ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቅድስት ቤተክርስቲያን
ኣብ ማሕበር ሓቢርና ጸሎት ክነቕርብ እንከሎና፣ ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋትና ማዕረ ኣወዳት ኣሕዋቶም መዝሙር ዳዊትን ዉዳሴ ማርያምን ሕዘን ክጽልያ ይፍቐደለን ድዩ? ሎሚ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ እዩ፣ በዚ ኣጋጣሚ ንኩልኽን ደቂ ኣንስትዮ ብሩኽ በዓል ይግበረልኽን...
ኣብ ማሕበር ሓቢርና ጸሎት ክነቕርብ እንከሎና፣ ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋትና ማዕረ ኣወዳት ኣሕዋቶም መዝሙር ዳዊትን ዉዳሴ ማርያምን ሕዘን ክጽልያ ይፍቐደለን ድዩ? ሎሚ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ እዩ፣ በዚ ኣጋጣሚ ንኩልኽን ደቂ ኣንስትዮ ብሩኽ በዓል ይግበረልኽን...
ምዕራፍ 20. ጾም ጾም ንቁሕ ንኽትከዉን ይሕግዝ፣ ክትጸዉም ከለኻ ዓቕምካ ክኸዉን ይግባእ። ልዕሊ ዓቕምካ ወይ ዉን ትሕቲ ዓቕምካ ኣይትጹም። ከምዚ እንድሕሪ ኣዘዉቲርካ ንቑሕ ትኸዉን። “ዝዀነ ሰብ ከብዱ ጸጊቡ ብዛዕባ ኣምላኻዊ ነገራት ክሓስብ የብሉን” ይብሉ...
ምዕራፍ 25. ጸሎተ ኢየሱስ ጸሎተ ኢየሱስ ተብሂሉ ዝፍለጥ ጸሎት፣ ብሓፈሻ “ምህለላ”፣ ወይ ዉን “እግዚኦ መሓረነ ክርስቶስ/ ኪርያላይሶን/ኦ ጐይታና ክርስቶስ መሓረና” ኢልና እንጽልዮ ጸሎት እዩ። “ኪርያላይሶን” ግሪካዊ ቃል ኮይኑ፣ ካብ “Kýrie” ማለት “ኣምላኽ ወይ ጐይታ”...
መንፈሳዊ ህይወት ኣብ ተግባር ክንነብሮ እንከለና፣ምልላይ ሓሳባትን መናፍስትን ኣድላይ እዩ። ምልላይ መናፍስቲ ካብ ጸጋታት መንፈስ ቅዱስ ሓደ`ዩ /1ይ ቆሮ 12፥10/። መጽሓፍ ቅዱስ «እቶም መናፍስቲ ካብ ኣምላኽ ምዃኖም መርምሩ እምበር ንመንፈስ ዘበለ ኩሉ ኣይትእመንዎ» /1ይ...
ስለምንታይ እዩ፣ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ኣንጻረ ጾታ ጌሩ ዝፈጠረ፧ ንክንፋረይ ጥራይ ድዩ፧ ብጹእ ጳጳስ ኣባ ሙሳ ናይዚ ምክንያት ብከምዚ መገዲ ይገልጽዎ፦ «እግዚኣብሔር ኣምላኽ፣ ጾታውነት (ኣንጻር ጾታ ኮይንና ናይ ጾታዊ ስምዒት ዘለና)ኣብ እንስሳታት ዝፈጠረ ንኽዋለዱ...
ቅዱስ ኒቆሌዎስ እቲ ሓቀኛ ናይ ልደት ኣቦ ሊቃዉንቲ ኣቦታት “ፈቃር”፡ “ትሑት”፡ “ኣቦ ድኻታት”፡ “ኣቦ”፡ “ሕያዋይ”. . ብምባል ይጠቕስዎ። ንብዙሕ ሰናይ ተግባራት ዘማልአ ኣቦ፣ ሳሕቲ`ዩ ዝርኸብ፣ ሓደ ካብዞም ዉን ቅዱስ ኒቆሌዎስ ሊቀጳጳስ ዘሚራ እዩ። ህጻናትን፣...
ሕቶ ተሓቲተ፧?? ኣየናይ ኣጸዋዉዓ ንጠቀም? ኢየሱስ እንተብልና ድዩ ቅኑዕ? ዋላስ እየሱስ ወይ የሱስ? ነዚ ሕቶ`ዚ ብዙሓት ነልዕሎ ኢና። ኣብ ማሕበራት ዉን ተሓቲቱ ይፍለጥ እዩ። ዝጎደለ ብኣፍ መላኣክቲ ይኣርመለይ! ኢለ ገለ ብዛዕባ`ዚ ሓሳብ ዘለና ትንታነ ከካፍለኩም።...
ለዋህነት «ፍረ መንፈስ ቅዱስ» እዩ /ገለ 5፥23/። ጐይታ ውን ባዕሉ፣ ለዉሃት ክንከዉን ይምዕደና «ኣነ ለዋህ እየ ልበይ ውን ትሑት ኣርዑተይ ፈኩስ ጾረይ ውን ቀሊል እዩ እሞ...