉዕል፣ ልዕሊ 10 ዓመት ጌራ ኣላ። ኣብ 2008 ዓ.ም.ፈ ብመልክዕ ጽሑፋት ምስ ረኸብክዋ፣ ኣብ ጥራዘይ ቶርጊመ፣ ብመማህራን ናይታ ዘገልግለላ ቤተክርስርቲያን፣ ከም ትእረም ገበርክዋ። ክሳብ ቀረባ ኣዋርሕ ዉን፣ ብጥራዝ መልክዕ ኣብ ሃገር ቤት ነበረት። ኣብዚ ቀረባ ግዜ፣ እታ ጥራዝ ናብ ዘለኽዎ፣ ከተማ ምስ ተላእኸትለይ ግና፣ እዛ ጽሕፍቲ ካልኦት ሰባት ኣንቢቦም ክረብሑላ ይኽእሉ እዮም ብምባል፣ ኣብዚ ብሎግ ሶሙናዊ ከዉጽኣ ሓሲበ ኣለኹ።

ነዛ ጽሕፍቲ ኣብዛ ብሎግ ቅድሚ ምስፋረይ፣ ነቶም ነዛ መጽሓፍ ዘዳለዉ ኣቦ፣ ብኢሜይል ረኺበ፣ ፍቓድን ቡራኬን፣ ሓቲተ። ከም ፍቃድ ኣምላኽ ድማ፣ ንክጽሕፋን፣ ብናጻ ንካልኦት ከካፍላን፣ ፍቃዶምን ቡራኬኤሙን፣ ሃቡኒ። እነሆ ከም ቃለይ፣ ሶሙናዊ ሓሓንቲ ምዕራፍ ፖስት ክገብር እየ። ተስፋ ይገብር፣ ክእረም ዝግብኦ ትግሪኛ፣ እንድሕሪ ሃልዩ፣ ክትሕብሩኒ። ብሩኽ ንባብ።Temptations_of_Christ_(San_Marco)

መእተዊ- ክርስቲያናዊ ፍጹምነት!

ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን፣ ሓደ ኣምላኽ፣ ኣሜን! ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት፣ ሰብ ብመልክዕን ምስሊን ኣምላኽ ከም ዝተፈጥረ ይነግረና። ። ብዘይካ`ዚ ዉን፣ ሰብ ካብ ካልኦት ፍጥረታት ፍልይ ዘብሎ፣ ብሰናይ ድሌትን ፍቓድን ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽ እዩ ተፈጢሩ። ማለት፣ ሰብ ብሰናይ መገዲ ምእንቲ ክመላለስ እዩ ተፈጢሩ፣ ምኽንያቱ ብፍቓድ`ቲ ምንጪ ኲሉ ሰናይ ነገር ዝዀነ፣ እግዚአብሔር ስለዝተፍጥረ። ስለዚ`ዩ፣ ሰብ ብተፈጥርኡ፣ ናብቲ ንሱ ዝተፈጥረሉ ምስሊ፣ ናብ ኣምላኽ ዝጥምት። እዚ ሰናይ ነገር ክንገብር ዝድርኸና ሓይሊ፣ ባሕሪያዊ (ተፈጥሮኣዊ) ኮይኑ፣ ሰናይ ነገር ክንገብር ድማ ሓይሊ ይህበና። እዚ ባህሪያዊ ሓይሊ `ዚ፣ ናይ ሕሊና ሕጊ ይበሃል /ሮሜ2፥14/።

ኣዳምን ሄዋንን ምስ ወደቑ፣ ህይወት ደቂ ሰባት ክበላሸዉ ጀመረ፣ ሓጢኣት ዉን ናብ ባህሪ ደቂ ሰባት ኣተወት። ኣብ ፍቓድን ኣተሓሳስባን ደቂ ሰባት ዉን፣ ክግመት ዘይክእል ኣሉታዊ ለዉጢ ኣተወ። እቲ ብባህሪኡ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ዝዉከልን፣ ናብቲ ምስሉን መልክዑን ዝዀነ ኣምላኽ ዝጥምት ዝነበረ ሰናይ ባህሪ ደቂሰባት፣ ተጸየቐ። ሓጢኣት ከኣ «ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ» ዝብል ጠባይ ኣተኣታተወት። እዚ ኸኣ፣ ንዓና ንደቂ ሰባት ኣብ ክልተ ባህሪ ከም ንቕርቀር ገበረና። እቲ ሓደ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ክትዉከልን ክትሙርከስን ዝገብር ዝዓበየ ድሌት፣ እቲ ካልኣይ ድማ ገዛእ ስጋኻ ከተዕግብ ዝደፋፍእ ዝተሓተ ድሌት። ብተወሳኺ፣ ሓጢኣት ምስ ሕጊ ሕሊና ዝጻረር ካልእ ሕጊ ሓጢኣት ብምትእትታዉ፣ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ኣርከሰቶ። እዚ ኩነታት እዚ፣ ናብ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ፈተናታት ከም ንኣትዉ ገበረና። ቅዱስ ጳዉሎስ ባዕሉ፣ ኣብ መልእክቱ ነዚ ነገር ገሊጽዎ ኣሎ/ሮሜ 7፥18-19/ “ሰናይ ንምግባር ደኣ ድሌት ኣለኒ እምበር፣ ምግባር ሰናይሲ የብለይን። ስለዚ ኣባይ፣ ማለት ኣብ ሰብ ሰብኣዊ ባህርየይ ሰናይ ከም ዘየብልቦ እፈልጥ ኣሎኹ። ነቲ ኸገብሮ ዝደልዮ ሰናይ ዘይኮነስ፣ ነቲ ኽገብሮ ዘይደልዮ ነገር እየ ዝገብር ዘሎኹ”

ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ብተዋህዶ ነቲ ድኹም ስጋና ምስ መለኮቱ ኣወሃሂዱ ምስ ተገልጸ፣ ነቲ ረኺሱ ዝነበረ ባህሪና፣ ናብ ናይ ቀደም ክብሩ ማለት ናብቲ ብመልክዕን ምስሊን ኣምላኽ ዝተፈጥረሉ ደረጃ መለሰና። ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብምሟት ድማ፣ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝነበሮ ልዕልና ከም ዘኽትም ገበሮ። ብናይ ጥምቀት ምስጢር ኣቢልና ድማ፣ ምስኡ ሕብረትን ሓድነትን ብምፍጣር፣ ንሓጢኣትን ርኽሰትን ተቃሊስና ንስዕረሉ ጸጋ ተዓደለና። ብሚስጢረ ጥምቀት ድግማይ ካብ ማይን መንፈስን ንዉለድ፣ መንፈስ ቅዱስ ዉን ንቕበል።  መንፈስ ቅዱስ ከኣ፣ ናብ ቀደም ክብሪና፣ ንምስሊ ኣምላኽ ዳግማይ ክንመስል ኣብ ንገብሮ ነዊሕ ቃልሲ፣ ኣባናን ምሳናን ኮይኑ ብምስራሕ፣ ዳግማይ ነቲ ዝዓበየ ክብሪ ክንበቅዕ ይገብረና።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣብ ኣንቀጸ ብጹኣን ክምህር እንከሎ፣ «ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ ንስኻትኩም ዉን ፍጹማት ኲኑ» /ማቴ 5፥18/ በለና። ዳግማይ ብጥምቀት ተወሊድና፣ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓዲስና ነጺህናን፣ ፍጹማን ክንኸዉን፣ እኳ ደኣ፣ ከምቲ ናይ ሰማይ ኣቦና ፍጹማን ክንኸዉን፣ ጐይታ ነገረና። እዚ፣ «ክርስቲያናዊ ፍጹምነት» ይበሃል። ባህሪኻ ለዊጥካ፣ ናብ ናይ ቀደም ክብሪ፣ ንምስሊ ኣምላኽ ምሓዝ።

መጽሓፍ ቅዱስ፣ ናይ ፍጹምነት ደረጃ ክንበጽሕ ከም ዝግብኣና፣ ብብዙሕ መንገዲ ይነግረና። ሓደ መንእሰይ ናብ ጐይታ ቀሪቡ፣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብሲ፣ እንታይ ክግበር ኣሎኒ፣ ኢለ ምስ ሓተተ። ጐይታ፣ «ንምንታይ ብዛዕባ ጽቡቕ ትሐተኒ አሎኻ፧ እቲ ጽቡቕሲ ሐደ እዩ። ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሌኻ ግና፡ እተን ትእዛዛት ሐሉ. . ኣይትቕተል፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ብጻይካውን ከም ነፍስኻ ፍቶ፡ በሎ። እቲ ጐበዝ፡ እዚ ዅሉ ካብ ንእስነተይ ሒዘ እሕልዎ አሎኹ፡ እንታይ ደኣ እዩ ዚጐድለኒ ዘሎ፧ በሎ። ኢየሱስ ከኣ፡ ፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስ፡ ኪድ፡ ዘለካ ሼጥካ ንድኻታት» /ማቴ 19፡16-21/ በሎ። ብኸምዚ መንገዲ ድማ፣ ጐይታ፣ ነቲ ሕጊ ኲሉ ፈጺመ እየ ዝበለ መንእሰይን፣ ነቶም ፈጸምቲ ሕጊ ኢና በሃልቲ ፈሪሳዉያንን (ነቶም ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለና ሰባትን)፤ ሓደ መልእክቲ ኣመሓላለፈ። ንሱ ድማ፣ ኲሉ ሰብ፣ ክርስቲያናዊ ፍጹምነት እንድሕሪ ዘይብሉ፣ መንግስቲ ኣምላኽ፣ ኣይወርስን። እዚ መንእሰይ ክቅበሎ፣ ዘይከኣለ፣ ክርስቲያናዊ ፍጹምነት፣ ኣዝዩ ኣገዳስን ኣድላዪን እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፣ ዘለኣለማዊ ህይወት ወይ መንግስተ ሰማያት ክንወርስ እንታይ ከም ዘድልየና፣ ይነግረና እዩ። ብኸመይ መንገዲ ንዝብል መስርሒ ግና፣ ኣነጺሩ ኣይነግረናን። እዚ ንነፍሲ ወከፍና ዝግደፍ ጻዕሪን ገድሊን እዩ። «ከምቲ ኲሉ ሳዕ ዝተኣዘዝኩምዎ፣ ብፍርሓትን ብራዕድን ምእንቲ ድሕነት ናይ ገዛእ ርእስኹም ድሕነት ስርሑ» ከም ዝበለ ቅዱስ ጳዉሎስ /ፊሊ 2፡12/። ቃል ኣምላኽ ከም ዝምህረና፣ ድሕነት ክንረክብ፣ ጻዕሪን ገድሊን ኣድላዪ እዩ። እቲ ዘሐጉስ ነገር ግና፣ ኣብዚ ጻዕሪ`ዚ በይንና ኣይኰንናን። ኣባና ሓዲሩ፣ ምሳናን ብኣናን ምእንታናን ኢሉ ዝዓዩ፣ መንፍስ ቅዱስን ጸጋ ኣምላኽን ኣሎና።

ቤተክርስቲያን ድሕሪ ምምስራታ ዝነበሩ ቀዳሞት ክርስቲያና፣ ድሕነት ንምርካብ፣ ብፍሉይ መስዋእትነት ማለት ብሰማእትነት እንዳሞቱ፣ መንግስተ ሰማያት ይወርሱ ነበሩ። ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ክፍለ ዘመናት ዝነበሩ ክርስቲያናት፣ ነፍሶም ኣሕሊፎም ብምሃብ ደሞም ምእንቲ ክርስቶስ ኣፍሲሶም፣ ናይ ዘለዓለማዊ ህይወቱ ይወርሱ ነበሩ። እቲ ዘመን’ቲ ንብዙሓት ምእመናን፣ ብሰማእትነት ኣቢሎም፣ መንግስተ ሰማያት ዝወርሱሉ፣ ዕድል ከፊቱሎም እዩ።

ቆስጠንጢኖስ ነጊሱ፣ ኣዋጅ ምስ ተኣወጀ፣ ክርስትና ዉን ናጽነት ዘለዎ እምነት ምስ ዀነ፤ ሽዑ ዝነበሩ ክርስቲያና፣ ድሕነት ነፍሶም ዝረኽቡሉ፣ መንገዲ ከናድዩ ጀመሩ። ኣብ ገዳማት ብምምንኳስ ድማ፣ ድሕነቶም ክፍጽሙ ጀመሩ። ዋላኳ ደሞም ምእንቲ ክርስቶስ ኢሎም ብመስዋእትነት ከሕልፉ ዕድል ኣይርከቡ፤ ኮይኑ ግና፣ ስጋዊ ኣካላቶም፣ ህያዉን ቅዱስን መስዋእቲ ንኣምላኽ ባህ ዘብል፣ ጌሮም ብምቕራብ፣ ድሕነቶም ክፍጽሙ ጀመሩ /ሮሜ 12፡1/።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ብዛዕባ መንፈሳዊ ቃልሲ ዝነግር፣ ብዙሕ ቃል ኣምላኽ ኣሎ። «እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም» /ገላ 5፡24/ «ንኻልኦት እናሰበኽኩ፡ ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንስጋይ የሰቅዮን እገዝኦን ኣሎኹ።» /1 ቆሮ 9፡27/። ኣብ ገሊኡ ድማ፣ ከም ኣትሌት ጎየይቲ ክንጎዪ ከም ዝግብኣና ይነግር። «ኣብቲ ስፍራ ቕድድም ዚቃዳደሙኸ ዂላቶም ከም ዚጐዩ፡ ነታ ዓስቢ ዓወት ግና ሓደ ኸም ዚወስዳዶ፡ ኣይትፈልጡን ዲኹም፧ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትረኽብዋ፡ ከምኡ ጒየዩ።» /1 ቆሮ 9፡24/ «ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ።» /እብ 12፡1/። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ፣ ከም ኲናት ይገልጾ። «ምስ ሓጢኣት ብምቅላስኩም ገና ኽሳዕ ኣብ ደም እትበጽሑ ኣይተቓወምኩምን።» /እብ 12፡4/ «ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ የሱስ ዓቀይታይ ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ።  ዓቀይታይ ናብ ኵናት ከይዱስ፡ ነቲ ዝዓቀዮ ምእንቲ ኼስምሮ ኢሉ፡ ብናይ መነባብሮኡ ዚጠላለፍ የልቦን።» ከም ምስ ኣራዊት ምቅላስ ጌሩ ዉን ኣብ ካልእ ይገልጾ። «ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።» /1 ጴጥ 5፡8/

ናይዘን ጥቅሲታት ቀንዲ መልእኽቲ ብሓፈሻ፣ መንፈሳዊ ህይወት ኣንጻር ጸላኢ ሰናያትን ገዛኢ ጸልማትን እንዳተቃለስካ ዝንበር ቃልሲ፣ ዝጉየ መንገዲ ምዃኑ እዩ። «እቲ ቃልስና ምስ ህልቃነት ስልጣናት ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለም ምስ መናፍስቲ እከይ ኣብ ሰማይ እዩ እምበር፣ ምስ ስጋን ደምስ ኣይኰነን» /ኤፌ 6፡12/።Over-bearing hopelessness accompanied by means of gloomy feelings. 3. purchase viagra visit my drugshop now

እቶም ነዚ መንገዲ ዝተረድኡን፣ ነዚ ህይወት ክነብሩ ዝመረጹ ኣመንቲን፣ ናብ ገዳም ከይዶም ነዚ ቃልሲ ክጋደልዎ ጀመሩ። ከም ናይ ክርስቶስ ኣትሌታት ጎየይቲ ኮይኖም፣ ኣንጻር ኣጋንንቲ እንዳተቃለሱ ድማ፣ ናብ ክርስቲያናዊ ፍጽሙነት ክበጽሑ ከኣሉ። ብከምዚ መንገዲ ድማ፣ ምንኩስና ህይወት ንሰማእትነት ክትክእ በቅዐ። እቶም ቅድሜና ዝሓለፉ፣ ኣትሌታት (መንፈሳዊ ጉያ ዝጎየዩ)፤ ከመይ ጌርና ክርስቲያናዊ ፍጹምነት ክንበጽሕ ከም ንኽእል ዝምህሩን ዘረድኡን ጽሑፋት ብምሕዳግ፣ ንዓና ብዙሕ ዉዕለት ጌሮምልና እዮም። በዚ መልክዑ ዉን፣ ገዳማት ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን፣ ንፍጹምነት ዘብጽሑ መንፈሳዊ ዩኒቨርሲቲ ክዀና በቂዐን እየን። ገዳማዉያን ኣቦታትን ኣዴታትን ድማ፣ ነዚ ሕጂ መንፈሳዊነት ኢልና፣ ንዛረበሉ ዘለና፣ ናብ ፍጹምነት ክንበጽሕ ዝሕግዙና መስርሓት፣ ብጥበብ ክሰርሕዎ ጀመሩ። ኣብዘን ዩኒቨርሲታት (መንፈሳዊ)ዉድቀት ይዂን ዓወት ዉጽኢቱ ብዘየገድስ፣ ናይተን ዝተገብራ ፈተነታት (መንፈሳዊ)ዉጽኢተን፣ ኲሉ ኣብ መጽሓፍ ሰፊሩ ተሓቲሙ እዩ።

እቲ ዝገርም ድማ፣ እቶም ነዚ ህይወት ዝሓለፍዎ ገዳማዉያን መነኮሳት፣ እንትርፎ ክዛረቡ እንተዘይተኣዚዞም፣ ብዛዕባ ብሂላቶምን ተሞክሮኦምን ኣይዛረቡን፣ ንሰባት ዉን ኣይነግሩን። (ካብ ከንቱ ዉዳሴ ንምርሓቅ)። እቲ ኮይኑ እቲ ግና፣ ኲሉ ጥበባት መንፈሳዊ ህይወት፣ ክርስቲያናዊ ፍጹምነትን፣ ኣብ መጽሓፍቲ ሰፊሩ ኣሎ። ጥበብ ምንኩስና ክመሃር ዝደሊ ሰብ ድማ፣ ነዘን ጽሑፋት እንዳፈተሸ፣ ብዙሕ ትምህርቲ ክረኽብ ይኽእል።

መነኮሳት ኣቦታትና፤ እንታይነት ሓጢኣት፡ ዓይነት ሓጢኣት፡ ንሓጢኣት ዘቃልዑ ረቋሒታት፡ ብከመይ መንገዲ ክንቃለሶምን ክንስዕሮምን ንኽእል፤ ዝብሉ ጽሒፎምልና ኣለዉ። ንስነ-ምግባር ፤ ብዓይነትን ሜላን ብምምቃል፣ ከመይ ጌርና ከነጥርዮምን፣ ባህሪና ክንገብሮምን፣ ከም እንክእል ምሂሮምና ኣለዉ። ካብ ኲሉ ዝያዳ ዝገርም ድማ፣ ገሊኦም ኣብ ምብራቅ፡ ገሊኦም ኣብ ሰሜን፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ምዕራብ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ መኣዝናት ዓለም እንዳነበሩ ክነሶም፣ ኣብቲ ኣበሃህላኦምን ኣገላልጽኦምን ግና፣ ኲላቶም ዝሰማምዑ ምዃኖም እዩ። ኣብ ቅዱሳን ኣቦታትን ዘለዋ፣ ክልተ ዓበይቲ መምርሒታት፣ እዚኣተን እየን። ሓደ፣ ናብ ክርስቲያናዊ ፍጹምነት ክበጽሕ ዝደሊ ሰብ፣ እዚአን ነገራት ክገብር ኣለዎ።

እቲ ቀዳማይ፣ ወዲ መዝሙር ማለት ተማሃራይ ምኳን እዩ። ብዛዕባ ገድሊ ቅዱሳን ከነንብብ እንከሎና፣ ኣባ ክስቶ ናይ ኣባ ክስቶ ወደ መዝሙር ኔሩ ዝብል እዩ። በዓል ቅዱስ ጳዉሊ ባሕታዊ፡ ቅዱስ እንጦንስ ርእሰ መነኮሳት፣ ቅዱስ መቃርስ ዓቢ ወዘተ፤ ንጥበብ መንፈሳዊነት ዓንዲ ኮይኖም፣ መሰረት ናይቲ መንፈሳዊ ህይወት ዩኒቨርሲቲ ኣንጺፎም እዮም። ጥበባት መንፈሳዊ ህይወት ክመሃር ዝደሊ ሰብ፣ ቅድም ቀዳድም፣ ወደ መዝሙር ማለት ተማሃራይ ክከዉን ይግባእ። ገዛእ ርእሱ ናብ መማህራን ከቕርብ ኣለዎ። ንሓደ መምህር ፍጹም ተገዚኡ፣ ተማሃራዩ ክኸዉን ይግባእ። እዚ ግና ኣዝዩ ከቢድ እዩ ኔሩ። ሓደ መምህር፣ ወደ መዝሙሩ ክትኸዉን ክቕበለካ ኣንድሕሪ ኮይኑ፣ ቅድም ፈተና ትፍተን ኢኻ። ነቲ ዝተዳለወ ፈተና፣ ብግቡእ እንድሕሪ ሓሊፍካ፣ ብድሕሪ`ዚ ተማሃራይ ናይቲ መምህር ክትኸዉን ይፍቀደልካ። እቲ ዝቀርብ ፈተናታት፣ ንዝተፈላለየ መንፈሳዊ ባህሪያት ዝፍትሽ ኣዝዩ ረቂቕ እዩ። ንኣብነት፣ ቅዱስ ጳቅሚዩስ ናይ ቅዱስ ጳሊሞን ተመሃራይ ንክኸዉን፣ ሰለስተ መዓለቲ ኣብ ኣፍደገ ደው ኢሉ ለሚኑ እዩ።

እቲ ካልኣይን ኣገዳሲን መምርሒን ድማ፣ ኣብ ገዛእ ራስኻ ሓይልን ጥበብን ዘይምምርኳስን ዘይምውካልን እዩ። ስነ-ምግባር ክመሃር ኢሉ ዝቐረበ ተማሃራይ፣ ኣብቲ ንዕዑ ክምህርን ከሰልጥንን ኢሉ ሓላፊነት ዝወሰደ መምህር (ኣቦ)ሙሉእ እምነት ከሕድርን፣ ንዕኡ ፍጹም ክእዘዝን ይግባእ። መማሃራን ማለት ኣቦታት፣ ንተኣዛዝነት ደቀ መዛሙርቶም ብብዙሕን ዘገርሚን መንገዲታት ይፍትንዎም ነበሩ።

ሓደ እዋን ሓደ ኣቦ፣ ንወዲ መዝሙሮም፤ ንቕጽቲ በትሪ ኣምጺኦም ብምትካል፣ ማይ ኣስትዩ ከብቊላ ኣዘዝዎ። እቲ ወዲ መዝሙር ዉን፣ ብተኣዛዝነት ንሰለስተ ዓመት፣ ካብ ርሑቅ ቦታ ማይ ኣምጺኡ ብምስታይ፣ ጠጢዓ ፍረ ከተፍሪ ገበራ። ካልእ ተማሃራይ ዉን፣ ኣብቲ ከባቢ ገዳም ዝብኢ የለን እንዳበለ ክዛረብ እንከሎ፣ መምህሩ ሰምዕዎ እሞ፣ ከይዱ ዝብኢ ደልዩ ከምጽእ ኣዘዝዎ። እቲ ተማሃራይ ብፍጹም ተኣዛዝነትን ብእምነትን ከይዱ፣ ዝብኢ ደልዩ ብምሓዝ፣ ናብ መምህሩ ኣቕረበ። መምህሩ ግና፣ «ዝብኢ እምበሪ፣ መዓስ ከልቢ ኢሌካ» ብምባል መለስዎ።

እቶም ንመማሃራኖም ኣሚኖም ብፍጹም ተኣዛዝነት ዝተማሃሩን ዝሰልጠኑን ተማሃሮ (ደቀ መዛሙርት)፣ ትምህርቶም ምስ ወድኡ፣ ብርጊኦም፣ መማሃራን ኮይኖም ንካልኦት ክምህሩን፣ ነቲ ዝተማሃርዎ ናብ ካልኦት ከሰጋግሩ በቂዓም እዮም። ኣብ ብሂል ቅዱሳን ኣቦታት ኲሉ ግዚ እትዝዉተር ብሂል፣ «ብጹእ ኣቦና ከምዚ በለ. .ብጹእ ኣባ ክስቶ ንኣባ ክስቶ ከምዚ በሎ» ዝብል እዩ። ተማሃራይ ናይ መምህሩ ብሂል ጥራይ እዩ ዘግም፣ መምህር ምስ ኮነ ድማ፣ ነቶም ናቱ ተማሃሮ፣ ናቱ ብሂል ክምህርም ይጅምር።

ኣብ መጽሓፍ ናይ መነኮሳት ዘሎ ኲሉ ብሂላት፣ ኣዝየን ደስ ዝብላ እኳ እንተዀና፣ ንኲሉ ሰብ ግና ምቹእ ኣይኮናን። ከምቲ ቅዱስ ጳዉሎስ ዝበሎ «ገና ስጋዉያን ስለዝዀንኩም ጸባ እምግበኩም ኣለኹ፣ ዕጹም መግቢ ኣይኮነን። ኣይከኣለኩምን ሕጂ እኳ ኣይትኽእልዎን ኢኹም።» /1 ቆሮ 3፥2/። ንህጻናትን ንዓበይቲን እትህቦ መግቢን ይፈላለ እዩ።

ኣብ ህይወት፡ ተሞክሮን፡ ብሂላትን ቅዱሳት ኣቦታትን ተሞርኪሶም፣ ብዙሓት መንፈሳዊ መጽሓፍቲ ተጻሒፈን እየን (THE LADDER of DIVINE ASCENT” by John Climacus, THE INSTITUTE and THE CONFERENCE by John Casians two books ከም ኣብነት ክጥቀሳ ይኽእላ)። ኣብ ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ኣበመኔትን ሊቅን ዝነበረ፣ ቅዱስ ቴዎፋን ባሕታዊ ዘዳለዋ፣ The Unseen warfare /ዘይርአ ዂናት/ ትብል መጽሓፍ ዉን ኣላ። ብሂላት ቅዱሳን ኣቦታት በብክፍሉን ኣርእስቲን መቓቂሉ፣ ናቱ ትንታነ ወሲኹ፣ ዘዳለዋ እዩ። እዛ ኣብ 16 ክ/ዘ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ንመነኮሳት ኮይና፣ መንገዲ ክርስቲያናዊ ፍጽምና ጽቡቕ ጌራ እተረድእ እያ። ብቲቶ ኮሊያንደር ዝተጻሕፈት፣ The Way of Ascetics/ መንገዲ ባሕታዉያን/ ትብል መጽሓፍ ግና፣ ፍልይ ዝበለት እያ። እዛ ኣብ ፊላንድ ዝነብር ብበዓል ሓዳር ኦርቶዶክሳዊ ክርስቲያን ሰብኣይ፣ ኣብ መፋርቅ 20 ክ/ዘ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ፣ ማንም ታራ ሰብ፣ ከመይ ጌሩ ብሂል ቅዱሳን ኣቦታት ኣብ ህይወቱ ከተግብሮ ክርም ዝኽእል እትምህር ጽብቕቲ መጽሓፍ እያ። ኣብ መፍቃር 20 ክ/ዘ ዝነበረን፣ ሕጂ ኣብ 21 ክ/ዘ ዘሎ ህይወት ኣዝዩ ፍልልይ ኣለዎ። ዓለም ሕጂ ከፊኣ ኣላ። ንክንስዕራን ከኣ ካብ ገዳማዉያን ኣቦታትና መምርሒታትን ሜላታትን ክንልቃሕ የድልየና።

ኣብ 21 ክ/ዘ ዘለና ኦርቶዶክሳዉያን ክርስቲያናት መንእሰያት ነዚ ከነስትዉዕል ይግባእ። እዚ ጽሑፍ፣ ኣብ ጾም ኣርባዓ ናይ 2001 ዓ.ም.ፈ፣ «መንፈሳዊ ህይወት ኣብ ግብሪ/Practical Spirituality» ብዝብል እርእስቲ ኣብ ኦንታርዮ ካናዳ ዝመሃርክዎ ትምህርቲ እዩ። ኣብዚ ጽሑፍ ዘሎ መምርሒታት ከም መበገሲ እምበር ቀያዲ ኣይኰነን። ስለዚ ቅድሚ ኣብዚ መጽሓፍ`ዚ ዘሎ መምርሒታት ምትግባርኩም፣ ኣቀዲምኩም ምስ ኣበ ነፍስኹም ተዛተዩ። ገለገለ መንገዲታትን መምርሒታትን ብዉልቂ ከይሰማምዓኩም ይኽእል።

ፍጹም ክርስቲያን ክንኸዉን፣ ፍቃድናን ኣእምሮናን ኣተሓባቢርና፣ ናብቲ ዝተፈጠርናሉ ምስሊ ናብ እግዚአብሔር ምስ ነቅንዕ ጥራይ እዩ። ስለዚ ቀዳማይን ካልኣይን ምዕራፋት፣ ፍቃድናን ኣእምሮናን ምቁጽጻር ክኸዉን እዩ። ዝቅጽላ ምዕራፋት፣ ንሓጢኣት ምቅላስን፣ ሞራላዊ ኣካይዳን ዝምልከታ እየን። ናይ ህዋሳትን ናይ ተዘክሮ ሓሳባትን ሓጢኣት ክስዕብ እዩ። ሕቡእ ሓጢኣት ዝምልከትን፣ ፍጹማት ምእንቲ ክንኸዉን ዘኽእላና ስነምግባራትን ዝሓዘላ ነጥቢታትዉን ክህልዋና እየን። እግዚአብሔር ኣምላኽ፣ ነዚ ጽሑፍ`ዚ ባሪኹ፣ መንፈሳዊ ህይወትና መዕበዪን፣ ንስሙ መመስገኒን ይግበረልና፣ ኣሜን።