ስግው ቃል 4
3. ሰማያዊ መዋጥርን፣ ፍታሕ ብተዋህዶን. . . ይቕጽል
11. ሰባት ብዉልቃዊ ጻዕሮም ንኣምላኽ ክፈልጥዎ ኣይኽእሉን፣ እግዚአብሔር ባዕሉ`ዩ መንነቱ ዝገለጸሎም። ሰብ ብባህሪኡ ዉሱንን ድሩትን ስለዝኾነ፣ ነቲ ዘይዉሰን፣ ዘይምርመርን፣ ረቂቅን ዝኾነ እግዚአብሔር ክፈልጦ ኣይኽእልን። ክፈጥረና እንከሎ ዉን ኣምላኽ ነዚ ነገር ይፈልጥ እዩ። ስለዚዉን ነቲ ናቱ ፍልጠት ንክህልዎም ገበረ፣ ምኽንያቱ ፍልጠት ናይ ፈጣሪኦም ዘይብሎም እንተኾይኖምሲ፣ እንታይ ጥቅሚ ኣለዎ፧ ፍጡር ህላወ ፈጣሪኡ ዘይፈልጥ እንተኾይኑ ደኣ`ሞ እንታይ ዕላምኡ፧ ብዛዕባ`ቲ ናብ ህላወ ዘምጽኦም (ዝፈጠሮም)፤ ጥበብ ኣምላኽ ዝኾነ ቃል፣ ዘይፈልጡ እንድሕሪ ኮይኖም ደኣ ከመይ ጌርና ብመልክዕ ኣምላኽ ተፈጢሮም ክንብል (How could men be reasonable)፧ ንእግዚአብሔር ዘይፈልጥዎ እንድህሪ ኮይኖም፣ ካብ ኣራዊት ዝፍለይሉ ምክንያት የብሎምን። እግዚአብሔር`ከ ንዕዑ ክፈልጥዎ መደብ እንተዘይብሉ፣ ንምንታይ ደኣ ፈጢርዎም ክንብል ኢና፧ ግን እዚ ሕያዋይ ኣምላኽ፣ ነዚ ፍልጠት ዓዲልዎም እዩ። ክፈጥሮም ኣንከሎ ብመልክዑን ብምስሉን ጌሩ ፈጠሮም፣ ማለት ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ይመስሉ። ልክዕ ብመልክዕን ምስሊን ጐይታን ኢና ተፈጢርና።
ስለምንታይ እንቴልና፧ ንሰብ፣ ሓጎስን ትርጉም ዘለዎ ህይወትን ዝፈጥረሉ፣ ንፈጣሪኡ ምፍላጥ እዩ። ስለዚ ደቂ-ሰባት ኣብ መልክዕን ምስሊን ኣምላኽ ግደ ስለዘለዎም ነቲ ሓቀኛ ፍልጠት፣ ማለት ምስሊ ቃል ኣብ ህይወቶም ኣሎ። በዚ ምስሊ ኣቢሎም ንኣቦ (እግዚአብሔር ኣብ) ክፈልጥዎ ይኽእሉ። ግን ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፣ ሰባት ዓያሹ ኢዮም። ሒደት ጸጋ ምስተቐበሉ፣ ካብ እግዚአብሔር ኣግለሱ። ገዛእ ርእሶም ዉን ኣርኸሱ። ኣብ ህይወቶም ዝነበረ ፍልጠት ኣምላኽ ኣጥፍእዎ። ተመሊሶም ዉን ካልእ ኣማልኽቲ ሰርሑ። ኣብ ክንዲ እቲ ሕይዋይን ኣማናዊ ኣምላኽ፣ ካልእ ጣኦታት ሰርሑ። ቅዱስ ጳዉሎስ ዉን “ኣብ ክንዲ ፈጣሪ. . . One of the first things people note when they start adding Acai to their diet is increased energy – and this is much djpaulkom.tv order generic cialis more common in men than women.. .ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን፡” /ሮሜ 1፥25/ ይብል። ሕሉፍ ሓሊፎም ዉን እቲ ንእግዚአብሔር ጥራይ ዝግባእ ኣምልኮን ክብሪን፣ ንዕንጨይቲ፣ ኣእማንን ሰባትን ቀየርዎ። ስጋዊ ፍትወቶም ከዕግቡ ዉን፣ ርኹሳት መናፍስቲ፣ ከም ኣማልኽቲ ጌሮም ከምልኹ ጀመሩ። ነዞም ኣማልኽቲ ዉን፣ እንስሳታትን ሰባትን ሰዉኡሎም። ከምዚ ብምግባሮም ዉን መመሊሶም ናብ ዓዘቅቲ ክኣትዉ ጀመሩ። ብዘይካ እቲ ብዓይኒ ዝርአ፣ ካልእ ፍጹም ትርጉም ዘይብሉ ጌሮም ስለዝቖጸርዎ፣ ጥበብ ብምባል፣ ዝተፈላለየ ጥንቆላታትን፣ ሽርሕታትን ኣብ ህይወቶም ኣተኣታተዉ። ንህይወት ኩሉ ሰብ ዉን ምስ ከዋኽብቲን ዛዕጎልን ኣዛመድዎ። ክፍኣት፣ ሕጊ ምጥሓስ፣ ሓጢኣት፣ ኣብ ኹሉ ቦታ ነገሰ። ኣምላኽ ይኹን ቃሉ ተረሲዑ።
እዚ ኹሉ ክገብሩ እንከልዉ ግና ሱቕ ኢሉ ንክጠፍኡ ኣይሓደገሞን። ገዛእ ርእሱ ብብዙሕ መንገዲ የግህደሎም ነበረ። ብቡዝሕ መንገዲን ኩነትን ገዛእ ርእሱ ገለጸሎም።
12. ሰባት ክሳዕ ክንደይ ድሩታት ምዃኖም እግዚአብሔር ይፈልጥ። ዋላ`ዃ እቲ ኣብኦም ሓዲሩ ዝነበረ፣ ጸጋ መልክዕ ኣምላክ፣ ፍልጠት ኣምላኽን፣ ቃልን ክህቦም እንተኸኣለ፣ ግን በዚ ጥራይ ኣይተወሰነን። እግዚአብሔር ብስነ-ፍጥረታት ኣቢሉ መንነቱ ገሊጹ እዩ። ብጸጋ ክፈልጥዎ እንተዘይከኣሉ፣ ብተሞክሮ ንኣምላኽ ከለልይዎ ገበረ። እዚ ጥራይ ዉን ኣይነበረን። ሰባት ነቲ ኣብኦም ሓዲሩ ዝነበረ ጸጋ፣ ብዝያዳ ከቃልልዎ ስለዝጀመሩ፣ ኣምላኽ ምእንቲ ናብ ዝያዳ ጌጋ ከይወድቁ ኢሉ፣ ሕጊ ሃቦም፣ ነብያት ዉን ኣተንስኣሎም። እዞም ነብያት ዉን ደቂ ዓዶምን፣ መናብርቶምን እዮም። ምናልባት፣ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም፣ ኣምላኾም ክፈልጡ እንድሕሪ ጸጊምዎም፣ ነቶም ኣብ ጎኖም ዘለዉ ቅዱሳን ነብያት ብምጥማት፣ ኣካይድኦም ብምዕዛብ፣ ፍልጠት ኣምላኽ ንክረኽቡ ገበሮም። ምክንያቱ ሰብ ካብ ካልእ ሰብ ብዙሕ ይመሓር እዩ።
እምበኣርከስ፣ ንኣምላኽ ዝፈልጡሉ ሰለስተ መንገዲ ሂብዎም። ቀዳማይ፣ ኣብ ሰማያትን፣ ኩሉ ፍጥረታትን ብምዕዛብ፣ ነዚ ኩሉ ዝፈጠረን ዝመሓድርን፣ ሓይሊ ከምዘሎ ብምስትዉዓል፣ ናይዚ ኩሉ ነገር ገዛኢ፣ ቃለ ኣብ ምዃኑ ምፍላጥ። ንቃል ፈሊጦሞ ማለት ከኣ፣ ን ኣቦ ምፍላጥ እዩ። ካልኣይ፣ እንድሕሪ እዚ ከቢድዎም፣ ኣብ ጎኖም ምስ ዘለዉ ቅዱሳን ብምዝርራብ፣ ብዛዕባ እግዚአብሔር እንታይነት ክመሃሩ ይኽእሉ። ንሱ ኣብኡ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሓቀኛ ኣምላኽ ፈሊጦሞ ማለት ኸኣ፣ ኣምልኾ ጣኦት ርኹስ ምዃኑ ክርድኡ ይኽእሉ። ከም ሳልሳይ ደረጃ ኸኣ፣ ምናልባት እዚ ኹሉ ምስላጥ እንተኣብዩ፣ ቀባሕባሕን ነው ነጀዉን ምባል ሓዲጎም፣ ሕጊ ኣምላኽ ጥራይ ብምሕላዉ ሰናይ ህይወት ክመርሑ ይኽእሉ። ነቢያትን፣ ሕጊታት ኣምላኽን ንኣይሁድ (ንእስራኤላዉያን) ጥራይ ኣይኮነኑ ተዋሂቡ። ንኩሉ ዓለም እዩ። ዋላዃ ናብ ኢስራኤላዉያን እንተተላእኹ፣ ብእስራኤላዉያን እዮም ተቐቲሎም። ሕጊን፣ መማህራን ነብያትን፣ ፍልጠት ኣምላኽ እትመሃረሉ ቅዱስ ቤትትምህርቲ እዩ። እቲ ዝግበር መንፈሳዊ ህይወት ዉን ንሙሉእ ዓለም እዩ። ፍቕሪን ሓልዮትን እግዚአብሔር ኣምላኽ መዐቀኒ ዘይብሉ እዩ። የግዳስ ሰባት በንጻሩ፣ ብርኹሳት መናፍስቲ ተታሊሎምን፣ ብስጋዊ ፍትወቶም ተታሒዞምን፣ ናብ ኣምላኽ ቅንዕ ኢሎም፣ ሓቂ ከናድዩ ኣይመረጹን። ሓጢኣቶም ኣዝዩ ስለዝበዝሐ ዉን፣ ካብቲ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ፣ ለጠቕ ኢሎም፣ ናብ እንስሳ ተቀየሩ። እንስሳዊ ባህሪ ኣማዕበሉ። ኣብ ክንዲ መልክዕ ኣምላኽ ዝዀነ ህላዊነት ቃል ዘግህዱ፣ ከም እንስሳ ተዋረዱ።
. . . . ይቕጽል