ንባብ ናይ ሰዓት 12 ዓርቢ ቅ. ጎርጎርዮስ ዘኑሲስ

ንሕና ብድኽነት ሥጋኡ፣ ምእንቲ ክንህብትም፤ ንሱ፣ ናይ ባርያ ኣርኣያ ለቢሱ ድኻ ዀነ። ንሱ ናትና ሕማም ተዓገሰ፣ ናትና ሕማም ዉን ጾረ፣ ናትና በደል ዉን ተሰከመ፣ ምእንታና ዉን ገዛእ ርእሱ ንጹህ መሥዋእቲ ጌሩ ወፈየ፣ ንሱ ብሓቂ ናይ ዘለዓለም ካህን እዩ።

ንሱ ናይ መሥዋእቲ በጊዕ እዩ፣ ባዕሉ ሠዋኢ ካህን፣ ምስ ኣቡኡን መንፈስ ቅዱስን ተቐባሊ መሥዋእት ባዕሉ እዩ።

ንሱ ብሓቂ፣ ብሥጋኡ ሕማም ዝተቐበለን ብፍቓዱን ኲሉ ሕማማት ዝተዓገሰ እዩ። ከም በጊዕ ክሥዋእ መጽአ፣ ከምቲ ኣብ ቅድሚ መቕረዚኡ ዘይዛረብ በጊዕ፣ ንሱ ዉን ኣፉ ኣይከፈተን፣ ኣብ ኣፉዉን ሓሶት ኣይተረኽበን።

ኣሲሮም ድማ ናብ ፍርዲ ኣደባብይ ወሰድዎ፣ ዓማጽያን ደያኑ ኣብ ልዕሊኡ ፍረዱ፣ ኣብ ክንዲ እቲ ሰናይ ዝገበሮ ድማ እከይ ፈደይዎ።

ኲሉ ተዓጊሱ፣ ክሳዕ ሞት ተዓገሱ፣ ሞቱ ድማ ኣብ መስቀል ዀነ። ካብ ኣፉ ዉን ሓንቲ ቃል ኣየምሎቐን።

ካብ መስቀል ናብ ሲኦል ወሪዱ ኣድኃነና። ብኃጢኣት ኣዳም ኣቡኦም፣ ኣብኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ጻድቃን ዉን ፈቲሑ ሓራ ኣዉጽኦም።

እንበለ ደዌ ወሕማማ፣ እንበለ ጻዕር ወድካም፣ ዓመ ከመ ዮም ያብጽኃነ ያብጽኅክሙ፣ እግዚአብሔር ብፍስሓ ወበሠላም። ኣሜን!

ምንጪ፦

መጽሓፈ ግብረ ሓማማት፣ ዘ12 ሰዓተ መዓልት ዘዓርብ።