ጸሎት ስምዖን ዓምዳዊ
ዓርቢ ሰዓት 3 ናይ ለይቲ ዝጽለ ጸሎት
ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ እቶም ንዓኻ ዝሰቐሉ ናባኻ ምስ መጽኡ፣ “ንመን ትደልዩ ኣለዂም?” ኢልካ ሓተትካዮም፣ ንሳቶም ዉን “ንኢየሱስ ናዝራዊ” ኢሎም መለሱልካ። ንስኻ ድማ፣ “ነዚኣቶም ሕደግዎም ይኺዱ፣ እኔዂ ኣነ ንዓይ ሓዙኒ” ኢልካ ብምዝምራብ፣ ነፍስኻ ምእንቲ ደቂ መዛሙርትኻን፣ ምእንቲ ኲሎም ምእመናንካን፣ ንሞት ኣሕሊፍካ ሃብካ።

ንስኻ በቲ ንጹህ ቃልኻ፣ “ወልድ ሓራ እንተዘዉጽኢዂም፣ ብሓቂ ዉጹኣት ሓራ ኣይዀንኩምን” ኢልካ ከም ዝተዛረብካዮ፣ በዚ ቃልካ ጌርካ ዉን፣ ንዓታቶም ሓራ ኣዉጻእኻ።
ሓጢኣት ዝገብር፣ ባርያ ሓጢኣት እዩ።
ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ናይ ኲሉ ዓለም ህይወት ንስኻ ኢኻ`ሞ፤ ሓራ ኮይነ ብኣኻ ህያው ምእንቲ ክኸዉን፣ ካብ ስሕተትን ሓጢኣትን ንዓይ ሓራን ናጻን ግበረኒ። ኣሜን
ምንጪ መጽሓፍ ግብረ ሕማማት ገጽ 620.