“ዝጠፍአት በጊዕ፣ ሳንቲምን፣ ዉሉድን” ቅ. ኣምብሮስ ዘሚላን

ምሕረቱ ዝበዝሐ ንጉስናን ዳኛን፣ ተስፍኡ ካባና ኣይሓብእን። ከም ሕያዋይ ሓኪም ኲሉ ግዜ ፈዉሱ ይነገና። ዋላኻ ካብኡ ዓሊና ንርሓቅ፣ ፈዉሱ ኣይሓብኣልናን እዩ። ቅዱስ ሉቃስ ሰለስተ ምስላታት ብሓደ ጌሩ ስሪኡ ኮፍ ዘበለልና፣ ብዘይ መደብ ኣይኰነን፣ ነዚ ንከረእድኣና ኢሉ`ዩ። እተን ሰልስተ ምስላታት እዚኣተን እየን፦

ጠፊኣ ዝነብረት በጊዕ፣ ዝተረኽበት

ጠፊኣ ዝነበረት ሓንቲ ድሪም (ሳንቲም)፣ ዝተረኽበት

ጠፊኡ ብሓጢኣት ሞይቱ ዝነበረ ዉሉድ፣ ናብ ህይወት ዝተመልሰ

እዘን ሰለስተ ምስላታት፣ ሰለስቲ ዕጽፊ መድኃኒት ዝሓዘላ እየን። ከምቲ ብሰለስተ ዝተፈትለ ገመድ ዘይብተኽ፣ ከምኡ ድማ፣ ቁስልና መሕወዪ ዝኸዉን ሰለስተ ፈዉሲ ኣለና። እዞም ሰለስተ ኣካላት መን እዮም፧? ጓሳ፣ ሰበይቲን፣ ኣቦን እዮም። ክርስቶስ ጓሳና፣ ቤተክርስቲያን እታ ሰበይቲ (ኣዴና)፣ እግዚአብሔር ድማ ኣቦና`ዶ ኣይኰኑን፧?!

እቲ ሓጢኣትካ ዝጾረ ክርስቶስ፣ ኣብ መንኲቡ ሓንጒርካ (ኣብ ሰብነቱ ጾይሩካ ኣሎ) ኣሎ፣ ቤተክርስቲያን ትደልየካ ኣላ፣ እቲ ኣቦ ድማ ይቕበለኻ። ከም ጓሳ ይመልሰኻ፣ ከም ኣደ ይደልየኻ፣ ከም ኣቦ ድማ ክዳን ይኸድነካ።

ቀዳመይቲ ምሕረት፣ ካልአይቲ ኣማላድነት፣ ሳልሰይቲ ዕርቂ። መድኀኒ ዓለም ንረድኢትካ ይመጽአካ፣ ቤተክርስቲያን ምእንታኻ ተማልደልካ፣ እቲ ፈጣሪ ድማ ናብኡ ይቕበለካ። ኣብ ሰለስቲኡ ዝዓዪ ሓደ መለኮታዊ ሓይሊ እዩ። እቲ ጸጋ ግና ከከም ዘድልይናን ከም ዝግብኣናን ይፈላለይ እዩ።

እታ ዝጠፍአት በጊዕ በቲ ጓሳ ተረኺባ፣ ተመሊሳ። እታ ሓንቲ ድሪም (ሳንቲም) ጠፊኣ ኔራ ተረኺባ። እቲ ዉሉድ ድማ ብሓጢኣት ክዘዉር ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብሙሉእ ልቡ ተነሲሑ፣ ናብ ኣቡኡ ተመሊሱ።

Nitric oxide is a chemical that improves blood flow to facilitate stronger and durable erections. 5grams of L-Arginine daily would help improve erectile function. buy levitra http://amerikabulteni.com/2012/02/11/lin-scores-38-to-lead-knicks-over-lakers-92-85/

እምበኣር ንሕና ንተሓጎስ። ብኣዳም ኣቢሉ ወዲቑ ዝነበረ ብክርስቶስ ልዕል ኢሉ ኣሎ፣ “ወዲ ሰብ ንጥፉእ ኪደልን ኬድሕንን እዩ ዝመጸ” /ሉቃ 19፥10/ ምኽንያቱ፣ ኲሎም ደቂ ሰባት ማለት “ኹላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፣ ከምኡ ድማ ኩላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪኾኑ እዮም” /1ይ ቆሮ 15፥22/

ጓሳና ሃብታም ጓሳ እዩ፣ ንሕና ካብ ሚእቲ ሓንቲ ኢና። ብዘይካና ካልኦት ኣእላፍ መላእክቲ፡ ሊቃነ መላእክት፡ ስልጣናት፡ ሓይላት፡ መናብርት ኣለዉዎ። ነዚኦምን ካልኦትን እዩ ኣብ ጎቦታት ሓዲግዎም ዝወረደ።

እታ ሰበይቲ ዝረኸበታ ሓንቲ ድሪም ሳንቲም ዉን፣ ዋጋ ዘይብላ ናይ ብሩር ሳንቲም ከይመሰለኹም። ምክንያቱ እዛ ሳንቲም እዚኣ፣ ምስሊ ምድራዊ መስፍን ዘለዋ ታራ ናይ ብሩር ሳንቲን ኣይኰነትን። ምስሊ ኣማናዊ ንጉስ ዘለዎ ክቡር እዩ [መልክዕ ኣምላኽ ዘለዎ ሰብ]። ናይ ቤተክርስቲያን ሃብታ ድማ እዚ ምስሊ ንጉስ ዘለዎ ሳንቲም (ማለት ሰብ) እዩ።

እምበኣር ኣባጊዑ ንሕና ኢና`ሞ፣ ናብ “ነዕርፈሉ ማይ” ምእንቲ ክመርሓን፣ ናብኡ ንጸሊ። ኣባጊዑ ንሕና ስለዝዀንና፣ “ናብ ልሙዕ ሸኻ” ከዉዕለና፣ ንዕኡ ንድለዮ።

ጠፊኣ ዝተረኽበት ሳንቲም ንሕና ኢና፣ ስለዚ ክቡር ዋጋ ዘለና ምዃንና ፈሊጥና፣ ነብስና ብቅንኣት ንሓብሕባ።  

ዉሉዱ ንሕና ኢና፣ ስለዚ ናብ ኣቦና ቀልጢፍና ንመለስ።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር!!

ምንጪ፦ Ambrose of Milan (c. 337-397):Commentary on St Luke, ch. 15, Translated by M.F. Toale,