ተግሳጽ ዘቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ
ፍቑራት ምእመናን፣ ብዛዕባ ኣስቆረታዊ ይሁዳ እንታይ ክንብል ኢና። ንጐይትኡ ኣሕሊፉ ዝሃበ ይሁዳ ብምንታይ ንገልጾ። ንሱ ሓደ ካብቶም ዓሰርተው ክልተ ክነሱ ናብቶም ሊቃነ ካህናትን ሽሟሙንትን ከይዱ፣ “ኣነ ኣሕሊፈ ክህበኩም፣ ክንደይ ትኸፍሉኒ፧” በሎም። ሰላሳ ዲናር ክኸፍልዎ...
ፍቑራት ምእመናን፣ ብዛዕባ ኣስቆረታዊ ይሁዳ እንታይ ክንብል ኢና። ንጐይትኡ ኣሕሊፉ ዝሃበ ይሁዳ ብምንታይ ንገልጾ። ንሱ ሓደ ካብቶም ዓሰርተው ክልተ ክነሱ ናብቶም ሊቃነ ካህናትን ሽሟሙንትን ከይዱ፣ “ኣነ ኣሕሊፈ ክህበኩም፣ ክንደይ ትኸፍሉኒ፧” በሎም። ሰላሳ ዲናር ክኸፍልዎ...
መጽሓፍ ከምዝምህረና፣ ነፍስና ብሕጊ ኣምላኽ ትነብር እንተደኣ ኮይና፣ ሓይሊ ጸልማትን ኣጋንንትን ኣይክስዕሩናን እዮም። በንጻሩ ካብ ሕጊ ኣምላኽ እንድሕሪ ርሒቅና ግና፣ ክሕይሉናን ክስዕሩናን ይኽእሉ። የሕዋተየ ነስተዉዕል። ገዛ ርእስኻ ከተድሕን እንተደሊኻ፣ ኣብ ሃብቲ ጥበብ እግዚአብሔርን፣ ሃብቲ...
ዓርቢ ሰዓት 12 ዝንበብ ካብ ቃል ኣረጋዊ መንፈሳዊ-ድርሳን 25 “ኦ ምእንቲ ኣልኣዛር ዝነባዕኻን ዝበኸይኻን ኣምላኸይ፣ ናተይ ዝመረረ ሓዘነይ ንብዓተይን ተቐበል። ብሕማማትኻ ሕማመይ ፈዉስ፣ ብኣቚሳልካ ነቊሳለይ ኣጥዒ፣ ደምኻ ኣብ ደመይ ሓዉሶ፣ ናይ ህይወት መኣዛ ዝዀነ...
ኣረጋዊ መንፈሳዊ፣ ሓደ ካብቶም ንመጽሓፈ መነኮሳት ካብ ዝጸሓፉ ኣቦ ኮይኑ፣ ብዛዕባ ምንኩስናዊ ህይወት፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ገድሊታትን፡ ብዛዕባ ነፍስኻ ኣንጺህኻ ብቅድስና ከመይ ንዓቢን ከመይ ናብ ምስሊ ወልደ እግዚአብሔር ብትሕትና፡ ብምሕረት፡ ብምልግሲ፡ ብመንፈስዊ ገድሊ ክንዓቢ ንኽእል...
ቅ. ስምኦን ኣምዳዊ ዝጸለዮ ኣብ ናይ ሆሳእና ዋዜማ ዝጽለ ጸሎት። ቅዱስ ስምኦን ኣብ ከባቢ 5ይ ክ/ዘ ዝነበረ፣ ቅዱስ ኣቦ ኮይኑ፣ ኣብ ሓንቲ ዓንዲ ን45 ዓመት ከየወረደ ብምጽላዩ፣ እዩ ዝፍለጥ። ኣብ 392 ዓም ኣብ ኣንጾክያ...
ኣብ ግዜ ሕማማት፣ ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ዘሎ ግዜ ኣብ ቤተክርስቲያን፣ ካልእ ኲሉ ጸሎት ተሪፉ፣ እዚ ዝስዕብ ጸሎት ይጽለይ። ብሓባር ኰንኻ ብየማንን ብጸጋምን እንዳተቀባበሉ ይበጽሕ። ቅድም ናይ ወትሩ ጸሎት ይበጽሕ፣ ዳዊትን ዉዳሴ ማርያምን ይዕደል።...
ቅዱስ እንድርያስ ዘቅርጤስ ሓደ ካብቶም ኣብ ሶርያ ዝፈረዩ ቅዱሳን ሊቃዉንቲ ኣቦታት ኮይኑ፣ ኣብ 7ይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ እዩ። እዚ ኣቦ`ዚ ብዛዕባ ሆሳእና ካብ ዝመሃሮ ገለ ክፋል፣ ጆባእ እብለኹም። ብምስትዉዓል ነንብቦ። ንጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ...
እንዃዕ ናብ ዓመታዊ በዓል ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣብጽሓና። ንሎሚ ከፍ ፍቃድ ኣምላኽ፣ ሓደ ካብ ኣብ ምድረ ሶርያ ዝቦቀሉ ሊቃዉንቲ ኣቦታት፣ ቤተክርስቲያን ዉን “መሰንቆ ናይ መንፈስ ቅዱስ” ኢላ ትጽውዖ፣ ናይ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ትምህርቲ...
ሰላም ክርስቶስ ምስ ኲሉኹም ይኹን፣ ዝኸብርኩም ተከታተልቲ እዛ ብሎግ እዚኣ፣ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብዙሓት ሰባት፣ ብዛዕባ ዘይብልዑን ዝብልዑን፣ ዓይነት እንስሳታት ኣብ ፍትሃ ነገስት እንተሃልዩ ቶርጊመ ከቕርብ ሓቲትኩምኒ ኔርኩም። ብተወሳኺ፣ ትርጉም 1ይ ጢሞ 4፥4 ቃል...
ብሕትዉና /ናይ ጽሞና ግዜ / (Retreat) ሰላም ንዓኩም፣ እዚ ሕጂ እተንብብዎ ዘለኹም ጽሑፍ፣ ንኩልና ዝኸዉን ዉን እንተዀነ፣ ብዝያዳ ግና ነቶም ኣብ ቤተክርስቲያን እተገልግሉ ካህናት፡ ዲያቆናት፡ መማህራን ትምህርቲ ሰንበት፡ መዘምራን ብሓፈሻ ንኲሎም ኣገልገልቲ ቤተክርስቲያን ዝኸዉን...