ጾም ምስ ይቕሬታን ድኻታት ብምዝኻርን

ንመንፈሳዊ ህይወትና ካብ ዘደልድሉ፣ ዝዓበየ መንፈሳዊ መገዲ፣ ጾም እዩ። ኣገዳሲነት ናይ ጾም ዉን ብብዙሕ ጽሑፋት ተነጊሩና ኣሎ። ካብ ነነዌ ዝመቦቀሉ ቅዱስ ይስሃቅ ሶርያዊ፣ ጾም መንፈሳዊ መሳርሒ ምዃኑ ኣብ ዝገለጸሉ ጽሑፍ ከምዚ ኢሉና።

“መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣገልግሎቱ ብጾም`ዩ ጀሚሩ። ኲሎም እቶም ኣስኣሰር መድኃኒ ዓለም ዝሰዓቡ ሰዓብቱዉን፣ ንኲሉ ጻዕሮም ኣብዚ ሰረት እዚ ብምህናጽ እዮም ህይወቶም ዝመርሑ። ጾም ብእግዚአብሔር ኣምላኽ ባዕሉ ዝተሰርዐ ስለዝዀነ፣ ነዚ መንፈሳዊ መገዲ ሸለል ኢሉ ዝሓልፎ፣ ካብ ወቀሳ ክድሕን ኣይኽእልን። ባዕሉ እቲ ወሃቢ ሕጊ (ጐይታ) ካብ ጾመ፣ እቶም ተግበርቲ ሕጊ ዉን (ደቂ-ሰባት) ክጾሙ ግድን እዩ። ጾም ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና ንክንዕወት ሓጊዙና እዩ። ዲያብሎስ በቲ ናትና ባህሪ ጥራይ ክንስዕሮ ኣይተኻእለናን፤ ቅድሚ ጾም ዉን፣ ደቂ ሰባት ዓወት ዝበሃል ንረኽብ ኣይነበርናን። እዚ መንፈሳዊ መሳርሒ ክንጥቀመሉ ምስ ጀመርና ግና፣ ናይ ዲያብሎስ ሓይሉ ክዳኸም ጀመረ።

ፈላሚ ናይዚ ዓወት`ዚ ባዕሉ ጐይታ እዩ። ኣብ ባህሪያትና ኣብ ደቂ ሰባት ናይ ዓወት ኣክሊል ምእንቲ ከቐምጠልና፣ ባህሪያትና ለቢሱ ጾመ፣ ብጾም ዉን ዓወት ኣርኣየና። ዲያብሎስ ግን ነዚ መሳርሒ ኣይፎትዎን እዩ። ዝጸዉም ሰብ ክርኢ እንከሎ ከኣ ይፈርሕን ይቁጣዕን፣ ምክንያቱ፤ ነቲ ጐይታ ስጋ ለቢሱ ብጾም ኣቢሉ ኣብ በረኻ ዝሰዓሮ፣ ስዕረት ስለዘዘኽሮ። ጾም ንሓይሊ ዲያብሎስ ትስዕሮን፣ ብሓይሊ ናይቲ ልዑል ጐይታ ዉን የሳድዶን እዩ። ብጾም ዝተነድቀ ህይወት ዝሓዘ ሰብ፣ ንጾም ከም መሳርሒ ዝተዓጥቀ ሰብ ኲሉ ግዜ ብመንፈሳዊ ሓዊ ዝተቐጸለ ይኸዉን። ነዚ መንፈሳዊ መገዲ ኣጽኒዑ ዝሓዘን፣ ጸኒዑ ዝቃለስን ሰብ፣ ንስጋዊ ፍትወት ናይ ምስዓር ዓቕሚ ኣለዎ።”

ዋላዃ ጾም ሓደ ካብተን ዓበይቲ መንፈሳዊ መገዲ ይዂን፣ ይቕሬታን ድኻታት ምዝኻርን ምስ ዘይሕወሶ፣ ፍረ ዘይብሉ ከንቱ ስጋዊ ንጥፈታት ይኸዉን። እዚ ስለዚዀን ዉን፣ ዳርጋ ኲሎም ቅዱሳን ኣቦታትን ብሓባር ዘቃልሕዎ መልእክቲ፤ “ጾም መንፈሳዊ መገዲ እምበር፣ ዕላማ ኣይኰነን። ዕላማና ምስ እግዚአብሔር ኣምላኽ ምሕባር፡ ምስኡ ዘለና ፍቕሪ ምዕባይን፣ ናብቲ ዝተፈጠርናሉ ምስሊ ወዲ ኣምላኽ ናብ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ምዕባይ እዩ። ጾም ድማ ናብዚ መንፈሳዊ ዕላማ ዘብጽሕ መገዲ እዩ። ንክንጸዉም ኢልና ኣይንጸዉምን፣ ናብቲ ዕላማ ምእንቲ ክንበጽሕ ግን ንጸዉም።” ዝበሉ።

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ንማቴዎስ ወንጌል ኣብ ዝተርጎመሉ መበል 46 ክፋል ብዛዕባ መንፈሳዊነት ናይ ጾም ከምዚ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ

“ርኣዩ በሉ፣ ነዘዉትሮ ኲሉ መንፈሳዊ ተግባራት፣ ሰናይ ነገር ናይ ምግባር ሓይሊ ኣለዎ። መንፈሳዊ ተግባራት ዝብሎ ግና፣ ምጿምኲም፡ ክሻ ምልባስኩም፡ ሓሙኽሽቲ ምንስናስኩም ኣይኰነን። እንታይ ደኣ፣ ንንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ምንዓቅኹም፣ ለዋህነትኩም፣ ንድኻታት ምዝኻርኩም፣ ንጥሙይ ምዕንጋልኩም፣ ሕርቃንኩም ምቁጽጻርኩም፣ ካብ ከንቱ ዉዳሴ ምርሓቅኩም፣ ንቅንኢ ምዉጋድኩም እዩ።

ባዕሉ ጐይታ ክምህር እንከሎ ዉን ዘክርዎ። “ካባይ ተማሃሩ” ኢሉ፣ እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል ክገልጽ እንከሎ “ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት እዩ” /ማቴ 11፡29/ ደኣ በለ እምበር፣ “ኣነ እጸዉም ኣለኹ” ኣይበለን። ዋላዃ ኣርባዓ መዓልቲ ምጿሙ ክነግር እንዳኸኣለ ክነሱ፣ ግን ከምኡ ኣይገብረን፣ ለዋህነቱን ትሑት ዝልቡ ምዃኑ ጥራይ እዩ ነጊሩና። ንደቀ መዛሙርቱ ወንጌል ክሰብኩ ክሰዶም እንከሎ ዉን፣ “ዝቐረቡልኹም ብልዑ።” /ሉቃ 10፡8/ ደኣ በሎም እምበር፣”ጹሙ” ኣይበሎምን። ብዛዕባ ሃብቲ ንብረቱን ግና “ወርቂ ኰነ፡ ብሩር ኰነ ኣስራዚ ቅናውትኹም ኣይትቛጽሩ።” /ማቴ 10፡9/ ብምባል፣ ንብረትን ጥሪትን ፍጹም ንከይሕዙ ኣትሪሩ ተማሕጺንዎም።

እዚ ክብል ከለኹ ግና፣ ንጾም ንምስትንዓቅ ኣይኰነን። ካብ ከምዚስ እግዚአብሔር የድሕነኒ። እዃደኣ ጾም ክትጾሙን ኣጽኒዕኩም ክትሕዝዎን ይግባእ። የግዳስ እቲ ቀንዲ ቀንዲ ዘገድስ ነገራት ክትዝንግዕዎምን ሸለል ክትብልዎምን እንከሉኹም፣ ብጣዕሚ የጉህየኒ እዩ። መጨረሻ ደረጃ ናይ መንፈሳዊ ተግባራት ጥራይ ብምግባርኩም፣ ንድሕነትኩም እዂል`ዶ ይመስለኩም፧? ካብ ኲሉ ዝበልጽ ነገራት ግና፣ ፍቕሪ፡ ይኣኽለኒ ምባል፡ ንድኻታት ምሕጋዝ፡ ምምጽዋት እዩ። እዚ ኲሉ ነገራት፣ ካብ ድንግልና ከይተረፈ ይበልጽ።”

ብካልእ ኣገላልጻ፣ ጾም በይኑ ዋላ ሓንቲ ዝዓብስ የብሉን። ንጾም ከሰንይዎ ዝግባእ መንፈሳዊ ተግባራት ክንሕዝ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ማለት፣ ከምቲ እዚ ቅዱስ ኣቦ ገሊጽዎ ዘሎ፣ ንድኻታት ምዝካርን፣ ምምጽዋትን እዩ።መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዉን ከምዚ እዩ ዝበለ

“ምስ ተወድኣኩም ኣብ ናይ ዘለኣለም ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበሉኹምሲ፡ ብገንዘብ ዓመጻ ንርእስኹም ኣዕሩኽ ግበሩ፡ እብለኩም አሎኹ።” /ሉቃ 16፡9/

Mechanical devices such as vacuum pumps are also used for effective treatment of erectile discover for source order cheap cialis dysfunction.
እዚ ኣበሃህላ ንብዙሓት የደናግር እዩ። መን እዮም እቶም ኣብ ዘለኣለም ኣባይቶም ክቕበሉና ዝኽእሉ? መማህራን ኣቦታት ከምዝገልጽዎ፣ እዞም ብገንዘብና ከነጥርዮም እንኽእል ኣብ ዘለኣለም ኣባይቶም ክቕበሉና ዝኽእሉ ኣዕሩክ፣ ድኻታት እዮም። ኣብቲ ምስላ ኣልኣዛር ናይቲ ድኻ ዘሎ ኣብነት ማለት እዩ፣ እቶም ነቲ ድኻ ዝራህርሁን ዝመጽወቱን ኣብ ሑቅፊ ኣብራሃም ዕረፍቲ ክረኽቡ እንከለዉ፣ እቶም ሃብታማት ግና ዋላዃ እንተጸዉዑ፣ ብገንዘቦም ኣብ ኣባይቶም ዝቕበልዎም ኣዕሩክት ስለዘይነበሮም ቁሊሕ ዝብሎም ሰኣኑ። ክርስቶስ ዉን በዚ ምስላ ጌሩ፣ ሓደ ነገር ነጊሩና። እቲ ሃብታም ሰብኣይ (ነዌ) ብገንዘቡ ማለት ምሕረት፡ ርህራሀ፡ ልግሲ ጌሩ “ዓርኪ” ኣጥርዩ እንተዝኸዉን ኔሩ፣ ካብ ገሃነም ናብ ገነት ዝሰጋገረሉ መገዲ ምረኸበ ኔሩ።

ሓደ ነዚ ተግባር እዚ፣ ብግብሪ እትገልጸልና ኣብ ሓቀኛ ታሪኽ ዝተመስረተ ኣብነት ንዉሰድ፣

ኣብ ዘመን ኣሌክሳንደር ቀዳማይ፣ ኣብ ከባቢ ቫላም ዝበሃል ቦታ ዘጋጠመ እዩ። ሓደ ሰብኣይ ምስ ሓደ ካብቶም ሰበ ስልጣናት ተጎሪፊጡ ኣብ ሓደጋ ወደቐ። በዓልቲ ቤቱ ዉን ከምዚ ምስ ኣጋጠማ፣ ንኣበምኔት ናይ ገዳም ቫላም ዝነበሩ ኣባ ናዛርዮስ መጺኣ፣ ናብ እግዚአብሔር ክጽልይን ከማልድን ተማሕጸነቶም። እቶም ኣቦ ዉን፣ “ብጣዕሚ ጽቡቅ ከምኡ ክነግብር ኢና፣ ፈለማ ግና ነቲ ሓለቃ ዝቐርብዎ ሰባት ኬድና ምእንቲ ክሕግዙና ክንሓቶም” በላ።

ንሳ ግና “ፈትኑ እምበሪ፣ ንሕና ሓቲትናዮም ምስማዕ ኣብዮምና” በለቶም። እቶም ኣቦ ግና ትቕብል ኣቢሎም፣ “ነቶም ክሕተቱ ዝግብኦም ኣይሓተትክን እምበሪ ምስ ሰለጠኪ ኔሩ፣ ሕጂ ግና ኣነ ዝፈልጦም ስለዘለዉ ከይደ ምእንቲ ከስምዖም፣ ቅሩብ  ገንዘብ ሃብኒ” በልዋ። ንሳ ዉን ሓሙሽተ ዲናር ወርቂ ሃበቶም። እቶም ኣቦ ግና “ካልእ ናይ ብሩር ወይ ናይ ናይ ናሕሲ ሳናቲም” እንተለዋ ሓተትዋ፣ ነቲ ዝሃበቶም ተቐቢሎም ዉን ንድኻታት ዓደልዎ። መሬት ምስ መሰየ ዉን ናብታ ሰበይቲ ተመሊሶም፣ “ምስጋና ንእግዚአብሔር ይዂን፣ እቶም ንፈልጦም ሰባት፣ ንጉዳይ ሰብኣይኪ ከም ዝተሓባበሩና ቃል ኣትዮምልና ኣለዉ” ኢሎማ ናብ ገዳሞም ተመልሱ።

ከምቲ ዝተስፈዉዎምን፣ ጉዳዮም ፍታሕ ረኺቡ ብሰላማዊ መገዲ ዓረፈ። ሰብኣይን ሰበይቲ ዉን፣ ነቲ ዝተገብረሎም ነገራት ብምዝኻር ነቶም ኣቦ ኣመስገንዎም፣ ብፍሉይ ዉን ነቶም ናብቲ ሓለቃ ከይዶም ዝለምኑሎም ሰባት ክፈልጡ ደለዩ።  ኣባ ናዛርዮስ ዉን ወሲዶም፣ ነቶም ኣብ ፈቐዶ ቦታታት ፋሕ ኢሎም ዝልምኑ  ድኻታት ሰባት ብምምልካት፣ “እቶም ንጉዳይኩም ዝተሓባበርኹም፣ እዚኣቶም እዮም እዚኣቶም ምስቲ ሰማያዊ ንጉስ ቀረባ ዝዀኑ እዮም በልዎም። ብተግባር ናይቲ ኣቦ ዝተገረሙ ሰብ ሓዳር፣ ንድኻ ምሕጋዝ ክሳዕ ክንደይ መንፈሳዊ በረኸት ከም ዝለዎ ስለዝተሰወጦም፣ ካብታ ሰዓት እቲኣ ጀሚሮም ንድኻታት እንዳሓገዙ ይነብሩ ነበሩ።

እቲ ንጥርዓን ድኻ ኸይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዚዐጹ፡ ንሱውን ይጠርዕ እሞ ምላሽ ኣይረክብን። /ምሳ 21፡13/ እምበኣር ጾም በረኸት ዘዉህብ፣ መንፈሳዊ ሓይልና ዘሐድስ፣ ብጽድቒ ስራሕ ክንዓቢ ዘኽእለና መሳርሒ እዩ። ብኣገባብ ክንጥቀመሉ ይግባእ። ብፍላይ ንድኻታት ብምዝኻር ዉን ክፍጸም ኣለዎ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ ንደቁ “ኣብ ግዜ ጾም ዘይበላዕኩሞ መግቢ ናይ ድኻታት እዩ”፤ ከምዝበሎም፣ እቲ ዘይበላዕናዮ መግቢ ኲሉ ኣኪብና ንድኻታት ንሃቦ። ንኣብነት፣ ቁርሲ ንገድፍ እንድሕሪ ኮይንና፣ ንሒሳብ ናይታ ቁርሲ ገሚትና፣ ብገንዘብ መልክዕ ኣኪብና ንድኻታ ክንህቦም ይከኣል።

“ንክርስቶስ ኣብ ማእከል እቶም ኣብ ኣፍደገ ቤተክርስቲያን ኮፍ ኢሎም ዘለዉ ድኻታት፣ እንድሕሪ ዘይረኺብኩሞ፤ ኣብ ናይ ደሙ ጽዋእ ዉን ኣይትረኽብዎን!”            ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ

ድኻታት ብምዝካር እንጾሞ ጾም፣ ምልኣት ዝህልዎ ግና፣ “ሓዳጋትን ይቕረ በሃልቲን” ምስ እንኸዉን ጥራይ እዩ። “በደልኹም ክሕደገልኩም በደል ካልኦት ሕደጉ” “ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይቕረ ክብለኩም፣ ንስኻትኩም ዉን ይቕረ ተበሃሃሉ”። ይቕረ ምባል ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ፣ መገዲ እዩ። ብዘይ ይቅሬታ ዝግበር፣ መንፈሳዊ ተግባራት፣ ጐይታ ይጽየፎ እዩ።

ሓደ ግዜ፣ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ዘቆጵሮስ ንሂላርዮን ዝስሙ ዓቢን ፍሉጥ ኣቦን ናብ ድራር ዓደሞ፣ ነቲ ኣቦ ዘለዎ ክብረት ንክገልጽ ኢሉ ፍሉይ ኣቐባብላ ኣጋይስ ኣዳለወ። ንብልዒ ዉን፣ ዶርሆ ጠቢሱ ነቲ ኣቦ ኣቕረበሉ። እቲ ኣቦ ነቲ ዝተቐረበ ብልዒ ምስ ረኣየ “ኣይትሓዘለይ እምበር፣ ኣነስ ቆቢዕ ምንኩስና ካብ ዝለብስ፣ ሓንቲ መዓልቲ ዉን ትዂን ዝተሓርደ ነገር (ስጋ) በሊዐ ኣይፈልጥን” በሎ። ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ከኣ፣ “ኣነ ዉን፣ ቆቢዕ ምንኩስና ካብ ዝለብስ፣ ሓንቲ መዓልቲ ዉን ትዂን ንጸላእተይ ይቕረ ከይበልኩ ኣብ ዓራት ተሰቒለ ኣይፈልጥን” በሎ። መልሲ ናይዚ ቅዱስ ዝሰምዑ ኣቶም ኣቦ፣ “ኣይትሓዘለይ ጐይታይ፣ ካብቲ ናተይሲ ናትካ ምግባራት ይዓቢ” በልዎ።

እዚ ንኲልና ዝኸዉን ትምህርቲ እዩ። ጾም ኣገዳሲ ነገር እዩ፣ ንዝጸረፉና ይቕረ ምባል ግና ካብኡ ይዓቢ። ብጾም ኣቢልና ንክነፍቅር ንዳለው፣ ይቕረ ክንብል እንከሎና ግና ፍቕርና ብግብሪ ንገልጽ ኣለና። ቅድሚ ጾም ይቕረ ምብህሃል ይቕድም፣ ጾም ብዝይ ይቅሬታ ዋላ ሓደ ዝዓብሶ የብሉን።

ሓዳጋት ኮይንና፣ ድኻታት እንዳዘከርና ክንጸዉም፣ ኣምላኽ ይሓግዘና፣ በረኸትን ረድኤትን ናይ ቅዱሳን ኣይፈለየና።