ደብረ ታቦር – ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ

በእንተ አስተርእዮተ ዘእግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ [ደብረ ታቦር]

መእተዊ

እዚ ጽሑፍ እዚ ብክርስቶስ ሓወይ ካብ ዝዀነ በረኸት ዕቝባጽዮን ዝተጻሕፈትን ዝተተርጎመትን እያ። እዚ ሓዉ`ዚ፣ ጽሑፋቱን በረኸቱን ኣብዚ ብሎግ ከኻፍል ፍቓደኛ ብምዃኑ ብስም እግዚአብሔርን ብስም ኣንበብትን ከመስግኖ ይፎቱ። ብሩኽ ንባብ!

በስመ አብ፡ ወወልድ፡ ወመንፈስ ቅዱስ፡ አሐዱ አምላክ ፡ አሜን!

[1] ካብ መሬት ፍስሐ ዝህብ እቶት ይርከብ ፣ ካብ ዓጸደ ወይኒ ንምግቢ ዝከውን ፍረታት ይርከብ ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ድማ ሕይወት ዝህብ ትምህርቲ ይርከብ። መሬት ሓደ ወቕቲ ዓጺድ ኣለዋ፡ ዓጸደ ወይኒ’ውን ሓደ እዋን ቀውዒ ኣሎዋ፡ እተን ቅዱሳት ጽሑፋት ግና ወትሩ ብዝተነበባ መጠን፡ ሕይወት ከውህብ ዝኽእል ትምህርቲ ይጅርብባ። እቲ መሬት ብዝተዓጽደ፡ ቃድራ ይኸውን። እቲ ዓጸደ ወይኒ ፍሬኡ ብዝተኣርየ ዘይፍርያም ይኸውን። ቅዱሳት ጽሑፋት ግና ዕለተ-ዕለት እናተኣርየ ክነሱ እቲ ዘለላ ተስፋኡ ግና ብጥራስ ኣይጽንቀቕን። እሞኸ ድኣ፡ ናብ’ዚ መሬት’ዚ ንቕረብ። በቲ ሕይወት ዝህብ ነግሑ ከኣ ንተሓጐስ። ንዑ፡ ቃላት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ዝበሎም፡ “ንወዲ ሰብ ብኽብሩ ክመጽእ ከሎ ክሳዕ ዝርእይዎ፡ ካብዞም ኣብዚኣ ቖይሞም ዘሎዉ ዘይሞቱ ከም ዘሎዉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” ዝብል ፍረ ወይኒ ሕይወታ ንዕጸድ።


[2] ድኅሪ ሽዱሽተ መዓልታት፡ ንስምዖን ጴጥሮስን ንያዕቆብን ንዮሓንስን ናብቲ ኣዝዩ ዓቢይ ደብሪ ወሰዶም። ከምኡ’ውን፡ ኣብ ቅድሚኦም ተስተራእየ፡ ገጹውን ከም ፀሓይ ኣንጸባረቐ፣ ልብሱ ከም ብርሃን ፃዕደወ። እቶም ክሳዕ ምጽኣቱ ዝርእዮ ሞት ኣይጥዕሙን ኢዮም ዝበሎም ሰባት፡ እቶም ናብ’ቲ ደብሪ ዝወሰዶምን ከመይ ቢሉ ኣብ መጠረስታ “ብክበበ ትስብእቱ ብግርማ መለኮቱ” (ብኽብሪ ብኣምላኽነቱን ብሰብነቱ) ከም ዝመጽእን ዘርኣዮም ኢዮም።


[3] ናብ እምባ ዝመርኆም፡ ወዲ ሰብ መንን ናይ መንን ምዃኑ ንኸርእዮም ኢዩ። ምኽንያቱ፡ “ንወዲ ሰብ ሰባት መን ይብሉዎ” ቢሉ ክሓቶም ከሎ፡ ገሊኦም ኤልያስ፡ ገሊኦም ኤርምያስ ወይ ሓደ ካብ ነቢያት ስለ ዝብሉዎ ኢዮ። ብኸምዚ ምኽንያት ከኣ፡ ናብ እምባ መርኆምን ንሱ ኤልያስ ዘይኰነስ፡ ኣምላከ ኤልያስ፣ ከምኡ’ውን ኤርምያስ ዘይኰነስ ንኤርምያስ ኣብ ማሕፀን ኣደኡ ከሎ ዘንጽሖ ምዃኑ፡ ሓደ ካብ ነቢያት ዘይኰነስ፡ እንታይ ደኣ ጐይታን ለኣኺ ነቢያትን ምዃኑ ኣርኣዮም። ከምኡ’ውን ገባሬ ሰማይን ምድርን፡ ጐይታ ሕያዋንን ሙታንን ምዃኑ ኣርኣዮም። ንሰማያት ኣዚዙ፡ ንኤልያስ ዘውርድ፣ ንምድሪ ምልክት ብምግባር ድማ ንሙሴ ዘተንሥአ ምዃኑን ኣርኣዮም።


[4] ንሱ ወዲ ኣምላኽ እቲ፡ ቅድሚ ዘመናት ካብ ኣብ ዝተወልደ፡ ድኅሪ ዘመናት ከኣ ካብ ድንግል ብዘደንቕን ጥበብ ማለት ድንግልናኣ ብምዕቃብ፡ ንኣምላኽ ኩሉ ይከኣሎ እዩሞ ሥርዓት ሥነ ፍጥረት ብምጥሓስ ዝተሠገወ ንሱ ምዃኑ ንኸርእዮም ናብ እምባ ወሰዶም። ኣምላኽ ኣብ ከርሲ ማርያም ንትሽዓተ ወርኂ ዝኣክል ክኃድር እንከሎ፡ መለኮታዊ ነበልባሉ ኣካላት ድንግል ማርያም ንከየቃጽል ብጥንቃቀ ሓለዎ። ሕማቅ ሽታ ተፈጥሮ ከይፈንፈነ ኣብ ከርሢ ድንግል ኃደረ። እቲ እተሠገወ ኣምላኽ ከኣ፡ ንዓና ንኸድኅን ካብኣ ወፀ።

[5] ግርማ መለኮቱ ንከርእዮም፡ ከምኡውን ንሱ ከም‘ቲ ብነቢያት ኣቢሉ ዝገለጾ መድኅን እስራኤል ምዃኑ ንከፍልጦም፡ ሰብ ብምኻኑ ምእንታና ብፍቃዱ ክሣቐ ከሎ ድማ ብእኡ ምእንቲ ከይሓንኩን ናብ እምባ ወሰዶም። ከም ሰብ ይፈልጥዎ ስለ ዝነበሩ፡ ኣምላኽ ምዃኑ ይፈልጡ‘ውን ስለ ዘይነበሩ [ወሰዶም]። ኣብ ዓለም ምስኦም ብምምላሱ ወዲ ማርያም ምዃኑ ይፈልጡ ነበሩ’ሞ፡ ኣምላክ ወዲ ኣምላኽ (አምላክ ወልደ አምላክ) ምዃኑ ንኽፈልጡ ኣብ’ቲ እምባ ገለጸሎም። ከም ሰብ ክበልዕን ክሰትን፡ ክደክምን ከየዕርፍን፡ ቀም ከብልን ክድቅስን
ይርእይዎ ስለ ዝነበሩ፡ ምእንቲ ኣቦ ወደይ ቢሉ ክጽውዖን፣ ንሱ ሓቀኛ ወዱን ንባዕሉውን ኣምላኽን ምዃኑ ንኸርእዮምን ናብ እምባ ወሰዶም።


[6] ቅድሚ ሥቅያቱ ንግሥነቱ ኣርኣዮም። ከምኡ ከኣ፡ ምእንቲ ብኣይሁድ ምትኃዙን ምስቃሉን ብድኻሙ ዘይኰነስ ብፍቓዱን [ብፍታዉን] ብሠናይ ድሌቱን ንድኅነት ዓለም ዝስቀልን ምዃኑ ምእንቲ ክፈልጡ፣ ቅድሚ ሞቱ ኃይሉ፡ ቅድሚ ውርደቱ ምስጋናኡ፡ ክብረቱ ቅድሚ ሕስረቱ ክርእዩ ናብ እምባ ወሰዶም።


[7] መለኮታዊ ክብሩ ቅድሚ ትንሣኤኡ ኣርኣዮም። በዚ ከኣ ካብ ሞት ብመለኮታዊ ክብሩ ብዝተንሥአ፡ እዚ ክብሪ ብብዙኅ ድኻሙ እተቐበለ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ካብ ጥንቲ ምስ ኣቦ ዝነበሮ ክብሪ ከም ዝኾነ ምእንቲ ክፍለጡ፡ ከምቲ “ኦ ኣቦይ! ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣኽብረኒ፡” ዝበሎ ብድሌቱ ሥቅያት ከም እተቐበለን ንኽፈልጡ ናብ እምባ መርሖም።


[8] ኣብቲ እምባ ብሰብኣውነቱ ተሓቢኡን ተኸዊሉን ዝነበረ ክብሪ መለኮትነቱ ንሓዋርያት ኣርኣዮም። ገጹ ከም መብረቅ በርሀ፡ ክዳኑ ከኣ ከም ብርሃን ፃዕደወ። ክልተ ፀሓይ ረኣዩ። እታ ሓንቲ ከምቲ ንቡር ኣብ ሰማይ፡ እታ ሓደ ከኣ ዘይንቡር። እታ ሓንቲ ኣብ ሰማያት ንዓለም እተብርህ፡ እታ ሓደ ድማ ንዓኦም ጥራኅ ዘብርህ “ገጹ” ረኣዩ። ምብራህ ክዳውንቱ ክብረ መለኮቱ ካብ ምሉእ ኣካሉ ከም ዝውሓዘ፡ ብርሃኑ’ውን ካብ ኵሉ ክፍሊ ኣካላቱ ከኣ ዘብርሀን ዘመልክት እዩ። ሥጋኡ ከም ሙሴ ካብ ግዳም ብዝረኸቦ ክብሪ ዘንጸባረቀ ኣይኮነን። ብርሃኑ ካብ ገዛእ ርእሱ እዩ። ብርሃኑ ኣብ ገዛእ ርእሱ ደኣ ኣብርሀ እምበር ካብኡ ኣይተፈልየን። ካባኡ’ውን ናብ ገለ ቦታ ኣየበለንን ኣይገደፎንን። ምሉእ ክብረ መለኮቱ ዘይኰነስ ኣዒንቶም ክርእይዎ ብዝኽእል መጠን ጥራሕ ገለጸሎም።


[9] ድኅሪኡ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እናተዛረቡ ተራእዩ። እተን ዝተዛረብዎ ቃላት ከኣ እዚኣተን ኢየን፤ ናታቶምን ናይቶም መሰልቶም ነቢያት እተነበይዎ ትንቢት ንሱ ብምምጽኡ ስለ እተፈጸሙ ኣመስገንዎ። ስለ’ቲ ንደቂ ሰባት ቢሉ ዘምጽኦ ድኅነን፡ ስለቲ ንሳቶም ብምሳሌ ዘመልከትዎ ምሥጢራት ብምልኣት ምፍጻሙን ከኣ ምስጋናን ኣምልኾን ኣቕረቡሉ። ናብዚ እምባ ብምድያቡ፡ ኣብ ሞንጐ ነቢያትን ሓዋርያትን ዓቢይ ፍስሓ ኰነ። ነቢያት ነቲ ዘይፈልጥዎ ዝነበሩ ሰብእነቱ ብምርኣዮም ተፈስሑ። ሓዋርያት ከኣ ነቲ ዘይፈለጥዎ ክብሪ መለኮትነቱ ብምርኣዮምን ኣቦ ንወዱ ዝሃቦ ምስክርነት ብምስምዖምን፡ ብኸም‘ዚ ከኣ ነቲ ካብኦም ተሠዊሩ ዝነበረ ሥጋዌኡን ብምፍላጦም ተፈሥሑ።


እቲ ምስክርነት ሠለስተ ከኣ፡ ብድምፂ ኣቦን፡ ብኣብ ጥቓኡ ከም ኣገልገልቱ ደው ቢሎም ዝነበሩ ሙሴን ኤልያስን፡ ንሕድሕዶም ዝጠማመቱ ዝነበሩ ነቢያት ንሓዋርያት፡ ሓዋርያት ንነቢያት ተኸተመ። ኣብኡ፡ እቶም ጸሓፍቲ ብሉይ ኪዳን፡ ነቶም ጸሓፍቲ ሓዲስ ኪዳን ረኣይዎም። ቅዱስ ሙሴ ነቲ እተቐደሰ ስምዖን ረኣየ። ኣሳሳዪ ኣቦ፡ ነቲ ኣካያዲ ወልድ ረኣዮ። እቲ ቐዳማይ፡ ምእንቲ እቶም ሕዝቢ ብማእከል ማዕበል ዘሎዎ ባሕሪ ክኃልፉ፡ ንባሕሪ መቐለ፣ እቲ ዳኅረዋይ ንሕንፀት ቤተ ክርስቲያን ዳስ ሠርሐ። ድንግል ብሉይ ኪዳን፡ ነታ ድንግል ሓዲስ ኪዳን፡ [ኤልያስን ዮሓንስን] ረኣዮ። እቲ ብሰረገላ ሃልሃልታ ሓዊ እተወጥሐን፡ እቲ ኣብ ኣፍ ልቢ ነበልባል ሓዊ ዝተጸግዕን [ተረኣኣዩ]። እታ እምባ፡ ከም ቤተ ክርስቲያን ኰነት። ኣብኡ ከኣ ነተን ክልተ ኪዳናት፡ ነታ ቤተ ክርስቲያን እተቐበለቶን ንዓና ወሃቢ ክልቲአን ከም ዝኾነ ዘፍለጠትናን ኢየሱስ ኣወሓሓደን። እታ ሓንቲ ምስጢራቱ ተቐበለት። እታ ካልአይቲ ከኣ ክብረ ግብሩ ገለጸት።

A ligament known as the suspensory ligament holds buy cheap levitra this in place to the public bone.


[10] ስምዖን፡ “ጐይታይ፡ ንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ ኢዩ” በለ። “ስምዖም” እንታይ ማለትካ ኢኻ? ኣብኡ እንተ ደኣ ተሪፍናስ፡ ቃል ነቢያትከ መን’ዩ ክፍጽሞ? ቃላት እቲ ኣበሣሪኸ መን’ዩ ኽኃትሞ? ምስጢራት እቲ ፍጹምከ መን`ዩ ናብ ፍጻሜ ዘብጽሖም? ኣብኡ እንተ ደኣ ተሪፍናስ፡ “ኣእዳወይን ኣእጋረይን ከኣ ሸንከሩኒ” ዝብሉ ቃላት ደኣ ኣብ መን’ዮም ክፍጸሙ? እቶም “ንኽዳውነቶይ ይማቐልዎ፡ ንቐምሸይ’ውን ዕጫ የውድቑሉ ኣሎዉ” ዝብሉ ቃላት ደኣ ንመን’ዮም ዘመልክቱ? እቲ፡ “ኣብ መብልዐይ ሓሞት ገበሩ፣ ምስ ጸማእኩ’ውን መጺጽ ኣስተዩኒ” ምስ መን’ዩ ክዛመድ? መን’ዩኸ፡ “ካብ ማእከል ምዉታት” ዝብል ዘረጋግጾ? ኣብ’ዚ እንተ ተሪፍናስ፡ ንዕዳ ኣዳምከ መን’ዩ ዝትርትሮ? ንዕዳኡኸ መን’ዩ ብምልኣት ዝኸፍሎ? ካብ ልብሰ ክብሩ ዝመልሶኸ መን’ዩ? ኣብ’ዚ እንተ ደኣ ተሪፍናስ፡ እዚ ዅሉ ዝበልኩኹም ብኸመይ ክኃልፉ ኢዮም? ቤተ ክርስቲያንከ ከመይ ቢላ ክትሥራሕ ኢያ? ከመይ ቢልኩምከ፡ መፍትሕ መንግሥተ ሰማይ ካባይ ክትወስዱ ኢኹም? ንመን ክትኣስሩ፡ ንመንከ ክትፈትሑ ኢኹም? ኣብኡ እንተ ደኣ ተሪፍናስ፡ ኵሉ ብነቢያት እተባህለ ንኸንቱ ክኸውን ኢዩ።


[11] ብድኅሪኡ “ሠለስተ ዳስ፣ ሓደ ንዓኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደ’ውን ንኤልያስ ንሥራሕ” በለ። ስምዖን ቤተ ክርስቲያን ክሠርሕ ናብ ዓለም ተላእከ። ንኢየሱስ ብሰብኣዊ ባሕርይኡ ይርእዮ ስለ ዝነበረ ከኣ፡ ከም ሙሴን ኤልያስን ቈጺሩ ዳስ ኣብ እምባ ይሠርሕ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ንሱ ዳስ ከም ዘይደልን፡ ንኣቦታቱ ኣብ በረኻታት ንኣርብዓ ዓመት ብደመና ዳስ ዝሠርሐ ምዃኑ ኣርኣዮ። “እናተዛረበ ከሎ ከኣ፡ ብሩህ ደመና ኣንጸላለዎም።” “ስምዖን፡ ሙቘት ዝከላኸል፡ ጸልማትውን ዘይብሉ፡ ድሙቕን ዘንጸባርቕን ብዘይድኻም እተሠርሐ ዳስ ትርኢዶ ኣሎኻ ኢኻ?” በሎ።


[12] ሓዋርያት እናተደነቑ ከሎዉ፡ ካብ ደመና “ዘፍቅሮ፡ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ወደይ እዚ ኢዩ። ንዕኡ ስምዕዎ” ዝብል ድምፂ ኣቦ ተሰምዐ። ድኅሪ ድምፂ ኣቦ፡ ሙሴ ናብ ቦታኡ፡ ኤልያስ ከኣ ናብ ሃገሩ ተመልሱ። ሓዋርያት ከኣ፡ ናብ ምድሪ ብግንባሮም ተደፍኡ። ኢየሱስ ንበይኑ ደው በለ። ምኽንያቱ፡ እቲ ድምፂ ንብሕቱ’ዩ እተፈጸመሉ። ነቢያት ገደፍዎ፣ ሓዋርያት ከኣ ናብ ምድሪ ተደፍኡ። ነቢያት ኃዲጎምዎ [ከዱ]፡ ሓዋርያት ከኣ ናብ ምድሪ ወደቑ። ምኽንያቱ፡ ድምፂ ኣቦ ከም ዝምስክሮ፡ “ዘፍቅሮ፡ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ወደይ እዚ ኢዩ። ንዕኡ ስምዕዎ” ዝብል ድምፂ፡ ኣብኦም ኣይተፈጸመን። ኣቦ፡ ብጽሒት ሙሴ ከም እተፈጸመን ንወልድ ክሰምዕዎ ከም ዘሎዎምን፡ “ሙሴ ከም ኣገልጋሊ፡ ከም እተኣዘዞ ተዛረበ። ከም እተነግሮ ከኣ ተነበየ፡ ከምኡ’ውን ኵሎም ነቢያት እቲ ዝምልከቶ፡ ክሳዕ እቲ ንሱ ዝውንኖ፡” ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ወዱ እምበር ዘይኣገልጋሊኡ፡ ጐይታ እምበር ዘይባርያ፡ ሓለቓ እምበር ዘይግዙእ፡ ወሃቢ ሕጊ እምበር፡ ብሕጊ ዘይተገዛኢ ክሳዕ ዝመጽእ መሃሮም። በቲ መለኮታዊ ባሕሪኡ፣ ‘ዘፍቅሮ፡ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ወደይ እዚ ኢዩ’” ቢሉ፡ ኣብ’ቲ እምባ ካብ ሓዋርያት ተሠዊሩ ዝነበረ ኣቦ ከም ዝፈልጡ ገበሮም። እቲ ዝግለጸ፡ ንሱ እቲ ዘሎ’ዩ፡ ንሱ። ኣቦ፡ ንወልድ ኣፍለጦ።


[13] በቲ ድምፂ እቲ፡ እቶም ሓዋርያት ኣዝዩ ዘፍርህ መብረቕ ብምንባሩ፡ ምድሪ ምእንቲ ድምፁ ተንቀጥቀጠትን ብግንባሮም ተደፍኡን ወደቑን። ኣቦ ናብኡ ከም ዝሰሓቦምን ወልድ ከኣ፡ ብድምፁ ጸዊዑ ከም ዘተንሥኦምን ኣርኣየ። ድምፂ ኣቦ ናብ ምድሪ ከም ዝደፍኦም፡ ድምፂ ወልድ ከኣ፡ በቲ ኣብ ሥጋኡ ዝኃደረን ክልቲኦም ብዘይ ምልዋጥ ዝተዋሓሓዱ ግና ኸኣ ብዘይምክፍፋልን ኣብ ሓደ ባሕርን ኣካልን ዝተገልጹ፡ ብኃይሊ መለኮቱ ኣተንሥኦም። ከም ሙሴ፡ ብዘይናቱ ኣየንጸባረቐን፣ እንተ ኾነ ግና ከም ኣምላኽ ብኽብሪ ኣንጸባረቐ። ሙሴ ብግርማ ትርኢት ገጹ ከም እተቐብአ፡ ኢየሱስ ግና ምሉእ ኣካሉ፡ ከም ፀሓይ ምስ ጩራታታ፡ ብኽብሪ መለኮትነቱ ኣንጸባረቐ።


[14] ኣቦ’ውን፡ “ዘፍቅሮ ብእኡ እተሓጐስኩ ወደይ እዚ ኢዩ፡ ንዕኡ ስምዕዎ” ብምባል ጨደረ። ወልድ ካብ ክብሪ ኣምላኽ ኣይተፈልየን፡ ንኣቦ፡ ንወልድን ምስ መንፈስ ቅዱስን ሓደ ባሕርይ፡ ሓደ ሥልጣንን ሓደ ህልውናን ንግሥናን ኢዮም። ከምኡ’ውን፡ ንሓደ ብተራ ስም ብዘፍርህ ጨደረን ከበረን። ማርያም ከኣ፡ ካብ መለኮትነቱ ብሰብኣዊ ኣካላውነቱ ከይፈለየት “ወልድ” ቢላ ጸውዓቶ። ምኽንያቱ፡ እቲ ብኣካሉ ንዓለም እተገልጸ ሓደ ኣምላኽ ንሱ ኢዩ። እቲ ካብ ኣቦ ዝኾነ መለኮታዊ ባሕርይ፡ ንኽብሩ ከሠቶ። እቲ ካብ ማርያም ዝኾነ ሥጋዊ ባሕርይኡ ከኣ ንባሕርይ ሰብነቱ ከሠቶ። ክልተ ባሕርይታት ብኅብረት ብምምጻእ፡ ኣብ ሓደ ኣካል ተወሓሓዱ። ካብ ኣቦ ጥራኅ እተወልደ፡ ካብ ማርያም ጥራኅ’ውን እተወልደን ዝኾነ ይኹን ዝፈልዮ፡ ካብ መንግሥቱ ክፍለ ኢዩ። ዝኾነ ይኹን ንባሕርይኡ ዝደባልቖ ከኣ፡ ሕይወቱ ክኸስራ ኢዩ። እቲ ማርያም ኣምላኽ ከም ዝወለደት ዝኽሕድሲ፡ ክብሪ መለኮቱ ኣይርአ። ከምኡ’ውን እቲ ኃጢኣት ዘይብሉ ሰብነት ከም ዝወለደት ዝኽሕድሲ ካብ ድኅነትን ነታ ብነብሱ እተዋህበቶ ሕይወትን ይባረር።


[15] እቶም ሓቅታት፡ መሰኻኽር ኢዮም። ከምኡ‘ውን ኃይሊ መለኮታዊ ዕዮታቱ ከኣ ነቶም ንሱ ሓቀኛ ኣምላኽ ምዃኑ ዝጠራጠሩ ይምህሩ። ብተወሳኺ፡ እቶም ሥቅያታቱ ሓቀኛ ሰብ ምዃኑ ይምህሩ። እቶም ብርድኢት ድኹማት ዝኾኑ፡ ብምልኣት እንተ ዘይኣረጋጊጾም፡ ኣብ መዓልቲ ጭንቀቱ መቕጻዕቶም ክቕበሉ ኢዮም። ሥጋዊ እንተ ዘይነብርሲ፡ ንማርያም ምፍላጥ ብጥራስ ንምንታይ ኣድለየ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ ገብርኤል ንመን’ዩ ጐይታይ ዝበሎ? ሥጋዊ እንተ ዘይነብርከ፡ መን’ዩ ኣብ መብልዕ ማል ዝደቀሰ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ እቶም መላእኽቲ ዝወረዱን ዘኽበሩን ንመን ደኣ ነበረ? ሥጋዊ እንተ ዘይነብር፡ እቲ ኣብ ኣጭርቕቲ ዝተጠቕለለስ፡ መን’ዩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነበርከ፡ እቶም ጓሶት ዘምለኽዎስ ንመን ደኣ’ዮም?


ሥጋ እንተ ዘይነብር፡ ዮሴፍ ደኣ ንመን’ዩ ገዚሩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ እቶም ኣብ ሰማይ ዝሕንበቡ ዝነበሩ ከዋኽብቲ ንመን ኢዮም? ሥጋ እንተ ዘይነብር፡ ማርያም ንመን ደኣ’ያ ኣጥዊባ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ ሰብአ ሰገል ንመን’ዮም ህያብ ዘቕረብሉ? ሥጋ እንተ ዘይነበር፡ ስምዖን ኣብ ኢዱ ዝሓቆፎስ ንመን ኢዩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ “ንባርያኻ ብሰላም ተፋነዎ” ዝበለስ ንመን ደኣ’ዩ? ሥጋ እንተ ዘይነብር፡ ዮሴፍ ንመን ደኣ’ዩ ናብ ግብጺ ኂዝዎ ዝተሰደደ? ኣምላኽ እንተ ዘይንበርከ፡ “ካብ ግብጺ ንወደይ ጸዋዕኩ” ዝብሉ ቃላት ደኣ ንመን ነበሩ?
ሥጋ እንተ ዘይነብር፡ ዮሓንስ ዘይጥመቖ ደኣ መን’ዩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ ካብ ኣቦ ሰማያት፡ “ብእኡ ዝተሓጐስኩ ፍትዊ ወደይ እዚ ኢዩ” ዝብሎስ ንመን ኢዩ? ሥጋ እንተ ዘይነብርከ፡ ኣብ በረኻ ዝጾመን ዝጠመየን ደኣ መን’ዩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ መላእኽቲ ደኣ ንመን’ዮም መጺኦም ዘገልገልዎ? ሥጋ እንተ ዘይነብርከ፡ ኣብ መርዓ ቃና ገሊና እተዓደመ ደኣ መን’ዩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ ማይ ናብ ወይኒ ዝለወጦ ደኣ መን’ዩ? ሥጋ እንተ ዘይነብርከ፡ እተን እንጌራ ደኣ ኣብ ናይ መን ኣእዳው ነበራ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ ነቶም ኣብ በረኻ ዝነበሩ፡ ቆልዑትን ሰበይትን ከይተቖጽሩ ብኃሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሣን ኣሽሓት ዘጽገበስ መን ደኣ እዩ? ሥጋ እንተ ዘይነበር፡ ኣብ ጃልባ ዝደቀሰ ደኣ መን’ዩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ ንንፋስን ንባሕርን ዝገንሐ ደኣ መን’ዩ?
ሥጋ እንተ ዘይነብር፡ ምስ ስምዖን ፈሪሳዊ ዝበልዐ ደኣ መን’ዩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ ነታ ኃጥእ ሰበይቲ ኣበሳኣ ዝኃደገላ ደኣ መን’ዩ? ሥጋ እንተ ዘይንበር፡ ኣብ ጥቓ ዒላ ኮፍ ዝበለን ደኣ መን’ዩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ሕይወዝ ዝህብ ማይ ዝሃባን፡ ኃሙሽተ ሰብኡት ከም ዝነበሩዋ ዝወቐሰን ደኣ መን’ዩ? ሥጋ እንተ ዘይነብር፡ ልብሲ ሰብ ዝለበሰ ደኣ መን’ዩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ ትእምርትን ተኣምራትን ዝገበረ መን ደኣ ኢዩ?
ሥጋ እንተ ዘይነብር፡ ኣብ ምድሪ ጡፍ ቢሉ፡ ጭቃ ዝገበረ ደኣ መን’ዩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ በቲ ጭቃ ነተን ኣዒንቲ ክርእያ ዘገደደ ደኣ መን`ዩ? ሥጋ እንተ ዘይነብር፡ መን ደኣ’ዩ ኣብ መቓብር ኣልኣዛር ዘልቀሰ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ ነቲ ካብ ዝመውት ራብዕቲ ዝገበረ ክወፅእ ዝኣዘዘስ መን ደኣ’ዩ? ሥጋ እንተ ዘይነብር፡ ኣብ ልዕሊ ጻዕብ እተወጥሐ ደኣ መን’ዩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ ደገ ብምውፃእ ዘመስግንዎ ደኣ መን’ዩ? ሥጋ እንተ ዘይነብር፡ ኣይሁድ ዝኣሰርዎ ደኣ መን’ዩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ ብገጾም ተደፊኦም ንኽወድቁ ንምድሪ ዝኣዘዘ ደኣ መን’ዩ?
ሥጋ እንተ ዘይነብር፡ ብጕስጢ ዝተሃስየ ደኣ መን’ዩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ ነታ ብጴጥሮስ ዝተቖርጸት እዝኒ ናብ ዝነበረቶ መሊሱ ዝፈወሳ ደኣ መን’ዩ? ሥጋ እንተ ዘይነብር፡ ኣብ ገጹ ጡፍ ዝበሉሉ ደኣ መን’ዩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ ኣብ ገጻት ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ኡፍ ዝበለሎም ደኣ መን’ዩ? ሥጋ እንተ ዘይነብር፡ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ጲላጦስ ደው ዝበለ ደኣ መን`ዩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ ብሰይቲ ጲላጦስ ብሕልሚ ከም እትፈርሕ ዝገበረስ መን ደኣ’ዩ?
ሥጋ እንተ ዘይነብር፡ እቶም ወተሃደራት ክዳኑ ዝገፈፍዎን ዝተማቐሉውን ደኣ ናይ መን’ዩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ ፀሓይ ከመይ ቢላ ኣብ እዋን መስቀል ከመይ ቢላ ጸልመተት? ሥጋ እንተ ዘይነብር፡ ኣብ መስቀል እተሰቕለ ደኣ መን’ዩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ ንምድሪ ካብ መሠረታ ዘንቀጥቀጣ መን’ዩ? ሥጋ እንተ ዘይነብር፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብመስማር እተሸንከሩ ደኣ መን’ዩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ መጋረጃ ቤት መቕደስ ከመይ ቢሉ ተቐደደ፡ ኣኻውሕ ተጨዱን መቓብራት ተኸፍቱን? ሥጋ እንተ ዘይነብር፡ መን’ዩ “ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ገደፍካኒ” ዝበለ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ “ኣቦ፡ ይቕረ በለሎም” ዝብለስ መን’ዩ?
ሥጋ እንተ ዘይነብር፡ ምስ ሸፋቱ ኣብ መስቀል እተሰቕለ መን`ዩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ ነቲ ሽፍታ “ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ኣሎኻ” ከመይ ቢሉ ክብል ይኽእል? ሥጋ እንተ ዘይነብር፡ መጺጽን ሓሞትን ዝሃብዎ ንመን ኢዮም? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ ድምፁ ሰሚዓ ሲዖል ዘንቀጠጠትስ ብናይ መን`ዩ? ሥጋ እንተ ዘይነብር፡ ጐድኒ መን’ዩ ጭማራ ዝወግአ፡ ደምን ማይን ዝወፀ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ ማዕፆ ሲዖል ዘፍረሰ፡ መቑሑ ዝበተኸን መን ኢዩ? ብናይ መን ትእዛዝ ኢዩኸ፡ እቶም እተኣስሩ ምዉታን ወፁ? ሥጋ እንተ ዘይነብርከ፡ ኣብ ላዕለዋይ ክፍሊ ሓዋርያት ዝረኣይዎ መን ኢዩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ ከመይ ቢሉ ብዕፁው ማዕፆ ኣተወ? ሥጋ እንተ ዘይነብር፡ ኣእዳው ቶማስ ምልክት ዝተሸንከረን ጐድኒ ውጉእን ዝዳህሰሳ ናይ መን ኢዩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ “ጐይታን ኣምላኸይን” ቢሉ ዝጨደረሉ ንመን’ዩ? ሥጋ እንተ ዘይነብርከ፡ ኣብ ባሕሪ ጥብርያዶስ ዝበልዐ መን ኢዩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብርከ፡ ትእዛዝ መን’ዩ መርበብ ዝመልአ? ሥጋ እንተ ዘይነብር፡ ሓዋርያትን መላእኽትን ንሰማይ ክወስድዎ ዝተራእየ መን’ዩ? ኣምላኽ እንተ ዘይነብር፡ ሰማያት እተኸፍታሉ፡ ሥልጣናት ብፍርሂ ዘምልኽዎን፣ ከምቲ ዳዊት፡ “ጐይታ ንጐይታይ፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ በሎ… ወዘተ. ” ከም ዝበለ፡ ኣቦ ኣብ “የማነይ ተቐመጥ” ቢሉ ዝዓደሞ ንመን ኢዩ? ኣምላኽን ሰብን እንተ ዘይነብር፡ ድኅነትናን ቃላት ነቢያትን ሓሶት‘ዮም።


[16] እንተ ኾነ ግና፡ ነቢያት ሓቂ ተዛረቡ፣ ምስክርነቶም ከኣ ሓሶት ኣይነበረን። መንፈስ ቅዱስ፡ ከም’ቲ ዝተኣዘዝዎ ብእኦም ጌሩ ተዛረበ? ስለዚ ከኣ’ዩ፡ ዮሓንስ እቲ ንጹሕ፡ ኣብ ኣፍ ልቢ ሃልሃልታ ዝተጸግዐ፡ ቃላት ነቢያት ዝደገፈ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ኣብ ወንጌላት ተዘርበ፡ “ ቃል ብቕድሙ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ ንሱ ብቕድሙ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ዅሉ ተፈጥረ፡ ካብቲ ዝተፈጥረ ዘበለ ድማ ብዘይካ ብእኡ ሓንቲ እኳ ዝተፈጥረ የልቦን። እቲ ቓል ሥጋ ኰነ፡ [ጸጋን ሓቅን መሊእዎ] ምሳና ከኣ ነበረ” ቢሉ ከኣ መሃረና። እቲ ቓል ኣምላኽ ካብ ኣምላኽ፡ እቲ ንብሕቱ ካብ ኣቦ፡ ምስ ኣቦ ማዕረ ዝኾነ፡ እቲ ሓደ ካብ ሓደ ቅድመ-ዘለዓለማዊ ቃል፡ ብመስተንክር ልደት፡ ብዘይ ኣደ፡ ቅድሚ ዘለዓለም እተወልደ። ልክዕ ንሱ`ውን፡ ብዘይ ኣቦ፡ ኣብ መጠሰርታ እዋን ካብ ጓል ሓደ ሰብኣይ፡ ካብ ድንግል ማርያም፡ እተሠገወ ኣምላኽ ብምዃን፡ ካብ ሥጋኣ ብምውሳድ፡ እቲ ንሱ ዘይኰነ [ሥጋ ምልባሱ]፡ ኣምላኽነቱ ከይገደፈ፡ ንዓለም ምእንቲ ከድኅን ሰብ‘ውን ብምዃን ዝተወልደ። ንሱ ወዲ ኣምላኽ፡ ንበይኑ ካብ ኣቦ እተወልደ፡ ንበይኑ’ውን ካብ ኣደ ዝተወልደ [ዝተሠገወ] ክርስቶስ’ዩ።


[17] ፍጹም ኣምልኽን ፍጹም ሰብን፡ ብኽልተ ባሕርይ ኣካላዊ ሓድነት ዝተገልጸ ወይ ብኣካል፡ ብዘይምምቅቓል፡ ብዘይምትሕውዋስ፡ ብዘይምቅይር፡ ናብቲ ርትዓዊን ኣስተውዓሊን ነፍሲ ሥጋ ብምልባስ ሕያው ዝኾነ፡ ብዘይካ ብኃጢኣት ከማና ዝኾነ እኣምን። ንሱ፡ ምድራውን ሰማያውን፡ ጊዜኣዊን ዘለዓለማውን፡ መጀርመታ ዘሎዎን ዘይብሉን፡ ግዜ ዘይስዕሮን ዝስዕሮን፡ ዝተፈጥረን ዘይተፈጥረን፡ ዝስምዖን ዘይስምዖን፡ ኣምላኽን ሰብን፡ ፍጹም ብኽልቲኡ፡ ሓደ ኣብ ክልተ፡ ኣብ ክልተ ሓደ’ዩ። ሓደ ኣካል ኣቦ፡ ሓደ ኣካል ውሉድ፡ ሓደ ኣካል መንፈስ ቅዱስ። ኣብ ሠለስተ ዓርስታት ወይ ኣካላት፡ ሓደ ኣምላኽ፡ ሓደ ሥልጣን፡ ሓደ ንግሥነት። ስለ’ዚ፡ ንቅዱስ ሓድነት ኣብ ሥላሴን፣ ንቅድስት ሥላሴ ኣብ ሓድነትን ንውድስ። በኸምኡ ከኣ፡ ኣቦ “ብእኡ ዝተሓጐስኩ ፍትዊ ወደይ እዚ ኢዩ” ቢሉ ጨደረ።


[18] እዚ ኵሉ ከኣ፡ እታ ኣጽናፋዊት ቤተ ክርስቲያን ኣምላኽ ዝኾነት ተቐበለት። ብቅድስት ሥላሴ ከኣ፡ ንዘለዓለማውነት ተጥምቕ። በዚ ከኣ ሥላሴ፡ ብማዕረ ክብሪ ይቕደሱ፡ ብዘይ ምፍልላይ፡ ብዘይ ምምቕቓል ይእመኑ፡ ብዘይ ጐደሎ፡ ይእመኑ፡ ይኽበሩን ይምለኹን። ኣብ‘ዚ ሓድነት እዚ፡ ነቶም ሠለስተ ኣካላት፡ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሎምን ኵሉ ሳዕን፡ ካብ ዘለዓለም ንዘለዓለም ምስጋና፡ ኣኰቴት፡ ክብሪ፡ ኃይሊ፡ ሥልጣን ይዅን! ኣሜን!


ስብሐት ፡ ለእግዚአብሔር፡ ለዘበቅዱሳኒሁ ፡ ይሴባሕ ፡ ይእዜኒ ፡ ወዘልፈኒ ፡ ለዓለመ ፡ ዓለም ፡ አሜን፡፡ ወአሜን ፡ ለይኩን ፡ ለይኩን፡፡

ትርጕም፡- ብክርስቶስ ሓውኹም በረኸት ዕቝባጽዮን