“ምናልባት ቅድሚ ሕጂ ምስ ጳጳስ ተዛሪብኻ ዘይትፈልጥ ከይትኸዉን።” ቅዱስ ባሲልዮስ ዓብይ

ብምኽንያት ሲመተ 6 ፓትሪያሪክ ሃገረ ኤርትራ፣ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ባሲልዮስ፡ ገለ ካብ ታሪክ ቅዱስ ባሲልዮስ ዓቢይ ከካፍለኹም።

This image has an empty alt attribute; its file name is st-basil-the-great-icon-704.jpg

ንምብራቓዊ ግዝኣት ሮማ ንጉስ ኮይኑ፣ ካብ 364 ክሳብ 378 ዓ.ም ዘመሓደረ ሃጸይ /ንጉስ/ ቫለንስ፣ ነቲ ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ዝጸንዐ ኦርቶዶክሳዊ እምነት ክርስትና ዝቃወም፣ ንኣርዮሳዊ ትምህርቲ ዝድግፍ ነበረ። በዚ ምኽንያት ድማ፣ ነቶም ኣብ ግዝኣቱ ዝነብሩ ኦርቶዶክሳዉያን ጳጳሳትን መራሕቲ ቤተክርስትያንን ንኣርዮስን ትምህርቱን ክስዕቡ ብዝተፈላለየ መገዲ የፈራርሖምን ይግድዶምን ነበረ። ነቶም ዝኣበዩን፣ ኣብታ ቅንዕቲ እምነት ዝጸንዑን ድማ የሳድዶም፣ የሳቕዮምን ይኣስሮም ነበረ። ነዚ ኣረመናዊ ተግባሩ፣ ባዕሉ ወይ ድማ ብልኡኻቱን ይፍጽሞ ነበረ። ሓደ ከም ታሪክ ዝጥቀስ ድማ፣ ሞደስቱስ ምስ ቅዱስ ባሲልዮስ ዝገበሮ ምፍርራሕ እዩ

ሞደስቱስ፣ ነታ ንኢሽቶይ ኤስያ (Asia Minor) ተባሂላ ትፍለጥ ኣዉራጃ፣ ሓለቓ ዝነበረ እዩ። ሃጸይ ቫለንስ ልኢኽዎ ድማ፣ ናብ ቀጶዶቅያ (ካፓዶቅያ Cappadocia- ሕጂ ኣብ ምብራቃዊ-ማእከል ቱርኪ እትርከብ ታሪካዊ ግዝኣት እያ) ሃንደበት መጺኡ፣ ነቶም ጳጳሳት ከፈራርሖም ጀመረ። ናብ ባሲልዮስ መጺኡ ድማ ኣርዮሳዊ ትምህርቲ ክምህር ክእዝዞ ጀመረ። ቅዱስ ባሲልዮስ ግና፣ ነቲ ምግቡዕባዕ ከይፈርሐ ኣብ ኦርቶዶክሳዊ እምነቱ ከም ዝጸንዕን፣ ነቲ ናይ ኣርዮስ ትምህርቲ ድማ ከም ዝቃወሞን ነገሮ። ንሱ (ሞደስቱስ) ግና፣ ንብረት ክምንዝዖ ምዃኑን፣ ክገርፎን ከሳቅዮን፣ ክቐትሎን ከም ዝዀነ፣ ንቅዱስ ባሲልዮስ ከፈራርሖ ጀመረ። ቅዱስ ኣቦና ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ

“ንብረተይ ሃብተይን እንተመንዛዕካኒ፣ ንርእስኻ ኣይትህብትምን፣ ንዓይ ዉን ድኻ ኣይትገብረንን፣ ምክንያቱ ሃብተይ ምድራዊ ኣይኰነን። ዘለዋኒ ንብረተይ ድማ፣ ሒደት መጽሓፍትን፣ ዝበለየ ክዳዉንትን እዩ። ነዚ ወሲድኻ’ኸ ንዓኻ እንታይ ክረብሓኻ። ስደትን ግዘትን ድማ ንዓይ ዋላ ሓንቲ እዩ፣ ምክንያቱ ርስተይ ኮነ ናተይ ዝብሎ ቦታ የብለይን፣ ብቦታ ዝተወሰንኹ ዉን ኣይዀንኩን። እዚ ሕጂ ዝነበረሉ ዘለኹ ቦታ ድማ፣ ናተይ ኣይኰነን። ናብቲ ንስኻ ትግዝተኒ ቦታ እንተኸድኹ ዉን፣ እቲ ቦታ ናተይ ክኸዉን እዩ። ምክንያቱ ኲሉ ቦታ፣ ናይ እግዚአብሔር እዩ፣ ኣብ ቅድሚኡ ድማ ፈላሲን ወይ ስደተኛ ወይ ጋሻ ኣይዀንኹን /መዝ 38.13/። መከራን ስቓይን፣ እንታይ እዩ ክገብረኒ ንዓይ? ኣረጊትን፣ ድኹም ሰብዓይ እዩ፣ ሓንሳብ ምስሃረምካኒ ሃላዋተይ ኣጥፊአ ክወድቕ እየ። እንተ ሞትኹ ድማ፣ ቀልጢፍካ ናብ እግዚአብሔር ተቕርበኒ ስለዘለኻ፣ ንዓይ ዝሓሸ ነገር ኢኻ ትገብረለይ ዘለኻ፣ ንዓይ ሓልዮት ኣርኢኻኒ ማለት እዩ። ምኽንያቱ፣ ኣነ ዝነብሮ፡ ዝተግሃሉ፡ ዝህዉኸሉን፡ ዝናፍቖን እግዚአብሔር ጥራይ እዩ።”

እቲ በዓል መዚ ነዚ ነገር ምስ ሰምዐ

“ቅድሚ ሕጂ፣ ከምዚ ከማኻ ጌሩ ብድፍረትን ብትብዓትን ዝተዛረበኒ የለን” በሎ።

እቲ ቅዱስ ኣቦ ድማ

“ምናልባት፣ ቅድሚ ሕጂ ምስ ጳጳስ ተዛሪብኻ፣ ዘይትፈልጥ ከይትኸዉን።” ብምባል መለሰሉ።

በረኸት ቅዱስ ባሲልዮስ ዓብይ ምስ ኹልና ይኹን።

ወሥብሐት ለእግዚአብሔር!