ኣምላክ ወሰብእ-ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ

hእንዃዕ ናብ ዓመታዊ በዓል ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣብጽሓና። ንሎሚ ከፍ ፍቃድ ኣምላኽ፣ ሓደ ካብ ኣብ ምድረ ሶርያ ዝቦቀሉ ሊቃዉንቲ ኣቦታት፣ ቤተክርስቲያን ዉን “መሰንቆ ናይ መንፈስ ቅዱስ” ኢላ ትጽውዖ፣ ናይ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ  ትምህርቲ ቀሪበኩም ኣለኹ። ሰናይ ናባብ!

ቅድሚ 2000 ዓም ኣካባቢ ኣቢሉ፣ ካልኣይ ኣካል ናይ ስላሴ፣ ወልደ እግዚአብሔር ጸባኦት፣ ካብ ድንግል ተወሊዱ፣ ብቁመት ብጸጋ ብጥበብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ዓብዩ፣ ዓርቢ መዓልቲ ዕለት 27 መጋቢት፣ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ኣድሓነና። ናይ መድሓኒ ዓለም ናይ ድሕነት ስራሕ፣ ካብ ልደቱ ክሳብ ዕርገቱ እዩ። ዕለተ ዓርቢ ግና ፍሉይ ቦታ ኣለዋ፣ ምክንያቱ ኣብዛ ዕለቲ`ዚኣ እዩ፣ ነቲ ልዑል ተግባር ዝፈጸሞ። ማለት መዛዘሚ ናይ ድሕነት ተግባሩ ኣብ ዓርቢ መዓልቲ ብስቕለት ኣብ መስቀል ፈጸሞ።

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እዚ ንዓለም ብስቕለቱ ዘድሓነ ጐይታ ክዛረቡ እንከለዉ፣ ኣምላኽን ሰብን ምዃኑ ብሚዛናዊ ኣገላልጻ ኣይትንትንዎን። ገሊኦም ሰብ ምዃኑ ዘንጊዖም ብዛዕባ ኣምላኻዊ ባህሪኡ ጥራይ ይዛረቡ፣ ገሊኦም ድማ፣ ኣምላኻዊ ባህሪኡ ዘንጊዖም ብዛዕባ ሰብኣዊ ድኻሙ ይዛረቡ። ኣብ ቅድስት ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ግና፣ ንክልቲኡ ብማዕረን ብሚዛንን እያ እትገልጾ።

ክርስቶስ ኣምላኽን ሰብን እዩ። ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፣ ካብ ናይ ባህሪ ኣቡኡ እግዚአብሔር ብዘይ ኣደ ተወሊዱ፣ ስለዚ ወዲ ኣምላኽ ወይ ወልደ እግዚአብሔር እዩ። ካብ ኣምላኽ ስለዝተወልደ፣ ኲሉቲ ኣምላኽ ማለት “ኣቦ” ዘለዎ ባህሪ ንሱ ዉን ኣለዎ። ምላኣት ዘመን ምስ ኣኸለ ግና፣ ነቶም ትሕቲ ሓጊ ሓጢኣትን ሞትን ዘልዉ፣ ብደሙ ዓዲጉ ካብ ባርነት ሓራ ምእንቲ ክገብሮምን፣ ንሕና ዉን ዉልድነት ምእንቲ ክንረኽብሲ፣ ኣምላኽ (ኣብ) ነዚ ካብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊ ዝዀነ ወዱ ለኣኾ። ንሱ ዉን ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብዘይ ምድራዊ ኣቦ ተወልደ። ስለዚ ድማ “ወዲ ሰብ” ተባህለ። ኲሉቲ ሰባት ዘለና ባህሪ ድማ፣ ባህሪኡ ገንዘቡ ገበሮ። ስለዚ ኣምላኽ እዩ፣ ሰብ ዉን እዩ። ክልተ ግን ኣይኰነን ሓደ እዩ፣ ብተዋሕዶ ዝኸበረ ስግዉ ቃል። ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ፣ 100% ኣምላኽ 100% ሰብ እዩ። ቅዱስ ኤፍሬም ሶሪያዊ፣ ብዛዕባ`ዚ ኣርእስቲ ትንታነ ክህብ እንከሎ ከምዚ ይብል።

ቅዱስ ኤፍሬም

እቶም ዝጠራጠሩ ሰባት፣ መለኮታዊ ስልጣን ከም ዘለዎ ካብ ኣመሃህርኡ ርእዮም፣ ብሓቂ ንሱ ኣምላኽ ምዃኑ ክፈልጡ ይኽእሉ፣ መከርኡ ርእዮም ድማ ብሓቂ ሰብ ምዃኑ ክርድኡ ይኽእሉ። እዚ ዂሉ ተገሊጹሎም ከብቅዑ ግና፣ ነቲ ዝተገልጸ ሓቂ ከይርድኡ፣ ሕሊንኦም ዘዳኽሙ ሰባት፣ ኣብታ እተፍርሕ ሰዓት ፍርዲ ክቕበሉ እዮም።

ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ማርያም ንመን እያ ጠኒሳ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ገብርኤል ንመን እዩ “ጐይታ” ኢሉ ዝጸዉዖ?

ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ኣብ መብልዒ ማል ዝደቀሰ መን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ጭፍራ መላእክቲ መጺኦም ዘመስገንዎን ዝዘመሩሉን መን እዩ? ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ኣብ ጨርቂ ዝተጠቕለለ መን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ጓሶት ዝሰገዱሉ ንመን እዩ? ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ዮሴፍ ዘግዘሮ ንመን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ልደቱ ብፍሉይ ኮኮብ ዝተበሰረ መን እዩ?

ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ማርያም ዘጥበወቶ ነመን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ሰብኣ ሰገል ገጸ በረኸት ዘቕረቡሉ ንመን እዩ? ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ስምኦን ኣረጋዊ ነመን እዩ ሓቊፍዎ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ንመን እዩ “ሕጂስ ንባርያኻ ከም ቃልካ ተፋንዎ” ዝበሎ? ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ዮሴፍ ሒዝዎ ናብ ግብጺ ዝተሰደ መን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ “ካብ ግብጺ ንወደይ ጸዋዕክዎ” ዝብል ቃል ከመይ ጌሩ ተፈጺሙ? ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ኣብ ገዳም ከይዱ ዝጾመ መን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ መላእክቲ መጺኦም ዘገልገልዎ መን እዩ? ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ዮሃንስ ንመን ኣጥመቀ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ኣብ ካብ ሰማይ “ብእኡ ዝሰመርኩ ዝፎትዎ ወደይ ንሱ እዩ” ዝበሎ መን እዩ?

ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ኣብ መርዓ ቃና ዘገሊላ ዝተዓደመ መን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ነቲ ማይ ናብ ወይኒ ዝቐየረ መን እዩ? ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ መን እዩ ነቲ ህብስቲ ናብ ላዕሊ ሓፍ ዘበሎ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ከመይ ጌሩ፣ ካብ 5 ሕብስቲን 2 ዓሳን፣ ኣንስቲን ቆልዑትን ከይተቆጽሩ ኣሽሓት ዝዀኑ ሰባት ክምግብ ይኽእል? ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ እቲ ኣብ ጃልባ ዝደቀሰ መን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ንማዕበልን ንፋሳትን ዝገሰጸ መን እዩ?

ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ኣብ ገዛ ስምኦን ፈሪሳዊ ኣትዩ ዝበልዐ መን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ነታ ሰበይቲ ሓጢኣታ ዝሓደገላ መን እዩ? ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ መን እዩ ምስ ደኸሞ ኣብ ጥቓ ዒላ ኮፍ ዝበለ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ናይ ህይወት ማይ ሂቡ ሓሙሽተ ሰብኡት ብምእታዋ ዝወቀሳ መን እዩ? ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ከም ሰብ ክዳን ዝተኸድነ መን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ከመይ ጌሩ ካብኡ ሓይሊ ይወጽእ? ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ናብ ምድሪ ጡፍ ዝበለን ጭቃን ዝገበረን መን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ብጭቃ ዓይኒ ከም ትርኢ ዝገበረ መን እዩ?

ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ኣብ መቃብር ኣልኣዛር ዝነብዐ መን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ከመይ ጌሩ ብቃሉ ነቲ ኣርባዕተ መዓልቲ ዝገበረ ሬሳ ህይወት ክህቦ ከኣለ? ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ኣብ ልዕሊ ኣድጊ ኮፍ ዝበለ መን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ሰባት ብኽብሪ ዝተቐብልዎ መን እዩ? ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ኣይሁድ ዝሓዝዎ ንመን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ክመይ ኮይኑ “እኔኹ” ክብሎም እንከሎ በገጾም ዝወደቁ? ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ እቲ ዝተጸፍዐ መን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ጴጥሮስ ዝቖረጾ እዝኒ ከምቲ ናይ ቀደማ ጌሩ ዝፈወሳ መን እዩ? ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ኣብ ገጹ ጥፍጣፍ ዝተቐበለ መን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ኣብ ገጽ ሃዋርያት “ኡፍ” ኢሉ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዝሃበ መን እዩ?
They can also lead to some discount levitra http://deeprootsmag.org/2013/12/13/all-in-all-a-most-wonderful-time/ severe psychological effects on you and your partner as well.
ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ንፍርዲ ደው ዝበለ መን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ንሰይቲ ጲላጦስ ኣብ ሕልማ ከም ትፈርሕ ዝገበራ መን እዩ? ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ወታሃደራት ቀዲዶም ዝተማቀልዎ ክዳን ናይ መን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ኣብ ግዜ ስቅለት ከመይ ጌራ ጸሓይ ጸለመተት? ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ መን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ምድሪ ካብ መሰረታ ከም ትንቅጥቀጥ ዝገበራ መን እዩ? ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ናይ መን ኣእዳዉን ኣእጋርን እዩ ኣብ መስቀል ዝተሸንከረ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ከመይ ኢሉ መጋረጃ ቤት መቅደስ ተቀዲዱ፡ ኣካዉሕ ተሰባቢሩ፣ መቃብራት ዉን ተከፍቱ?

ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ “ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ” ዝበለ መን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ “ኣቦ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፣ ሕደገሎም” ዝበለ መን እዩ? ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ኣብ መንጎ ሸፋቱ ዝተሰቕለ መን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ከመይ ኢሉ “ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ክትህሉ ኢኻ” ዝበለ? ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ሓሞትን ከርበን ዘስተይዎ መን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ሲኦል ናይ መን ቃል ሰሚዓ ረዓደት?

ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ጎኑ ተወጊኡ ማይን ደምን ዘፍሰሰ መን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ማእሰርቲ ዲያብሎስ ስዒሩ ኣፍደገታት ሲኦል ዝኸፈተ መን እዩ? ኣብ መእሰርቲ ዝነበሩ ነፍሳት`ከ ናይ መን ቃል ሰሚዖም እዮም ሓራ ዝዀኑ?

ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ሓዋርያት ዘዛረብዎ ንመን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ብዕጽዉ ማዕጾ ዝኣተወ መን እዩ? ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ኣእዳዉ ቶማስ ኣብ ጎኒ መን ኣትዩ፣ ናይ መን ሽንካር`ከ ዳህሰሰ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ “ኣምላኸይ ጐይታይ” ኢሉ ዝጸዉዖ ንመን እዩ? ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ኣብ ጥብርያዶስ ባሕሪ ዝበልዐ መን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ብናይ መን ትእዛዝ እዩ እቲ መርበብ ዓሳ ዝመልአ?

ሰብ እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ደቀ መዛሙርቱ እንዳረኣይዎ ዝዓረገ መን እዩ? ኣምላኽ እንድሕሪ ዘይኰይኑ`ኸ፣ ሰማያት ተኸፊቶም፣ ስልጣናት ዝተግዝእዎን፣ እግዚአብሔር ኣብ ድማ ንመን`ዩ “ብየማነይ ኮፍ በል” ዝበሎ፤ ዳዊት ብዛዕባዚ “ጐይታ ንጐይታይ ጸልእትኻ መርገጽ እግሪ ክሳዕ ዝገብሮም ኣብ የማነይ ኮፍ በል” ኢሉ ዘመረ?

ኣምላኽን ሰብን እንድሕሪ ዘይኰይኑ፣ ድሕነትና ኣይተፈጸመን፣ ሓሶት ዉን ክከዉን እዩ። ቃለ ነብያት ዉን ሓሶት ኮይኑ ክተርፍ እዩ። ኮይኑ ግና፣ ነብያት ኲሎም ሓቂ እዮም ተዛሪቦም፣ ትንቢታቶም ዉን ሓቂ እዩ። ምክንያቱ፣ መንፈስ ቅዱስ ዝኣዘዞም ቃል ብተኣዛዝነት ተዛሪቦሞ እዮም።

ኣልቦ እምሰብእ ዘከማየ ኣበሳ ኃጢኣት ገብሪ/ ካብ ኲሎም ደቂ ሰባት ከምዚ ከማይ ሓጢኣት ዝገበረ የለን
ወኣልቦ ዝከማከ እግዚአብሔር መሓሪ/ ከማኻ ዉን እግዚአብሔር ፍጹም መሓሪ የለን
መድሓኒ ዓለም ክርስቶስ ዓለማተ ኲለ ፈጣሪ/ ንዓለም ዘድሓንካ ክርስቶስ ናይ ዓለማት ኲሉ ፈጣሪ ኢኻ
ብደመ ገቦከ ሓጢኣትየ ኣስተስሪ/ ብደም ናይ ጐንካ ሓጢኣተይ ኣስተርየለይ
ኣመ ለኰንኖ ዓለመ ትመጽእ ደኃሪ/ንዓለም ክትፈርድ ደሓር ክትመጽእ እንከለኻ
ኣሜን!!!
ምንጪ፦ ቅዱስ ኤፍሬም ብዛዕባ ደብረ ታቦር ካብ ዝመሃሮ ዝተወስደ