ናይ ልደት ለይቲ-ቅዱስ ይስሓቅ ሶሪያዊ
ኣብዛ ናይ ልደት ለይቲ!
“ኣብዛ ናይ ልደት ለይቲ ኣብ ኲሉ ዓለም ሰላም ነገሰ፣ ስለዚ ማንም ሰብ ኣየፈራርሕ!
እዛ ለይቲ እዚኣ ካብ ኲለን መዓልታት ዝጠዓመት እያ፣ ስለዚ ማንም ሰብ ኣይጨክን!
እዛ ለይቲ እዚኣ ናይ ትሕትና ለይቲ እያ፣ ስለዚ ማንም ኣይተዓበይ!
ሎሚ ናይ ሓጎስ መዓልቲ እዩ፣ ስለዚ ማንም ሰብ ሕነ ኣይፍደይ!
ሎሚ ናይ ሰናይ ፍቃድ መዓልቲ እያ፣ ማንም ርጉም ኣይዂን!
ኣብዛ ናይ ሰላም መዓልቲ፣ ብሕርቃን ኣይንገዛእ!
ሎሚ እቲ ብባህሪኡ ሃብታም ዝዀነ፣ ምእንታና ክብል ድኻ ኰነ፣
ስለዚ፣ ኣንቱም ሃብታማት ነቶም ድኻታት ናብ መኣድኹም ዓድምዎም።
Each program may have a different setup but they all go to this store cialis on line work perfectly well.
ሎሚ ንሕና ዘይሓተትናዎ ዉህብቶ ተዋሂቡና፣
ስለዚ ድማ፣ ንሕና ነቶም ዝልምኑናን ዝምሕጸኑናን፣ ምጽዋት ክንህቦም ይግባእ።
ኣብዛ ሎሚ መዓልቲ ማዕጾ ሰማያት ናብ ጸሎትና ተከፊተን፣ስለዚ ድማ ንሕና ነቶም ብይቕሬታ ኣፍደገ ገዛና ዝኩሕኩሑ ክንከፍተሎም ይግባእ።
ሎሚ፣ ምእንቲ ደቂ ሰባት ብማሕተም መለኮት ግርማ ክለብሱ፣
እቲ መለኮታዊ ኣካል ናትና ስጋ ከም ማሕተም ለበሶ።”
ቅዱስ ይስሃቅ ሶርያዊ (613-700 ድ.ል.ክ) ስብከት ናይ ልደት