ጸሎት ዘዘዉትር ብትግሪኛ

ብስም አቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ብዝኸዉን ብቅድስት ስላሴ እናተማሕጸንኩን ኣብ ቅድሚ እዛ ኣደይ 
ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፣ ሰይጣን እኽሕደካ ኣሎኹ። ንሳዉን ናይ ዘለዓለም ጸግዐይ ምስክረይ ዝኾነት ማርያም እያ። 

ነአኵተከ 

ኦ ጐይታ ነመስግነካን ነኽብረካን ኣሎና፣ ኦ ጐይታ ኣሚንና ንግዝኣካ ኣሎና፣ ንቅዱስ ስምካዉን ንግዛእ ኣሎና፣ ናይ ኩሉ 
ብርኪ ዝሰግደልካ፣ ናይ ኩሉ ልሳን ዚግዝኣልካ ጐይታ ንሰግደልካ ኣሎና፣ ናይ ኣማልክት ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ። ናይ 
ጐይቶት ጐይታ፣ ናይ ስጋን ናይ ኵላ ነፍስን ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ፣ ክቡርን ምስጉንንወድኻ ንስኻትኩምሲ ክትጽልዩ 
ከሎኹም ከምዚ በሉ እናበለ ከም ዝመሃረና ከምዚ ኢልና ንጽዉዓካ ኣሎና። 

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና 

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ፣ መንግስትኻ ትምጻእ፣ ፈቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማያት ከምኡዉን ኣብ ምድሪ 
ይኹን፣ ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና፣ ንሕና ንዝበደሉና በደሎም ከም ዝሓደግናሎም በደልና ሕደገልና፣ ካብ ክፉእ 
ኣድሕነና እምበር ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፣ መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘልዓለም ናትካ እዩ እሞ፣ ኣሜን። 

በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ 

ኦ እግዝእትየ ማርያም ብናይ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ሰላምታ ሰላም እብለኪ፣ ብሕልናኪ ድንግል ኢኺ፣ ብስጋኺዉን 
ድንግል ኢኺ። ኣደ እግዚአብሔር ጸባዖት (ጐይታ ሰራዊት) ሰላም እብለኺ ኣሎኹ። ንስኺ ካብ ኣንስት ብርኽቲ ኢኺ 
ፍረ ከርስኺ ዉን ብሩኽ እዩ። ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ፣ ኦ ፍስሕትደስ ይበልኪ፣ ሓጢኣትና 
ኪሰርየልና ናብ ፍቁር ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ምሕረት ለምንልና። 

መእተዊ ጸሎተ ሃይማኖት 

ኦ ኣደ ሓቀኛ ብርሃን ነኽብረኪ፣ ኦ ቅድስት ድንግል ወላዲተ ኣምላክ፣ መድሕን ዓለም ስለ ዝወለድክልናን፣ መጺኡ ኸኣ 
ንነፍስና ስለ ዘድሓነናን ነምስግነኪ። ኦ ጐይታናን ንጉስናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ንዓኻ ይኹን። ንስኻ 
ንሓዋርያት ሞገሶም፣ ንሰማዕታት ኣኽሊሎም ንጻድቃን ዕልልታኦም፣ ንቤተክርስቲያን ጽንዓታ፣ ንሓጥኣን ሕድገት። 
ብሓደ ዝመለኮቱ ስሉስ ቅዱስ ነበስር፣ ንሰግደሉን ነኽብሮን። ኦ ጐይታ መሓረና፣ ኦጐይታ ይቕረ በለና፣ ኦ ጐይታ 
ባርኸና፣ ኣሜን። 

ጸሎተ ሃይማኖት 

ንኵሉ ብዝሓዘ ሰማይን ምድርን ዚረአን ዘይረአን ብዝፈጠረ ብሓደ ኣምላኽ እግዚአብሔር ኣብ ነኣምን። 
ብሓደ ጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ፣ ዓለም ከይተፈጥረ ምስኡ ህልው ብዝኾነ ወልደ አብዋሕድውን ነኣምን። ካብ ብርሃን 
ዝተረኽበ ብርሃን፣ ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ሓቀኛ ኣምላኽ፣ ዝተወልደ እምበር  ፍጡር ዘይኮነ፣ ብመለኮቱ ምስ 
አብ ማዕረ ዝኾነ፣ ኵሉ ብእኡ ዝተፈጥረ ብዘይካኡ ግና ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ይኹን ኣብሰማይ ዘሎ ምንም ዝተፈጥረ 
የልቦን። ምእንታናJim joined IFS in 2001 where he has work ed within the Major Accounts group as well as in Analyst Relations. you can try here levitra 10 mg ምእንቲ ደቂ-ሰባት፣ ምእንቲ ምድሓንና ካብ ሰማያት ዝወረደ። ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት 
ድንግል ማርያም ስጋ ሰብ ኮነ። ሰብ ኮይኑ ድማ ብዘመን ጴንጤናዊ ጲላጦስ ምእንታናተሰቕለ፣ መከራ መስቀል ተቐበለ፣ 
ሞተ ተቐብረ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝተጻሕፈ፣ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካም ምዉታን ተፈልዩ ተንስአ። ብኽብሪ 
ናብ ሰማያት ዓረገ፣ ኣብ የማን ኣቦኡ ተቐመጠ። ከም ብሓድሽ ድማ ንሕያዋንን ንምዉታንን ኪፈርድ ብኽብሪ ኪመጽእ 
እዩ። ንመንግስቱ መወዳእታ ይብሉን። 
ጐይታን መሕወዩን ብዝኾነ ካብ ኣብ ብዝሰረጸ፣ ብመንፈስ ቅዱስ ነኣምን፣ ምስ ኣብን፣ ወልድን ንሰግደሉን ነመስግኖን 
ንሱ ኣብ ነብያት ሓዲሩ ዝተናገረ እዩ። 
ልዕሊ ኵሉ ብዝኾነት ናይ ሓዋርያት ጉባኤ ብሓንቲ ቅድስት ቤተክርስትያን ነአምን።  ሓጢኣት ንምስትስራይ ብሓንቲ 
ጥምቀትዉን ነኣምን፣ ንትንሳኤ ምዉታንን ንዘለዓለመ ዓለም ዚመጽእ ሕይወትን ተስፋ ንገብር። ኣሜን። 

ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባዖት 

ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባዖት ጐይታ ሰራዊት ናይ ጐይትነቱ ምስጋና ፈጺሙሰማይን ምድርን ዝመልአ እዩ፣ 
ኦ ክርስቶስ መጺእካ ኣድሒንካና ኢኻሞ፣ ምስ መሓርን ሰማያዉን ኣቦኻ፣ መሕወዩን ምስ ዝኾነ ቅዱስ መንፈስካ 
ንሰግደልካ ኣሎና። 
ንኣብን ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስ ሓንቲ ስግደት (3 ግዜ)፣ ሓደ እንከለዉ ሰለስተ፣ ሰለስተ እንከለዉ ሓደ፣ ዝኾኑ፣ 
ብኣካላት ሰለስተ ብመለኮት ሓደ እዮም። 
ኣምላኽ ንዝወለደት ብስጋን ብነፍስን ንጽሕት ንዝኾነት እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም እሰግድ፣ 
ዓለም ንምድሓን ንዝተሰቕለሉ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል እሰግድ። 
መስቀል ሓይልና እዩ፣ 
መስቀል ጽንዓትና እዩ፣ 
መስቀል ቤጃና እዩ፣ 
መስቀል መድሕን ነፍስና እዩ። 
ኣይሁድ ከሓድዎ ንሕና ግን ኣመንናዮ፣ ዝኣመንና ንሕና ድማ ብናይ መስቀሉ ሓይሊ ደሓንና። 

ሰላም ለኪ 

እንሰገድና ንዓኺ ሰላምታ ይግባእ ንብል፣ ኦ ኣዴና ማርያም ካብ ሃዳናይ ኣራዊት ዲያብሎስ ክተድሕንና ንልምነኪ፣ 
ናባኺ ከኣ ንምዕቈብ ምእንቲ ኣዴኺ ሓናን ምእንቲ ኣቦኺ ኢያቄምን ኦ ድንግል ሎሚ ማሕበርና ባርኺ። 

ናይ እግዝእትነ ማርያም ጸሎት 

ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ፣ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኸይ በቲ ምድሓንየይ ባህ ይብላ። ዉርደት ባርይኡ ርእዩ እዩሞ 
እንሆ ካብ ሕጂ ኵሎም ወለዶ ብጽዕቲ ኪብሉኒ እዮም። እቲ ኵሉ ዚኽእል ዓበይቲ ነገራት ጌሩለይ እዩሞ፣ ስሙቅዱስ 
እዩ ምሕረቱዉን ኣብቶም ዝፈርኍኦ ንዉሉድ ወለዶ እዩ፣ ብቕልጽሙስልጣኑ ሓይሊ ገበረ፣ ንዕቡያት ሓሳባት ልቦም 
በተነሎም፣ ንሓያላት ካብ ዙፋዉንቶም ኣዉረዶም ንዝተዋረዱ ከኣ ልዕል ኣበሎም፣ ንጥሙያት ካብ በረኸቱ ኣጽገቦም፣ 
ንሃብታማት ከኣ ጥራይ ኢዶም ሰደዶም። ከምቲ ነቦታትና ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም ንዘለዓለም ምሕረቱ እናዘከረ 
ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ። ንኣብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ንዘለዓለም ዓለም ምስጋና ይኹን፣ ኣሜን።