ጴጥሮስ ወጳዉሎስ ቅ. ዮውሃንስ ኣፈወርቅ

እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ፣ ንዓመታዊ በዓል ናይ ጴጥሮስን ጳዉሎስን (CPG 4572) ኣመልኪቱ ናይ ቁስጥንቲንያ ሊቀ ጳጳስ ዝነበረ ቅዱስ ዮውሐንስ ኣፈወርቅ ዝደረሳ ኮይና፣ እዞም ክልተ ዓበይቲ ሓዋርያት በዓሎም ብምድሪን ብሰማይን ክብሪ ከም ዘለዎ እንዳወደሰ፣ ንክብሮም ንምግላጽ ዝጸሓፎ እዩ። ኣንቢብኹም በረኸት ተካፈሉ፣ ዝጠቅም ኮይኑ እንድሕሪ ረኺብኩምዎ ድማ፣ ንካልኦት ሼር ቤልዎ! በረኸቶም ናይ ቅዱስ ጴጥሮስን ጳዉሎስን ምስኹልና ይኹን።

ክብረ በዓል ናይ ሓዋርያት ከነብዕል እንከለና፣ ሰማያውያንን ምድራውያንን ነዞም ሓዋርያት ክዉድሱ ዝወዳደሩሉ ኮይኑ ይስምዓኒ። ምክንያቱ በቲ ሓደ ሸነኽ፣ ከምቲ ጳዉሎስ “ከመ ይእዜ ይትዐወቅ ለቀደምት ወለመኳንንት እለ በሰማያት በእንተ ቤተ ክርስቲያኑ ጥበቢሁ ለእግዚአብሔር እንተ ብዙኅ ኅበሪሃ። [ኣምላኽ፣ እታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበብ፣ ሕጂ በታ ቤተክርስትያን (ማሕበር) ገይሩ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሽመታትን ስልጣናትን ምእንቲ ኼፍልጦም]” /ኤፌሶን 3:10/ ዝበሎ፣ መደብ መለኮታዊ ምስጢር፣ ብሃዋርያት ኣቢሉ ንመላእኽቲ ስለእተገልጸ፤ ሰራዊተ መላእክት ነቲ ሓዋርያት ዝገበሮ መከራን ጽዕሪን ብኽብሪ ኺዉድስዎ ኸለዉ እርኢ ኣለዀ። በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ፣ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ንመራሕቲ [Greek – coryphaeoi] ብዝግባእ ክብሪ ጌሮም ምእንቲ ክዉድስዎም ክተግሁ እንከለዉ እርኢ ኣለኹ፤ ከመይሲ ብእኦም እዮም ድሕነቶም ዝረኸቡ (ብስብከት ሓዋርያት ድሕነት ምርኻቦም)። ካብ ጴጥሮስ ዝዓቢ እሞ መን ኣሎ? ንጳዉሎስ ከ ዝዳረጎ መን ኣሎ? እዞም ሰብኡት እዚኣቶም፣ ብግብሮምን ብቓልን ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ንዘሎ ዂሉ ፍጥረት ይሓልፍዎ እዮም። ዋላዃ ካብ ጭቃ ኣብ ዝተስረሐ ሰብነት ተኣሲሮም እንተነበሩ፣ ንሶም ግና ካብ መላእኽቲ እኳ ዚበለጹ ኮይኖም ተረኺቦም እዮም። እሞኸ፣ ብዛዕባ እዞም ናይ ሰማያዉያንን ምድራዉያንን ፍጥረታት መማህራን ዝዀኑ፣ እንታይ ክንብል ኢና? ነዞም፣ ብምድሪን ብባሕርን እንዳተጓዓዙ፣ ሓጢኣት ምስ ሱሩ ምሕዮም ዘርኢ ጽድቂ ኣብ ልቢ ተረርቲ ክሳድ ዝዘርኡ፤ ትምክሕቲ ዓሌትና ዝዀኑ ሰባት፣ ነዚኦም ክብሪ ንምሃብ ብቑዕ ዝዀነ ቓል ኽረኽበሎም ኣይኽእልን እየ።

ጴጥሮስ ናይ ሓዋርያት መራሒ እዩ ኔሩ። ጳዉሎስ ድማ ናይ ኲላ ዓለም መምህር ኔሩ፣ ምስኡ ድማ ምስ ሰራዊተ መላእክት ርኽብ ኔርዎ። ጴጥሮስ ልጓም ናይቶም ነቓጻት ኣይሁድ ነይሩ፣ ጳዉሎስ ድማ ናይ ኣህዛብ ገሳጺ ነበረ። ነቲ ብሉጽ ጥበብ ጐይታ ከኣ ኣብዚ ኣስተብህሉ። ከመይሲ ንጴጥሮስ ካብ ምግፋፍ ዓሳ፣ ንጳዉሎስ ድማ ካብ ምስፋይ ድንኳን (ቴንዳ) ሓረዮም። ነዚ ዝገበረሉ ቀንዲ ምክንያት ድማ፣ ንኣይሁድ ከሕፍሮም[1] ስለዝደለየ እዩ። ጐይታ ዉን ንዓታቶም (ንኣይሁድ)ከምዚ ብምባል ናብዚ ገፋፊ ዓሳ ኣማዕቈቦም፣ “ናብ ባሕሪ ኼድካ መቓጥን ደርቢ፡ ነቲ ቕድም እትሕዞ ዓሳ ውሰድ፡ ኣፉ ምስ ከፈትካ፡ ኣብኡ ሓደ እስታቴር ክትረክብ ኢኻ።” /ማቴ 17፡27/። ኣብዚ “ባሕሪ” ተባሂሉ ዘሎ፣ ፍቓድ ወይ ድሌት ናይቶም ሕጊ ኣልቦ ዝዀኑ ኣይሁድ እዩ። “መቓጥን” ወይ ዓንቃሪቦ ማለቱ ድማ፣ ነቲ ረቂቕ ዝዀነ ሚስጢር ቃል እምነት ዘመልክት እዩ። “ዓሳ” ዝተባህለ ድማ ሕጊ እዩ። “ኣፉ ከፊትካ” ምባሉ ድማ፣ ነቲ ሕጊ ምብራህን ምግላጽን ምትርጓምን እዩ። ካብ ዉሽጡ ዝርኸብ እስታቴር ዝበሎ ድማ፣ ካብቲ ሕጊ መንፈሳዊ ትርጉሙ ምዉሳድ ማለቱ እዩ።

ንጳዉሎስ፣ ነቲ ሰፋዩ ድንኳን ግና ንኣህዛብ ሓደራ ሃቦ። እዚ ምግባሩ ድማ፣ ብሕግን ጸጋን በቲ ስጋን ደምን ጐይታ ዝተኣልከ ቀይሕ ክዳን ጌሩ ንዕርቃን ኣህዛብ ምእንቲ ክኸድኖም ኢሉ እዩ። ጐይታ ዉን ድምጹ ዓዉ ኣቢሉ ኣነ ንርሑቕ ናብ ኣህዛብ እልእከካ ኣሎኹ እሞ፡ ኪድ” /ግበረ ሓዋርያት 22፥21/ ዝበሎ ነዚ እዩ። ኦ ንነፍሳት ኲሉ ዓለም ሓደራ ዝተዋህበካ፣ ብጹእ ጳዉሎስ።

ጴጥሮስ፣ ናይ ኦርቶዶክሳዊነት ፈላሚ፣ ዓቢ ካህን፣ መጋቢ ሚስጢራት ቤተርክስትያን፣ ናይ ክርስትያናት ኣማኻሪ፣ ሃብቲ ናይ ሰማያዉያን፣ ብጐይታ ልዑል ክብሪ ዝተዋህቦ ሃዋርያ እዩ።  

ጳዉሎስ፣ ንሓቂ ዝሰበኸ ዓቢይ ሰባኺ፣ ትምክሕቲ ዂሉ ዓለም፣ ኣብ ሰማያት ዝተረኽበ ሰብ፣ ኣብ ምድሪ ዝነብረ መልኣክ፣ ኣብ ላዕሊ ዝነፍር ንስሪ፣ በገና መንፈስ [ቅዱስ]፣ ለዃዂቶን ዕንጭራርን[2]፣ ሕሩይ ኣቅሓ መሳርሒ ጐይታ፣ ናይ ክርስቶስ  ትጉህ ኣገልጋላይ እዩ /ሉቃ 12፥37 43/።

ጴጥሮስን ጳዉሎስን፣ ንምልእቲ ዓለም ጽቡቕ መኽሰብ ዘትረፉ ጽሙዳት ኣብዑር ቤተክርስትያን እዮም ኔሮም። ኣብ ክንዲ [ናይ ዕንጨይቲ] ኣርዑት፣ [ኣርዑት] መስቀል ዝጾሩ፣ ኣብ ቦታ መርሒነት ድማ ንመድኃኒዓለም ዝሓዙ፣ ኣብ ክንዲ ክልተ ኣርዑት ድማ ናይ ብሉይን ሓድሽን ቅዱሳት ጽሑፋት ዝሓዙ፣ ኣብ ክንዲ ዕርፊ ድማ ንመንፈስ ቅዱስ ዝሓዙ እዮም። [ናይ ዕንጨይቲ ዘይኰነስ ኣርዑት መስቀል ዝጾሩ፣ መራሒኦም ድማ መድኃኒዓለም ዝዀነ፣ ክልተ ኣርዑት ዕንጨይቲ ዘይኰነስ ንብሉይን ሓዲሽን ኪዳንን ዝሓዙ፣ ዕርፎም ድማ ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ እዩ]።

ጳዉሎስን ጴጥሮስን፣ ብርሃን ቤተኽርስትያን ዝዀኑ፣ ንቤተክርስትያን ዕለት ዕለት ዜብርሁ እዮም። ንሳቶም፣ ናይ ጐይታ መዛግብቲ ሃብቱ፣ መጽለሊ (መዕረፊ) ኲሉ ዓለምን፣ ማህደር መንፈስ ቅዱስን (ዝዓረፎምን) እዮም። ሚስጢራት ሥሉስ ቅዱስ ዝኸፍቱ መፋትሕን፣ ቃል ኣምላኽ ብግቡእ ዝመሃሩ እዮም።

ጴጥሮስ፣ ናተይ መንፈሳዊ ፍትወተይ (ፍቕረይ) እዩ፣ ጳዉሎስ ድማ፣ በትረይ እዩ፣ ሕሩይ ኣቕሓ። ጴጥሮስ ከኣ፣ መቅደስ ኣምላኽ እዩ።

ጳዉሎስ፣ ናይ ክርስቶስ ልሳን፣ ናይ መንፈስ ቅዱስ መሰንቆ እዩ። ሓጺር ዝቑመቱ [ሰለስተ እመት ዘይመልእ] ክነሱ፣ ሰማያት ዝበጽሐ እዩ። ብቦታ ዝተደረተ ክነሱ፣ ንጐይትኡ ክብል ግና ኲላ ዓለም ዝዞረ፣ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ ክሳብ ኢሊሪኮን /ሮሜ 15፥14-33/ ወንጌል ክርስቶስ ዝሰበኸ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኲላ ዓለም ንስም ጐይታ ክጸዉር ባዕሉ ጐይታ ዝሓረዮ፣ መለኮታዊ ጸጋ ዝመልኦ፣ ኣብ ሰማያት ዝዝንቢ ንስሪን፣ ፈጣን ጐያያይ እዩ። ብሳልሳይ ሰማይ ሓሊፉ ናብ ገነት ዝበጽሐን፣ ናብ ዙፋን ጐይታ በጺሑ፣ ሰብ ክዛረቦ ዘይተፈቕደሉ ብኣፍ ደቂ ሰባት ክግለጽ ዘይከኣል ሚሥጢራት ዝሰምዐን እዩ /2 ቆሮ 12፥2-5/።   

ተኣምር ናይ ዘአይተማህሩ ክንደይ ይደንቕ! ጥበብ ናይዞም ፊደል ዘይቖጸሩ`ከ ክንደይ ይገርም! ጴጥሮስ ብጽላሎቱ ሕሙማት ፈወሰ /ግብረ 5፡15/፣ ንምዉት ዉን ዘተንስአ እዩ /ግብረ 9፡36-43/። ክርስቶስን ኣዲኡን ኣብ ማእኸሎም ነበሩ`ሞ፣ ናይ መንፈስ ቅዱስ ድማ ተቐበልቲ ዀኑ። ጳዉሎስ ፈጺሙ ዘየዕርፍ ለዃዂቶ[3] ቤተክርስትያን እዩ። ጴጥሮስ ከኣ፣ ከምቲ ዕረፍቲ ዘይብሉ ናይ ለይቲ ዑፍ (nightingale[4])፣ ንምልእቲ ዓለም ከይሰልከየ ዘህድአ እዩ። ንሳቶም፣ ናይ ቤተክርስትያን ዓንድታት፣ ናይ ዓለም ዓበይቲ ብርሃናት እዮም። እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ዝበላለጹ፣ ግነ ከኣ ክልቲኦም ብሓባር ካብ ኲሉ ፍጡር ዝበልጹ እዮም።     

ብዛዕባ ጴጥሮስ’ከ እንታይ ክብል እየ? ንሱ፣ እቲ ባህ ዘብል ራእይ ናይ ቤተክርስትያን ዝዀነ፣ ናይ ሃዋርያት መራሒኦምን፣ ዘንጸባርቕ ብርሃን ዓለም እዩ። ንሱ፣ ብመንፈስቅ ቅዱስ ዝተመልአ፣ ሓያል ሃዋርያ እዩ። ጸጋ እግዚአብሔር ዝመልኦ፣ መልኣኽን ሰብን እዩ። ናይ እምነትና ከዉሒ፣ ብሱል ኣእምሮ ቤተርክስትያን፣ ጐይታ ንንጽህንኡ ተመልኪቱ ‘ብጹእ’ ከምኡ ‘ወዲ ርግቢት’ {ማቴ 16፡17 ስምኦን ወዲ ዮና ማለት ብእብራይስጥ ርግቢት ማለት እዩ} ኢሉ ጐይታ ባዕሉ ብኣፉ ዝመስከረሉን፣ ካብኡ ካብ ጐይታ መፍትሕ መንግስተ ሰማያት ዝተቐበለን እዩ /ማቴ 16፡19/።

ንስኻትኩም [ጴጥሮስን ጳዉሎስን] ልዕሊ መላእኽቲ ጸብለል ዝበልኹም ኢኹም። ልዕሊ’ዚ እሞ እንታይ ክብልየ? ጐይታ ባዕሉ እዩ፣ “ንስኻትኩም ናይ ዓለም ብርሃን ኢኹም” ዝበለኹም /ማቴ 5፡14/። ንስኻትኩም ካብ ነገስታት ዉን ትብልጽጉ፣ ካብ ሃብታማት ትሕይሉ፣ ካብ ወታሃደራት ትብርትዑ፣ ካብቶም ፈላጣትን ፈላስፋን ንላዕሊ ጥበበኛታት ኢኹም፣ ካብ መደረቲ ንላዕሊ ድማ ክእለት ዘረባ ኣለኹም። ዋላ ሓንቲ ዘይብልኹም ክነስኹም፣ ግን ከኣ ኲሉ ዘለኹምን ንዂሉ ትዉንኑ ኢኹም /2 ቆሮ 6፡10/። ንስኻትኩም፣ ናይ ሰማእታት ትዕግስቲ፡ ናይ ኣቦታት ኦርቶዶክሳዊነት፡ ናይ መነኮሳት ገድሎም ኢኹም። ንደናግል ብኣክሊል ተጊጹ፣ ኣብ ሰብ ሓዳር ከኣ ሠላም ተስፍኑ ኢኹም። ንስኻትኩም፣ ናይቶም ሃርጓማት ሃብታማት ልጓም፡ ናይቶም ፍትወት ዝነገሶም ዘመውቲ መግትኢ ርእሶም፣ ሓለዋ ነገስታት፣ ቀጽሪ ክርስትያናትን፣ መቐየዲ ባርባራዉያንን ኢኹም። ንስኻትኩም፣ ንመናፍቓን ትኣስሩ፣ ነቲ ዘይንቡር ፍትወት ስጋና ድማ ትቐጽዕዎ፣ ንሰራዊተ ኣጋንንቲ (ንሌጌዎን) ትሶግጉ፣ መሰዉኢ ጣኦታት ትሰባብሩ ኢኹም። ናይ ላዕሊ ናይ ሰማይን፣ ናይ ታሕቲ ናይ ምድርን መዝነት ተዋሂብኹም ኣሎ። ምኽንያቱ፣ መፍትሕ መንግስተ ሰማያት ተዋሂብኩም ኣሎ፣ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ድማ፣ ሓጢኣት ክትኣስሩን ክትፈትሑን ስልጣን ተዋሂብኹም እዩ።

ከዉሒ እምነትና ዝዀንካ፣ ጴጥሮስ ደስ ይበልኻ!

ትምክሕቲ ቤተክርስትያን ዝዀንካ፣ ጳዉሎስ ደስ ይበልኻ!

ናይ ኦርቶዶክሳዊነት መሰረት ዝዀንኻ፣ ጴጥሮስ ደስ ይበልኻ!

ናይ ኣብያተክርስትያናት ሓልዮት ዝዀንኻ፣ ጳዉሎስ ደስ ይበልኻ!

ስልማት ኲሉ ዓለም ዝዀንኻ፣ ጴጥሮስ ደስ ይበልኻ!

ናይዛ ዕረፍቲ ዘይብላ ዓለም ናይ ህድኣት ቦታ ዝዀንኻ፣ ጳዉሎስ ደስ ይበልኻ!

ናብ ገነት ዝበጻሕካ፣ ጳዉሎስ ደስ ይበልኻ!

ናብ መንግስተ ሰማያት መራሒ ዝዀንኻ፣ ጴጥሮስ ደስ ይበልኻ!

ካብ ጐይታ ብዙሕ ዉዳሰ ዝተቐበልካ ጴጥሮስ፣ ደስ ይበልኻ!

ብዙሕ ዝዓይነቱ ዉህብቶ መንፈስ ቅዱስ ዘመሓደርካ ጳዉሎስ፣ ደስ ይበልኻ!

ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመላእኻ፣ ትጉህ ጴጥሮስ ደስ ይበልኻ!

ኣታ ብርቱዕ ጐያዪ ዝዀንኻ ጳዉሎስ፣ ደስ ይበልኻ!

ንስኻትኹም፣ ጴጥሮስን ጳዉሎስን፣ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ንዘሎ ንዂሉ ብስብኸትኩም ዘብራህኹም ኢኹም። ንቤተርክስትያን ክትብሉ፣ ማእለያ ዘይብሉ ስቓይ ተጻወርኹም። ኣብ ኣብያተ ቤት ማእሰርቲ ተኣሰርኹም፣ ብኣይሁድ ተገረፍኹም፣ ብባርባራዉያን (መምለኽቲ ጣኦት) ካብዝን ናብትን ተገፋዕኹም፣ ብነገስታት ብዙሕ ስቓይ በጽሓኩም። እፎይ ኢልኹም ዘዕረፍኩምሉ ግዜ ኣይነበረን፣ ግን ከኣ ወንጌል ካብ ምስትምሃር የዕሪፍኹም ኣይትፈልጡን። ኣብ ጽኑዕ ማእሰርቲ ስለዝነብርኹም፣ ኣእጋርኹም እኳ ብናጽነት ከተንቀሳቕሱ ኣይከኣልኩምን፣ ኮይኑ ግና ነታ ብሓጢኣት ተኣሲራ ዝነበረት ዓለም ብመልእክታትኹም ሓራ ገብርኹማ። ንጭፍራ ኣጋንንቲ ሰዓርኹም፣ ብኣኹም ኣቢሉ ድማ፣ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ናብ ኲሉ ዓለም ተዘርግሐ። ናይ ምትላል ግመ ኣጥፋእኹም፣ ናይ ኣጋንንቲ ድንቁርና ሰዓርኹም፣ መሰዉኢ ጣኦታት ሰባበርኹም። ነቲ ብሓሶት ናይ ሃይማኖት ኣምልኾ ዝብልዎ ድማ፣ ናብ ሓሙኽሽቲ ቀየርኹሞ። ነቲ ስርናይ ካብቲ ክርዳድ ፈሊኹም፣ ደርበኹሞ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፣ ናይ ዕለታዊ ስብኸትኩም፣ ንቤተክርስትያን ጽሩይ ሃብተ ትዉፊት ምዃኑ ኣመስከረ።

ስለቲ ዝገብረኩምልና ደኣ፣ እንታይ ኢልና ከነመስግነኹም? ክዝኽረኻ እንከለኹ ጴጥሮስ፣ ኣዝየ ይግረም። ንዓኻ ክዝክረኻ እንከለኹ፣ ጳዉሎስ ብሓጎስ ንብዓተይ ይፈስስ። እንታይ እሞ ክብል? ከመይ ኢለ`ኸ ክዛረብ? ዝበጽሓኹም መከራ እንከስተንትን፣ መግለጺ ይስእን። ክንደይ ኣብያተ ማእሰረቲ ዘይቀደስኹም? ክንደይ እሱራት ብብርሃንኩም ዘየብራህኹም? ክንደይ ማዕሙቕ በዓቲታት ብኣስተምህሮኹም ዘይመላእኹም? ክንደይ ማእሰርቲ ዘየተዓገስኹም? ክንደይ ሰንሰለት ማእሰርቲ ብርሃን ከምዝኹልዑ ዘይገበርኹም? ብተግሣጽኹም ክንደይ ቦታታት ዘይቀደስኩም? ክንደይ ናይ ሓሶት ክሲታት ዘይተጻወርኩም? በዚ ዂሉ መከራ ግና፣ ከመይ ጌርኩም ንክርስቶስ ጾርኲሞ? ከመይ ጌርኲም ብትምህርትኹም ንቤተክስርትያን ኣብራህዂማ?

እታ መሳርሒትኹም ዝዀነት ልሳንኹም (መልሓስኹም) ብጽእቲ እያ! ምእንቲ ቤተክርስትያን ክትብሉ፣ ኣካላት ሰብነትኹም ብደም ጠልቅዩ፣ ኣብዚ ዂሉ መከራኹም ድማ ብዘይ ዝዀነ ጉድለት ንክርስቶስ መሰልኩሞ። “ዉስተ ኲሉ ምድር ወፅአ ነገሮሙ፣ ወእስከ አጽናፈ ዓለም በጽሐ ነቢቦሙ” ናታትኹም ነገር ናብ ኲላ ምድሪ በጽሐ፣ ቃላትኹም ዉን ናብ ኲሉ ኣጽናፍ ዓለም ተዘርግሐ /መዝ 18(19)፡5/። እታ ብኣኻትኩም ኣቢላ ናባና ብመርዓ (ብሓደራ) ዝተዋህበት ቤተክርስትያን፣ ብሓድነታ ጸኒዓ ብክርስቶስ ከይተኸፋፈለት ክትዕቀብ እያ። ንስኻትኩም ፍሉያት ኢኹም፣ ቅድሚ ሕጂ ከማኹም ዘበለ ኣይነበረን፣ ብድሕሪ ሕጂ ዉን ከማኹም ዝበለ ኣይክመጽእን። ናይ ምምህርና ሓላፍነት ዝተዋህበ ሰብ እሞ፣ ካብቲ ንስኻትኩም ብሕድሪ ዝሃብኩምዎ ትምህርቲ ወጻኢ ካልእ ክምህር ዝደፍር መን ኣሎ? ኲሎም መማህራን ብኣኹም ዝተላእኹ እዮም፣ ኲሎም ታኦሎጎሳዉያን (theologians) ብኣኹም ዝፈረዩ እዮም። እቶም ኣብ ጸልማት ዝነበሩ ዉን፣ ብኣኹም ብርሃን ረኣዩ። ትዕግስቲ ጽንዓትኩም፣ ንሕምቀትና ስዒርዎ እዩ። ንዓለም ብወንጌል ክተርብሁ ክትብሉ፣ ዉጉዛት ኮይንኹም ካብ ክርስቶስ ክትፍለዩ ዝደሌኹም እዩ /ሮሜ 9፡3/!

ስለቲ ዝሃብኩምና ኲሉ ሠናይ ነገር፣ እንታይ ክንመልሰኩም ኢና? ሎሚ፣ ዝኽሪ ክብረ በዓልኩምን፣ ጐያኹም ዝዛዘምኩምሉን ናብ ዓወት ዝበጻሕኩምሉ መዓልቲ እዩ። ሎሚ ምእንቲ ክርስቶስ ኢልኩም ዝተቐበልኩምዎ በዓለ ሰማእትነትኩም እዩ። ሎሚ፣ ንሕና ኲልና፣ ነቲ ቅዱስ ዓጽምኹም ብሓጎስ ነኽብረሉ ዕለት እዩ።

ጴጥሮስ ደስ ይበልኻ፣ ዕንጸይቲ መስቀል ጾይርካ፣ ከም መምህርካ ተስቐልካ። ግና ከኣ፣ ከም ጐይታኻ ከምቲ ንቡር ክትስቀል ፍቓደኛ ኣይነበርኻን። እኳ ደኣ ቁልቁል ኣፍኻ ተሰቐልካ፣ እዚ ከኣ ካብ ሰማያት ናብ ምድሪ  ዝርኸብ ጸጋ ክተርእይ ኢልካ ኢኻ። ንቅዱሳን ኣካላትኻ ዝሸንከራ መሳምር፣ ክንደይ ብጹኣት እየ!  ንስኻ ንዓይ፣ ልዕሊ ዂሉ ፍትው ኢኻ፣ ካብ ሰማያዊ ክብሪ ንላዕሊ ትበሃግ ኢኻ። ጴጥሮስ፣ ነፍስኻ ብትብዓት ናብ ጐይታኻ ኣሕሊፍካ ሃብካ። ንጐይታ ብዘይምስልካይ ኣገልገልካ፣ ነታ መርዓቱ ዝዀነት ቤተክርስቲያን ድማ ብሙሉእ ልብኻ ኣገልገልካያ።  ብጐይታ ፍቑር ነበርካ፣ ንጐይታ ዉን ብእምነት ኣገልገልካ። ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊእኻ፣ እሙን ሃዋርያ ጐይታ ነበርካ።

ኦ ሰለስተ ብጽእና ዝረኽበካ ጳዉሎስ! ንዂሉ መግለጺታት ዝሓልፎ ሰብ! ርእስኻ ብሰይፍ ተቖረጽካ። እታ መሳርሒት ጐይታ ዝነበረት፣ ሰማያዊ ነገር ዝመስከረት ድንቅን ክብርቲን ጎሮሮኻ፣ ብሰይፍ ተመትረት። ሽዑ ዉን፣ ምድሪ ተንቀጥቀጠት። ደምኻ ዝተቐበለት ምድሪ ከመይ ዝበለት እያ? እቲ ዝሰየፈካ ሰብኣይ፣ ደምኻ ኣብ ክዳኑ ምስ ዓለበ፣ ጻዕዳ ከም ጸባ ኮይኑ ተራእዮ። እታ ኣረማዊት ነፍሱ ድማ፣ ብደምካ ተቀዲሳ ካብ መዓር ዝመቀረት ኮነት። ንሱ ምስ ብጾቱ ድማ፣ ናብ እምነት ኣተወ። ንዓይሲ፣ እዛ ሰይፊ`ዚኣ ኣብ ክንዲ ኣክሊል ትዂነኒ። ከመይሲ፣ ጳዉሎስ ንሰላሳን ሓሙሽተ ዓመት ብዘይምስልካይ ብሙሉእ ልቡ ተኣዚዙ ንጐይታ ኣገልገለ፣ ኲሉ ገድሉን ጉይኡን ዛዚሙ ድማ ወዲ ስሳን ሸሞንተ ዓመቱ ምስ ኰነ ዓረፈ።

ኦ ጴጥሮስ ወጳዉሎስ! ኣብ ቦታ ሓጢኣትና፣ ነቲ ናታትኹም ብጹኣት ዝዀና ቃላት ጌርና ንምሕጸን ኣለና። “ተፈሥሑ በእግዚእነ ዘልፈ ወካዕበ እብለክሙ ተፈሥሑ /ብጐይታ ዂሉ ሳዕ ተሓጎሱ/” (ፊልጵ 4:4) ‘ወጸልዩ ወትረ’ ኲሉ ግዜ ከየቋረጽኹም ምእንታና ጸልዩ /1 ተሰ 5፡17/። እምበኣር፣ እቲ ቃል ዝኣተዂምዎ ፈጽምዎ፣ ምእንታና ድማ ጸልዩ። ከመይሲ ንስኻ፣ ኦ ብጹእ ዝዀንኻ ጴጥሮስ፣ ከምዚ ኢልኻ ብስምዕታ ተዛሪብካና ኢኻ፣ “እጔጒእ ከመ ተሀሉ ኀቤክሙ ዛቲ ትእዛዝ ዘልፈ ወከመ ትዘከርዎ እምድኅረ ኅልፈትየ ወከማሁ ትግበሩ /ኣነ ምስ ሞትኩዉን ነዚ ነገራት እዚ ኽትዝክርዎ ምእንቲ ኽትክእሉ እጽዕር ኣሎኹ/” (2 ጴጥ 1፡15) [ንሕና ዉን ቃልኹም ዘኪርና፣ ንምሕጸነዂም ኣለና፣ ምእንታና ጸልዩ!]።

ብጹዕ ጴጥሮስ፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ተኣምራት ዝፈጸመሉ ናይ ክርስቶስ ሃዋርያ፣ ካብ ቤተሳይዳ ናይ ገሊላ እዩ ኔሩ (ሃዋርያ ፊሊጶስ ዉን ካብዛ ከተማ እዩ ኔሩ)። ብጹዕ ጳዉሎስ ብወገኑ፣ ካብ ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ እዩ ኔሩ። ክልቴኦም ድማ፣ ሓሙሽተ ሓምለ (ብጎርጎሮሳዉያን ኣቆጻጽራ 29 ሰነ) ኣብታ ዓባይ ከተማ ሮሜ፣ ብኢድ እቲ ኣረሜናዊ ዝኰነ ንጉስ ኔሮን ሰማዕትነት ተቐቢሎም ዓረፉ። ኲሉ ጉይኦምን ገድሎምን ፈጺሞም፣ ዓበይቲ ተኣምራት ጌሮም፣ ናብቲ መምህርን ጐይታ ዂሉን ዝዀነ ኸዱ። እምበኣርን ንሕና ዉን፣ ንጐይታ ዂሉ ዝዀነ ክርስቶስ ኣምላኽና እንዳተማሕጸንና፣ ከምኦም ቅዱስ ቅንኢ ነሕድር እሞ፣ በቲ መፍቀሬ ሰብ ዝዀነ ብክርስቶስ ኣቢልና ትምህርቶምን ትዉፊቶምን ዓቂብና ኣሰር ኣሰሮም ንስዓቦም።  በዚ ዉን ነቲ ዝተጸዋዕናዮ ጽዉዓ ዉን ብቁዓት ኰይንና ክንርኸብ ኢና`ሞ፣ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ምሕረት ክንረኽብ ኢና። ብእኡን ምስኡን፣ ንእግዚአብሔር ኣቦ፣ ነቲ ቅዱስን ሔርን ወሃቢ ህይወት ዝዀነ መንፈስ ቅዱስን፣ ምስጋናን ጽንዓትን ይዂን፣ ሎምን ዂሉ ሳዕና፣ ንዘለዓለም ዓለም፣ ኣሜን።

ምንጪ https://www.pappaspatristicinstitute.com/post/on-the-holy-apostles-peter-and-paul-by-st-john-chrysostom


[1] ትምህርቲ ብዘይብሎም ንዑቃት ዝዀኑ ገፈፍቲ ዓሳ ጌሩ ወንጌል ምምሃሩ፣

[2] The swallow and the cicada ይብል ኣብቲ ኢንግሊሽ ትርጉም። ኣብ ትምህርቲ ቅዱሳን ኣቦታት ዕንጭራርን  ለዃዂቶን ከም ምሳሌ ናይ ትግሃትን ጻዕርን ይግለጹ እዮም። ቅ. ዮሃንስ ኣፈወርቅ ብዛዕባ ንስሓ “On Repentance” ከምኡ ዉን “On the Turtle Dove, or On the Church” ኣብ ዝመሃረሉ ንCicada ዕንጭራር፣ ምስ ጳዉሎስ እንዳመሳሰለ ይገልጾ እዩ። ዕንጭራር ብዘይዕረፍቲ እትፈጥሮ ድምጺ፣ ኣብነት ናይ ዘይተጻዓድነትን ዘይተሓላልነትን ጌርካ ይግለጽ። ኤርሚያስ 8.7 ኣብቲ ናይ ሰብዓ ሊቃውንቲ ይገልጾ እዩ። ኣብቲ ናይ ግእዝን ኣብቲ ናይ ትግርኛን ግና ዕንጭራር ዝብል ጽሑፍ የብሉን። ቅዱስ ቄርሎስ ብዛዕባ ወላዲተ ኣምላኽ ኣብ ዝጸሓፎ ዉን “Homily 11 on the Mother of God” ንቅዱስ ጳዉሎስ ብተመሳሳሊ መገዲ ይገልጾ እዩ።  

[3] ኣብ ጽሑፋት፣ ለዃዂቶ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ምሳሌ ወይ ምልክት ቅልጣፈ ፍልሰትን ጽንዓት ኢየን ዝግለጻ። እዘን ኣዕዋፍ እዚኣተን በቲ ነዊሕ ጕዕዞአንን ብቐጻሊ ብምንቅስቓሰን እየን ዚፍለጣ። ስለዚ ዉን ቅ. ዮውሃንስ ኣፈውርቅ ንጳዉሎስ ከም ለዃዂቶ ዝገልጾ ዘሎ። እዘን ኣዕዋፍ ኣየዕርፋን ትጉሃት፣ ጳዉሎስ ዉን ከምኡ ወንጌል ክሰብኽ ዕረፍቲ የብሉን።

[4] Nightingale -ለይቲ በቲ ባህ ዜብልን ዘየቋርጽን ደርፍታቶም ብምዝያም ዚፍለጡ ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ለይቲ እዩ ዚዝምሩ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ምልክት ግጥሚ ዜማታት ከምኡውን ዘየቋርጽ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ እዩ።