Author: ፍኖት

ርእሰ መነኮሳት ቅዱስ እንጦንስ

ርእሰ መነኮሳት ቅዱስ እንጦንስ   22 ጥሪ ቤተክርስቲያንና ንኣበ መነኮሳት ቅዱስ እንጦንስ እትዝኽረሉ ዕለት እዩ። ክንዲ ርእሰ መነኮሳት ቅ.እንጦንስ ጌሩ ንዓለም ዝጸለወ ክርስቲያን ክሳብ ሕጂ የለን። ኣብ ዂሉ ዓለም ብስሙ ዝተዶኸና ብዙሓት ገዳማት ኣለዋ።...

መንገዲ ባሕታዉያን 24

ምዕራፍ 24. ካብ ዘኬዎስ ንረኽቦ ትምህርቲ እምበኣር ሕጂ፣ ንስኻ ልክዕ ከም ዘኬዎስ ንጐይት ክትርኢ ኣብ ገረብ ሓዂርካ (ደዪብካ) ኣሎኻ/ሉቃ 19/። ነታ ገረብ ዝሓዀርካያ ብሓሳባት በይኑ፣ ወይ ብስምዒት ኣብ ኣእምሮ ጥራይ ኣይኰነን። ንስኻ ሰብ ኢኻ...

ዕላማ ናይዚ ብሎግ!

“ንሕና ንሓቂ እምበር፣ ንሓቂ ዚጻረር ገለ እኳ ክንገብር ኣይከኣለናን” 2ይ ቆሮ 13፥8 ሠላመ አግዚአብሔር ምስ ኩሉኹም ኣንበብቲ ናይዛ ብሎግ ይኹን፣ ርሑስ በዓል ቅንያት ልደት ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን፣ ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ንኹልና! ኣብ...

መንገዲ ባሕታዉያን 23

ምዕራፍ 23.  ኣብ እዋን ጸላም ከምቲ ኲነታት ኣየር ካብ ሰግለለት ናብ ጸሓያዊ ኩነት፣ ተመሊሱ ድማ ናብ ዝናባዊ ኩነታት ኣየር ዝቕየር፤ ባህሪይ ወዲ ሰብ ዉን ከምኡ እዩ። ደበናታት ክዉሕዙ ምስ ጀምሩ፣ ጸሓይ ክትሽፈን ምዃና ርዱእ...

መንገዲ ባሕታዉያን 22

ምዕራፍ 22. ስጋዊ ነገራት ተጠቐም ሰባት ብዉህደት ስጋን ነፍሲን ዝቘምና ኢና፣ ክልቲኤን ክፈላለያ ኣይኽእላን። “እንበለ ስጋ እትቀዉም ነፍስ” ስለዝዀነ ነፍሲ ብዘይ ስጋ ንበይና ኣይትቀዉምን። ብህይወት ክንቕጽል ዕማምና ክንዓምም እንተድኣ ኰንና ክልቲኤን ብሓባር ክህልዋን፡ ክዓያን...

መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 7

መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 7ይ ክፋል. . .መወዳእታ ክፋል ኦርቶዶክሳዊ ሜላ ትሩጓሜ ንእምነትን መንገዲ ኦርቶዶክስን ዝፈለጠ ሰብ፣ ንናይ ፕሮቴስታንት ግጉይ ኣካይዳ ፈጺሙ ክስዕብ ኣይደልይን። ኣነ ዉን ከምኦም፣ ብምሕረት ኣምላኽ ናብ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ምስ ተመልስኩ፣ ዘለኒ...

መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 6

መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 6ይ ክፋል . . .መቀጸልታ ሜላ ቁ.4፦ ታርካዊ ትንታነ[1] ምስ ምብዓለ ዘመንና፣ ስነፍልጠታዊ ሜላታት ዝይዳ በዚሖም። ምስዚ ተታሓሒዙ ዉን፣ ንመጽናዕቲን ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስን በዚ ኣካይዳ ከም ዝጽለው ኮይኑ። ፕሮቴስታንት ምስ ግዜ...

ምልክዕቲ ክትመስሊ`ዶ ትደልዪ፧?! ቅ.ዮሓንስ ኣፈወርቅ

 ምልክዕቲ ክትመስሊ`ዶ ትደልዪ፧?! ብቅ.ዮሓንስ ኣፈወርቅ ቅ.ዮሃንስ ኣፈወርቅ ንእብራዉያን መልእክቲ ኣብ ዝቶርገመሉ ዓንቀጽ መበል 28 ክፋል ዝትወስደ ኮይኑ “ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ተመገዙ፡ ተፈተኑ፡ ተሰይፎም ሞቱ፡ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኺዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑ፡ ጸበቦም፡ ሓሳረ መከራ...

ናይ ወላዲተ ኣምላኽ ወንጌል

ናይ ወላዲተ ኣምላኽ ወንጌል-ኒኮላይ ቨሊሚሮቪች ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ተዓጠቕቲ፣ “ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ” በለቶም። ዮሃ 2፥5 ንኹሎም ኣመንቲ ዝኸዉን ናይ ፍስሃ ቃል እምበኣር እዚ እዩ። ንሳ እዛ ኣብ ምድሪ ኣንከሎ ምስኡ ፍጹም ሓድነት ዝነበራ፣...

ትርጉም ክርስትና-ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኒሱን

ትርጉም ክርስትና-ቅ.ጎርጎርዮስ ዘኒሱን ሓደ ግዜ ኣብ ከተማ እስክንድርያ ንሰባት ብምዝንጋዕ ዝፍለጥ ሓደ ሰብ ነበረ ይበሃል። እዚ ሰብ`ዚ ንሓንቲ ህበይ ከም ትስዕስዕ ጌሩ ኣሰልጠና፣ እታ ህበይ ዉን ከምቲ ዋንኣ ዘላመዳ ጌራ፣ ነቲ ዝድርፈላ ሙዚቃ ኣሰማሚዓ...