ስም ጐይታ ኢየሱስ-ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ

4 Responses

  1. ghrmalem tesfay t says:

    ghrmalem tesfay t

  2. Anonymous says:

    ሰላም ዲያቆን ቃለ ሕይወት የስምኣልና፡ ኢግዚኣብሔ ኣምላኽ ጸጉኡ የብዝሓልካ፤ኣሜን! ነዚ ናይ ኣቦታት፡ መንፈስ ቅዱስ ንዘሕደረሎም ጥበብን ፍልጠትን ከተካፍለና ዘነቓቕሃካ እግዚኣብሔር ይኽበር ይመስገን። እዛ ኣርእስቲ ኣዚያ መሃሪት አያ፡ ግን ዝተቖርጸት ኮይና ተሰሚኣትኒ። ምኽንያቱ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ክጽሕፍ ከሎ ምኽንያት ነሩዎ እዩ። ቅዱስ ዮውሃንስ ኣፈወርቅ ውን ብዛእባ እቲ ምኽንያት ገሊጽዎ ክኸውን ከምዝኽእል ተስፋ ኣለኒ። ስለዚ እቲ መልእኽቲ መእተዊ እንተዝግበረሉ ጽቡቕ ምኾነ፡ ምኽንያቱ እቶም መላእኽቲ፡ ሓይላት፡ ስልጣናት… ወዘተ ተባሂሎም ተጠቒሶም ዘለዉ መን ምኻኖም እንተዘይተገሊጹ እቲ መልእኽቲ ንኽትርድኦ ጸገም ስለ ዝፈጥር። ከምዚ ናብምባል ውን ከብጽሓና ስለዝኽእል “መላእኽቲ ማለት ከም ቅዱስ ሚካኤል፡ ቅዱስ ገብሪኤል…. ዝጠቕምዎ የብሎምን” ናብ ዝብል ከይወስደና ስለ ዝተሰከፍኩ አየ። ሕጂ ውን ማይ ኣይሓለፎን አሞ ፍቓድካ እንተኾይኑ፡ መእተዊ ብዛእባ እታ መጽሕፍን (መ.ጳ. ናብ ቆሎሴ) ከምኡ ውን እቶም መላእኽቲን ሓይላትና ስልጣናትን ተባሂሎም ዘለዉ መን ምኻኖም ዝብል ወሲኽካ ዳግማይ እንተተውጽኣ ዝበለጸት ምኾነት ዝብል ሪኢቶ ኣለኒ። ካብ ጽቡቕ ድልየት ተበጊሰ እየ ሪኢቶይ ኣስፊረ እሞ ብእወንታ መንገዲ ክትጥምቶ ተስፋ ይገብር። ሃይማኖትና እግዚኣብሔር ይባርኸልና፡ ኣሜን! ካብ ናይ ወትሩ ኣንባቢ እዛ ብሎግ

  3. ክቡር ኣንባቢ
    ብሓቂ እቲ ዝጸሓፍካዮ ርእይቶ ኣዝዩ ኣገዳሲን፣ ኣብ ርእሰይ ዉን ዝጸንሐ እዩ፣ ይገርመካ ነዛ ጽሕፍቲ ፖስት ቅድሚ ምግባረይ ዳርጋ ሶሙን ዝኸዉን፣ “እዛ ጽሕፍቲ እንታይ ተስምዕ ትኸዉን” ብምባል ይሓስብ ኔረ። ኲሉ ናይ ቆሌሰ መልእኽቲ ደጊመ ኣንቢበዮ፣ ማለት ነቲ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፍወርቅ ትሩጓሜ፣ ግን እቲ መልእኽቱ ከምኡ እዩ። እቲ ጽሑፍ ከማን ከምዚ እዩ ዝብል፣
    “Therefore the devil introduced those of the Angels, envying us the honor. Such incantations are for the demons. Even if it be Angel, even if it be Archangel, even if it be Cherubim, allow it not; for neither will these Powers accept such addresses, but will even toss them away from them, when they have beheld their Master dishonored.”
    ኣብዚ ጽሑፍ ዋላ ሓንቲ ከጉድል፣ ዀነ ክምልእ ፍጹም ኣይኽእልን። ግን ከምቲ ዝበልካዮ፣ ኣብቲ መጀመርያን መወዳእታን፣ መእተዊ ክገብረላ እየ። እዚ ዝብለኻ ዘለኹ ዝያዳ ክበርሃልካ፣ ባዕልኻ ነቲ ትሩጓሜ ኣንብቦ፣ email ተሂብካኒ ዲይረክት ክሰደልካ። እቲ ዝበለጸ ግን፣ ባዕልካ ኣብዚ ሳይት ኣቲኻ ኣንብቦ።
    http://ecmarsh.com/fathers/npnf1/NPNF1-13/index.htm

  4. (ስም “መልኣኽ፣ ይኹን ሊቀ መላእክት፣ ዋላ ዉን ኪሩቤል” ኣይትጸዉዕ`ዩ ዝብል) ቃል ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፣ እዚ ማለት ድማ ብቀጥታ ነቶም ቅዱሳን መላእኽቲ እዩ ዘመልክት፣ ኣበሃህልኡ ግን፣ ቅዱሳን መላእኽቲ ክብሪ ኣይግብኦምን፣ ንምባል ዘይኰነስ፣ ማዕረ ስም ኣምላኽ ወይ ድማ ኣብ ክንዲ ቦታ ስም ኣምላኽ፣ ስም መላእኽቲ ክጽዋዕ ኣይግብኦን፣ ንምባል እዩ። ንሕና ዉን ክንትስእ ክንድቅስ፣ ዝዀነ ስራህ ክንሰርሕ እንከሎና፣ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እምበር፣ ብስም መላእኽቲ ኣይነማዕትብን። ኮይኑ ግና ክብሪ ንዝግብኦ ክብሪ ሃቡ ስለዝዀነ፣ ቅዱሳን መላእኽቲን ነብያትን፣ ሃዋርያትን ነኽብሮምን፣ ብስሞም ንልምንን፣ ብስሞም ዝሑል ማይ ከይተረፈ ኣስቲና ኣስቢ ከምንረኽብ ንኣምን። እዚ መልእኽቲ ዉን ኣብቲ ናቱ ትሩጓሜ ኣብ ማቴ 10፡40 ንረኽቦ ኢና።

    ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ካብ ናይ ኣንጾኪያ ትሩጓሜ ቤት እዩ፣ ካብዚ ትሩጓሜ ዝወጽኡ ኩሎም ቅዱሳን ኣቦታት ድማ፣ ኣተሮጓጉማ ሜልኦም፣ ቀጥታቂ እዩ። ማለት ነቲ መልእኽቲ ካብ ታሪካዊ ኣንጻር፣ ብቀጥታ ምትርጓም እዩ። ነዚ ዉን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት መጽሓፍ ቅዱስ ተደጋጊሙ ንረኽቦ። ካልእ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዝያዳ ኣብ ስነምግባራዊ ትምህርቲ እዩ ዝግደስ፣ ስለዚ ዉን ዝበዝሐ ጽሑፋቱ፣ ተግሳጽ ማለት ንህይወት ዝምርምር እዩ። ነዚ መልእኽቲ ድማ ኣብ 12 ክፋል መቂሉ ምሂርዎ ንረኽቦ።

    “ስለዚ እቲ መልእኽቲ መእተዊ እንተዝግበረሉ ጽቡቕ ምኾነ፡ ምኽንያቱ እቶም መላእኽቲ፡ ሓይላት፡ ስልጣናት… ወዘተ ተባሂሎም ተጠቒሶም ዘለዉ መን ምኻኖም እንተዘይተገሊጹ እቲ መልእኽቲ ንኽትርድኦ ጸገም ስለ ዝፈጥር።” ብምባል ዝገለጽካዮ ስክፍታ ድማ፣ ኣብ ሳልሳይ ክፋል ገሊጽዎ ንረኽቦ።
    http://www.ecmarsh.com/fathers/npnf1/NPNF1-13/npnf1-13-52.htm#P2003_1313232

    ተስፋ ይገብር ብመጠኒ ነቲ ስክፍታ ኣቃሊለ ክከዉን፣ በረኸቶም ናይ ቅዱሳን ኣቦታትና ኣይፈለየና፣ ሎቱ ስብሓት!