ተመን ኣስራዚ

 

“እቲ ህዝቢ ድማ፡ ኣብዚ እንጌራ የልቦን፡ ማይ ድማ የልቦን፡ ነዚ ፈኲሽ እንጌራ ኸኣ ነፍስና መንያቶ እያ እሞ፡ ኣብ በረኻ ኽንመውትከ ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣደየብኩምና፧ ኢሎም ኣብ ኣምላኽን ኣብ ሙሴን ተዛረቡ። እግዚኣብሄር ከኣ ዚነዱ ኣትማን ናብ ህዝቢ ሰደደ። ነቲ ህዝቢ ድማ ነኸስዎ፡ ካብ እስራኤል ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ሞተ። ሽዑ እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ መጺኦም፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርና፡ ነዞም ኣትማን ኬርሕቐልና ንእግዚኣብሄር ለምነልና፡ በሉ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ለመነ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ ዚነድድ ተመን ንኣኻ ግበር፡ ኣብ ባላ ድማ ስቐሎ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እተነኽሰ ዘበለ ናብኡ እንተ ጠመተ፡ ኪሓዊ እዩ። ሙሴ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ተመን ገበረ፡ ኣብ ባላውን ሰቐሎ። ኰነ ኸኣ፡ ገለ ተመን ንሰብ እንተ ነኸሰ፡ ናብቲ ተመን ኣስራዚ ምስ ዚጥምት ይሐዊ ነበረ።” ዘሁ 21፥5-9

“[pullquote]ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ[/pullquote]።ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ። ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ዮሃ 3፥15-16

እዚ ጽሑፍ እዚ ሓደ ካብ ዓበይቲ ትምህርቲታት ጐይታ እዩ። እቲ ሙሴ፣ ኣብ በረኻን ኣብ መንጎ ህዝቢ እስራኤል ዘጋጠመን፤ ደሓር ድማ ኣብ ክርስቶስን ቤተክርስቲያኑን ከም ዝፍጸም ዘረድእ እዩ። ብዙሓት መማህራን ናይ ቤተክርስቲያን ኣቦታት ዉን ነዚ ቃል እዚ ብተደጋጋሚ ኣልዒሎሞ እዮም።

ንኣብነት፣ እቲ ኣብ 2ይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ፣ ሰማእትን ፈላስፋን ዝዀነ፣ ቅዱስ ጀስቲን ሰማእት፣ ምስ ትሪፎ ዝበሃል ወዲ እስክንድርያ ኣይሁዳዊ ኣብ ዝገበሮ ክትዕ፣ ነዚ ነጥቢ ኣልዒሉ ከረድእ እንከሎ፣ ከምዝ ይብል፣ “እስከ ንገረኒ (ንትሪፎ)፣ እግዚአብሔር`ዶ ብኣፍ ሙሴ ኣቢሉ፣ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪን ዘሎን ንዕዑ ዝመስልን፣ ዝዀነ ዓይነት ምስሊ፡ ስእሊን ቅርጺን ንከይገብር ኣይከልከለን ድዩ? ግን ከኣ ተመሊሱ፣ ባዕሉ ንሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ኣስራዚ ክሰርሕ`ዶ ኣይኣዘዞን? ሙሴ ዉን፣ ኲሉ ዝተነኽሰ ዘበለ ዝፍወሰሉ ምስሊ ጌሩ ሰቐሎ። ከምዚ ጌሩ ከብቅዕ ግና ሙሴ ካብ ሓጢኣት ሓራ ኣይኰነን (ካብ መግዛእቲ ዲያብሎስ ሓራ ኣይወጽአን)። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽክዎ ግና፣ ኣምላኽ ብሙሴ ኣቢሉ ሓደ ሚስጢር እዩ ነጊሩና። ነቲ ናይ ኣዳም ሓጢኣት ዘበገሰ፣ ንከይሲ ተመን (ዲያብሎስ) ብከመይ ዝበለ መንገዲ ከም ዝስዕሮን፣ ንሓይሉ ዉን ከመይ ጌሩ ከምዝድምስሶን እዩ ዘርኣየና። በዚ ምስሊ እዚ ኣቢሉ ሓደ ከም ዝስቀለን፣ ማለት በቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ዝኣምኑ ዘበሉ ኲሎምን፣ ካብ መንከስቲ ዲያብሎስ (ኣምልኾ ጣኦት፡ ክፍኣት ተግባራት፡ ርክሰት፡ ዝርገት. .ወዘተ ሓጢኣታት) ሓራ ከምእንወጽእ ኣተስፈወና።” ቅዱስ ጀስቲን ሰማእት /Dialogue with Trypho 94/

ቅዱስ ኤፍሬም ሶሪያዊ ድማ፣ ብዛዕባ ናይዚ ተመን መንፈሳዊ ትርጉም ክዛረብ እንከሎ፣ ናብ ታቲያን ዝበሃል ሰብ ኣብ ዝጸሓፎ መልእክቱ ከምዚ በለ፣ “ተመን ንኣዳም ኣብ ገነት ነኸሶ እሞ፣ ቀተሎ። ኣብ በረኻ ዉን ንእሳራኤላዉያን ነኹሱ ንብዙሓት ኣጥፈአ። ‘ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፣ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ክስቀል ይግብኦ እዩ’። ከምቲ እቶም፣ ነቲ ሙሴ ዝሰቐሎ ምስሊ ኣስራዚ ተመን፣ ብስጋዊ ዓይኖም ጠሚቶም፣ ብስጋ ዝተፈወሱ፤ ከምኡ ዉን እቶም ነቲ ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ ዝተሰቕለ መሲሕ (ክርስቶስ) ብመንፈሳዊ ዓይኒ ዝጥምትዎን፣ ዝኣምንዎን፣ ኲሎም ብህይወት ክነብሩ እዮም (ብመንፈሳዊ)። እቲ ኣስራዚ ተመን ብባህሪኡ፣ ስቅያት ክሳቐ ኣይክእልን (ሓጺን ስለዝዀነ ሕማም ቃንዛ ኣይስምዖን)፤ እቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ንሱ ዉን ብባሕሪኡ (ብመለኮታዊነቱ ብኣምላኽነቱ) ሞት ክመዉት ከም ዘይክእል በዚ ክርደኣና ይኽእል።” /Commentary on Tatian’s Diatessaron 16.15/

ነባቤ መለኮት ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኢንዘናዙ ድማ፣ ኣብ መንጎ ሙሴ ዝሰቐሎ ኣስራዚ ተመንን፣ ክርስቶስን ዘሎ ምምስሳል ከረድእ እንከሎ ከምዚ በለ “እቲ ኣስራዚ ተመን`ቲ፣ ነቶም ዝተነኽሱ ፈዉሲ ክኸዉን ተሰቕለ። እዚ ንዓና ምሳሌ ዝዀነ ከነነጻጽሮ እንከሎና ጥራይ እዩ እምበር፣ እቲ ኣስራዚ ተመን ነቲ ምእንታና ኢሉ ዝተሳቐየ ምሳሌ ኣይኰነን /እቲ ኣስራዚ ተመን ብምልኣት ናይ ክርስቶስ ኣብነት ኣይኰነን/ እቶም ነቲ ምስሊ ዝጠመትዎ ተፈዊሶም እዮም፣ ዝተፈወሱ ግና ኣብቲ ምስሊ እቲ እምነት ሰለዘሕደሩ ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ፣ እቲ ምስሊ እቲ ባዕሉ ምዉት ስለዝዀነ እዩ። ንሱ ምዉት እዩ፣ እቲ ንዕኡ ዝግዝኣሉ ሓይሊ ዉን ምስኡ መይቱ እዩ፣ ከምቲ ዝግብኦ ዉን ተደምሲሱ እዩ። እዚ ንዓና ዘመሓላልፈልና መልእኽቲ እንታይ እዩ? ” ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧” ብመስቀል ተሳዒርካ ኢኻ። በቲ ወሃቢ ህይወት ዝዀነ ተቐቲልካ ኢኻ። ዋላዃ ምስሊ ተመን ሃልዩካ ኣብ ባላ እንተተሰቐልካ፣ ኮይኑ ግና እስትንፋስ የብልኻን ምዉት ኢኻ፣ ክትንቀሳቐስ ዉን ኣይትኽእልን።” /Oration 45.22/
The chief reason for this problem is that bike riders often generico cialis on line glacialridgebyway.com place a large amount of pressure on their perineum while cycling.

ምዕራብ ካብ ዘፍረየቶም ፍሉጥ መምህር፣ ቅዱስ ኣዉግስጢኖስ ዉን፣ “ብተመን ምፍዋስ ማለት ዓቢ ሚስጢር እዩ። ናብቲ ተመን ጠሚትካስ፣ በቲ ተመን ክትፍወስ እንታይ ማለት እዩ? በቲ ዝሞተ ኣሚንካ፣ ካብ ሞት ምድሓን ማለት እዩ።” /ትሩጓሜ መዝሙር 74.4/

ኣብ ሶርያ ካብ ዝኣንበቡ፣ ናይ ተዋህዶ ሓርበኛ ካብ ዝበሃሉ ሓደ፣ ቅዱስ ያዕቆብ ዝስሩግ ድማ፣ ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ዝመሃረሉ ክፋል፣ “ሙሴ ኣብ በረኻ፣ ኣብ ቅድሚ እብራዉያን ሓደ ምሳሌ ዝኸዉን ነገር ሰርሐ። ጐይታና ኸኣ፣ ነዚ ምሳሌ ቶርጊሙ ኣረዲኡና። ድምጹ ዓዉ ኣቢሉ፣ ” ከምቲ ሙሴ” በለ፣ “ኲሉ ህዝቢ ክጥምቶ፣ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፣ ከምኡ ዉን ኣነ፣ ኲሉ ህዝቢ ዓለም ምእንቲ ክጥምተኒ፣ ኣብ መስቀል ክስቀል እየ”። ሙሴ ነቲ ኣብ በረካ ዝሰርሖ ምስሊ፣ ካብ ኣምላኽ እዩ ተመሃሪዎ፣ እቲ ምስሊ ዉን ናቱ ምዃኑ እዩ። ስለዚ ዉን እዩ፣ “ከምቲ ሙሴ ተመን ኣብ በረኻ ዝሰቐለ፣ ከምኡ ዉን ኣነ ክስቀል ይግብኣኒ እዩ” ዝበለ። ደጊም ዝተነኽሰ ዘበለ ኲሉ ናባይ ይምጻእ፣ ይጠምተኒ እሞ ብኣይ ክፍወስ እዩ። እቲ ከይሲ ተመን ንሔዋን ኣብ ማእኸል ገረብ ነኸሳ። የግዳስ ሕጂ፣ ኣነ ተሰቒለ ኣለኹ፣ ናባይ እንድሕሪ ጠሚታ፣ ኣነ ዉን ክፍዉሳ እየ። ኣጋንንቲ ናብ ዓለም ተፈንዮምን፣ ከም ኣትማን ዉን ንብዙሓት ነኺሶም ኣለዉ፤ የግዳስ ኣነ ሕጂ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ዝሰቐሎ፣ ከምኡ ክስቀል እየ፣ ሽዑ ክፍወስ እዮም። ኣብ ማእኸል ኣግራብ፣ እቲ ተመን ንዂሎም ህያዋን ኣደ ዝዀነት ንሄዋን ነኸሳ፣ እቲ ናቱ መርዚ ዉን ብእኣ ኣቢሉ ናብ ኲሎም ዘርኣ ሓለፈ፣ ንኲላቶም ዉን ኣርከሶም። እምበኣር ነዚ መርገም ከጥፍእ፣ ኲሉ ሰብ ምእንቲ ክጥምቶን፣ ብእኡ ክፍወስን፣ ኣብ ጎልጎታ ኣብ መስቀል ተሰቕለ።” ቅዱስ ያዕቆብ ዘስሩግ

ሙሴ ነብዪ ኣመ ህዘቢሁ ቈስሉ፣ ነብዪ ሙሴ ህዝቡ ምስ ቆሰሉ
ተኣምረ ገብረ ለኣርዌ ምድር በምስሉ፣  ብምስሊ ናይ ከይሲ ተመን ተኣምር ገበረ
እምዝኒ የዓቢ ሓይለ ተኣምርኪ ንግስተ ኲሉ፣ ካብዚ ግና እቲ ናትኪ ተኣምር የዓቢ ኣቲ ናይ ኲሉ ንግስቲ
ወሃበ ተተክለ ለወሃድኪ መስቀሉ፣ ናይቲ ሓደ ወድኪ መስቀል ምስ ተተኽለ
ሰራዊተ ደዌ ወሞት ቀሪበ ኢይክሉ፣ ናይ ሞትን ናይ ደዌን ሰራዊት ክቐርቡና ኣይከኣሉን
ተፈስሒ ዘሰንበት

በረኸት ቅዱስ መስቀሉ ምስ ኲልና ይኹን ኣሜን!!