ሓድሽ ዓመትን መደባት ዉጥንን

last ned (2)ሰባት ብባህሪና ምክንያት ደለይቲ ኢና። ገለ ነገር ክንገብር፣ ምክንያት ንደሊ። ግደ ሓቂ ነተን ነገራት ብዘይ ገለ ምክንያት ክንፍጽመን ምከኣልና፣ ግን ኣይንገብሮን።

ነገራት ክንገብር ምክንያት ካብ ዝኾኑና ቀንዲ ኣብነት ድማ፣ ሓድሽ ዓመት እዩ። ኣብ ሓድሽ ዓመት ብዙሕ መደብ ኢና ንሰርዕ። እቲ ንሰርዖ መደብ ገሊኡ መንፈሳዊ ዝበዝሐ ስጋዊ። ገሊኡ ጠቃሚ፣ ገሊኡ ጎዳኢ። ገሊኡ ኣዝዩ ዝገርም፣ ገሊኡ ድማ ናይ ጥዕና ዘይኰነ።

ንሕና ኤርትራዉያን ብክልተ ሓድሽ ዓመት ንረብሕ ኢና። በቲ መስከረም ክመጽእ እንከሎ፣ ኣካል`ታ ስጋ ክርስቶስ ዝዀነት ቅድስት ቤተክርስቲያን ስለዝኾንና፣ መደባት ንሰርዕ ኢና ። ኣብ ጥሪ ዉን ብተወሳኺ፣ ከም ኲሉ ሓፋሽ፣ ናይ ሓድሽ ዓመት መደባት ይዉጠን እዩ። ተሓሲብናዮ፣ ድርብ መዘኻከሪ እዩ።

ሓድሽ ዓመት ክመጽእ እንከሎ፣ መደብ ዘይሰርዐ “የማርያም ጠላት” እዩ ዘብል።

ናይ ዝበዝሐ ሰብ መደብ፣ ስጋዊ እዩ። መኪና፣ ገዛ፣ ንብረት፣ ጨርቂ ወርቂ ከጥሪ ይመባጻዕ። ገሊኡ ድማ ኣመሉ ክገድፍ ሓድሽ ዓመት ይጽብጽብ።

ሓደ ሽጋራ ወልፊ ዝነበሮ ወዲ፣ ኣብ ሓድሺ ዓመት ምትካኽ ሽጋራ ክገድፎ ወሲኑ ከብቅዕ፣ ነቲ ዉሳኔ ንምትግባር ግና፣ ክሳብ ሓድሽ ዓመት ተርክብ፣ ተጸብያ። ኣጋጣሚ ኣብ ዋዜማ ናይታ ሓድሽ ዓመት፣ ሓንቲ ባኮ ተረፈቶ። “ካብ ጽባሕ ሽጋራ ከትክክ ስለዘይደሊ፣ ኣብቲ ሓድሽ ዓመት ምእንቲ ፈተና ከይትዀነኒ፣ ነዛ ናይ መወዳእታ ባኮ ሎሚ ኣትኪከ ክዉድኣ ኣለኒ” ብምባል ነተን 20 ሽጋራ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ሰትዩ ወድአን። እቲ ዝገርም ነገር ግና፣ ነታ ናይ መወዳእታ ሽጋራ ክስሕባ እንከሎ፣ መደቡ ናብታ ትቅጽል ዘላ ዓመት ምስግጋሩ እዩ!!!

ማንም ሰብ፣ ናብ ናይ ቀደም ህይወቱ ተመሊሱ፣ ሓድሽ ህይወት ክጅምር ኣይክእልን እዩ። ኮይኑ ግና ካብ ሕጂ ጀሚሩ ብምዕያይ ናብ ሓድሽ ነገር ክበጽሕ ይኽእል።

ሓድሽ ዓመትን በዓላትን ክመጽእ እንከሎ፣ ምስኡ ድማ ሓደስቲ መደባትን፣ ዉጥናትን፣ ሓደስቲ መብጽዓታትን ንገብር ኢና። ሓደ መጽናዕቲ ከም ዝነገረና፣ ካብቶም ኣብ ሓድሽ ዓመት መደባት ዝሰርዑ፣ 28 % ጥራይ መደቦም ይፍጽሙ፣ 46 % ድማ ፈጺሞም ነቲ ዝመደብዎ ኣይጅምርዎን። ብሓጺሩ እዚ ሕጂ ሰሪዕናዮ ዘለና መደብ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መዲብናዮ ዝነብርናን፣ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመት ዉን ዝሓሰብናዮን እዩ።

 “ነቲ ኣብ 2005 ዝሓሰብክዎ፡ ኣብ 2006 ድም ዝተማባጻዕክዎ፣ ግን ከኣ ኣብ 2007 ክገብሮ ዝነበረኒ፣ ናብ 2008 መደብ ዝእተክዎ፣ ኣብ 2009 ክገብሮ መዲበ ኣሎኹ።” ትብል ዘረባ ዉን ነዚ የዘኻኽረኒ እዩ

ግደ ሓቂ፣ ነፍሲ ወከፍና፣ ምምዕርራይ ዘድልዮ ገለ መዳያት ናይ ህይወትና ኣሎ። ምምዳብ ዉን ጽቡቕ እዩ። በዓላትን ሓደስቲ ዓመት ዉን ነዚ ዓይነት ዕድል ዝህባና እየን። ንመንፈሳዊን ስጋዊን ህይወትና ዉን ሓጋዚ እዩ። ሓድሽ ዓመት ዉን፣ ኣብ ህይወትና ዘሎ ኣካይዳ እነመዓራርየላ ኮምፓስና እያ።Male fertility can be increased by quitting smoking and excessive alcohol drinking, staying away from recreational drugs, avoiding hot tubs and saunas, reducing the intake of caffeine, wearing loose-fitting underwear, and keeping personal hygiene. purchase cheap cialis view my shop

ሓደ መርከበኛ፣ ኲሉ ግዜ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉዕዝኡ፣ ነታ ኮምፓሱ የመዓራርያ እዩ። ሓንሳብ ምስ ተኸላ፣ ናብ ኲሉ መገዱ ብእኣ ጥራይ ኣይጥቀምን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መገሽኡ፣ ነታ ኮምፓስ ኣመዓራርዩ፣ ናብቲ ክበጽሖ ደልዪዎ ዘሎ ቦታ ምእንቲ ከተብጽሖ፣ ጽቡቕ ጌሩ የስተኻክላ። ከምኡ እንድሕሪ ጌሩ፣ ኲሉ ግዜ ኣብ ጉዕዝኡ መሰናኽል ኣይገጥሞን።

ቀንዲ ዕላማ መንፈሳዊ በዓላት ዉን መንፈሳዊ ኮምፓስ ኮይነን ምእንቲ ከግልግላና እዩ። ህይወትና ከመይ ኣሎ፣ ናብይ ኣንፈቱ ሒዙ ኣሎ፣ ኢልና መርሚርና፣ ናብቲ ክንበጽሖ ደሊናዮ ዘለና ህይወት ምእንቲ ክንበጽሕ፣ ህይወትና ፈቲሽና፣ ኣብ ሓድሽ ዓመት፣ መደባት ንሰርዕ ኢና። እዚ ዉን ሰናይ እዩ። የግዳስ ከመይ ዓየንት መደባት ንሰርዕ ኣለና? ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ነገራት`ኸ ቀዳምነት ንህብ ኣለና ዲና?

ሓደ እዋን፣ ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ ማኪና ሒዙ እንዳኸደ እንከሎ፣ በንጻሩ ድማ፣ ካልእ መንእሰይ መኪና ሒዙ ናብኡ ገጹ ይመጽእ ነበረ። እቲ መንእሰይ ቴለፎን እንዳተዛረበ ይዝዉር ስለዝነበረ፣ ሓደጋ የጋጥም እሞ፣ እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ብዙሕ ሓደጋ ይወርዶ። እግሩ ተሰይሩ ኣብ ኣፍልቡ ዉን ተጎዲኡ፣ ብዙሕ ካልእ ማህሰይቲ ዉን ወረዶ። እዚ ሽማግለ በዚ ኣይኣኸሎን፣ ኣጋጣሚ ልቢ ድኻም ዉን ተላዓለቶ። ናብ ሕክምና ምስ ወሰድዎ ዉን ሓካይም ተቀላጢፎም፣ ፈለማ ነታ ልቢ ድኻም ኣብ ምፍዋስ ተጓየዩ። ስድራቤት ብስንባደ ብዛዕባ ካልእ ኣካላቱ ክሓቱ ምስ ጀምሩ ድማ፣ እቲ ዝሕክሞ ዝነበረ ሓኪም “እታ ልቡ እንድሕሪ ጥዕያ ካልእ ኩሉ ኣካላቱ ክጥዕይ እዩ” ብምባል መለሰሎም።

[pullquote]ጽባሕ፣ ባዶ ዝኮነት ቀዳመይቲ ፊልዮ ናይታ 365 ገጻት ዘለዋ መጽሓፍ እያ። ስለዚ ጽቡቕ መጽሓፍ ጸሓፍ![/pullquote]

ናብ ህይወትና ንመለስ እሞ፣ ብመንጽር እዚ ታሪኽ እዚ መደባትና ንፈትሽ። ከመይ ዘበለ መደብ ኢና ሰሪዕና ዘለና? ስጋዊ`ዶ ዋላስ መንፈሳዊ? እዚ ሽማግለ ሰብኣይ እኮ፣ ኣእጋሩን ኣፍ ልቡን የገድስዎ እዮም፣ ኮይኑ ግና ቅድሚ ኲሉ ልቢ ትዓቢ። ንሳ እንድሕሪ ጥዕያ ድማ፣ ካልእ ኲሉ ኣካላት ኣብ ግዚኡ ከም ዝጥዒ፣ ፍሉጥ እዩ።

ጥበበኛ ሰለሞን ዉን ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ፡ ልዕሊ ኹሉ ንልብኻ ሐልዎ። ዘበሎ ዉን፣ ነቲ ቀዳምነት ዝግብኦ ነገራት፣ ቅድም ቀዳምነት ምእንቲ ክንህብ እዩ /ምሳ 4፡23/። ልብና ማህደር ክርስቶስ ክኸዉን ኣለዎ። “ኣብ ልብኹም ንክርስቶስ ከም ጐይታ ቀድስዎ” /1ይ ጴጥ 3፡15/።

ናይዚ ዓመት እዚ መደብና እምበኣር፣ ንክርስቶስ ከም ጐይታ ኣብ ልብና ክንቅድሶ ንወስን። ብሙሉእ ልብና ናብ እግዚአብሔር፣ ናብ ስሉስ ቅዱስ፣ ኣብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ፣ ክንቀርብ ንመድብ። ነዚ ክንገብር ግና፣ መስከረም ሓደ (ወይ ጥሪ ሓደ) ክሳዕ ዝኸዉን ክንጽበ የብልናን። ምክንያቱ መዓልቲ ምድሓን “ሕጂ” እያ።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር!!!