1. ኣእምሮኻ ምግዛእ-መንፈሳዊ ህይወት ኣብ ግብሪ

ካብ ቀዳማይ ክፋል ዝቀጸለ

ምዕራፍ ሓደ- ኣእምሮካ ምግዛእ

  1. self-disciplineኣእምሮና ካብ ጎዳእትን ረብሓ ዘይብሉን ፍልጠት ከመይ ጌርና ንኽልክል
  2. መንፈሳዊ ፍልጠት’ከ ኣብ ልብና ከመይ ጌርና ክንዕቅብ ንኽእል፣ ሓብርና ንርኣይ።

ረብሓ ዘይብሉ ፍልጠት

ፍጹም ክርስትያን ክንከዉን እንድሕሪ ደሊና፣ ንነፍሲ ረብሓ ካብ ዘይህቡ ፍልጠታት፣ ኣእምሮና ክንዕቅብ ይግባእ። ብርግጽ እዚ ዘለናዮ ዘመን፣ ናይ ሓበሬታን  ናይ ቴክኖሎጂን  ዘመን እዩ። ዓለም፣ ቅድሚ ሕጂ ቀሪባቶ ዘይትፈልጥ ሓበሬታ ተውሕዘልና ኣላ። ብቴሌቭዥን፡ መጽሓፍ፡ መጽሄት፡ ጋዜጣ ሕጂ ኸኣ ብኢንተርኔት ሓበሬታ ትህበና። እዚ ኸኣ ንኣእምሮና ረብሓ ብዘይብሎም ሓበሬታ ከነረክስ ይዕድመና። ኣብ ግዜና፣ ስለ ሓበሬታ ጥራይ ኢሎም፣ ሓበሬታ ዝእክቡ ሰባት ውን ኣይሰኣኑን።

ቅዱስ ጳዉሎስ / 1 ቆሮ 2፥2/ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ «ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፣ ብዘይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ንሱ ከኣ እቲ ኣተሰቅለ ሓደ ነገር እኳ ከምዘይፈልጥ መደብኩ»። ቅዱስ ጳዉሎስ ብዘይካ ኢየሱስን፣ ወሃቢ ህይወት ስቕለቱን ካልእ ዝኾነ ፍልጠት ኣይደለየን።

«ብዙሕ ጥበብ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ብዙሕ ጓሂ ኣሎ እሞ፡ እቲ ፍልጠት ዜብዝሕ ስቓይ የብዝሕ»/መክ 1፥18/።

ረብሓ ዘይህቡ ፍልጠት ካብ ዝበሃሉ ኣብነታት ብቀዳምነት ዝጥቀስ፣ ኣመና ዜና ምስማዕ እዩ። ነዚ ነገር ንምትሕልላፍ ናይ ተለቭዥን መደበራት 24 ሰዓት ዜና የቕርባ ኣለዋ። መደበራት ሬድዮ ዉን ሙሉእ መዓልቲ ኣእምሮና ሰሪቐናና ይውዕላ ኣለዋ። ብርግጽ ኣብ ከባቢኻ አንታይ ተጌሩ ክትፈልጥ ጽቡቕ እዩ፣ ግን ብፍጹም ክርስትያናዊ ህይወት ክንስጉምን ክንዓቢን ንደሊ እንድሕሪ ኮይንና፣ ኣብ ደቓይቅ ደቓይቅ፣ ኣብ ዚተፈላለዩ ቦታ፣ እንታይ ተጌሩ፣ እንዳበልና ዜና ክንሰምዕን ህንጡያት ክንኸዉንን ኣይግባእን።

ንኣብነት፡ ናይ ኦ.ጂ. ሲምሰን (O.J Simpson[1]) ናይ ቤት ፍርዲ ጉዳይ ብተለቭዥን ተመሓላሊፉ ኔሩ፣ ነቲ መደብ ዉን ብዙሓት ሰባት ተኸታቲሎሞ። ምናልባት ጸወታ ኩዕሶ አግሪ ይርዳኣካ`ዩ፣ ናይ ቤት ፍርዲ ጉዳይ ግና እንታይ ረብሓ ኣለዎ። ንነፍሰይ፡ ንኣእምሮይ፡ ንስጋይ አንታይ ይጠቕመኒ?

ኣብ ጾም ኣርባዓ፣ ኣነ አንታይ ከምዝገብር ክነግረኩም፤ ዜና ኣይሰምዕን፡ ጋዜጣ ኮነ መጽሄት ኣየንብብን፡ ቲቪ ፍጹም ኣይዉልዕን። እመኑኒ! ምንም ነገር ኣይጎደለንን። አኳ ደኣ ኣእምሮይ ካብ ርኽሰት ነጺሁ፣ ብዝበለጸን ብቕንዕናን ኣገልጊሉኒ።

ሓደ እዋን፣ ሓደ መነኮስ ምስ ካልኦት መንኮሳት ኮይኑ የዕልል ነበረ። ወዲኡ ናብ በዓቱ ምስ ኸደ፣ ቅድሚ ናብ ውሽጢ ምእታዉ፣ ነታ በዓቱ ብዙሕ ግዜ ኮለላ። ነዚ ክገብር ከሎ ዝረኣዮ ካልእ መነኮስ፣ «እንታይ ትገብር ኣለካ» ኢሉ ሓተቶ ንሱ ከኣ «ነቲ ክነዕልሎ ዝጸናሕና ምድራዊ ዕላላት፡ ናብ ውሽጢ በዓተይ ሒዘዮ ክኣቱ ስለዘይደሊ፣ ካብ ኣእምሮይ ምእንቲ ከልግሰለይ ነዛ በዓቲ ይኮልላ ኣለኹ» ብምባል መለሰሉ።

እት ካልእ ንነፍሲና ረብሓ ዘይህብ ፍልጠት፣ ብዛዕባ ኲሉ (ዝኮነ) ነገር ፈላጥ ኽትከዉን ምድላይ እዩ። በቓ ፈላጥ ክትከዉን ኢልካ ብዛዕባ ኩሉ ነገር ክትፈልጥ ምጽዓር። እዚ ብጣዕሚ ሃሳዩ እዩ። ከመይ እንተበልና? ኣቦታት ከምዚ ይብሉ፣ «ብዛዕባ ኩሉ ነገር ሓፈሻዊ  ፍልጠት ክህልወካ ኢልካ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ንርእስኻ ልዕሊ ካሎኦት ሰባት ፈላጥ ጌርካ ከም ትቖጽራ ይገብረካ። እዚ ኸኣ ናብ ትዕቢትን ጃህራን የብጽሓካ። ንካልኦት ሰባት ፍልጠትካ ከተርኢ ኢልካ ኣብ ትግብሮ ጻዕሪታት ድማ፣ ተዘራባይን ለፍላፍን ይገብረካ»። ቅዱስ ቴዎፋን ባሕታዊ (St. Theophan the Recluse) «ከምዚ ንገብር እተኾይንና ኣእምሮና ክነመልክ ክንጅምር ኢና» ብምባል የጠንቅቀና። ብፍልጠት ምስ ንምላእ ወትሩ ምኩሓት ስለእንኸውን፤ ምክሪ ካብ ሰባት ምሕታት ንገድፎ፣ ብሓሳብና ጥራይ ክንጉዓዝ ንጅምር፣ ምኽንያቱ ኩሉ ነገር ንፈልጦ ኢና። ኣብ መንፈሳዊ ህይወት’ዉን ብትዕቢት ተታሒዝኻ ክእለትኻን ፍልጠትካን ጥራይ ተወኪልካ ከምትነብር ይገብረካ። እዚ ከኣ እቲ ዝኸፍአ ነገር እዩ።

ኣሰር ክርስቶስ ክንስዕብ እንድሕሪ ደሊና ኣእምሮና ካብ ከምዚ ዓይነት ወልፊ ፍልጠት ነርሕቕ። ቅ.ጳዉሎስ ኣብ 1 ቆሮንጦስ 3፥18-19 «ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ፣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እዩ እሞ ገለ ካባኻትኩም፣ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ከም ዝዀነ እንተመሰሎ፣ ጥበበኛ ምእንቲ ኽኸዉንሲ ዓሻ ይኹን» ይብለና። መንፈሳዊ ጥበብ (ፍልጠት) ምስ ዓለማዊ ጥበብ (ፍልጠት) ኣይሳነይን።  ካብ ዓቀን ዝሓለፈ ዓለማዊ ጥባብ ዝደልዩ ሰባት፣ ህላወ ኣምላኽ ናብ ምኽሓድ ደረጃ ክበጽሑ ይኽእሉ። ነዚ ከምዚ ኣይነት ድሌታት ዘማዕብሉ ሰባት ከኣ፣ ኣእምሮኦም ተወኪሎም ነቲ፣ ኣእምሮ ሂቡ ዝፈጠሮም እግዚአብሔር ኣምላኽ ይንዕቁ። ብዛዕባ እዚኦም ቅ.ጳዉሎስ ከምዚ ይብል «እታ ጢሞቴዎስ ካብቲ ገሊኦም ተኣሚኖም ካብ እምነት ዘምቢሎም ዘለዉ ብሓሶትሲ «ፍልጠት» ተባሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ርሓቕ። ነቲ ሕድሪ እተወህበካ ሓልዎ። ጸጋ ምሳኻ ይኹን» /1 ጢሞ 6፥20-21/።

ነብይ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ከምዚ በለ «ዓሻኹ ደንቆሮዉን ነበርኩ ኣብ ቅድሜካ ከም እንስሳ ኾንኩ። ግናኸ ኩሉ ግዜ ምሳኻ እየ። ንስኻ ብየማነይቲ ኢደይ ሒዝካኒ ብምኽርኻ ክትመርሓኒ ደሓርዉን ናብ ክብሪ ክትቅበለኒ ኢኻ» /መዝ 72፥22-24/። ጥበበኛ ንኽትከውን፡ ዓሻ ምኳን ማለት ከምዚ እዩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዕሽነትና እንድሕሪ ኣሚንና የማነይቲ ኢድና ሒዙ ብምኽሪ ክመርሓናን ናብ ክብሪ ከብጽሓናን እዩ።

ሰበይቲ ሎጥ ኩሉ ንገር ክትፈልጥ ብዝነበራ ህንጡይነት፣ ናብ ዓንዲ ጨው ተቐይራ ጠፍአት። ጐይታ ውን ብዛዕባ ከምዚ ዓይነት ሕንጡይነት ኣብ ዘበነ ሓሳዊ መሲሕ ከም ዝህሉ ኣጠንቂቁና። «እቲ ብነብዩ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽስት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቆይሙ አንተርኢኹም እቲ ዜንብብ የስተውዕል። ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ክማላእ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ኪዳኑ ክዳኑ ክወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ።» /ማቴ 24፥15-18/

ብዝኾነ ይኹን ኣጋጣሚ፣ ንሓሳዊ መሲሕ ክንርኢ ክንሰምዕ ወይ ዉን ክንረኽቦ ኢልና፣ ኣይንድለ ማለት’ዩ። ኣብ ኲሉ ኩርንዓት ዓለት ዝተፈጸሙ ነገራት ክፈልጡ ኢሎም ዝህንጠዩ ሰባት ከም ሰይቲ ሎጥ ክጠፈኡ እዮም። ኣብ /ሉቃ 17፥31-32/ ውን ከም ሰይቲ ሎጥ ከይንጠፍእ ብተመሳሳሊ የጠንቅቐና። «በቲ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ደርቢ ዘሎ፡ ኣቕሑኡ ከኣ ኣብ ቤት ዘለዎ ኪወስዶ  ኢሉ ኣይዉረድ፣ ኣብ ወፍሪ ዘሎ ውን ንድሕሪት ኣይመለስ። ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ።»

ሓሳዊ መሲሕ ኣብ ዝነግሰሉ ግዜ፣ ቲቪ ክንርኢ፡ ሬድዮ ክንሰምዕ ወይ ናብ «ፍሉይ ጉባኤ» ክንከይድ ዝድፋፋኣና ህንጡይነት፡ ልጓም ጌርናን እሰሮ። ቅዱስ ዮውሃንስ ኣፈወርቅ «ጐይታ ኪዱሞ ኣይትእመኑ ኣይኮነን ኢሉና። እኳ ደኣ ፍጹም ኣይትንቀሳቐሱ ናብኡ ውን ከይትኸዱ እዩ ኢሉና» ብምባል ብዛዕባ ሓሳዊ መሲሕ፡ ዝኾነ ነገር ክንፈልጥ ኢልና ጻዕሪ ከይንገብር ኣጠንቂቑና። ዓበይቲን፡ ሰይጣናዊ ተኣምራትን፣ ብሰይጣናዊ ሓይሉ ከርእይን፣ ነቶም ሕሩያት ዉን ከስሕቶም እዩ። ነዚ ኩሉ መጠንቀቕታ ሸለል ኢልና፣ ህንጡይነትና ጥራይ ሒዝና እንድሕሪ ሶጊምና፣ ተታሊልካ ክንወድቕ ኢና።

ስለዚ፣ ኣብ ጾም ኣርብዓ፣ ቲቪ ዘይምርኣይ ዝኣመሰለ ልምዲ ከንጥሪ ይግብኣና። ከምዚ ዓይነት ጽቡቕ ልማድ እንድሕሪ ኣማዒብልና፣ ደሓር ኣብ ዘመነ ሓሳዊ መሲሕ ብቲቪ ንዝግበር ጎስጓስ ኣይከሸግረናን እዩ። ብዛዕባ ሓሳዊ መሲሕ፣ ብዝኾነ ኣጋጣሚ ክንፈልጥ ኣይንጽዓር፣ ወትሩ ዓይንና ናብ ሰማያት ቋሕ ኣቢልና ምጽኣት ጐይታ ምጽባይ ይግባእ።

ካልእ ከኣ፤ ብዛዕባ ጠንቆልቲ፡ መናፍቓን፡ ስክራን፡ ዘመውቲ፡ ክንፈልጥ ኢልና ንገብሮ ህንጡይነት አዩ። ብዙሓት ሰባት ኣለዉ፣ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮም ነገራት፣ ከመይ ከም ዝግብሩ ክፈልጡ ይደልዩ። «ስኽራን ከመይ ይገብር፡ ወይ ዝሙት አንታይ መቀረት ኣለዎ?» ኢሎም ዝሓስቡን፣ ክፈልጡ ዝደልዩን ሰባት ኣለዉ። ከምዚ ዓይነት ህንጡይነት፣ወይ ናብ ምንፍቅና፡ ወይ ናብ ነፍሰ ቅትለትን፡ መሕደሪ ኣጋንንቲ ይገብረና፤ አምበር ካልእ ምንም ጥቕሚ የብሉን። ረብሓ ዘይብሉ ፍልጠት ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣኖዮ ኮይኑ፣ ሕጂ ድማ ጎዳእቲ ፍልጠት ክንርኢ።

ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ኲሉ ነገር ክትፈልጥ ምህንጣይ። «ሓደ ካባኻትኩም ከም ቀታሊ ወይስ ከም ሰራቒ ወይስ ከም ገባር እከይ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ከም ዝጽንበር ኮይኑ መከራ ኣይጽገብ» /1 ጴጥ 4፥15/። ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ዝምልከተናን ዘይምልከተናን ጉዳይ ክንፈልጥ ምጽዓር ጎዳኢ እዩ፣ ናይ ሓሜት ሱር ዉን እዩ።

ምናልባት ዲያብሎስ «ምእንታን ነቲ ሰብ ክንሕግዞ ብዛዕብኡ ዝኾነ ነገር ክንፈልጥ ኣለና» እንዳበለ ይምዕደና ይኸዉን። ይኹን ደኣምበር፤ ንኣብነት፣ ኣነ፣ ነቲ ሰብ እንታይ ዓይነት ሕማም ከም ዝሓመመ ከይሓተትኹ፣ ስለቲ ሕሙም ክጽልይ ይኽእል። ክራይ ገዛ ክንደይ ከምዝኸፍለሉ፣ ከይሓተትኩ ንብረት ገዛ ኣብ ምስግጋር፣ ክሕግዞ ይኽእል። ደሞዝ ክንደይ ከምዝኽፈሎ ከይሓተትኩ፣ እንቋዕ ስራሕ ረኺብካ ኢለ፣ ሰናይ ትምኒተይ ክገልጸሉ ይኽእል።

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ምስጢር ዓርኮምን መሓዝአንን ክፈልጡ ይደልዩ። «ምስጢርካ አንተ ዘይነጊርካኒ ዓርከይ ኣይኮንካን. .ምስጢረይ ዝነግረካ ናትካ ምስ እትነግረኒ እዩ» ይብሉ።
Erectile dysfunction is a http://icks.org/n/data/ijks/1482460790_add_file_5.pdf on line cialis medical condition in which a person’s blood sugar levels are higher than normal.
እዚ ግዳኢ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ውን፣ ማዕረ ሰረቕትን ቀተልትን ሰባት ሰሪዕዎ ይርከብ። ብዙሓት ሰባት፣ ብዛዕባ ዉልቃዊ ህይወት ናይ ካልኦት ክፈልጡ ኢሎም፣ ንካልኦት ሰባት ዘሸግሩ ኣለዉ። ገሊኣቶም እውን መጺኦም «ሰባት ብዛዕባ ዉልቃዊ ህይወተይ ኪፈልጡ ስለዘይድሊ ይሕሱ» ይብሉኒ። ናተይ መርገጺ እዚ እዩ «ኣይትሓስዉ ጥራይ ነቶም ሰባት ውልቃዊ ጉዳይ እዩ ክነግረኩም ኣይደልይን» በልዎም። ምናልባት እንተሓሪቆም ክትዛርብዎም ኣይትፈትኑ። ይኺዱ ሕደግዎም ምኽንያቱ፣ ከምዚ ዓይነት ሰብ ኣማናዊ ወይ ሓቀኛ ዓርኪ ወይ መሓዛ ኣይኮኑን። ኣማናዊ ዓርኪ /ብጻይ/መሓዛ/ ናይ ዓርኩ ዉልቃውነቱ የክብር’ዩ። ሚስጢር ክፈልጥዉን ኣይደልይን።

መንፈሳዊ ፍልጠት

መብዛሕትና መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብን ንጽንዕን ኢና፣ ኮይኑ ግና ንመንፈሳዊ መልእኽቱ ኣብ ኣእምሮና ነስርጽን ነሕድርን ዲና?

«እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቃላት ኣብ ልብኻ ይኹን ንደቕኻ መሃሮም። ኣብ ቤትካ ኮፍ ምስ በልካን ኣብ መንገዲ ክትከይድ ከለኻን ኣብ በጥ ምስ በልካን ኣብ ምትንሳእኻን ብኡኡ ተዛረብ። ንምልክት ኣብ ኢድካ እሰሮ ኣብ መንጎ የዒንትኻ ድማ ክታብ ይኹን። ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ድማ ጽሓፎ» /ዘጻ 6፥6-9/

እዚ ማለት፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ነንብቦ ኩሉ ቃል፣ ምስ ሓሳብና ተወሃሂዱ፣ ባህሪና ክሳዕ ዝኸውን፣ ኣብ ልብናን ኣእምሮናን ክንዓቁሮ ይግባእ።

ንኣብነት ነዘን ጥቅስታት ንዉሰደስ፣ «ኩሉ ሰብ ጽቡቕ እንተተዛረበልኩም ወይለኹም» /ሉቃ 6፥26/ «ሰባት ስለ ወድ ሰብ ኢሎም እንተጸልኩም እንተፈለየኩም እንተጸረፍኩም ውን ከም ክፉእ አንተ ኣውጺኡልኩም ብጹኣን ኢኹም። … ኣብ ሰማይ ዓስብኹም ብዙሕ ክኸውን እዩ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ባህ ይበልኩም ተሓጎሰ ውን» /ሉቃ 6፥22-23/

ብመሰረት እዘን ጥቅሲ እዚአን፣ ዉዳሴ ሰባት ዘይኮነስ ንዕቀትን መከራን እዩ በረኸት ዘውህብ። ምናልባት ነዘን ጥቕሲ እዚኣተን ኣንቢብናየን ንኸውን፣ ግን ናይ ሰባት ዉዳሰን ጽቡቕ ዘረባን ንመንፈሳዊ ህይወትና ሓደጋ ምኻኑን፣ እኳ ደኣ ሰባት ጸሊኦምና፡ ስምና ብክፉእ እንተልዓልዎ ግና ብዙሕ በረኸት ከም ንረክብ፤ ኣብ ኣእምሮና ኣሕዲርናዮ`ዶ? እዚ ክግበር ዘይከእል ከቢድ ነገር`ዩ ትብል ትኸዉን፣ ኮይኑ ግና ተጌሩ እዩ።

ኣቡነ የውሃንስ ዝበሃሉ ጳጳስ፣ ወትሩ ሓሙስ ሓሙስ፣ ናብ ጎደቦኦም ዝነበረት ዓዲ ከይዶም ወንጌል ይሰብኩ ኔሮም። ኣብቲ ንሶም ዝስቀሉላ ተመሳሳሊ ሰዓትን መዓልትን ከኣ፣ ንክርስቲያናት ዝጸልእ ኣስላማይ፣ ንሶም ኣብ ዝሰቀልዎ ታክሲ ኩሉ ግዜ ይድይቡ ኔሩ። ኣቡነ ዮውሃንስ ናብታ ታክሲ ምስ ኣተዉ እቲ ኣስላማይ ገጹ ጠውዩ፣ ጡፍ ይብለሎም ነበረ። ብከምዚ ኸኣ ንዓመታት ተጓዒዞም። ሓደ መዓልቲ ግን፣ ኣቡነ ዮውሃንስ ናብ ታክሲ ምስ ኣተዉ እቲ ኣስላምይ ሰብኣይ ኣብታ ታክሲ ኣይነበረን። ሽዑ ኣቡነ ዮውሃንስ ብጣዕሚ ጉህዮም «ኦ እግዚኣብሔር ስለምንታይ ምንጪ በረኸተይ የሕዲግካኒ፣ እዚ’ኮ ስለቲ ዝፈጸምክዎ ብዙሕ ሓጢኣት ዝግብኣኒ እዩ። ሕጂ ግና ነዚ በረኸት ብቁዕ ስለዘይኮንኩ፣ ካባይ ኣግዲፍካኒ» ብምባል ናብ ኣምላኽ ኣመልከቱ።

ካልእ ውን ኣቡነ ሳማኤል ዝብሃሉ ጳጳስ ኔሮም። ንዓለም ንዒቖም ብሙልእ ልቦም ንጐይታ የገልግሉ ስለዝነበሩ፡ ዓለማውያን ጸላእቲ ኔሮሞም። እቶም ዝጸልእዎም ሰባት ከኣ ሕማቕ ደብዳቤ ይጽሕፉሎም ነበሩ፡ ኣባ ሳሙኤል ግና ነተን ደብዳቤታት ኣኪቦም የቐምጥወን ኔሮም። ወትሩ ተስፋ ክቖርጹን ክስልችዎምን እንከሎ፣ ነተን ደብዳቤታት ከፊቶም ብምንባብ ይነቐቕሑን ሓይሎም ውን ይሕደስ ኔሩ ምኽንያቱ ኣብ ነፍስ ወከፍ ሕማቕ ደብዳቤ በረኸትን ጸጋን የንብቡ ስለዝነበሩ። ነቲ ዘንበብካዮ ኣብ ልብኻ ምስራጽ ማለት ከምዚ እዩ።

መነኮሳት ኣቦታትና፣ ንጸርፊ ብሓጎስ ናይ ምቕባልን፣ ንዉዳሰ ሰባት ድማ ናይ ምንዓቅ፣ ዘክእሎም ሰናይ ልምዲ ምእንቲ ከጥርዩ ገዛእ ርእሶም የላምዱ ኔሮም። ንኣብነት፤ ሓደ እዋን ሓደ መንእሰይ ናብ ኣባ መቃርስ መጺኡ፣ መዓዱኒ  በሎም። ንሶም ከኣ «ኣብ መቓብር ኪድ’ሞ ፡ ነቶም ሙታን ወድሶም ሞግሶም» በልዎ። ንሱ ኸኣ ከምቲ ዝተባሃሎ ጌሩ ተመልሰ። «እንታይ ኢሎምኻ» ብምባል ሓተትዎ፣ ንሱ ኸኣ «ዋላ ሓደ» በሎም። «በል ሕጂ ኸኣ ተመለስ’ሞ ጽረፎም» በልዎ። ከምቲ ዝተባሃሎ ጌሩ ተመልሰ «እንታይ ኢሎምኻ» ኢሎም ሓተትዎ፣ ‘ደጊሙ ዉን «ዋላ ሓደ» በሎም። ሽዑ፣ ቅዱስ መቃርስ ትቅብል ኣቢሎም፣ «በል ንስኻ ዉን ከምኡ ግበር፣ መነኮስ ንዓለም ምውት እዩ፣ ብውዳስ ሰባት ኣይተተሓጎስ፣ ምስ ዝጸርፉኻዉን ኣይትሕረቕ፡ ዋላ ሓደ ኣይትበል!» በልዎ።

ካልእ ውን፣ ሓደ ሃብታም መንእሰይ ክምንኩስ ኢሉ ናብ ገዳም ምስ መጸ፣ እቶም ኣበ ነፍሱ ወይ መምህሩ «ጸርፊ ብሓጎስ ክትቅበል ርእስኻ ኣላምዳ» በልዎ። ንሱ ኸኣ ዝጸርፎ ሰብ ኣብ ከባቢኡ እንተደለየ ማንም ሰብ ኣይረኸበን፣ ምክንያቱ እቶም መነኮሳት ስለዘይጻረፉ። ደሓር ግና ሓደ ነገር መሃዘ። ምእንቲ ጸርፊ ብጸጋ ናይ ምቅባል ልምዲ ቀልጢፉ ከጥርዪ፣ ካብቲ ጎዶቦ ዓዲ፣ ሓደ መንእሰይ እንዳመጽአ ንክጸርፎ በግንዘብ ተወወዓዓሉ።  ብኸምዚ መገዲ ድማ፣ ንጸርፊ ብሓጎስ ናይ ምቅባል ባህሪ ኣማዕበለ።

እዚ መንእሰይ፣ ድህሪ ክንደይ ግዜ ሓደ መዓልቲ ምስቶም ኣሕዋቱ ዝዀኑ መነኮሳት ናብ ከተማ ምስ ተላኣኸ፣ እቲ ዝጸርፎ ዝነበረ ሰብኣይ እንዳጎየየ መጺኡ ጸረፎ። ሽዑ እቲ መነኮስ ብሓጎስ ፍንጭሕ ኢሉ ሰሓቐ። እቶም ካልኦት መነኮሳት ስለምንታይ ከም ዝሰሓቐ ምስ ሓተትዎ፣ ንሱ ኸኣ «እዚ ሰብኣይ እዚ ምእንቲ ክጸርፈኒ ይኸፍሎ፣ ኔረ ሕጂ ግና ብናጻ ይጽረፍ ኣለኹ» በሎም።

መጽሓፍ ቅዱስ «ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እዃ ንዓለም እንተፈተዋ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን።» /1ዩሃ 2፥15/ «ኣትን ዘመዉቲ ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምኻኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን እምበኣር ፈታው ዓለም ምኻን ዝደሊ ንሱ ጸላኢ ኣምላኽ እዩ ዝኸውን» /ያዕ 4፥4/ ይብለና።

እዚ ቃል እዚ ኣብ እእምሮና ከነስርጾ ይግባእ። መንገዲ ፍጽምና ንዓለምን ንብረታን መንዓቕ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ «ብሓቂ ስለ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታ ኢሉ ስሊኡ እዚ ኹሉ እተውጻዕኩ ኩሉ ወጽዓ ከም ጓሓፍ እቆጽሮ ኣለኹ» /ፊል 3፥8/ በለ። ስለ ፍልጠት ክርስቶስ ኢሉ ኩሉ ነገር፡ ኣብ ዓለም ዘሎ ንብረት ኩሉ ከም ጓሓፍ ርእይዎ። ዓለም ሓንቲ ዓባይ ጓሓፍ ታኒካ ምዃናን፡ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ውን ጓሓፍ ምዃኑ ኣብ ልብና ክንርድኦን ከነሕድሮን ይግባእ። ማኪና ርእየ ኣመና ዝብህጋን፣ ብህንጡይነት ዝምነያ እንተኾይነስ፣ ናብ ዘምልኻ ጣኦት`ዶ ትቕየር የላን?

እዝከረኒ ሓደ እዋን መንእሰያት ሒዘ ካብ ሓንቲ ከተማ ናብ ካልእ ከተማ ብመኪና ይጓዓዝ ኔረ። ሽዑ እቶም መንእሰያት፡ እኪልዎም ነቲ ሙሉእ መንገዲ ብዛዕባ መኪና ጥራይ ብምዕላል ወድእዎ።

ጭፍሉቓት መካይን ዝጸዓና ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ርኢኩም’ዶ ትፈልጡ? ብሓቂ ደስ ኣይብላካን እየን! ወትሩ መኪና ክንብህግ እንከሎና፣ ድሕሪ ቁሩብ ዓመት ናብ ጭፍሉቕ ሓጺን ክቅየራ ምኳነን ንኣኣምሮና ንንገሮ! ንዓለማዊ ነገራት ንዒቕካ፡ መንፈሳዊ ነገራት ምብሃግ ተላመጽ።

መጽሓፍ ቅዱስ «ብኹራ ደንጓይ ዝኾነ ካብ ጅግና ይበልጽ፡ ካብቲ ንኸተማ ዝሕዝ ከኣ መንፈሱ ዝገዝእ ይበልጽ’’ /ምሳ 16፥32/ ይብለና። ሕርቓንካ ምቁጽጻር ድክመት ዘይኮነስ ሓይሊ ምኻኑ ተረዲእናዮ’ዶ? ኣብ ኣእምሮና`ኸ ተኺልናዮ’ዶ? ንጸርፊ ብሕርቃን ዝመልኦ ጸርፊ፣ ወይ ንክፋእ ብክፉእ ምምላስ፤ እቲ ዝቀለለ መንገዲ’ዩ። ግን ከኣ መንገዲ ድኹማት እዩ! ሕርቃንካ ተቖጻጺርካ፡ ብሕርቃን ንዝተዛረቡካ፣ ብርግኣትን ትሕትናን ምምላስ እቲ ዝኸበደ መንገዲ እዩ፡ መንገዲ ሓያላትን ተባዓትን። እቲ ሓደ መልትሕካ ንዝጽፍዓካ ንኽደግመካ፡ ምሃብ ስንፍና ዘይኮነስ ትብዓት ምዃን ብልቢ ንረደኣዮ። እዚ ከቢድ እዩ፣ መን ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዚ ክገብር ይክእል ትብሉ ትኾኑ፣ ግን ክግበር ዝከኣል ምኻኑ ንፍለጥ።

ሓደ እዋን ኣብ ቴስዓታት፡ ሓደ መነኮስ ዝዕረ ንብረት ገዳም ሒዙ ናብ ካይሮ ኣትዩ፣ በተን ጸበብቲ ጎደናታት ከሓልፍ እንከሎ ኣጋጣሚ መኪኒኡ ምስ ሓንቲ ካብተን ደው ኢለን ዝነበራ መኪና ተጋጨወት። ሽዑ እቲ መነኮስ ዋንኣ መን ምኳኑ ኣጣይቁ ስለቲ ዝፈጸሞ ጌጋ ይቕሪታ ሓቲቱ ነታ ዝተሃሰየት መኪና ብወጻኢታቱ ከዕርያ ምኳኑ ነቲ ዋና መኪና ነገሮ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ግና ዋና ናይታ መኪና ሓደ ካብቶም ጽልኣት ክርስቲያን ዘለዎም ቀናኣት ኣስላም ስለ ዝነበረ፣ ነቲ መነኮስ ብጸርፊ ምስ ኣዋረዶ፣ ብእኡ ክዓግብ ስለ ዘይከኣለ፣ ተመሊሱ ገጹ ጸፍዖ። እቲ መነኮስ ግና ሓንቲ ገጹ ጠውዩ «በዚኣ ከኣ ድገመኒ» በሎ። እቲ ሰብኣይ በቲ ፍጻሜ ተገሪሙ እንዳነብዐ ይቅረ ክብሎ ነቲ መነኮስ ለመኖ «ክፉኣት ምኳንኩም እዮም ዝነግሩና ንስካትኩም ግና ብሓቂ ካባና ትሕሹ» በሎ። ድሓር ግና ንምንታይ ናብ ካይሮ ከም ዝመጸ ሓተቶ፣ እቲ መነኮስ ከኣ ዝዕረ ንብረት ገዳም ሒዙ ከም ዝመጸ ነገሮ። ሽዑ እቲ ሰብኣይ እቲ ንብረት ዝዕረየሉ ትካል ከም ዘለዎ ብምሕባር ከዕርየሉ ምኳኑን ብድሕሪ ሕጂ ውን ዝዕረ ንብረት እንተሃልይዎ ብቐጻሊ ናብኡ ከምጽኦን ንሱ ከኣ ከም ዘዕርየሉን ቃል ኣተወሉ።

ቅ.ጳውሎስ «ንዓይ ህይወተይ ክርስቶስ እዩ፡ በዘን ክልተ እዚኣተን ይጭነቕ ኣለኹ ንዓይ ኣዝዩ ዝሓይሽ እሞ ክፋኖ ምስ ክርስቶስ ውን ክነብር ሃረርታ ኣሎኒ።» /ፊል 1፥21-23/ በለ። ሞት ጥፍኣት ዘይኮነስ፡ ዕረፍቲ ምዃኑ ተረዲኡና’ዶ? ተፋኒና ምስ ክርስቶስ ምንባር ዝበለጸ ምዃኑ’ከ? ዓይኒ ንዘይረኣየቶ እዝኒ ንዘይሰምዓቶ ልቢ ሰብ ውን ዘይሓለኖ፣ ናብ ዕረፍቲ ቦታ ንምኻድ ሃረር ምባል`ከ? ቅኑዕ መንፈሳዊ ትርጉም፡ ሞትን ህይወትን’ከ ተረዲእና’ዶ?

ምስጋና ንኣብን ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን። ኣሜን

መእተዊ -ካልኣይ ምዕራፍ ይቅጽል

[1] O J Simpson ንሰበይቱን ካልእ ጓልን ዝቐተለ ፍሉጥ ኣሜርካዊ ፊልም ተዋስኣይን ባስኬት ቦል ተጻዋታይን ነበሪን እዩ