እንታይ ትእምርቲ ተርእየና፧?

ሰለስተ መዓልቲ

ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ተገሊጹ ኣብዚ ምድሪ ዝነበረሉ ግዜ፣ ብትምህርቱ፣ ተኣምራቱ፣ ሰናይ ግብሩን ጌሩ ስልጣን ከም ዘለዎ ንኣይሁድ ከርእዮም እንከሎ ኲሉ ግዜ ዝሓትዎ ሕቶ፣ “እንታይ ትእምርቲ ተርእየና ዝብል ነበረ። ጐይታ ዉን ንኲሉ ተመሳሳሊ ሕቶታት “ድሕሪ 3 መዓልቲ” ትብል ቃል ኣትሓሒዙ፣ (ማቴ 12፥38-42፣ ሉቃ 11፥29-32፣ ዮሃ 2፥13-22) ስልጣን ከም ዘለዎ ይምልሰሎም ነበረ። እንታይ ማለቱ እዩ፣ ቅዱሳን ኣቦታትና ኸ ብዛዕባዚ እንታይ ይብሉ። ሓቢርና ንርአ፣
ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕራፍ 12 ከነንብብ እንከለና፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ጐይታ ሰንበት ምዃኑን፣ ኣብ ሰንበት ኸኣ ጽቡቅ ነገር ክግበር ከም ዝግባእ ምስ ኣረድኦም፣ ነቲ ልሙስ ኢዱ ሰብኣይ ፈወሶ። ድህሪዚ ዉን ንሓደ ጋኔን ዝሓደሮ ዓባስን ዕዉሩን ቀጺሉ ፈወሶ። ነዚ ነገር ምስ ረኣዩ፣ ብዙሓት ክድነቑ ምስ ጀመሩ፣ ፈሪሳዉያን ግና ጋኔን ዝሓደሮ እዩ፣ ብቡኤል ዜቡል ኣጋንንቲ ዘዉጽእ በልዎ። ሽዑ እታ  “ነንሕድሕዳ እትፈላለ ዂላ መንግስቲ ትወድቕ. .” ትብል ፍልጥቲ ትምህርቲ መሊስሎም። ሽዑ ክምህሮም እንከሎ ዉን ስልጣን ከም ዘለዎ ኮይኑ ስለዝመሃሮም ሽዑ መማህራን ከምዚ ኢሎም ሓቲቶም፣ “ኦ መምህር ካባኻ ትእምርቲ ክንርኢ ንደሊ ኣለና” /ማቴ 12፥38/።
እንታይ ትእምርቲ ተርእየና፧?” ዝብል ሕቶ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜታት ንጐይታ ዝተሓቶ ሕቶ እዩ /ማር 8፥12 ሉቃ 11፥29/። እዘን ሕቶታት ዝተሓተለን ህሞትን ኲነታትን ከመይ ዝበላ እየን እንቴልና፣ ድርጋ ኲለን ተመሳሳሊ ኰይነን፣ ጐይታ ስልጣኑ ዘርኣየሉ ተኣምራትን፣ ሓይሊን ዝገበረሉን ግዜ እዩ፣ እቶም ግቡዛት ፈሪሳዉያን ነዛ ሕቶ ዝሓተትዎ። እቲ ዝነበረ ኲነታትን፣ ጐይታ ዝመሃሮን፣ ፈሪሳዉያን ዝሓተትዎን፣ ንሱ ዝመለሶን መልሲ ምስ ነስተዉዕለሉ፣ ዝያዳ ብሩህ ይኸዉን። ምናልባት ብታህዋኽ ምስ ንሓልፎ፣ ነቲ ዝተሓተ፣ ዘይመለሰ ኮይኑ እዩ ዝርኣየና። ግን በንጻሩ እዩ። እንታይ ትእምርቲ ተርእየና ማለት፣ እንታይ ክእለት፣ እንታይ ስልጣን፣ ወይ እንታይ ሓይሊ ኣለኻ እዮም ዝብልዎ ዘለዎ። ምክንያቱ ትእምርቲ መግለጺ ሓይሊ ስለዝዀነ። 
ኣብ ዮሃንስ ወንጌል 2 ዉን ተመሳሳሊ ነገር ንረኽብ። ጐይታ ነቶም ኣብ ዉሽጢ ቤተመቅደስ ኮይኖም ዘሽርፉን፣ ዝሻየጡን ዝነበሩ፣ ብጩግሯፍ ኣሳጒጉ ምስ ኣዉጽኦም፣ ተመሳሳሊ ሕቶ ሓተትዎ፣ ዝመለሰሎም መልሲ ዉን ምስቲ ካልኦት ወንጌላት ተመሳሳሊ እዩ። “ነዚ ክትገብር ስልጣን ከምዘሎካ እንታይ ትእምርቲ ተርእየና፧?” ንሱ ዉን ምስ 3 መዓልቲ ዝተሓሓዘ መልሲ መለሰ። “ነዚ ቤተመቅደስ ኣፍርስዎ፣ ኣነ ኸኣ ብሠለስተ መዓልቲ ከልዕሎ እዩ” በሎም። ደሓር ዉን በዛ ዝተዛረባ ጌሮም እዮም ከሲሶሞ። ኣብዚ ግና ኣጸቢቕና ክንምርምር ኣለና። እንታይ እዩ ሓይልኻ፣ እንታይ እዩ ክእለትካ፣ እንታይ ትእምርቲ ተርእየና ምስ በልዎ፣ ብዛዕባ ሠለስተ መዓልቲ እዩ ተዛሪብዎም። ቤተመቅደስ ኢልዎ ዘሎ ንስግኡ እዩ /ዮሃ 2፥21/፣ “ኣፍርስዎ” በሎም። ማለት ንዓይ ነዚ ስጋይ ቅተሉኒ፣ ኣነ ኸኣ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ከተንስኣ እየ፣ በሎም። ኣፍረስቲ ባዕሎምIt is advisable to apply the oil exactly in perineum, and it will help to solve all your premature ejaculation woes. http://appalachianmagazine.com/2014/12/19/wv-national-guard-facebook-page-shrugs-political-correctness/ order cialis online መማህራን ሕጊ ፈሪሳዉያን እዮም፣ ዘፍርስዎ ማለት ዝቐትልዎ ዉን ንስግኡ ማለት ንክርስቶስ እዮም ክቐትልዎ፣ ሓይሉ ስልጣን ክእለቱ ድማ ብትንሳኤኡ ከርእዮም እዩ። 
ኣብ ማቴዎስን ሉቃስን ዉን ተመሳሳሊ መልሲ እዩ “ብዘይ ትእምርቲ ነቢይ ዮናስ ድማ ትእምርቲ ኣይኪወሃቦን እዩ። ከምቲ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሠለስተ መዓልቲን ሠለስተ ለይቲን ከምዝገበረ ከምኡ ከኣ ወዲ ሰብ ሠለስተ መዓልቲን ሠለስተ ለይቲን ኣብ ዉሽጢ ምድሪ ክገብር እዩ”። ኣብዚ ዉን ከም ናይ ወንጌል ዮሃንስ እዩ። እንታይ ትእምርቲ ተርእየና ኢሎም። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ንሞት ስዒሩ ከም ዝትንስእ እሞ፣ ልዕሉ’ዚ ዝዓቢ ሓይሊን ተኣምራትን ከምዘየሎ ኣነጸረሎም። ስለዚ ትእምርቲ ማለት ስልጣን ጐይታ እንታይ እንቴልና፣ ሞት ናይ ምስዓር ሓይሊ እዩ። “ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ህያውን እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ሞይተውን ነበርኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፡ መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ አሎኒ።” /ራእ 1፥17/። ልዕሊ’ዚ ሞ እንታይ ስልጣን ኣሎ። ልዕሊ’ዚ ዝብርትዕ ተኣምራት የለን። ልዕሊ’ዚ ዝኸብር ክእለት ኣይተራእየን።
ኣብ ናይ ብሉይ ኪዳን ሠልሰተ መዓልቲ ልሙድ ዘረባ እዩ። ንኣብነት እግዚአብሔር ንኣብራሃም ንሓደ ወድኻ ንይስሓቅ ሰዉኣለይ ምስ በሎ፣ ናብቲ ዝስዉኣሉ ሞርያ ዝበሃል ጎቦ ሠለስተ መዓልቲ እዮም ተጓዒዞም /ዘፍ 22/። ኣብ ሚድራሽ ዝብሃል ትዉፊት ኣይሁድ ዝሓዘ መጽሓፍ ዉን፣ ስለስተ መዓልቲ ልሙድ ዘረባ ምዃኑን፣ ብፍላይ ምስ ሓራ ምዉጻእን፣ ናጽነት ምእዋጅን፣ ንሞት ምስዓርን ዝጥቀሙሉ መግለጺ ምኳኑ የረድኣና። እቲ መድሓኒ ዝብል ትሩጓሜ ስም ዘለዎ፣ ሆሴእ ዉን ከምዚ ይብል “ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ህያዋን ኪገብረና እዩ፣ ብሳልሳይቲ መዓልቲ ኸኣ ደው ኬብለና ኣዩ። ኣብ ቅድሚኡውን ብህይወት ክንነብር ኢና።” /ሆሴእ 6፥2/። ብዛዕባ ሞት ከምዝሰዓር ዝነግር ትንቢት ዉን ኣብዚ ኢና ንረኻቦ “ካብ ኢድ ሲኦል ኤድሕኖም፣ ካብ ሞት እብጀዎም። ኣታ ሞት፣ ፌራኻ
ኣበይ ኣሎ ኣታ ሲኦል፣ ጥፍኣትካ ኣበይ ኣሎ ጣዕሳ ካብ ኣዒንተይ ተሐብኤት።”
/ሆሴእ 13፥14/። ስለዚ ጐይታ ነቲ ንሳቶም ዝፈልጥዎ ልሙድ ዘረባ፣ ልሙድ ኣገላልጻ ጌሩ እዩ፣ ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን ዘረድኦም ዘሎ። ኣየስተዉዓልዎን እምበር!!
ገለ ሕንከት ዘይብሎም መማህራን፣ ስኣን ትዉፊት ዘይምርማር፣ ነቲ 3 መዓልቲን ለይቲን ማዕረ ንምምጻእ፣ ጐይታ ሓሙስ ተሰቒሉ ይብሉ። እዚ ግን ዓቢ ጌጋ እዩ። ከም ልማድ ኣይሁድ፣ ሓደ መዓልቲ ዝበሓል፣ ካብ ጸሃይ ዕርበት ክሳብ ጸሓይ ዕርበት እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰዓት ትሽዓተ (በቆጻጽራ ቤ/ክ ብፈረንጂ ሰዓት 3) ምስ ሞተ፣ ቅድሚ ጸሃይ ዕርበት እዩ ተቀቢሩ። ስለዚ ዝተቀብረሉ መዓልቲ ዓርቢ እዩ። ካብ መዓልቲ ሓንቲ ሰዓት ተለዒልካላ፣ ሓንቲ መዓልቲ እያ ትቑጸር። ቀዳም ዉን ሙሉእ መዓልቲ ኣላ፣ ካብ ሰንበት ዉን ሓንቲ ስዓት ስለዘልዕለላ፣ ብድምር ሰለስተ መዓልቲን ሰለስተ ለይቲን ንብል። እምበዓር ሓይሊ ጐይታ እዚ ስለዝዀነ፣ ንሞት ዝሰዓር ኣምላኽ ሒዝና፣ ኣብ ትሕቲ እርዑት ሓጢኣት ኣይንሸመም። ኣምላኽ ጸግኡን ምሕረቱን የብዝሕ! ኣሜን