ቀዳመይቲ መልእክቲ ፋሲጋ-ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኢንዘናዙ

ሎሚ መዓልቲ ትንሳኤ እዩ። ምጅማሩ ድማ ብዙሕ በረኸት ኣለዎ። እምበኣር ነዚ በዓል ብድሙቅ መገዲ ንሓልዎ፣ ነንሕድሕድና ዉን ንፋቐር። “የሕዋተየ ሓፍተየ” ንበሃሃል። ዋላ ነቶም ዝጸልኡና የሕዋት ንበሎም። ብፍላይ ድማ ነቶም፣ ንዓና ካብ ዘለዎም ፍቕሪ ዝተላዕለ ምእንታና ክብሉ ብዙሕ መከራ ንዝተዓገሱ፣ ከነፍቅሮም ይግባእ። ምእንቲ እዛ ዓባይ ዕለተ ትንሳኤ ኢልና፣ ንዝበደሉና ይቕረ ንበል። ነንሕድሕድና ሕድገት ንግበር። ኣነ ነቲ ዝተቀበልክዎ ክቡር ዝዀነ መከራ፣ ንስኻ ነዚ መከራ ዘብጻሕካ፣ ኩልና ይቕረ ንበል። ናብዚ ኣገልግሎት1 ዶንግየ ብምእታወይ ንክትወቕሰኒ ምክንያት ረኺብካ ትኸዉን፣ ግን መን ይፈልጥ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፣ እዚ ናተይ ምዱንጓይ ካብቲ ናይ ካልኦት ታህዋኽ ይበልጽ ይኸዉን። ሓደ ሓደ ግዜ፣ ከምቲ ሙሴን (ዘጸ 4፡10) ኤርሚያስን (ኤር 1፡6) ዝገብርዎ፣ ናብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ድንጉይ ኢልካ ምእታዉ ጽቡቕ እዩ። ምክንያቱ ደሓር፣ ከምቲ ኣሮንን (ዘጸ 4፡27) ኢሳይያስን (ኢሳ 6፡1) ዝገበርዎ፣ ብቅልጡፍ ናብ ኣገልግሎቱ ክኣቱ ይኽእል። እቲ ኮይኑ እቲ፣ እቲ ቀንዲ ዘገድስ፣ ብቅኑዕ መንፈስ ምፍጻም እዩ። እቶም ክዱንግዩ ዝመረጹ፣ ድኻም ከም ዘለዎም ስለዝተረድኡ እዩ። እቶም ብቅልጡፍ ናብ ኣገልግሎት ዝኣተዉ ድማ፣ ዕቤትን ሓይሊ ናይቲ ዝጸዉዖም ኣምላኽን ስለዝተዉዓሉ እዩ።

ብዓቢ ሚስጢር (ንክህነት) ተቂቢአ ኣለኹ። የግዳስ ነፍሰይ ክምርምርን ከዳልዋን ኢለ ብምሕሳብ፣ ንቅሩብ ግዜ ካብቲ ቅብኣተይ ኣልገስኩ (ካብ ኣገልግሎት ክህነት)። ሕጂ ግና ተመሊሰ ምስ ቅብኣተይ መጺአ ኣለኹ፣ ምሳይ ድማ ነታ ናተይ ድኻምን ፍርሒ እትጣበቐለይ መዓልቲ2 ፣ ሒዘ መጺአ ኣለኹ። እቲ ሎሚ ካብ ሞት ዝተንስአ፣ ብመንፈሱ ክሕድሰኒ፣ ነቲ ሓድሽ ሰብ ዉን ከልብሰኒ እዩ። ነቶም ካብ ኣምላኽ ዝተወልዱ ኣመንቲ፣ ብክርቶስ መምህሮም ክገብረኒን እዩ። ምስኡ ብፍቓደይ መይተ መሊሰ ዉን ምስኡ እንዳተንሳእኩ፣ ናይ ሰናይ ነገር ኣርኣያ ምእንቲ ክኸዉን፣ ሓድሽ ፍጥረት ክገብረኒ እዩ።

ትማሊ፣ ገንሸል ተሓሪዱ፣ ልዳት ማዕጾ ብደም ተቀቢኡ ነበረ። ግብጺ ድማ ምእንቲ ቦክሪ ደቃ በኸየት። ንዓና ግና እቲ ዝቐትልን ዘዕንዉን መልኣክ ሓለፈና። እቲ ኣብ ኣፍደገና ዝነበረ ማሕተም፣ ክቡርን ዘፍርሕን ስለዝነበረ፣ በዚ ክቡር ደም እዚ ኣብ ዉሽጢ ኮይንና ደሓንና። ሎሚ ግና፣ ካብ ግብጺን ካብ ፎርኦንን ሞሊቕና ኢና፣ ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽ በዓል ካብ ምብዓል ዉን ማንም ዝዓግተናን ዝዕንቅፈናን የለን። ናይ ናጽነትና በዓል ማለት ናይዚ ዓቢ በዓል ጽምብል ከነብዕል እንከሎና ግና፣ ብናይ ገርህነትን ሓቅን ብዘይመጸጸ እንጌራ ደኣ እዩ እምበሪ፡ ከምቲ ቀደም፣ ብኣረጊት ማይ ብሑቝ ወይስ ብማይ ብሑቝ እከይን ሕሰምን ብመጺጽ እንጀራ ግብጺ ኣይኰነን።

ትማሊ ኣነ ምስኡ ተሰቐልኩ፣ ሎሚ ግና ምስኡ ከቢረ ኣለኹ። ትማሊ ምስኡ ሞትኩ፣ ሎሚ ከኣ ምስኡ ብህይወት ኣለኹ። ትማሊ ምስኡ ተቀበርኩ፣ ሎሚ ግና ምስኡ ተንሳእኩ።[pullquote]ትማሊ ኣነ ምስኡ ተሰቐልኩ፣ ሎሚ ግና ምስኡ ከቢረ ኣለኹ። ትማሊ ምስኡ ሞትኩ፣ ሎሚ ከኣ ምስኡ ብህይወት ኣለኹ። ትማሊ ምስኡ ተቀበርኩ፣ ሎሚ ግና ምስኡ ተንሳእኩ።[/pullquote] እምበኣር ነቲ ምእንታና ኢሉ መከራ ዝተቐበለን፡ ሞይቱ ዝተንስአን፣ ዝበቅዕ ህያብን መባእን ነቕርበሉ። ህያብ ክብለኹም እንከለኹ ግና፣ ብዛዕባ ወርቂ፡ ብሩር፡ ሓሪ ጥልፊን፡ ብልጭልጭን ክቡር እምኒን ሉልን፣ ካብ ሓመድ ዝርኸብ ማዕድናትን ኣይኰነን። እዚ ምድራዊን ኣብ ምድሪ ዝተርፍ ሃብቲን እዩ፣ እዚ ዂሉ በቶም ክፉኣት ሰባት፡ ባሮት እዛ ዓለም እዚኣ ዝፍቶም፣ መሳርሒ ናይ መስፍን እዛ ዓለም እዚኣ እዩ። እቲ ንሕና ክንዉፍየሉ ዝግባእ ህያብ፣ ገዛእ ርእስና ማለት ሰብነትና እዩ። ስለዚ ንኣምላኽ ዝበቅዕ ህያብ፣ እቲ ኣዝዩ ብሉጽ መስዋእቲ፣ ገዛእ ርእስና ንወፍየሉ። ነቲ ንሕና ዝተፈጠርናሉ ምስሊ ሓሊና፣ መሊስና ነቲ ምስሊን መልክዕን ንኣምላኽ ንሃቦ።  ክርስቶስ ዝሞተሉ ምክንያት ንረዳእ፣ ነዚ ዓቢን ድንቅን ሚስጢር ዉን ንመርምር`ሞ፣ ነቲ ንሕና ዝተፈጠርናሉ ተምሳል ነኽብር።

ክርስቶስ ንዓና ካብ መሰለ፣ ንሕና ድማ ንዕኡ ንምሰል። ንሱ ምእንታና ክብል ሰብ ካብ ኰነ፣ ንሕና ድማ ምእንትኡ ክንብል ናይ ኣምላኽ ንኹን።[pullquote]ክርስቶስ ንዓና ካብ መሰለ፣ ንሕና ድማ ንዕኡ ንምሰል። ንሱ ምእንታና ክብል ሰብ ካብ ኰነ፣ ንሕና ድማ ምእንትኡ ክንብል ናይ ኣምላኽ ንኹን።[/pullquote] ንዓና እቲ ዝሓሸ ምእንቲ ክህበና፣ ንሱ ነቲ ኣዝዩ ሕማቅ ናትና ወሰደ። ንሕና ብድኽነቱ ምእንቲ ክንህብትም፣ ሃብታም ክነሱ ምእንታና ደኸየ (2 ቆሮ 8፡9)። ናጽነትና ናባና ምእንቲ ክመልሰልና፣ ኣብ ክንዳና ባርያ ኮነ። ንሕና ምእንቲ ክንኸብር፣ ንሱ ንታሕቲ ወረደ፤ ንሕና ምእንቲ ክንስዕር ንሱ ተፈተነ፤ ንዓና ምእንቲ ከኽብረና ንሱ ተዋረደ። ንዓና ነቶም ኣብ ዉድቀት ሓጢኣት ደቂስና ዝነበርና ምእንቲ ልዕል ከብለና፣ ንሱ ናብ ላዕሊ ዓረገ፣ ከምዚ ብምግባሩ ዉን ናብቲ ናቱ ክብሪ ንኲልና ሰሓበና። ንዓና መተዓረቂ ምእንቲ ክኸዉን ንገዛእ ርእሱ በጃ ኣሕሊፉ ሃበ፣ ስለዚ ንሕና፣ ኲሉ ንዕኡ ንሃቦ፣ ኲሉ ንዕኡ ንወፍየሉ። ነዚ ሚስጢር ጽቡቕ ጌርና ንመርምሮ። ሓደ ሰብ ልዕሊ ነፍሱ ኣብሊጹ ክቕርቦ ዝኽእል ህያብ የለን። እቲ ዝበለጸ ህያብ ገዛእ ሰብነትና እዩ። እምበኣር ንሱ (ክርስቶስ) ምእንታና ክብል ንዓና ካብ መሰለ፣ ንሕና ድማ ምእንትኡ ክንብል ንዕኡ ክንመስል ይግባእ።Besides, if there is a problem reaching this level even when you are awake, it generic levitra deeprootsmag.org may be a sign of the sexual problem called ED or erectile dysfunction.

ረኣዩ`ሞ፣ ኣዝዩ ስለዝፍቅረኩም፣ እቲ ምእንታኹም ኢሉ ነፍሱ በጃ ኣሕሊፉ ዝሃበ ሕያዋይ ጓሳ፣ ካልእ ጓሳ ሂብኩም ኣሎ3። እዚ ጓሳ4 ድማ ምእንታኹም ይጽሊ፣ ብዛዕባኹም ይሓትት፣ ብዛዕባኹም ይግደስ እዩ። ቅድሚ በይኑ ኔሩ ሕጂ ግና ዕጽፊ ድርብ ኮይኑልኩም ኣሎ ((ንሱ ባዕሉ ንኣቡኡ ክሕግዞ ስለዝጀመረ))። ካብቲ ነነዊሕ ዘመን ዕድሚኡ ድማ ዘጸናንዓኹም መንፈስ ዓዲሉኩም ኣሎ። ነቲ ኣቐዲሙ ዝሰርሓ ቤት ኣምላኽ ማለት መቕደስ መሊሱ ህያዉ ዝዀነ መቕደስ ወሲኹላ ኣሎ ((ኣቦ ጎርጎርዮስ ኣብ ኢንዘናዙ ቤተክርስቲያን ሃኒጹ ኔሩ እዩ። “ህያው ዝዀነ መቕደስ ወሰኸላ” ዝብሎ ዘሎ ድማ፣ ንቅዱስ ጎርጎርዮስ እዩ ንባዕሉ እዩ። ማለት እታ ቤት ብእምኒ ዝተሰርሐት እያ፣ ጎርጎርዮስ ግና ህይወት ዘለዉ ኣማኒ እዩ፣ ስለዚ ዉን እዩ ህያው መቅደስ ዝብል ዘሎ))። ነታ ኣዝያ ጽብቕትን ሰማያዊትን መቅደስ፣ መሊሱ ንእስ ዝበለትን ድኽምትን ወሲኹላ ኣሎ። ክልቲኤን ክሃንጸን ድማ ብዙሕ ጻዕሪ ድኻምን5 ኣሕሊፉ እዩ። ብሓቂ ድኻም ዝግብኦ ስራሕ እዩ። ንሱ (ኣቡኡ) ንዓኹም ኲሉ ዘለዎ ወፊዪልኩም እዩ። ዕድመ ንእስነቱ፣ ስብየት ዝተሰለመ ጾግሩ፣ ዝሃነጻ ቤተክርስቲያን፣ ስብከቱ፣ ክህነቱ፣ ለበዉኡ (ምዕዶ)፣ ሓድጉ (ባዕሉ ንሱ)፣ እቲ ቀጻሊ እትናፍቅዎ ትምህርቱ ኮታስ ኲሉ ዝነበሮ ሂቡኩም እዩ። (ፍቕሪ ኣቦሲ ክንደይ ይጥዕም፣ ብሓቂ መምዘኒ ዘይብሉ ሓልዮት እዩ) እዚ ኲሉ ዉን ንከንቱ ኣይተገብረን። ኣብቲ ናይ ግዳም እዝኒ ጥራይ ክበጽሕ ኣብ ንፋስ ኣይተዘርአን። ብቀለም ዝተጻሕፈን ብግዳም ዝልጠፍን ቀልጢፉ ዝሕከኽን ዘይኮነሲ፣ ብጸጋ ዝተሓትመ፣ ኣብ ጽላት እምኒ ማለት ኣብ ስጋና ብመንፈስ ዝተጻሕፈ እዩ።

ርእሰ ኣበው ዝተባህለ ኣብራሃም፣ ንሱ ብሓቂ ናይ ኲሉ ሰናይ ነገር ማዕከን፡ ናይ ስነምግባር ሚዛን፡ ናይ ክህነት መፈጸምታ እዩ፤ እዚ ኣቦና ክቡር ኣብራሃም፣ ንኣምላኽ ክዉፍየሉ እንከሎ፣ ነቲ ተስፋ ዝዀኖ ሓደ ወዱ ንክስዉኦ ድሕር ኣይበለን። ((ኣቦይ ዉን ከምኡ እዩ ጌሩ፣ ከምቲ ንሱ ዝጓስየኩም ዝነበረ፣ ሕጂ ድማ ኣነ ክጓስየኩም፣ ንዓይ ሂቡኩም ኣሎ)) እምበኣር ንስኹም ዉን ከምኡ ግበሩ፣ ንኣምላኽኩምን ነቲ ዘገልግለኩም ጓሳን ተኣዘዙ። ኣብ ልሙዕ ሻኻ እናዉዓለ፣ ናብ ትዓርፉሉ ማይ እናመርሐ፣ ጓሳኹም ንክጓስየኩም ግበሩ። ንጓሳኹም ክትፈልጥዎን፣ ንሱ ዉን (እቲ ጓሳኹምዉን) ብስምኩም ክፈልጠኩም ይግባእ። ድምጺ ጓሳኹም ምስ ሰማዕኩም ድማ፣ ከም ሰራቒን ጉሒላን ብሓጹር ዘሊልኩም ዘይኰነስ ብኣፍደገ እተዉ። መታን ኣብ ኲሉ ነዋሕቲ ቦታን ዂርባታትን ሩባታትን ፋሕ ከይትብሉ፣ ዘይትፈልጥዎ ድምጺ ክትሰምዑ እንከለኹም ኣይትስዓብዎ  \ህዝ 34፡6\። እንተዘይኰይኑ ግና፣ ካብ ስፍራኹም ከልግሰኩም፣ ብሰላሕታ ከጥፍኣኩም፣ ጐይታ ኣብ ዘይርከቦ ጎዳጉድን በረኻታትን ክድርብየኩም እዩ። ካብቲ ሓቐኛ ኣምነት ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን  ከርሕቀኩም እዩ። ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብመለኮትን ብስልጣንን ሓደ እዩ ኢልካ ምእማን፣ ሓቀኛ እምነት እዩ። ኣባጊዐይ ነዚ ከምዚ ዓይነት ድምጺ ጥራይ እየን ዝሰምዓ፣ ካብ ምስማዕ ዉን ኣየቋርጻ! እንድሕሪ ዘይኮይኑ ግና ብተንኮልን ብመስሓቲ ቃላትን መጺኡ ካብቲ ሓቀኛ ጓሳ ክፈልየኩም እዩ። ኣምላኽ ካብ ዝቐትል መግቢን፡ ካብ ናብ ሞት ዘብጽሕ ሸኻን ንኲልና፣ ንጓሶትን ነባጊዕን፣ ሓልዩ፣ ንሱ ክመርሓናን፣ ተኸቲልናዮ ክንስዕቦን፣ ብጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ክገብረና፣ ሎሚ ኲሉሳዕን ንዘለዓለም ዓለምን፣ ኣሜን።

Nicene and Post-Nicine fathers Series II Vol.7
www.ccel.org

  1. ከም ካህን ኮይኑ ጓሳ ክኸዉን []
  2. ዕለተ ትንሳኤ []
  3. እቲ ኣማናዊ ጓሳ ክርስቶስ፣ነቲ ኣብ ኢንዘናዙ ዝቕመጥ ኣማኒ፣ ዝጓስይ ጳጳስ ከም ዝሃቦም፣ እዚ ዝተዋህቦም ጓሳ ድማ ኣብኡ ንቅዱስ ጎርጎርዮስ ምዃኑ እዩ። ናይ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ኣቦ ባዕሉ ናይ ኢንዘናዙ ጳጳስ ከምዝነበረን፣ ንወዱ ዉን ክህነት ዝሃቦ ንሱ እዩ። ብዘይካዚ ኣብኡ ነቲ ናይ ጉስነት ስራሕ ንወዱ ማለት ንቅ.ጎርጎርዮስ ከረኽቦ እዩ መዲቡ፣ ስለዚ ኣብዛ ዓንቀጽ ብዛዕባ ኣቡኡ እዩ ዝዛረብ ዘሎ []
  4. ኣቡኡ ንቅዱስ ጎርጎርዮስ []
  5. ነታ መቅደስ ክሃንጻ ብዙሕ ጽዒሩ እዩ፣ ንወዱ ብቅድስና ከዐቢ ዉን ብዙሕ ደኺሙ እዩ []