ቄርሎስን ንስጥሮስን (በእንተ ሰባክያን!)

መእተዊ

ዕላማ ሓደ ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ፡ ሰማዕቲ ብሕልኽላኽ ሓረጋትን ክርድእዎ ዘይክእሉ ዓበይቲ ምሥጢራትን ገለጻታትን ጌርካ ምስድማም፣ ሊቅነትካ ምእንቲ ክትፍለጥ፡ ብእተፈላለዩ ልሳናት፡ ደረኻ ሰማዕትኻ ገምጊምካ ኣድናቖት ምእካብ፡ ብኣኡ መጠን ከኣ ሰዓብቲ ምጥራይ፣ ኣቦታት እናነብዑ ዝመሃርዎ፡ ጥራኅ ዝባኖም ዓለም ብርሃን ንዝሃብሉ ወንጌል፡ ዋዛን ቀልድን እናሓዋወስካ፡ ሰማዕቲ ከይስልክዮም ብዝብል ምስምስ፡ ካብ መደብ ምዝንጋዕ ብዘይፈሊ ኣገባብ፡ ንምእመን እናኣስሓቅካ ምዝንጋዕ፣ ወይ ከኣ፡ ዘንበብካዮም መጽሓፍቲ እናዘርዘርካ፡ ‘ፍልጠተይ እዚ’ዩ’፡ ስምዑ ብዘስምዕ ሰሚዖሞ ዘይፈልጡ ሓደስቲ ኣምራት ኣበይ ኣለዉ ኢልካ፡ ፍልጠት እተስንቐሉ  ኣይኰነን። ዕላማ ምምሃርሲ፡ ሓንቲ ኢያ። ድኅነት![i]ነዛ ሓፃር እትመስል ግና ኸኣ ዓሚቝ ትርጕም ዘለዎ ክብል ከኣ’ዩ፡ ክርስቶስ በጃ ኵላትና ኰይኑ ኣብ መስቀል ዝወዓለ።   

ምኽንያተ ጽሑፍ

ቀዳሞት ሓዋርያነ አበው፡ ዕላማ ስብከት ንድኅት ምእመናን ኃሊፉ፡ ንኻልኦት ናብ ርትዕቲ እምነት ምምጻእ፣ ንዝኣመኑ ከኣ ብፍተናታት ዲያብሎስ ከይተናወጹ፡ ኣብ እምነቶም ምጽናዕ ኢዩ ዝነበረ። እንተስ ዕላማ ወንጌል ብዘይምርዳእ ወይ ኣቦታት ዝተመላለስዎ መንገዲ ዘይምስትውዓል፡ እንተስ ኃጢኣትና በዚኁ ግና ዕላም ወንጌል ዝገብረ፣ ኣምላኽ ዝሕጐሰሉ፡ ምእመናን ዝንስሕሉ፡ ብእምነት ዝኅይልሉ፡ ዘይኣመንቲ ከኣ ናብዛ ርትዕቲ እምነት ዝመጽሉ ካብ ዘይንርኢ፡ ዕድመ ሓደ መንእሰይ ክውዳእ ተቓሪቡ እንሀ። ምእመን፡ በዚ ብጭንቀት እተዋሕጥሉ እዋን፡ ጽላል ክትኰኖም ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝመጽሉ፡ ሓንጐፋይ ክንብሎምስ ይትረፍ፡ ተመገብቲ ዘይምርድዳእናን ፍልልያትን ኰይኖም፡ ኣብ ዝኣትውዎ ጠፊእዎም፡ ገሊኦም ተዓኒዶም፡ ገሊኦም ከኣ ስዓበኒ [ii] ዝበለ ጐይታ ክንዲ ምኽታል፡ ቲፎዞ ሰበኽቲ ኰይኖም ተሪፎም ኰይኖም ከም ዘለዉ፡ ናይዚ ዘመንና “ሰብ ቀሎኤል” ዝዀና፡ ኣውታር ዩቲብ ይኅብሩና’ለዉ። ሰበኽቲ ግና “ኅደጉ” ክንዲ ምባል፡ ብሰዓብቶም ሰኺሮም፡ ጠንቂ ምፍልላይ ክኾኑ ክትርኢ፡ ዘኅዝን ነገር የልቦን። ዕላማ እዚ ጽሑፍ እምበር፡ ነቲ ንምምጓስ፡ ነዚ ከኣ ምንቃፍ ኣይኰነን። ዕላማኡስ፡ ኃዘን ዘንቀሎ፡ እንታይ ንግበር ብዝብል ቅዱስ ቅንኢ (Holy Zeal) ዘበገሶ፡ ድርኺት ኢዩ።

ንቕድሚት ንምኻድ፡ ድኅሪት ምርኣይ

ብርሃን ዓለም እተሰምየ፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንሰብ ዕብራውያን ኣብ ዝለኣኾ ጦማሩ፡ “ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝሰብኩልኩም መራሕቲ ዘክርዎም። ከመይ ኢሎም ከም ዝነበሩን ከም ዝሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ስዓቡ”[iii] ክብል ይምዕድ። ቤተ ክርስቲያንና’ውን፡ ነዚ ብምኽታል፡ ነቶም ብእምነቶም እተመስከረሎም ኣቦታት ክንስዕቦም፡ ካብቶም ዝዓለዉ ከኣ ክንሕሎ፡ ስንክሳሮም ብምንባብ፡ ዝምሃርዎ ትምህርቲ ብምጥቃስ፡ ንደቃ ወትሩ ተንቅሕ። ሓደ ካብዞም “ኣሰር ኣሰር” ክንስዕቦም፡ ዓምዲ ቤተ ክርስቲያንና ዝዀኑ ኣቦታት እምበኣር፡ ቅዱስ ቄርሎስ ዘእስክንድርያ ኢዮም። እዚ ኣቦ’ዚ፡ ምእመናን ወትሩ ዝዝክርሉ ዘይርሳዕ ትምህርቱ፡ ኣብ’ቲ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ቤተክርስቲያን ዝዀነ፡ ጉባኤ ኤፈሶን ኢዩ።

 ኣብ ዙርያ ነገረ ክርስቶስ ዝምልከት ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ካብ ዘጋጠሙ ፍሉይን ዓቢይ ቦታ ዝኃዘን፣ ኣብ መንጐ ቅዱስ ቄርሎስን ንስጥሮስን ዘጋጠመ ኢዩ። እዞም ክልተ፣ ፍርያት ናይ ክልተ ቤት-ትምህርትታት ኰይኖም፣ ብሰንኪ ኣብ መንጐኦም ዝነበረ ክትዕን መጐተን ድማ፡ ቤተ ክርስቲያን ዳርጋ ኣብ ክልተ ተመቒላ ኔራ ክበሃል ይከኣል። ኣብ ኤፈሶን (431 ዓ.ም.) ጉባኤ ተጌሩ፣ ነዚ ጉዳይ መዕለቢ እንተ ዘይግበረሉ ኔሩ፣ ሓድነት ናይታ “ሓንቲ፡ ቅድስት፡ ሓዋርያዊትን፡ ኣጽናፋዊትን ቤተክርስቲያን ኣብ ሓደጋ ምወደቐ ኔሩ።

ቅዱስ ቄርሎስ (376-444 ዓ.ም.) ወዲ ሓፍቱ ንቅዱስ ቴዎፍሎስ (መበል 23 ፓርትሪያሪክ ዘእስክንድርያ) ዝነበረ፣ ኣብ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ኣቦታት እስክንድርያ፡ ኣሰር ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘሓዋርያ ዝዓበየን፣ ብመንፈሳዊ ሕይወት ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ባሕታዊ ኣባ ሳራባሞን ዝተኰስኾሰን፣ መጽሓፍተ ብሉያት ወሓዲሳት፡ መጽሓፍተ ሊቃዉንቲ፡ ከምኡ’ዉን ፍልስፍናን ዝተማህረን፣ ክእለት ምምዳር (rhetoric) ዝሰልጠነን ነበረ። ብመንፈሳዊ ሕይወቱ፡ ብናይ ቃል ኣምላኽ ፍልጠቱን፡ ብናይ ጕስነት ብስለቱን ርእዮም ከኣ መንበር 24 ፓትርያሪክ ዘእስክንድርያ ክቕመጥ ገበርዎ።

ብኻልእ መዳይ፡ ንስጥሮስ (386-450 ዓ.ም.) ኣብ ትሕቲ ናይ ኣንጾክያ ቤት ትምህርቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሊቅ ዝነበረ፡ ቴዎድሮስ ዘሞፕሱጣ ዝተማህረን፣ ብገዳማዊ ሕይወቱን ብስብከቱን ዓቢይ ዝና ኣትሪፉ ዝነበረን ኰይኑ፣ ብንጉሥ ቴዎስዶስዮስ ዳግማዊ ፓትርያሪክ ዘኣንጾክያ ክኸዉን ዝተመረጸ ኢዩ።

ጽማቍ ትምህርቶም

ኣታናስዩስ ዝስሙ ካህን፣ “ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ (theo-tokos) ክትበሃል ኣይግብኣን፣ ንሳ ነቲ ሰብ ዝዀነ ክርስቶስ እያ ወሊዳ፣ ስለዚ ወላዲተሰብእ እያ” ኢሉ ይምህር’ሞ፣ ምእመናን እቲ ትምህርቲ ጋሻ ስለዝዀኖም፣ ናብ ሊቀ ጳጳስ ንስጥሮስ ከይዶም ይነግርዎ። ሽዑ ንስጥሮስ፣ ነቲ ስምዕታ ተቐቢሉ ክንዲ ዝእርሞ፣ እቲ ትምህርቲ ቅኑዕ ምዃኑ ብምንጋር፣ ነቲ ምንፍቅና ባዕሉ ከጋዉሖን ክመርሖን ጀመረ። ትምህርቲ ንስጥሮስ ሕፅር ብዝበለ፤

ወላዲተ-ኣምላክ ዝብል ቃል ንማርያም ክንህባ ኣይግባእን፣ ንሳ ወላዲተ-ክርስቶስ እምበር ወላዲተ ኣምላክ ኣይኰነትን። ሰብ ንሰብ ይወልዶ፣ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ ይወልድ። ፍጡር ንፈጣሪ ክወልድ ኣይኽእልን። ኣምላኽዶ ወላዲት ኣላቶ እያ?

ክርስቶስ፣ ኣምላኽን ሰብ ንዝዀነ፣ ክልተ ኣካል ክልተ ገጽ ኢዩ። እቲ ሓደ ሰብ ዝዀነ፡ ክርስቶስ ኢዩ። እቲ ሓደ ድማ መለኮታዊ ዝዀነ ኣምላኽ ኢዩ። ክልቲኦም ፍጹም ዉሕደት የብሎምን፣ ምኽንያቱ መለኮት ምስ ሥጋ፣ ፍጡር ምስ ፈጣሪ፣ ኣምላኽ ምስ ሰብ ብባሕሪ ክራኸቡ ኣይከኣልን።

ፈለማ ምእመናን፣ ደኃር ኤጲስ ቆጶሳት፣ ቀጺሎም ኵሎም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ትምህርቲ ተቓወምዎ፣ ቀስ እናበለ’ዉን ናብ እዝኒ ቅዱስ ቄርሎስ ዘእስክንድርያ በጽሐ። ቅዱስ ቄርሎስ ብወገኑ፣ ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ዕሙቅ ብዝበለ መንገዲን ኣስፊሑን ዘርዚሩን ብምጽሓፍ ናብ ንስጥሮስ ደብዳቤ ክለኣኣኽ ጀመረ። ናይ ቅዱስ ቄርሎስ ትምህርቲ ብኸፊሉ ከምዚ ኢዩ፤

ክርስቶስ ኣምላኽ ዝዀነ ሰብ ኣይኰነን፣ ሰብ ዝዀነ ኣምላኽ ኢዩ። ሰብ ክኸዉን እንከሎ ድማ፣ ኣምላኽ ምዃን ኣቛሪጹ ኣይኰነን ናብ ሰብ ተቐይሩ። ቃል ብመጀመርታ ነበረ፣ ቃል ኣብ ኣምላኽ ነበረ፣ ቃል ኣምላኽ ነበረ. . .ቃል ሥጋ ኰነ። [ኣምላኽ ዝዀነ ሰብ ኣይኰነን ማለቱ፣ ብባሕሪኡ ኣምላኽ ዝነበረ ኰይኑ ሰብ ዝዀነ ኢዩ እምበር፣ ሰብ ኰይኑ ጸኒሑ ናብ ኣምላኽነት ደረጃ ልዕል ዝበለ ኣይኰነን]

እቲ ሊቅ ምሁር በዓል ጥበብ ጳዉሎስ’ዉን ብዕምቆት ከምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፤ “እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩም ይሃሉኹም፣ ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፣ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምመንዛዕ ኣይረኣዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ። ሰብ ዉን መሰለ፣ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኽበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሓተ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ”። (ፊሊ 2፥5-8)

ብባሕሪኡ ኣምላኽ ኢዩ (ባሕሪ ማለት ናይ ሓደ ነገር እንታይነትን መንነትን ኢዩ፣ እዚ ከኣ ኣይልወጥን)፣ ርእሱ ኣሕሲሩ ሰብ ክኸዉን እንከሎ፣ ኣምላኽ ምዃኑ ኣየቋረጸን። ኣምላኽ እንከሎ ሰብ ኰነ፣ ኣምላኽነቱ ከይገደፈ ሰብ ኰነ። ርእሱ ኣሕሲሩ ሰብ ኰይኑ መከራ ክቕበል እንከሎ፣ ንኣካላዊ ቃል (ነቲ ብባሕሪኡ ኣምላኽ ዝዀነ ቃል) ኣምላኽ ካብ ምዃን ኣይዉስኖን፣ ኣየንእሶን፣ ኣይግድቦን።

ኣምላኽ ሰብ ኰይኑ፣ ደሙ ስለዘፍሰሰ፣ ብደሙ ነጺሕና፡ “ደም ክርስቶስ ካብ ኵሉ ኃጢኣትና የንጽሓና” 1ዮሓ 1፡7። ንኃጢኣት ክግዛእ ዝኽእል ተራ ሰብ እንተ ዝኸዉን ኔሩ ደኣ፣ ከመይ ጌሩ ንዓና ከድኅን ይኽእል? ደም ናይቲ ዘንጽሓና “ወሃቢ ሕይወት” እንተ ዘይኮይኑ፣ ከመይ ጌሩ ሕይወት ክህበና ይኽእል? ኣምላኽ ዘይዀነኸ ከመይ ጌሩ ወሃቢ ሕይወት ክኸዉን ይኽእል? ስለዚ ንሱ ኣምላኽ ክነሱ ብፍቃዱ ሰብ ዝዀነ ኢዩ።

ሰብ ክኸዉን እንከሎ ካብ ሰበይቲ ተወሊዱ ኢዩ። እግዚአብሔር ቃል፣ ሰብ ኰይኑ ካብ ተወልደ፣ ንልደቱ’ዉን ክንነፍጎ ኣይንኽእልን። እታ ዝወለደቶ “ወላዲተ ኣምላኽ” ክትበሃል ዉን ይግብኣ ኢዩ። “ድንግል ክትጠንስ ወዲ ክትወልድ ክትወልድ እያ፣ ስሙ’ዉን ኣማኑኤል ክትብሎ እያ” ኢሳ. 7፡14 “ሕፃን ተወልደልና፣ ወዲ ተዉሂብና፣ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኩቡ ኢዩ፣ ስሙ’ዉን ግሩም፡ መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለዓለም፡ መስፍን ሰላም ኪስመ ኢዩ” ኢሳ. 9፡6 እቲ ዝተወልደ ሕፃን፣ ኣምላኽ ካብ ኰነ፣ ዝወለደቶ’ዉን ድንግል ካብ ኰነት፣ ድንግል ማርያም “ወላዲተ-ኣምላክ” እያ።

ኣካላዊ ቃል መለኮታዊ፣ ኣምላኻዊን ዘለዓለማዊን ኢዩ። ሰብ ምስ ኰነ ግና፣ ናይ ሰብ ባሕሪ ገንዘቡ ገበረ። ንሱ ብተዋሕዶ ዝኸበረ፣ ሥግዉ ቃል ሓደ ባሕሪ ሓደ ኣካል ኢዩ

ፍታሕ ብጉባኤ ኤፌሶን

እዞም ክልተ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ኣብ መንጐኦም ብዙኅ ደብዳቤታትን መልእኽታትን ተለዋዊጦም ነበሩ። የግዳስ እቲ ጉዳይ በዚ ክዕፆ ኣይተኻእለን። ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ ኤፈሶን ጉባኤ ክግበር ንጉስ ቴዎዶስዮስ ኣወጀ። 431 ዓ.ም. መስከረም 12፣ 200 ጳጳሳት ተኣኪቦም ጉባኤ ተገብረ። ንስጦሮስ ትምህርቱ ኣቕረበ። ቅዱስ ቄርሎስን’ዉን ንንስጥሮስ ንምርዳእን ንምእራምን ኢሉ ዝሰደዶ ክውሉ ደብዳቤታት ብዝርዝር ብምቕራብ፣ ጽፉፍ ትምህርቲ ኣቕረበ።

ኣብቲ ጉባኤ ቀንዲ ብድሆ ዝዀኖ ሓደ ዓቢይ ነገር ኔሩ። ክልቲኦም ሊቀ-ጳጳሳት ናይ ዓበይቲ መናብር (ናይ እስክንድርያን ናይ ቁስጥንጥንያን) እዮም። ሓሳባቶም ንምርዳእ፡ ክልቲኦም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ተጠቒሞም፣ ትምህርቲ ኣቦታትን ናይ ሊቃዉንቲን ምስክርነት ወሲኾም ኣቕሪቦም ኔሮም። ብተወሳኺ ዝድግፍዎም ጳጳሳት ኣብቲ ጉባኤ ኔሮም። ከመይ ጌሩ ደኣ ናይ ቅዱስ ቄርሎስ ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ ክሕደት ናይ ንስጥሮስ ክዕወት ከኣለ ዝብል ሕቶ፡ ንምልኣት ሓቂ ብዝገልጽ መንገዲ ንትምህርቱ ስለዘቕረበ ኢዩ።

  • ቅዱስ ቄርሎስ ንምልኣት መጽሓፍ ቅዱስ ብዝሕሉ መልክዑ ከቕርብ እንከሎ፣ ንስጥሮስ ንዕኡ ዝጥዕሞ ጥቅሲታት ጥራኅ ኢዩ ቀሪቡ።
  • ቅዱስ ቄርሎስ ካብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ክሳብ 5ይ ዘፍለ ዘመን ዝነበሩ ኣቦታት ከመ መወከሲ ኣቕሪቡ። ካብ ቅዱስ ኣግናጥእዮስ ዘኣንጾክያ (35-140 ዓ.ም.)፣ ቀጺሉ ንቅዱስ ቀለሜንጦስ ዘእስክንድርያ (150-215 ዓ.ም.)፣ ንቅዱስ ደዲሞስ ዓይነ-ስዉር፣ ንቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘሓዋርያ፣ ንቅዱስ ባሲልዮስ ዘቂሳርያ፣ ንቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኢንዘናዙን … ዳርጋ ነቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዓበይቲ ቅዱሳንን ሊቃዉንቲን ኣቦታት ከም መርትዖ ኣቕረቦም። ንስጥሮስ ግና ነቶም ኣብ ኣንጾክያ መማህራኑ ዝነበሩ ጥራኅን ዉሑዳት ኣቦታትን ጠቀሶም።
  • ቅዱስ ቄርሎስ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጸሎታ፣ ቅዳሴኣ እትጥቀመሉን ንቅዱስ ቁርባንን ንሥርዓት ጥምቀትን’ዉን ኣብ ትምህርቱ ተጠቂሙሉ። ንስጥሮስ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሥርዓት ኣይተገደሰሉን።

ብኸምዚ ምኽንያት ከኣ ናይ ቅዱስ ቄርሎስ ኦርቶዶክሳዊ ኮይኑ ናይ ንስጥሮስ ግና ክሕደት ምዃኑ ተጋህደ። ሳላ ተዓጊሱ ንምልኣት ሓቂ ስለዝመስከረ ድማ፣ ቅዱስ ቄርሎስ ዘእክንድርያ፡ዓምዲ እምነት” “ጳጵሳት አዕማድ” “ማኅተም ተዋሕዶተባህለ። ንስጥሮስ ግና፣ ተማዒዱ ካብ ጌጋኡ ክእረም ስለዘይከኣለ፣ ምስ ምንፍቕናኡ ተወገዘ።

እንታይ ንግበር፧

ታሪኽ ናይዞም ክልተ ጳጳሳት፡ ንዅልና ምሳሌ ይኹን። ፍልልይ ትምህርቲ ምስ ኣጋጠመ፣ ቅዱስ ቄርሎስ እኳ ሊቀ ጳጳስ ክነሱ፣ ብቅጥታ ንንስጥሮስ’ዩ ደብዳቤ ጽሒፉሉ። ዝጸሓፈሉ ደብዳቤ’ዉን ኣብ ሃይማኖተ ኣበዉን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽሑፋትን ክንረኽቦ ንኽእል። ፈለማ ዝጸሓፈሉ፣ ነቲ ትምህርቲ ክምርምሮ ከም ዝግባእን፣ ደገፍ ክኸዉን’ዉን ናቱ መረዳእታ ወሲኹ ጽሓፈሉ። መሊሱ ንስጥሮስ ነቲ ደብዳቤ ምስ መለሰሉ’ዉን፣ ናብ ጸርፊን ናብ ምንሻዉን ከይኣተወ ጽፍፍ ዝበለ ትምህርቲ ሂቡ መለሰሉ። ኣብ መወዳእታ ግና፣ ዉግዘት ዘለዎ ደብዳቤ ሰደደሉ። ክሳዕ ኵሎም ጳጳሳት ተኣኪቦም፣ ጉባኤ ተጌሩ፣ ፊት ንፊት መልሲ ክሳዕ ዝወሃብ’ዉን ኣይተሃወኸን። ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመት ከም ዝወሰደ’ዉን ታሪኽ ይነግረና።

“ኃውኻ እንተ በደለካ፡ ኪድ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ፡ ንኃውኻ ረባሕካዮ። እንተ ዘይሰማዓካ ግና፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሠለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ኪጸንዕ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ፡ ንቤተ ክርስቲያን ንገራ። ነታ ቤተ ክርስቲያን እንተ ዘይሰምዓ ግና፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ።” (ማቴ 18 ፡15-18)

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ፌስቡክን ዩትዩብን (facebook & youtube)፣ መማህራን ነንሕድሕዶም ክወቃቀሱን ክጸራረፉን ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ዝገርም መብዛሕትኦም፡ “ኣቦታትና ከም ዝመሃሩናእናበሉ ዝዛረቡ ክነሶም፣ ናይ ኣቦታትና መንፈስ ትሕትና ግና ዘይብሎም ምዃኑ ኢዩ።

top page levitra on line For an instance if you have to buy Tramadol pain medication online.
ቅዱስ ቄርሎስ ዘእስክንድርያ

ቅዱስ ቄርሎስ ዘእስክንድርያ፣ ናይ ምዉጋዝ ስልጣን ዘለዎ ሊቀ ጳጳስ ክነሱ፣ ብምዉጋዝን ምፍላይን ስጉምቲ ኣይኰነን ነቲ መሥርሕ ጀሚርዎ። ቀጥታ ናብቲ ጌጋ ምሂሩ ዝተባህለ ሊቀ ጳጳስ ኢዩ፣ ደብዳቤ ጽሒፊሉ። ክጽሕፈሉ እንከሎ’ዉን ናብ ክቡር መፍቀሬ ኣምላኽ ዝዀንካ፣ ኣማኒን ከማይ ኣገልጋሊ ዝዀንካን ንስጥሮስ ኃወይ፣ ቄርሎስ ብክርስቶስ ሰላም ይብለኻኢሉ ብክብሪ ይጽዉዕዖ ነበረ። ዋላ ንስጥሮስ እዝኒ ኣይሃቦ፣ ንሱ ግና ናይ ምዝንጣል ይኹን ናይ ምንዕዓቅ ነገር ኣየርኣየን። ወይ ከኣ ሕዝቢ ኣኪቡ፣ ንስጥሮስ ከምዚ ይምህር ኣሎ፣ ንዑ ስምዑ ንዑ ፍረዱ ኣይበለን [ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ኔሩ እንተዝኸዉን’ዉን፣ ቅዱስ ቄርሎስ “ላይቭ” ወፂኡ ኣብ ፌስቡክ ናብ ዘላ ቤተ ክርስቲያን መደርኡ ኣይመስምዐን]። ወይ ናብቶም ሕዝቢ ጽሒፉ ከምዚ ግበሩ፣ ከምዚ ተቓወሙ ኣይበለን።

ናይ ዘመንና፡ ‘ኦርቶዶክሳዉያን’ መማህራንከ!!!? “ፍቕሪ ብዙኅ ሓጢኣት ትኸድን እያንኻልኦም ይምህርዎ እምበር፣ ንርእሶም ኣይትግብርዎን። እቲ ሓደ ናይቲ ካልእ ኃጢኣት ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ይቀልዕ። ክንዲ በይኖም ኮይኖም ተገናኒሖም ተኣራሪሞም ፍቕሪ ዝተኽሉ፣ ደገፍቲን ቲፎዞን ከፍርዩ ጥራኅ ይጋልቡ። ክልተ ምስክር ወሲኾም ከይሸማግሉ፣ ጽልኢ ይተኽሉ። ክንዲ ንቤተ ክርስቲያን ዘመልክቱ፣ ባዕሎም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘየለዉ፡ ባዕሎም ሲኖዶስ፣ ባዕሎም ጉባኤ ሊቃዉንቲ፣ ባዕሎም ኣዉገዝቲን ባዕሎም ገስጎስቲ ይዀኑ። ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ወፂኦም ሓሳባቶም መዕገቲ ከም ዘይብሉ ዉሕጅ ፈንዮም ይኃድግዎ። መልሓሶም’ዉን ዘይግዙር ኢዩ። እቲ ሓደ ነቲ ካልእ “ፈሪሳዊይብሎ፣ እቲ ካልእ ድማ ጭዋ ይብሎ። እቲ ሓደ ነቲ ካልእ “ኣባታዊ ማዕረጉ” ኣይሕልወሉ፣ እቲ ካልእ ዉን ብክርስቶስ ኵልና ዉልድ ኣምላኽ ምዃንናን ሓደ “ኣብ ሰማያት ዝነብር ኣቦ” ከመ ዘለና፣ ኣይስወጦን። ክልተ ሓራምዙ ክበኣሱ፣ ሮማዲ ይጉዳእይብሉ ኣቦታትና፣ ንምእመናን ብዘይምሕላይ፣ ዝግበርዎ ዘሎ ኣካይዳ፣ ኣዝዩ የሕዝን።

እምበርዶ ክርስቲያናት እዮም? እምበርከ ኦርቶድክሳዊነት እንታይ ምዃኑ ይፈልጥዎ ድዮም? ንምዃኑ ኣበ ነፍሲ ኣለዎምዶ? ኃጢኣቶም ይናስሕሉዶ ወይስ ከም ተቈርቈርቲ እምነት ብምውሳድ፡ ይንየትሉ? ይቆርቡዶኸ? ዝብል ሓሳብ ይመላለሰኒ።

ምስኪናይ ምእመናን!

ኦርቶዶክሳዊነት ብኸምዚኦም ዝበለ መማህራን ኣይግለጽን ኣይልካዕን። ንርእሶም መማህራን እንተገብርዋ፣ “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዓጽዶ ኢዩ እሞ፡ ኣይትጠበሩ፣ ኣምላኽ ኣይዕሾን ኢዩ (ገላ. 6፡7)

ኦርቶዶክሳዊነት

ኦርቶዶክሳዊነት፣ ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ ብምምሃርን ኦርቶዶክሳዊ ሕይወት ብምንባርን ጥራኅ ኢዩ ዝግለጽ። ብምዝራብ ንሰብ ጥራኅ ኢና ክንጥብር እንኽእል። መለክዒ ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ’ዉን እዚ ዝስዕብ ኢዩ፤

  1. ምልኣት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሃለወ ምስ ዝኸዉን፡ ንብሉይን ሓድሽ ኪዳንን ብምልኣት መልእኽቶም ኃልዩ ትምህርቲ ክወሃብ እንከሎ።
  2. ካብ ሓዋርያት ጀሚሩ ብሰንሰለታዊ መንገዲ ዝተመሓለለፈ ትዉፊት ማለት ቅኑዕ ናብራን ትምህርቲን ታሪኽን ዝሓለወ ምስ ዝኸዉን።
  3. ንሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ዘማእኸለ ምስ ዝኸዉን፤ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ካብ ጐይታ ጀሚሩ ብሓዋርያት ኣቢሉ ዝተመሓላለፈ ትምህርቲ ኣብ ሥርዓታ ኣወሓሒዳ፣ ሕያው ትምህርቲ ጌራ ሰሪዓቶ ኣላ። ንሚሥጢረ ቁርባን ክንርዳእ ኣብ መጽሓፍ ቅዳሴን ጸሎት ኣኰቴት ቁርባን ምርኣይ ይከኣል። ናይ ጥምቀት ትምህርቲ ክንመሃር፣ ቤተ ክርስቲያን ከተጠምቕ እንከላ ትጥቀመሉ ጸሎት ምምልካት ይግባእ። ንምሥጢረ ትንሣኤ ምዉታን ክንርድኦ፡ ካብ መጽሓፈ ግንዘትን ጸሎት በእንተ ጸኣተ ነፍስን ፍትሓትን ምርኣይ የድሊ። ንተክሊል ኣብ ጸሎት ናይ ሥርዓት ተክሊል ክፍጸም እንከሎ ብዝያዳ ብሩህ ኮይኑ ንረኽቦ። ንምሥጢረ ቀንዴል ኣብ ጸሎት በእንተ ቀንዴል፣ ንምሥጢረ ክህነት፣ ክህነት ክወሃብ እንከሎ ዝጽለ ጸሎት በእንተ ዲቁና/ካህን/ኤጲስ ቆጶስ የድሊ። ነቲ ቤተ ክርስቲያን ዝተቐበለቶ ቃል ሓቂ፣ ኣብቲ ዕለታዊ እትፍጽሞ ጸሎታትን ስርዓታትን (ቅዳሴ፡ መስተበቁእ፡ ሊጦን፡ ኪዳን፡ ሰዓታትን ማሕሌትን) ኣወሓሒዳቶ ኣላ። ንዕኡ ንማለት ንሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ብዝጓንይን ብዘየማእኽልን ዝወሃብ ትምህርቲ፣ ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ ኣይኰነን።
  4. ምልኣት ትምህርቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት ምስ ዝሕልው፤ ካብ ኣሰር ሓዋርያት ዝሰዓቡ (ተለዉቲ ሓዋርያት) ኣቦታት ጀሚሩ ክሳዕ ሎሚ ዝነብሩ ቅዱሳን ኣቦታት ብዝገለጽዎን፡ ብዝመሃርዎን ብዝጸሓፍዎን ዝተጠምረ ምስ ዝኸዉን። “ዝወደይ መጽሓፍ ጽቡቕ ጌርካ ኣንብብ፣ ከተንብብ እንከለኻ ግና፣ ቅድሚ ስሞም “ቅዱስ ” ዝብል ቅጽል ዘለዎም መጽሓፍ ኣቦታት ኣንብብ። “ቅዱስ” ዝብል ቅጽል ንስሞም ዘይቅድሞ እንተ ዀይኑ፣ ጥንቕቅ ኢልካ ኣንብቦም”፡ ቃል ምዕዶ ናይ ሓደ ጳጳስ።
  5. ዶግማን ቀኖናን ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ዝኃለወ ምስ ዝኸዉን።
  6. ርቱዓዊነቱ ዝኃለወ ምስ ዝኸዉን።
  7. ልዕሊ ማንም ግና ፍርያት ጸሎት ምስ ዝኸዉን

ነዘን ኣብ ላዕሊ ነገራት ብሕብረትን ብዉህደትን ሓልዩ ዝምህርን፣ ዝገብርን ኦርቶዶክሳዊ መምህር ይበሃል።

ነገረ ኣምላኽ ዝርዳእ ሰብ፣ ጸላዪ ኢዩ። ጸላዪ ሰብ ድማ ነገረ ኣምላኽ ዝተረድአ ኢዩ” ብካልእ ኣበሃህላ “ጸሎተኛ ታኦሎጎስዊ (theologians) ኢዩ፣ ታኦሎጎሳዊ ድማ ጸላዪ ኢዩ” ብካልእ ኣበሃህላ “ነገረ ኣምላኽ ወይ ነገረ መለኮት ዝምርምር ሰብ ናይ ጸሎት ሰብ ኢዩ፣ ናይ ጸሎት ሰብ ድማ ነገረ መለኮት ዝምርምር ኢዩ“። እዚ ማለት፡ “ነገረ መለኮት ክትርዳእ እንድኅሪ ደሊኻ፣ ጸሎት ዘዘዉትር ናይ ጸሎት ሰብ ኩን፣ ጸሎት ዘይተዘዉትር እንድኅሪ ኰይንካ ግና፣ ብዛዕባ ኣምላኽ ኣይትዛረብ፣ ብዛዕባ ነገረ መለኮት ኣይትመርምር” ብካልእ ኣበሃህላ “ነገር ኣምላኽ ብጸሎት ምስኡ ብምዝርራብን ምስኡ ዓሙቅ ፍቅሪ ብምምስራትን ኢዩ ዝብጻሕ፣ እቲ ዝጽሊ ሰብ ንኣምላኽ ብጸሎት ክፈልጦ ይኽእል፣ እቲ ቀጻሊ ዝጽሊ ሰብ’ዉን ንነገረ መለኮት ክምርምር ይኽእል” እምበርከ፣ ኣምላኽ ባዕሉ ንመንነቱን ንእንታይነቱን ክገልጸሉ ኢዩ። አበ ወቅርሲ በዓል ጶንቴዎስ ዝተዛረቦ።

ኣብ ጸሎት ከይተጋህኩም፣ ምስ ኣምላኽ ብጸሎት ርክብ ዘይብልኩም፣ ምስ መንፈስ ቅዱስ ብጸሎት ዘይትጋደሉ መማህራን (ኣብ መድረኽ ወፂእኹም እትምህሩ) ከንስኹም፣ ባይታ ስለ ዝተዋህበኩም ወይ ሰማዕቲ እዝኒ ስለ ዝረኸብኩም፣ ዓሚቝ ነገረ መለኮት እትዛረቡ ሰባት ወይለኹም።

ብዛዕባ ነገረ መለኮት (ቲኦሎጊያ) ወይ ነገረ ኣምላኽ ምዝራብ ንዅሉ ዝተዋህበ ኣይኰነን፣ ንዅሉ’ዉን ኣይንገርን። እዚ ነገር ሕሱርን ብቀሊል ዝርኸብን ኣይኰነን፣ ብምድራዊ ሓሳብ እሱር ኰይንካ’ዉን ዝግለጽ ኣይኰነን። ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ፣ ንዝዀነ ይኹን ሰማዒን ዝንገር ዉን ኣይኰነን. . .

ዝዀነ ሰብ ብዛዕባ ነገረ መለኮት ክዛረብ ኣይግብኦን። ብዛዕባ ነገረ ኣምላኽ ክዛረቡ ዝፍቀዶም ውሑዳት ሰባት ጥራኅ እዮም። ነቶም ቃል ኣምላኽ ለይቲ መዓልቲን ዝምርምርዎን፣ ተፈቲኖም ብቁዓት ኮይኖም ዝተረኽቡን፣ ብነፍሶምን ብሥጋኦምን ንጹሓት ዝዀኑ፣ ብዉሕዱ ኣብ ምሥርሕ ምንጻሕ ነፍሶም ዘለዉ (ኣብ ንስሓ ዘለዉ)፣ ጥራኅ ኢዩ ዝፍቀዶም። ነቶም ዘይንጹሓት ብዛዕባ ነገረ ኣምላኽ ክዛረቡ ኣይግባእን፣ ሓደጋ ከስዕብ ይኽእል ኢዩ። ከምቲ ኣብ ጊዜ ቀትሪ ንጩራ ጸሓይ ምምልካት፣ ንዓይኒ ዝሃሲ፣ ከምኡ’ዉን ነፍሲ ከይነጽሐት ብዛዕባ ኣምላኽ ክትዛረብ ኣይግባእን። ንነፍሲ ክሃስያ ኢዩ . . .

መጠን ዓቅምናን ርድኢትናን ዝዀነ እንተ ተመራምርና ጌጋ ኣይኰነን. . .”ንኣምላኽ ክንዝክሮ የብልናን” ኣይኰንኩን ዝብል ዘሎኹ፣ ብጌጋ ከይትርድኡኒ። ብዛዕባ ኣምላኽ ቀጻሊ ክንሓስብ ይግብኣና፣ ንሥነ ተፈጥሮና ዝፈቐደልና እንተኾይኑ’ውን፣ ልዕሊ ምስትንፋስና ብዛዕባ እግዚአብሔር ክንሓስብ ይግብኣና።. . .

ብዛዕባ ዓለም ወይ ዓለማት፣ ብዛዕባ ነገር፡ ነፍሲ፡ ብዛዕባ ናይ ምሕሳብ ክእለት ዝተዋህቦም ፍጥረታት፡ ብዛዕባ ለባዊነት፡ ሕማቅን ጽቡቕን፡ ብዛዕባ ትንሣኤ፡ ብዛዕባ ፍርዲ፡ ብዛዕባ ዓስቢ ወይ ብዛዕባ መከራ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ’ዚ ኵሉ ተመራመር። ብዛዕባ እዚአን ነገራት ብልክዕ እንተ ተዛረብካ ጽቡቕ ኢዩ፣ ብገለ መልክዑ ጌጋ እንትተዛረብካ’ዉን ሓደጋኡ ብዙኅ ኣይኰነን። ብዛዕባ ነገረ ኣምላኽ [ሓደጋ ከስዕብ ስለ ዝኽእል፡ ኣዚና ክንጥቀቕ ኣለና] ግና ብዙኅ ጥንቃቐ የድልየና ኢዩ። ኣብዚ ምድሪ’ዚ ክንነብር እንከለና፣ ዉሑዱ ኅራኅ ክንዛረብ ይግባኣና፣ ኣብ’ቲ ደሓር ዘሎ ሕይወት ግና (መንግሥቲ ኣምላኽ) ብዝበለጸ ብምልኣት ክንዛረብ ኢና። ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኢንዘናዙ [iv]

ብዙኃት ክምህሩ እናኸኣሉ ትም መሪጾም ዘለዉ፣ ክምህሩ ስለዘይኸኣሉ ኣይኰነን። ኣኅዋተየ፡ ዚገድድ ፍርዲ ኸም እንቕበል ፈሊጥኩም፡ ብዙኃት መምህራን ኣይትኹኑ። ኵላትና ብብዙኅ ነገር ንስሕት ኢና እሞ፡ ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ንሱ ንብዘሎ ሥጋኡ ኺለጕም ዚከአሎ፡ ብቑዕ ሰብኣይ ኢዩ። (ያዕ. 3፡1) ኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል [ ኣብ ፌስቡክ ይዂን ኣብ ላይቭ ወይ ኣብ ዓዉደ ምሕረት ይኹን ኣብ ዩትዩብ] ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህብሉ እዮም (ማቴ 12፡36) ዝብል ቃል ክሰግርዎ ስለዘይከኣሉ ኢዩ።

“ስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ብዝኂ ኽፍኣትን ኣርሕቑ፡ ነቲ ንነፍስኹም ኬድሕና ዚከኣሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎ። ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራኅ ኣይትኹኑ። ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ ኢዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡ’ውን ከመይ ምዃኑ ይርስዖ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብፁዕ ኪኸውን ኢዩ። ሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ ኢዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ ኢዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ ኢዩ።” (ያዕ. 1፡21-26)

ክርስቶስ ንሞት ብሞቱ ስዒሩ፣ ሓርነት ኣጎናጺፉ ብናይ ንስሓ ብርሃን ናብ ህይወት እንዳመርሖም እንከሎ፣ ኣብ ላይቭ ወፂእኹም ብትካሰስዎን ብትጸራረፍዎን፣ ብትዕቢትኩም፡ ብኣነንትኩም፡ ቀይዲ በተኽ ኣካይዳኹምን፡ ንክርስቶስ ዕላማ ብዘይገበረ ትምህርትኹምን፣ ምእመናን ንጉዳእ ኣለና፣ ናብ ሓሜት ደፊእኹም ባርያ ዲያብሎስ ክንኸዉን ኣሕሊፍኩም ትህቡና ኣለኹም። ንዓና ነዞም ምእመናን ኅለዩልና! ኃደራ።

ንሞት ስዒሩ ናይ ትንሣኤ ሰላም ንዝሃበና ንጐይታና ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክብርን ምስጋናን ኣምልኮን ስግደትት ንዕኡ ይኹኖ፡ ኣሜን።

ካብቶም ዝህሰዩ ዘለዉ ምእመናን ሓደ እየ፣ ፍኖተ ኣትናቴዎስ!


[i] Tadros the syrian, Orthodox Teaching p. 35

[ii] ማቴ. 4፡19

[iii] ዕብ. 13፡7

[iv] The Second Theological Oration (Oration 28) On Theology

መወከሲ- ስንክሳር መስከረም ፲፪ ሓምለ ፫ St. Cyril of Alexandria and the Christological controversy, McGuckin, SVS Press