መንገዲ ባሕታዉያን 12

ምዕራፍ 12. ተኣዛዝነት

ናይ ገዛእ ርእስና ፍቓድ ንምስዓር ኣብ ንገብሮ ቃልሲ፣ ተኣዛዝነት ሓደ ካብቶም ቀንዲ ኣገደስቲ መስራሒ እዩ። ቅዱስ ዮሃንስ ክሊማኩስ ከም ዝገልጾ፤ ‘ተኣዛዝነት፡ ሰብነትና ብዝያዳ ንመፈሳዊ ህይወት ምእንቲ ኸገልግለና እንላመደሉን ነመዓራርየሉን ሜላ እዩ’። ተኣዛዝነት፣ ንፍቓድ ገዛእ ርእስኻ ቀቢርካ፣ ብትሕትና ምትንሳእ እዩ።
ብፍታዉኻ ገዛእ ርእስኻ ንባርነት ኣሕሊፍካ ምሃብን፣ መስቀል ጐይታ ኣብ ዝባንካ ምስካምን እዩ። ገዛእ ርእስካ ብፍታዉ ንባርነት ኣሕሊፍካ ብምሃብካ ዉን፣ ሓርነት ክትረኽብ የኽእለካ። ሓደ ነገር ግና ዘክር፣ ባርያ ኣዛዚ ዘይኮነስ ተኣዛዚ`ዩ፣ ፍቃድ ገዛእ ርእሱ የብሉን፣ ፍቓድ ጐይትኡ ጥራይ ይፍጽም።

‘ንመን ክእዘዝ፧’ እንድሕሪ ኢልካ፤ ኣቦታትና፣ ‘ንመራሒኻ ተኣዘዝ’ ይብሉ። ዕብ 13፥7

መን`ዮም መራሕተይ፧? ኣብዚ ሕጂ ግዜ ከመይ ጌረ ቅኑዕ መራሕ ክረክብ፧? ኣበይ፧? ዝብል ሕቶታት ትሓትት ትህልዉ፣ ሕጂ ዉን ቅዱሳን ኣቦታትና ዝምልስዎ መልሲ ስማዕ። ቤተክርስቲያን ዘመናት ናይ ምስዓር ሓይሊ ስለዘለዋ፣ ንዂሉ ዘመን ዘገልግለና፣ ኣቀዲማ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ሓደ መራሒ ሂባትና ኣላ። እዚ መራሒ፣ ንኲሎም መማህራን ዝሓልፎም፡ ኣብ ኲሉ ቦታ ዝርከብ፡ ኣብ ዝዀነ ኩነት ዝርከብ፡ እዩ። ኣብ ከተማ ይዂን ገጠር፡ ንድካ ይኹን ሃብታም፡ ንበዓል ሓዳር ዲኻ ዘይምርዕው፤ ኣብ ኲሉን ንኲሉን፣ እዚ መምህር ኲሉ ግዜ ምሳና ኣሎ፤ ንዕዑ ዘለና ተኣዛዝነት ኣብ ዝዀነ ግዜ ከነርእዮ ንኽእል። ናይዚ መራሒ ስሙ ክነግረካ፧? ቅዱስ ጾም ይበሃል።

“እግዚአብሔር ናትና ጾምን ናትና ጸሎትን ዘድልዮ ኣይኰነን። ንሱ ፍጹም ኣምላኽ እዩ። ዝጐድሎ ነገር ዉን የለን። ካባና ካብ ፍጡራቱ ዝደልዮ ነገር ዋላ ሓንቲ የለን። ካባና ዉን ዝሓቶ ሓንቲ ነገር የለን። እንታይ ደኣ፣ ምእንቲ ድሕነት ክንወርስ፣ መስዋዕቲ ከነቕርበሉ ይፈቕደልና” ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ።

ናብ እግዚአብሔር ከነወፍየሉ ንኽእል ዝዓበየ ህያብ ገዛእ ርእስና እዩ። ገዛእ ርእስና ከነዉፍየሉ ንኽእል ዉን፣ ገዛእ ፍቓድና ምስ ሰዓርና እዩ። ነዚ ዉን ብተኣዛዝነት ጥራይ ኢና ክንገብሮ ንኽእል። ገዛእ ፍቓድና ምስዓር ንኽንክእል ብተኣዛዝነት ክንመሃሮ ኣሎና፤ ንተኣዛዝነት ዉን ብምልምማድ (practice)። ንተኣዛዝነት ክንላመደሉ ንኽእል ዝዓበየ መሳርሒ ድማ፣You can consult your doctor for the kind of medicine in many forms like, oral pill, jelly type, the polo ring type, chewing gum type etc. commander cialis https://unica-web.com/watch/2018/momentum.html ቤተክርስቲያን ዝሰርዓትልና ናይ ጾም መዓልታትን ወቕቲን እዩ። 
ብዘይ ጾም፣ ካልእ ንተኣዛዝነት ክንላመደሉ ዝኽእላና ብዙሕ መንገዲታት ኣለዋ። እንድሕሪ ኣለሊናዮ፣ እዚአን ነገራት ኣብ መዓልታዊ ህይወትና የጓንፋና እየን። ንኣብነት ሰበይትኻ፣ ናይ ዝናብ ካፖት ክትማላእ ትሓተካ፣ ከምቲ ዝበለትካ ግበር፤ ከምዚ ዓይነት ኲነት ተኣዛዝነት ክትላመድ ዕድል ይዀነካ። መስርሕትካ ከተፋንዎ ይሓተካ፣ ከምቲ ዝሓተተካ ግበር። ቃሉ ዘየጽረየ ህጻን ክትሓቑፎን ከተሰራስሮን ይሓተካ፣ ከምቲ ዝሓተተካ ግበር። ከምዚ ብምግባር ዉን ተኣዛዝነት ተላመድ። ካብዚ ዝበለጸ ዕድል ኣይክትረክብን። ብሓቂ ተኣዛዝነት ክትላመድ እንድሕሪ ደሊኻ፣ ንኲሉ ዕድላት ተጠቀመሉ። ኣብ ኣመክሮ ዘሎ መነኰስ ልዕሌካ ዕድል ከም ዘይረክብ ፍለጥ። ኸምቲ ንስኻ ኣብ ቤትካ እትረኽቦ ዕድል፣ እቲ ኣብ ኣመክሮ ዘሎ መነኰስ ኣይረክብን፣ ስለዚ ኣብ ረብሓኻ ኣዉዕሎ። ኣብ ስራሕካን፣ ጐረባብትኻን ዉን ተኣዛዝነት ክትላመደሉ ዝኽእለካ ዕድል ክትረክብ ከሎኻ ሱቅ ኣይትበል፣ ተጠቀመሉ።
ተኣዛዝነት ንብዙሕ መሰናክል ዘፍርስ ሓይሊ ኣለዎ። ብዘይ ዕረፍቲ ንተኣዛዝነት እንድሕሪ ተላሚድካ፣ ልብኻ ናጽነትን ሰላምን ትረኽብ። ተኣዛዝነት እንድሕሪ ኣርኢኻ፣ ኣብ ህይወት ዘለዉ እሾኽ ባዕሎም ይርሕቁ። ሽዑ ፍቕሪ ናብ ዉሽጥኻ ይመልእ። ብተኣዛዝነት፣ ነቲ ኣብ ተሪር ድርዒ ኣሲሩ ሒዙኻ ዘሎ ባዕላዊ ጥበብ፡ ትዕቢትን፡ ምጽራርን፤ ክትሰብሮ ትኽእል። ኣብታ ተራር ድርዒ ኰይንካ፣ ነቲ ናይ ናጽነትን ፍቕርን ኣምላኽ ዝዀነ እግዚአብሔር ክትረክቦ ኣይከኣልን።
ስለዚ፣ ተኣዛዝነት እትላመደሉ ኣጋጣሚ ክርከብ እንከሎ፣ ተሓጎስ፣ ተጠቀመሉ ዉን። ምእንቲ ብከንቱ ዉዳሴ ከይትወድቕ ግና፣ ንኲሉ ኣስተዉዕለሉ። ብዕላማ ተኣዛዝነት ከተጥሪ ክትብል፣ ናብ ግብዝና ከይትወድቅ ተጠንቀቕ። ነቲ ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ንዂሉ፣ ከከም ኲነቱ ተጠቀመሉ። ንዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ከይተጠቀምካሉ ምስ ዝሓልፍ፣ ንገዛእ ርእስኻ ገስጻ፤ ምክንያቱ ንስኻ ከምቲ ጽቡቕ ንፋስ እንዳረኣየ ከይተጠቀመሉ ሱቕ ዝበለ በዓል ጃልባ ኮይንካ ኣለኻ። 

እቲ ንፋስ ከም መንገዱ ክሓልፍ ግድን`ዩ፣ ተጠቀመሉ ኣይትጠቀመሉ ብዙሕ ኣየግድሶን። ግን ነቲ በዓል ጃልባ፣ ናብ መዕረፊ ቦትኡ ቀልጢፉ ዝበጽሓሉ ዕድላት የባኽን ኣሎ። ስለዚ ንስኻ ዉን ከምኡ ግበር፣ ንኲሉ ኣጋጣሚታት ተጠቒምካ፣ ንተኣዛዝነት ኣጥርያ። ሥሉስ ቅዱስ ነዚ ባህርይ እተጥርየሉ ኣጋጣሚታት ፈጢርልካ ኣሎ፣ ንስኻ ዉን ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ተኣዛዝነት ሕሰብ።