በዓል ፋሲጋ- ቅ. ኣትናቴዎስ ዘእስክንድርያ

የሕዋተየ! ካብ በዓል ናብ በዓል፣ ካብ ጸሎት ናብ ጸሎት፣ ካብ ቅዱስ መዓልቲ ናብ ቅዱስ መዓልቲ ምስግጋርን ምሕላፍን ክንደይ ደስ የብል። እምበኣር ብፋሲጋ ኣቢልና ሓድሽ ምጅማር ንፍልመሉ እዋን በጺሑ ኣሎ። ቅዱስ ፋሲጋ፣ ጐይታና መስዋእቲ ዝዀነሉ ዓቢይ በዓል እዩ። በዚ ዉን፣ ካብቲ ህይወት ዝህብ ብልዒ፣ በሊዕና ክንምገብ ኢና። ከምቲ ካብ ምንጪ ፈልፋሊ ማይ መመሊስና ንረዊን ንሕደስን፣ ከምኡ ዉን ነፍስና ካብቲ ክቡር ደሙ ሰትያ መመሊሳ ክትሕደስን ክትረዊን እያ። ዋላዃ ኲሉ ግዜ ንስተዮ፣ ንሕናና ግን ፈጺምና ኣይዓገብናን፣ ኲሉ ግዜ ዉን ክንዓግብን ክንረዊን ሃረርታ ኣለና። ነቶም ዝጸምእዎ ንሱ ባዕሉ ኣለዎም፣ ናብቲ በዓል መጺኦም ክበልዑን ክዓግቡን ዉን ብሕያዉነቱ ይዕድሞም ኣሎ። መድሓኒና ከምዚ ኢሉ

ዝጸምአ እንተሎ፣ ናባይ ይምጽእ እሞ ይስተ።

ጽምኢ ኲሉ ዘርዊ ንሱ እዩ፣ ነቶም ናብኡ ዝመጽኡ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንኲሎም ከይተረፈ እዩ፣ ዘስቲን ዘርዊን። ዝዀነ ሰብ ንዕኡ (ንጐይታ) ክደልዮ እንከሎ፣ ብቅጽበት ብናጻን ናብ ህላወ መድኀኒ-ዓለም ይበጽሕ። ጸጋ ናይዚ በዓል ኣብ ሓንቲ ኣጋጣሚ ጥራይ ዝተሓጽረ ወይ ዝትገደበ ኣይኰነን። ጩራ በርኸቱን ክብሩን ኣይዓርብን። ኲሉ ግዜ ኣእምሮ ናይቶም ዝደልይዎን ዝብህግዎን፣ ምእንቲ ክሕድሶም ኣብ ቀረባ እዩ።

ሓይሉ፣ ነቶም ዓዒንቲ ልቦንኦም ዝበርሃሎምን ነቶም መዓልቲን ቀትሪን ንቅዱስ ቃል ዘስተንትኑን፣ ይሕድሶም። ልክዕ ከምቲ ቅዱስ መዝሙር ዝብሎ።

However these pills should be taken with water, Kamagra Polo can be chewed on to. http://raindogscine.com/?attachment_id=96 order generic viagra

ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዝኣብሄር ደአ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ።

ልዕሊ ኲሉ ግና፣ ብጾት! እቲ ኣብ ፈለማ ነዚ በዓል ዝሰርዐ እግዚአብሔር፣ በብዓመቱ ነዚ በዓል ከነብዕሎ ኣዘዘና። ኣብ ክንዳና በጃ ኮይኑ ምእንቲ ክመዉት ንወዱ ሃበና፣ ምስኡ ከኣ ነዚ ነገራት ከነብዕልን ክንዝክርን፣ መሊሱ ነዚ በዓል እዚ ሃበና። ዓመት መጽአ ዉን ነብዕሎ ኣለና። እዚ በዓል ናይ ቅድስና በዓል እዩ። ኣብዚ ዓለም`ዚ ዝተፈላለየ ፈተናታት ክገጥመና እንከሎ ድማ፣ ብመርሒነት እዚ በዓል ኣቢልና ንሰግሮ።

ነዚ በዓል ከነብዕል እንከሎና፣ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ናብ ሓንቲ ቦታ ንእከብ`ሞ ሽዑ ብሓባር ንጽሊ፣ ከም ስርዓት ናይዚ በዓል ዉን ኣኰቴት ምስጋና ነብጽሕ፡ ብሕብረት ንጽሊ። እግዚአብሔር በዚ በዓል ኣቢሉ፣ ናብ ሓንቲ መጓሰ ይጥርንፈና፣ ሓንቲ ኣካል ይገብረና፣ ብሓደ መንፈስ ጠሚሩ ዉን ኣብ ሓንቲ ይእክበና። እግዚአብሔር ካብዚ በዓል ብዝርከብ በረከት ጌሩ፣ ናይ ምድሓን ሓጎስ ይህበና። ፍቕሪ እግዚአብሔር ኣዝዩ ድንቂ እዩ፣ ካብ ርሑቅ ዝነብርና ናብ ሓንቲ ቦታ ይእከበና፣ ብኣካል ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ፋሕ ኢልና ዝነብርና ዉን፣ ብሕብረት ናይዛ እምነት እዚኣ ኣብ ሓንቲ ይጥርንፈና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር