ክጸዉም ብቚዕ ድየ፧?

ኣብ ገጠራት ግብጺ ዝዝዉተር ኣዝዩ ኣገዳሲ ቅዱስ ትዉፊት ከካፍለኩም።

ኲልና መርሚርና ክንበጽሖ ንኽእል ሓደ ሓቂ ኣሎ። ኲለን ኦርቶዶክሳዉያን ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት፣ ብሠረት እምነት ማለት ብዶግማ ሙሉእ ምስምማዕ ክህልወን እንከሎ፣ ኣብ ትዉፊት ግና ብገለ መልክዑ ይፈላለያ እየን። ንቕድስና ዝመርኅ ክሳዕ ዝዀነ ድማ፡ እታ ሓንቲ ካብ‘ታ ሓንቲ ብቕዱስ ቅንኡ ተደሪኻ ናታ ክትቀስም ዘዅርዕ ደኣ እምበር፡ ዘሕንኽስ ኣይኰነን።

“ንሓውካ ብልብኻ ኣይትጽልኣዮ፡ ንብጻይካስ፡ ብዛዕባኡ ሓጢኣት ከይትጸውር፡ ኣጸቢቕካ ግንሓዮ። ንደቂ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን ኣይትቀየምን፡ ንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።” ሌዋውያን 19፥17

ንሎሚ እምበር፡ ኣብ ገጠራት ግብፂ ጥራኅ ተሓፂሩ ዝተረፈ፡ ቅዱስ ትውፊት ብእምነት ኃውትና ዝዀነት ሰይቲ ቀሲስ (πρεσβυτέρα-Presbytera) ፌቨን ነቕርበልኩም። ንሳ፡ ብዘይካ ሰይቲ ካህን ክትገብሮ ዝግበኣ መንፈሳዊ ኣገልግሎት፣ ብተወሳኺ ንፍዕቲ ኣንባቢትን ጸሓፊትን‘ውን ኢያ። ሰይቲ ቀሲስ ኃውትና ፈቨን ካብ ገጠራት ግብፂ እተዓዘበቶ እሞ ይጠቅም ኢዩ ቢላ ዝሓሰበቶ፡ ዘካፈለትና ናባኹም ነብሎ። ጸሓፊት ፌቨን ብዛዕባ መንፈሳዊ ሓጐስ ዝጸሓፈቶ መጽሓፍ ክትገዝኡ ንእትደልዩ ኣብዚ Putting joy into Practice ተወከሱ። ሠናይ ንባብ፤

ኣብ ገጠራት ዓድና፡ ጾም ቅድሚ ምእታዉ ኣብ ዘሎ ሰንበት፡ ምእመናን ኣብ ቅድሚ ካህን ይቐርቡ እሞ፡ ነቲ ካህን ክጸሙ ይበቕዑ እንተ ደኣ ኰይኖም ይሓቱዎ። እቲ ካህን ድማ፡ ኣብታ ዓዲ መን ምስ መን ከም እተባእሰ ከም ንፉዕ ጓሳ ስለ ዝፈልጥ፡ ነቶም ምስ ሰብ ተፋቒሮም ዝነበሩ “ትበቅዕ ኢኻ“ ክብሎም ከሎ፡ ነቶም እተባእሱ ግና፡ “ኣይትበቅዕን ኢኻ“ ይብሎም። ወሲኹ፡ ቅድም ምስ ኃውኻ/ኃውትኻ ተዓረቅ እሞ፡ ድኅሪኡ ትጸውም ክብል መንፈሳዊ ትእዛዝን ምኽርን ይህቦም። ንሶም ድማ፡ ከም መንፈሳዊ ኣቦኦም መጠን ዝተባህሎም ጌሮም፡ ጾም ይጅምሩ።

Having a website helps the business reach a wider market, or potential devensec.com purchase cialis customer base, in today’s world, a website is essential to succeed in most industries.

 ጾም ቅድሚ ምጅማሩ፡ ወይ‘ውን ኣብ ከይዲ ጾም፡ ምስ ኣምላኽ ደኣ ኣይበኣስ እምበር፡ ምስ ሰብሲ ባዕሉ ይፈልጥ ብዝብል ዘይቅዱስ ሓሳብ፡ ብዙኃት ሰባት ንብሕቶም ምስ ኣምላኽ ክዕረቁ ይሓስቡ። እንተ ኾነ ግና፡ ንስሓ ነቲ ዝበደልናዮ ኣምላኽ ጥራኅ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዝበደልናዮ ሰብ ወይ‘ውን ተሳታፊ ኃጢኣትና ዝኾነ`ውን ኣማእካሊት ኢያ። ስለዚ ድማ፡ ምስ ክልቲኦም ኢና ክንዕረቅ ዝግበኣና። ዋላ‘ኳ እዚ ወሪዱና ዘሎ ሕማም (covid 19)፡  ምስ ኣቦታትና ካህናት ከራኸበና እንተ ዘይከኣለ፡ ውሽጥና ምስ መን እተባእሰን፡ ምስ መንከ ቂምታ ከም ዝኃዘን ስለ እንፈልጦስ፡ ቅድሚ ጾም ምቕጻልና፡ ንነብስና “ክጸውም ብቑዕ ድየ“ ቢልና ክንሓትት ይግብኣና።

“እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፡ ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ እንተ ሐሰብካ፡ ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ ቅድም ምስቲ ሓውካ
ተዐረቕ፡ ዳሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ። ምስ መባእስትኻ ድማ ገና ኣብ መገዲ ኸሎኻ፡ ቀልጢፍካ ምስኡ ተዐረቕ። እንተ ዘይኰነስ እቲ መባእስትኻ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፡ ፈራዲውን ንጊልያኡ። ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ትኣቱ።” ማቴዎስ 5፥23

ኣቲ ነፍሰይ፡ ምስ እከለን እከሊትን ተቐየምክስ፡ ክትጾሚ ብቕዕቲ ዲኺ?

ብክርስቶስ ሓዉዂም መኀረነ እግዚእ!