ሶሙነ ሕማማት-ቤተክርስቲያን ንክርስቶስ ዝተመርዓወትሉ ቅነ

bridegroomchristእንዃዕ ናብቲ ንሕማማትን ስቕያትን ክርስቶስ ኣምላኽና ንዝኽረሉ፣ ሶሙን ኣብጽሓና። ብንስሓ ንቐርበሉ፣ ሓጢኣትና ንናዘዘሉን፣ ብመንፈስን ሓቂን ንሰግደሉ ቅነ ይግበረልና።

እዚ ሶሙን`ዚ፣ ቤተክርስትያን ምስቲ ሓቀኛ መርዓዊዓ፣ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ 2000 ዘመን ዝተመርዓወትሉ ግዜን፣ ነዚ መርዓ ዉን ዓመት መጽአ፣ ኣብ ሶሙነ ሕማማት ብንስሓ እትዝኽረሉን እትሕድሰሉን ግዜ እዩ። ቤተክርስቲያን፣ ክበሃል እንከሎ ንስለስተ ነገር ዘመልክት እዩ፤ ቀዳማይ ንህንጻ ቤተክርስቲያን፣ ካልኣይ ድማ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ሰብነት ቤተመቅደስ ኣምላክ እዩ፣ እቲ ሳልሳይን ዝዓበየን ድማ ሕብረት ምእመናን፣ ወይ ማሕበር ኣመንቲ ማለት እዩ። ኣብዚ ጽሑፍ`ዚ ቤተክርስቲያን እንብሎ ዘለና፣ ነዚ ሕብረት ካህናት፡ ዲያቆናትን ምእመናንን እዩ።

እስራኤል ዘስጋ፣ መርዓት ኣምላኽ ተባሂላ ትፍለጥ ነበረት

ኣብ ብሉይ ኪዳን ከነንብብ እንከሎና፣ እስራኤል መርዓት እግዚአብሔር ተባሂላ ትጽዋዕ ነበረት። ማለት እቲ ካብ ያዕቆብ ብዓሰርተ ክልተ ደቁ ኣቢሉ ዝተመስረተ ህዝቢ፣ ባዕላ እታ ሃገር (መሬታ ዘይኰነስ ህዝባ) መርዓት እግዚአብሔር ተባሂላ ትፍለጥ ነበረት። ብዝተፈላለዩ ነብያት ጌሩ ክዛረብ እንከሎ ዉን፣ እግዚአብሔር ኣምላኽ፣ ከም ምስ ሓንቲ ኣዝያ ጽብቕቲ ግን ድማ ዘዋሪትን ዘይእምንቲን ምስ ዝዀነት ሰበይቲ፣ ፍቕሪ ዝሓዞ ሰብኣይ ኮይኑ ተገሊጹ ንረኽቦ። ብፍላይ ነብያት በዓል ኢሳይያስ፡ ኤርሚያስን ሆሴእን፣ ህዝቅኤልን ነዚ ነገር ይገልጽዎ። ነብዪ ሕዝቅኤል ነዚ ፍቕሪ ከመይ ከም ዝማዕበለ ብንጹር ይዛረብ እዩ፣ ኣምላኽ ንእስራኤል ካብ ጎድፍ ኣልዒሉ ከም ዘፍቀራን፣ ግን ድማ ንሳ መሊሳ ከም ዝዘመወትን ይነግረና። ብፍላይ ንኢየሩሳሌም ከምዚ እዩ ዝብላ፣/ትንቢተ ህዝቅኤል 16/

“ሱርክን ወለዶኽን ካብ ሃገር ከንኣናውያን እዩ፣ ኣቦኺ ኣሞራዊ እዩ፣ ኣዴኺ ኸኣ ሔታዊት እያ ብናይ ምውላድክስ፣ በታ እተወለድክላ መዓልቲ እትቢ ሕምብርትኺ ኣይተኣትበን፣ ምእንቲ ኽትጸርይስ ብማይ ኣይተሐጸብክን፣ ብጨው ኣይተቐባእክን፣ ኣይተጠቕለልክንውን። በታ እተወለድክላ መዓልትስ ነፍስኺ ስለ እተናዕቀ፣ ኣብቲ ጋህ ዝበለ መሮር ደኣ ተደርቤኺ። ሓደ ግዛዕ ካብዚ ኺግብረልኪ ኢሉ ራሕሪሑ ብለውሃቱ ቍሊሕ ዝበለኪ ዓይኒ የልቦን።”

ብምባል እስራኤል ኣብ ከመይ ዝበለ ኣዝዩ ንዑቅ ደረጃ ከም ዝነበረት ይነግረና፣ ደሓር ግና . . .

“ብኣኺ ሐለፍኩ፣ ኣብ ደምኪ ጠንቀላዕላዕል ክትብሊ ኸሎኺ ኸኣ ርኤኹኺ እሞ፣ ኣቲ ኣብ ደምኪ ዘሎኺ፣ ብህይወት ንበሪ፣ በልኩኺ። እወ ኣብ ደምኪ ዘሎኺ ብህይወት ንበሪ፣ በልኩኺ። ከም ብቝሊ ግራሁ ኣኣላፋት ገይረ ኣብዛሕኩኺ። ንስኺ ድማ ዘለግ በልኪ፣ ዓቤኺ፣ ኣዚኺ ኸኣ መልካዕኪ፣ ኣጥባት ገበርኪ፣ ጸጕርኺውን በቘለ፣ ግናኸ ንስኽስ ጥራይክን ዕርቕትን ነበርኪ።”

ብምባል ኣምላኽ ካብቲ ናይ ንዕቀት ደረጃ ናብ ኣዝዩ ክቡር ስፍራ ከም ዘምጽኣ ይነግረና። ቀጺሉ

“ብኣኺ ሐሊፈ ርኤኹኺ፣ እንሆ፣ ኸኣ፣ ጊዜኺ፣ እቲ ጽቡቕ ፍትወት ነበረ። ዘፈር ክዳነይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጊሔ፣ ዕርቃንኪ ኸወልኩ። መሐልኩልኪ፣ ኺዳን ኣቶኹልኪ (ተምርዓኩዂ)፣ ናተይውን ኰንኪ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ብማይ ሐጸብኩኺ፣ ካብ ደምኪ ኣጽሬኹኺ፣ ብዘይቲ ድማ ቀባእኩኺ። ብወርቀዘቦ እተጠልፈ ኸደንኩኺ፣ ብቘርበት የባራረብ ሳእኒ ቐጻዕኩልኪ፣ ብሻሽ ኣዕጠቕኩኺ፣ ብሃሪውን ከደንኩኺ። ብስልማት ሰለምኩኺ፣ ኣብ ቀላጽምኪ ኣምባር፣ ኣብ ክሳድኪ ኸኣ ሕንጥልጥል ኣሰርኩልኪ። ቀለቤት ኣብ ኣፍንጫኺ፣ ኵትሻ ኣብ ኣእዛንኪ፣ ዘውዲ ግርማ ድማ ኣብ ርእስኺ ገበርኩልኪ። በዚ ኸምዚ ብወርቅን ብሩርን ተሰለምኪ፣ ሻሽን ሃርን መርግፍን ተወንዘፍኪ፣ ኵእኩእ ስርናይን መዓርን ዘይትን በላዕኪ። ኣዚኺ መልካዕኪ፣ ክሳዕ ንግስቲ ምዃን ከኣ በጻሕኪ። በቲ ኣነ ዝሰለሙክኺ ግርማ እቲ መልክዕኪ ፍጹም ኰይኑ እዩ እሞ፣ ብምኽንያቱ ወሬኺ ኣብ ማእከል ህዝብታት ወጸ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”

ኢስራኤል መርዓት እግዚአብሔር ኮይና ግና ኣይጸንዐትን ኣይቀጸለትን. . .

“ንስኺ ግና ብመልክዕኪ ተኣመንኪ፣ ስለ ናእዳ ስምኪ ኢልኪ ኣመንዘርኪ፣ ንማንም ሓላፍ መገዲ ንእኡ ኽትኰኒ፣ ምንዝርናኺ ኣቕረብክሉ። ካብ ክዳውንትኺ ወሲድኪ፣ ውሩዕ በረኽቲ ስፍራ ሰራሕኪ እሞ ኣብኡ ኣመንዘርኪ። ከምዚ ዝበለስ ኣይተገብረን ኣይኪግበርን ከኣ እዩ። እቲ ኣነ ዝሀብኩኺ ጽቡቕ ስልማትኪ ወርቀይን ብሩረይን ኣልዓልኪ፣ምስልታት ሰብኣይ ንኣኺ ገበርኪ፣ ምሳታቶም ድማ ኣመንዘርኪ። . . .”

ብምባል እስራኤል ነቲ በዓል ቤታ ዝዀነ እግዚአብሔር ካብ ምምላኽ ሓዲጋ፣ ምስ ካልኦት ኣማልኽቲ ብምጉያይ፣ ምስ ካልኦት ጣኦታት ከም ዘመንዘረት ይነግረና (ክሳብ መፈጸምታ ነንብቦ)።

ነብዪ ኤርሚያስ ዉን ከምዚ ይብል፣  ” ብሁልዶ ኣይኰነን፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተ ፈትሓ እሞ ንሳ ኻብኡ ኸይዳ ኣብ ካልእ ሰብኣይ እንተ ተኣቶት፡ ከም ብሓድሽዶ ናብኣ ይምለስ እዩ እቲ ምድሪዶ ኣዝዩ ኣይረክስን ንስኺውን ምስ ብዙሓት ፈተውቲ ኣመንዚርክስ፡ ናባይዶ ኽትምለሲ ኢኺ ይብል እግዚኣብሄር።. . . ነዛ ኸዳዕ እስራኤል እኳ ብምኽንያት ኲሉ ዝሙታ ፈቲሔያ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣውን ሂበያ ኸሎኹስ፡ እታ ጠላሚት ሓብታ ይሁዳ ኸም ዘይሰክሔት፡ ኤረ ኸይዳ ኸም ዘመንዘረት ርኤኹ።” /ኤር 3፡1,8/

ናይ ሆሴእ ነገር ግን ዝያዳ ይገርም። ነብዪ ሆሴእ ነቲ ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን፣ ዘማዊት እስራኤልን ዝነበረ ፍቕሪ ኣብ ልቡ ምእንቲ ክሱቆሮ፣ ኣምላኸ ንሓንቲ ኣመንዝራ ክምርዖ ኣዘዞ። ሆሴእ ዉን ንጎሜር ትበሃል ኣመንዝራ ተመርዓወ፣ ንሳ ግና ሓደገቶ፣ ስለዚ ዉን በዚ ናቱ ህይወት ኣቢሉ መልእኽቲ ልዑል ኣምላኽ ከመሓላልፍ ገበሮ። ብፍላይ ኣብ ምዕራፍ ክልተ ከምዚ ዝብል ቃል ንረኽብ፣

ኣዴኹም ሰበይተይ ኣይኰነትንኣነውን ሰብኣያ ኣይኰንኩን እሞ፣ ምስኣ ተኻትዑ፣ ተኻትዑ፣ ምንዝርናኣ ካብ ገጻ፣ ዝሙታ ኸኣ ካብ መንጎ ኣጥባታ ተውጽእ።. . ኣዲኦም መንዚራ እያ እሞ፣ እታ ዝጠነሰቶም ነወረት. .  ደድሕሪ ፈተውታ ኽትጐዪ፣ ግናኸ ኣይከተርክቦምን፣ ክትደልዮም፣ ግናኸ ኣይክትረኽቦምን እያ ሽዑ ንሳ፣ ካብ ሎሚ ሽዑ ይሕሸኒ ነይሩ እዩ እሞ፣ ክኸይድ ናብቲ ቐዳማይ ሰብኣያይ ክምለስ እየ፣ ክትብል እያ . . በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር፣ ብኣየይ ኢልኪ ኽትጽውዕኒ ኢኺ፣ ድሕርዚ ኸኣ በዓለይ ኢልኪ ኣይክትጽውዕንን ኢኺ። . . .  ንዘለኣለም ንኣይ ክሕጸየኪ እየ፣ ብጽድቅን ብፍርድን ብሳህልን ብምሕረትን ንኣይ ክሕጸየኪ እየ። ብእምነት ከኣ ንኣይ ክሕጸየኪ፣ ንስኺውን ንእግዚኣብሄር ክትፈልጥዮ ኢኺ።”

ነቢዪ እግዚአብሔር ኢሳይያስ ዉን ተመሳሳሊ ነገር ክዛረብ እንከሎ ንሰምዖ ኢና፣ “ካብ ደቂ እታ ምርዕውቲስ ደቂ እታ በይና ዘላ ኺበዝሑ እዮም እሞ፡ ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን፡ እልል በሊ፡ ኣቲ ንምውላድ ዘይጸዐርኪ፡ ዓው ኢልኪ ብደስታ ጨድሪ፡ ይብል እግዚኣብሄር።. . . ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩ እሞ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ተበጃዊኺ እዩ፡ ንሱ ኣምላኽ ኲሉ ምድሪውን ይበሀል። ስለዚ ኣይክትሐፍርን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂ፡ ኣይክትንውርን ኢኺ እሞ ኣይትሕነኺ፡ ኤረ ነውሪ ንእስነትኪ ኽትርስዒ፡ ጸርፊ ምብልውናኺ ድማ ድሕርዚ ኣይክትዝክርን ኢኺ። ከምታ መንፈሳ ዝጐሀየ ፍትሕቲ ሰበይቲ፡ ከምታ ሕድግቲ ንእሽቶ መርዓት፡ እግዚኣብሄር ጸውዓኪ፡ ይብል ኣምላኽኪ። ንሓጻር ጊዜ ሐደግኩኺ፡ ብዓብዪ ምሕረት ግና ኽእክበኪ እየ” ” እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ እቲ ኣነ ዝፈታሕኩሉ ጽሕፈት ምፍታሕ ኣዴኹም ደኣ ኣበይ ኣሎ እቲ ንእኡ ዝሸጥኩኹም ብዓል ዕዳይ መን እዩ እንሆ፡ ብሰሪ በደልኩም ደኣ ኢኹም እተሸጥኩም፡ ብሰሪ ገበንኩም ድማ ኣዴኹም ተፈትሔት።”/ኢሳ 54፥1, 5-7, 50፥1/
Kidney damage: Also termed as nephropathy, it is the condition when a man bananaleaf.com.ph generic levitra does not gain erections sufficient enough for satisfactory sexual intimacy between the couples.
ኻብዚ ኲሉ ጽሑፍ ንመሃሮ ነገር ኣሎ፣ እስራኤል፡ ከም ሓደ ጎበዝ ወዲ ዘፍቀራ፣ ዘኽበራ፣ ዝመረጻ ሕጽይቲ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከም ዝነበረትን፣ ከም ዝተመርዓዋን፤ ንሳ ከም ሰበይቱ፣ ንሱ ዉን ከም ሰብኣያ፤ ንሳ ከም ማሕበሩ፣ ንሱ ድማ ከም ንጉሳ፤ ንሳ ከም ሕጽይቱ፣ ንሱ ድማ ከም ሕጹያ፤ ንሳ ከም ኣማኒቱ፡ ንሱ ድማ ከም ኣምላኻ ከም ዝነበረን። እስራኤል ግና በዚ እምነት እዚ ከም ዘይጸንዐት፣ መሊሳ መላሊሳ ደድሕሪ ካልኦት ኣማልኽቲ ብምኻድ፣ ንዝተፈላለዩ ጣኦታት ንበዓልን ንእርሽታሽቴን ካልኦትን ከም ዝሰገደት፣ በዚ ዉን ንኣምላኽ ከም ዘቆጥዓቶ ይነግረና። ከምቲ ዝፍለጥ ግና፣ እስራኤል ዘስጋ ናይታ ክትግለጽ ዝግብኣ ናይ ሓድሽ ኪዳን ቤተክርስቲያን ጽላሎት እያ። እዚ ዘይጽኑዕ ዝነበረ መርዓ፣ እስራኤልን ኣምላኽን ድማ፣ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣብ መንጎ ክርስቶስን ቤተክርስቲያንን፣ ብጽኑዕ ኪዳን ደም ከም ዝተፈጸመን ይነግረና።

ቤተክርስቲያን መርዓት ክርስቶስ

ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ መርዓዊ ተባሂሉ ተጸዊዑ እዩ። ንኣብነት ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ፣ ንጐይታናን መድሓኒና ከም መርዓዊ፣ ንገዛእ ርእሱ ድማ ከም ዓርኪ መርዓዊ ጌሩ ገሊጽዎን፣ ነቲ ሓቀኛ መርዓዊ ንክርስቶስ ብምርኣዩ ዉን ሓጎሱ ከም ዝተፈጸምን ነጊሩና፣ “እቲ መርዓት ዘላቶ፡ ንሱ መርዓዊ እዩ። እቲ ደው ኡሉ ንእኡ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ። ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመ።” /ዮሃ 3፥29/። ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዉን ባዕሉ፣ ንገዛእ ርእሱ መርዓዊ እንዳበለ ጸዊዕዋ እዩ፣ ብፍላይ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቱ ንምንታይ ምስ ፈሪሳዉያን ከም ዘይጾሙ ምስ ተሓትተ፣ “ኣዕሩኽ መርዓዊኸ፡ እቲ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎ፡ ከመይ ኢሎም ኪጾሙ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎስ ኪጾሙ ኣይዀነሎም እዩ።” /ማር 2፥19፣ ማቴ 9፥15, ሉቃ 5፥34/ ብምባል ጐይታ ንገዛእ ርእሱ መርዓዊ ኢሉ ምስ ጸዉዓ፣ ንሱ ካባታቶ ምስ ተወስደ ከም ዝጾሙ ሓበሮም፣ ከምቲ ኲልና ንፈልጦ ድማ፣ ሓዋርያት ጐይታ ምስ ዓረገ ይጾሙ ነበሩ።

ቅዱስ ጳዉሎስ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፣ ንክርስቶስ ከም መርዓዊ፣ ንቤተክርስቲያን ድማ ከም መርዓት ጌሩ ክገልጻ እንከሎ ንረኽቦ ኢና። ንኣብነት ኣብ ቆሮንጦስ ንዝነበረት ቤተክርስቲያን፣ ንክርስቶስ ከም ዝተሓጸየት ድንግል ጌሩ ክጽሕፈሎም ንርእይ፣ “ብቕንኢ ኣምላኽ እቐንኣልኩም እየ እሞ፡ ንጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም፡ ንሓደ ሰብኣይ ኣሕጽየኩም እየ።” /2 ቆሮ 11፥2/።

ንምእመናን ካብ ሕጊ ናይ ብሉይ ኪዳን ስርዓት (ግዝረትን መስዋእቲ ምቕራብን ዝኣመሰሉ ሕጊታት) ሓራ ከም ዝወጽኡ ክምህር እንከሎ ዉን፣ ናይ ቀደም ሰብኣያ ዝሞታ እሞ ካልእ ክትምርዖ ሓራ ዝወጽአት ሰበይቲ ጌሩ ይገልጾም፣ “እምብኣርሲ ሰብኣያ ብህይወቱ ኸሎስ፡ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ ዘማዊት እያ እትብሃል። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሓራ ወጺኣ እያ እሞ፡ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ ኣይዘማዊትን እያ። ኣሕዋተየ፡ ከምኡ፡ ድማ ንስኻትኩም፡ ንኣምላኽ ፍረ ምእንቲ ኽንፈሪ፡ ንኻልእ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ኽትኰኑ፡ ብስጋ ክርስቶስ ካብቲ ሕጊ ሞትኩም።” /ሮሜ 7፥4/።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰብይቲን ዘሎ ዝምድና ክምህር እንከሎ፣ ከም ኣብ መንጎ ክርስቶስን ቤተክርስቲያንን ዘሎ መርዓ ጌሩ ይገልጾ፣ “ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ቤተክርስቲያኑ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ከምቲ እታ ቤተክርስቲያን ንክርስቶስ እትእዘዞ፡ ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦም። ከምቲ ክርስቶስ ንቤተክርስቲያኑ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ /ነዛ ሙሉእ ሓሳባት እዚኣ ምስቲ ናይ ህዝቅኤል 16 ዘሎ ሓሳብ ነነጻጽራ/። ሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግባኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንና፡ ክርስቶስ ከምኡ ንቤተክርስቲያኑ ይካናኸና ኣሎ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብ፡ ክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ። እዚ ምስጢር እዚ ዓብዪ እዩ፡ ኣነ ግና ብናይ ክርስቶስን ማሕበሩን እብሎ ኣሎኹ።” /ኤፌ 5፥23-33/።

“ናይ መንፈስ ቅዱስ ሻምቡቆ፡ ናይታ እምንቲ ቤተክርስቲያን ዉን መሰንቆ” ተብሂሉ ዝጽዋዕ፣ ኣብ ሻዱሻይ ክፍለ ዘመን ናይ ስሩግ ትበሃል ኣብ ሶሪያ እትርኸበ ቤተክርስቲያን ጳጳስ ዝነበረ ቅዱስ ያዕቆብ ዘስሩግ ብዛዕባ እዚ ነገር ክዛረብ እንከሎ፣ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ መርዓ ብምባል ይገልጾ፣

“ብጀካ ናትና ጎይታ ንሕጽይቱ ርእሱ የሕሊፉ ዝሃበ መን እዩ? ብጀካ ቤተክርስቲያን ከ ንዝሞተ ሰብ ንዕኣ ሰብኣያ ክኸውን ትደሊ ሰበይቲ መን እያ? ዓለም ካብ ትፍጠር ጀሚሩ ደሙ ናይ ስልማት ውህበት ገይሩ ዘቅረበ ሰብ መን እዩ? ኣብ መስቀል ንርእሱ መሥዋዕቲ ገይሩ ዘቅረበ እቲ እንኮ እንተ ዘይኮይኑ ንመርዓ ብሕማሙ ዝሓተመ ሰብ መን እዩ? ካብ ዝሞተ አካል ምጽንናዕ ንክትረክብ ኣብ ሕቁፍኣ ሒዛ ኣብ ናይ መርዕኣ በዓል ዝተረኽበት መርዓት ቅድሚ ሕጂ ተራእያ ኣይትፈልጥን? ኣበየናይ መርዓ እዩ ኸ ናይ መርዓዊ ሥጋ ብምቁራስ ኣብ መርዓ ንዝተዓደሙ ኣጋይሽ መብልዕ ክኸውን ዝተዋህበ?

ሰበይቲ ብምኽንያት ሞት ሰብኣያ ፍትሕ ትፍጽም። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ግን ብምክንያት ሞት ሰብኣያ ምስኡ ፍጹም ተዋሕዶ ገበረት፡፡ ንሱ ኣብ መስቀል መስዋዕቲ ኮይኑ ምስ ቀረበ ቅዱስ ዝኾነ ሥግኡ ኩልሳብ ንክትምገቦ ነታ ክብርቲ ዝኾነት መርዓቱ መብልዕ ገይሩ ኣቅረበላ። ጎኑ ተወጊኡ ቅዱስ ደሙ ብጽዋእ መሊኡ ሃባ። በዚ ምኽንያት  ኣብ ልባ ኣንቢራቶ ዝነበረት ጣዖታት ኩሉ ተኣለየላ። ብናቱ ቅዱስ ቅብኣት ከበረት። ንዕኡ ድማ ብጥምቀት ለበሰቶ። ብመልክዕ ሕብስቲ ተመገበቶ፣ከም ወይኒውን ሰተየቶ። በዚ ምኽንያት ክልቲኦም ብፍጹም ተዋሓሓዱ፣ ሓደ ከም ዝኾኑ ድማ ኩሉ ዓለም ፈለጠ።

መርዓት ፈታዊኣ ኣብ ልዕሊ መስቀል ተሸንኪሩ ብምማቱ ምኽንያት እኳ ብዝኾነ ካልእ ኣይለወጠቶን። ብእኡ ሞት ሕይወት ብምርካባ  ኣብ ልዕሊኡ ፍሉይ ፍቅሪ ሓዲሩዋ። ሰብኣይን ሰበይትን ነዚ ምሥጢር እቶም ቀንዲ ምሳሌ እዮም። ንሳቶም ነቲ ሓቀኛ መርዓ ከም ምሳሌን ከም ጽላሎት ዘገልግሉ እዮም። ብእኦም መሲሉ ሙሴ ነዚ ዓቢይ ምሥጢር ተዛሪቡ። ሙሴ ነዚ ምሥጢር ብመሸፈኒ ስለ ዝከወሎ ተሰዊሩና ነበረ። ብሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ግን ተገልጸልና። ሙሴ ክልቲኦም ሓደ  ሥጋ ክኾኑ እዮም” ብማለት ብምሥጢር  ዝተዛረቦ “ኣነ ግና  ብክርስቶስን ብቤተክርስቲያን እምስሎ ኣሎኹ” (ኤፌ.5፡32)ብማለት ተርጎሞ፡፡”

መርዓ ቤተክርስቲያንን ክርስቶስን

“ከም ድምጺ ብዙሕ ሰብን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝበለ ኸኣ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ፡ ሃሌሉያ። መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ፡ መርዓቱውን ተዳልያ እያ እሞ፡ ንተሐጐስ ባህ ድማ ይበለና፡ ንእኡውን ክብሪ ንሀብ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ብን ዝበለ ጻዕዳ ሻሽን ጽሩይ ክዳንን ክትክደን ከኣ ተዋህባ። እቲ ሻሽ እቲ ድማ ጽድቂ እቶም ቅዱሳት እዩ። ንሱ ኸኣ፡ እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ ገንሸል እተዐደሙ ብጹኣን እዮም፡ ጽሐፍ፡ በለኒ። ንሱውን፡ እዚ እቲ ናይ ሓቂ ቓል ኣምላኽ እዩ፡ በለኒ።” /ራእ 19፥7-9/ “እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ፡ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹ።” /ራእ 21፥2/ “እቲ መንፈስን እታ መርዓትን ንዓ ይብሉ ኣለዉ፣ እቲ ዝሰምዕዉን ንዓ ይበል። ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻ ዝደለየ ዉን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይዉሰድ” /ራእ 22፥17/።

ኣብዚ ናይ ራእይ ዮሓንስ ተጻሒፉ ንረኽቦ፣ ኣብ መንጎ ገንሸል ፋሲኻና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ኣብ መንጎ ቤተክርስቲያኑን ዝተፈጸመ መርዓ ከም ዘሎ እዩ። ብመሰረት ትምህርቲ ቅዱሳን ኣቦታትና፣ እዚ መርዓ እዚ፣ ማለት ኣብ መንጎ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን፣ ቤተክርቲያንን ዝተግበረ መርዓ፣ ኣብ ግዜ ሕማማት እዩ። ማለት መድሓኒና፣ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ እዩ ዘለዓለማዊ ኪዳን ንቤተክርስቲያን ኣትዩላ። ቤተክርስቲያን ዉን ኣብ ትሕቲ መስቀል ጐይታ ተረኺባ ኢያ ንዘለኣለም ክሳብ መወዳእታ ክትስዕቦ ቃል ዝኣተወት። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ፣ ሶሙነ ሕማማት ብቃል ቅዱሳን ኣቦታትና፣ “ቤተክርስቲያን ንክርስቶስ ዝተመርዓወትሉ ሶሙን”፣ ብምባል ዝጽዋዕ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ፣ “ኦ መርዓዊ” ኢልና ንጽዉዖ።

ዓመት መጽዐ ነዚ ቅዱስ መርዓ`ዚ ነብዕሎን ንጽምብሎን ኢና። የግዳስ ከምቲ ዓለማዊ መርዓ፣ ንስጋ ዝከዉን ብልዒ ብምብዛሕ ዘይዀነስ፣ ክሳብ ዕራርቦ ጸሓይ ብምጿም እዩ፣ ሳዕስዒትን ዳንኬራን ጓይላን ብዘለዎ ኣምላኾ ጥኦት ዘይዀነስ፣ “ለከ ሓይል” እንዳበልና ብምስጋድ እዩ። ኣብ ናይ ዕላል ወካዕካዕን ሰሓቅን ጻዉቲን ተጸሚድና ዘይዀንስ፣ ምእንታና ኢሉ ዝተኸፍለ ዋጋ ብምዝኻር፣ ብሕብረት ኣብ ጸሎት ብምስታፍን፣ ዉሑድ ብምዝራብን፣ ብዙሕ ብምዝማርን፣ ዉሕድ ብምብላዕና፣ ብዙሕ ብምጿምን፣ እዩ። ንክርስቶስ ከም መርዓት ቤተክርስቲያን ብምሓዝ፣ ናይ ስቕያቱ፡ ሕማማቱን መከርኡን ምልክት ኣብ ስጋና ብምጿርን ብምሓዝን፣ ነቲ ኣብ መንግስቲ እግዚአብሔር ንዝህልወና መርዓ ድማ ንገዛእ ርእስና ብምድላዉን ኢና እነብዕሎ።

ስለዚ ሕማምት ክበሃል እንከሎ፣ ስታራፓ ንተሓዘሉ፣ ብስግደት ስጋና ነዳኽመሉ ጥራይ ጌርና ኣይንረድኣዮ፣ መርዓት ክርስቶስ ምዃንና ገዛእ ርእስና ብምምርማር ከንብዕሎ ይግባእ። ገዛእ ነፍስና ንመርምር፣ ብሓቂ መርዓት ክርስቶስ ኮይንና ንነብር ኣለና ዲና፣ ዋላስ ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ዝተጸምድና፣ መርዓት ካልእ ኢና? ጐይታ ኣብዚ ሰዓት እንተ ዝመጽእ`ኸ፣ መርዓቱ ምዃንና መለለየና ዶ ዋላስ ምገገየና? ኣብቲ ኪዳንና ጽኑዓት ዲና ዋላስ ዘመዉቲ? ነፍስና ንመርምር እሞ፣ ነዚ ኣማናዊ መርዓ ኪዳንና፣ ንስሓ ብምእታዉ፣ ሓጢኣትና ብምንዛዝ፣ መኸራ ክርስቶስ ብምዝኻር፣ ነዚ መርዓ እዚ ነሐድሶ።

ብቫይበር ብዝተሰደት መልእክቲ ጌረ ክዛዝሞ።

እምበኣር፣ መርዓት ክርስቶስ ንናይ ጐይታኣ መከራ (ሕማማት) ንምዝካር እትውፍያ ፍልይቲ ሰሙን፡ ሰሙነ ሕማማት ጀሚራ ኣላ። እስኪ ንሓደ ሰሙን ደው በል፡ ጐይታ ኢየሱስ ንምድሓንካ ዝተቐበሎ ውርደት ኣስተንትን። ናብታ ቅድስት ማሕበሩ ሓቢርካ ስለ ሓጢኣትካን፡ ድሕነት ዓለምን ምሕረት እናለመንካ ግዜኻ ኣሕልፎ። ከመይ በረኸት እንሓፍሰላ ቅድስት ሰሙን ኢያ፡ ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ኴንካ ከምዚ በል “ብዝኾነ ኮይኑ ናብ ትንሳኤ ምውታት እንተ ኣርከብኩ ኢለ፡ ብሞቱ እናመሰልክዎ፡ ንእኡን ሓይሊ ትንሳኤኡን ሕብረት መከራኡን ምእንቲ ክፈልጥ፡ ኩሉ ከም ወጽዓ እቖጽሮ ኣለኹ፡፡” (ፊል 3፥10-11) ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ መከራ ጸጊቡ ኢዩ፡ ንስኻ ውን ምስኡ ክትከብር እንተ ዄንካ ምስኡ ሓሳረ መከራ ክትጸግብ ብግዲ ኢዩ። /2 ጢሞ 2፥11-12/  ጸጋ ዝተዋህበካ ብእኡ ክትኣምን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምእንቲ ስሙ ውን መከራ ክትቅበል ምዃኑ ትስሕቶ ኣይመስለንን፡፡ /ፊል 1፥29/  ንሰሙነ ሕማማት እምበኣር፡ ነዚ መከራ ምስኡ ምጽጋብ ዝብል መንፈሳዊ ልምምድ/ኣምልኾ  ጽብቕቲ ኣጋጣሚ ግበራ። ጐይታና ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በዚ ሰሙን እዚ ንማሕበሩ ብርግጽ ክባርኻ ኢዩ እሞ ብእምነት ናብኣ ሕበር።  እቲ ዝተዋረደ-ብርግጽ ክብሪ ናቱ ኢዩ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ምድሪ ንፍርዲ ደው ዝበለ-ብርግጽ ንሱ ንጉስ ኩሉ ፍጥረት ኢዩ፡ እቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ-ኣይትጠራጠር ንሱ ብርግጽ ናይ ዓለም መድሓኒን ጐይታን ኢዩ፡፡ ከም ቅዱስ ጳውሎስ ንሕና ግና ነቲ እተሰቕለ ክርስቶስ ኢና እንሰብኽ፡ ንምባል ንድሕሪት ኣይትበል። /1 ቆሮ 1፥23/

ሰናይ ቅነ ሕማማት ይግበረልና።  ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፡ ፍቕሪ ኣምላኽን፡ ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትኩም ይኹን፡ ኣሜን። /2ይ ቆሮ 13፥13/