መንገዲ ባሕታዉያን 6
ምዕራፍ 6. ትምኒትን ምቾትን ኣርሕቅ
ዲያብሎስ ኲሉ ግዜ መስሎኺ ከምዘናድይ ኣይትዘንግዕ፣ ስለዚ ኣፍደገኻ ጽቡቕ ጌርካ ዕጸዎ፣ ናይ ድሕሪት ማዕጾ ዉን ኣይትክፈቶ። ኲሉ ግዜ ኣብ ተጠንቀቕ ጽናሕ፣ ጸላኢ ሰናያት ሰይጣን ብዝተፈላለየ ሜላ እዩ ዝምጽእ።
ንኣብነት ካብዚአን ነገራት እንታይ ረብሓ ረኺብኻ፧ ኣብ ተሪር ነገራት ክትድቅስ ጀሚርካ፣ ግን ኣብ ምዉቕ ዝበለ ማይ ተኣሊኽካ ትዉዕል?! ሽጋራ ንክትገድፋ ምሒልካ፣ ግን ሙሉእ መዓልቲ ቁምነገር ኣብ ዘይብሉ ዕላላት ተጸሚድካ ተሕልፎ?! ምልፍላፍ (ከንቱ ዝዀነ ብዙሕ ዘረባ) ሓዲጋካዮ፣ ግን ጥቕሚ ዘይብሉ ልበወለድ ከተንብብ ትርከብ?! ልበወለድ ምንባብ ገዲፍካዮ፣ ግን ኸኣ ኣብ ሕልሚ ቀትሪን ዘየድሊን ትካዘን ሓሸዉየ ከተብል ትዉዕል?!
እዚ ስጋኻ ከተዕግብ እትገብሮ፣ ብዝተፈላለየ መዳያት ዝተገልጻ ስጋዊ ፍትወት እዩ።
ሃብቲ፣ ጽጋብ፣ ምቾት፣ ጽቡቅ ብምብላዕ፣ ጽቡቕ ክዳን ምግባር፣ . . . ዝኣመሰሉ ናይ ትምኒት ነገራት ኣይትፍቶ፣ ከማን በንጻሩ፣ ድኽነት፣ ጥሜት፣ ድኻም፣ ጸገም. Treatment of Erectile Dysfunction with published here levitra priceErectile dysfunction is a growing disorder, which is majorly considered aftermath of rapid stressful lifestyle in the modern era or human civilization.. .ዝኣመሰሉ ናብ ትሕትና ዝመርሑ ነገራት ብጸጋ ንምቕባል ልብኻ ድሉው ግበሮ። እተን ጐይታ ክንገብረን ዝኣዘዘና ነገራት፣ ከም፡ ጥቅሚ ዘይብሉ ቃላት ከይንዛረብ፣ ስጋና ከይነፍቕር፣ ንመራሕቲ (በዓል ስልጣን) ክንእዘዝ፣ ንጓል ኣንስተይቲ ብትምኒት ዘይምጥማት፣ ዘይምሕራቕ፣. . .ዝኣመሰላ ነገራት፣ ብሕቡእ ግበረን። እዜአን ዂለን ንክስዕበንን ክንትግበርንን እየን ተነጊረናና፣ ስለዚ ሱቕ ኢልና ኣይንግደፈን። “ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ።” እዩ ዝበለ ጐይታ /ማቴ 16፥24/። ህይወትና ቐቢጽና፣ ፍቓድና ናብ ኣምላኽ ከንግዝእ ንበገስ፣ ሽዑ ምሕረት ኣምላኽ ክዝሓልና`ዩ።