ጾም – ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ

ጾም መድኃኒት እዩ። መድኃኒት፣ ብኣገባብ ንዝተጠቕመሉ ሰባት፣ ብዙሕ ረብሓ ይህብ። በንጻሩ ኣብ ኢድ እቶም ኣጠቃቅሙኡ ዘይፈልጡን፡ ተሞክሮ ዝጎድሎም ሰባትን ግን፣ መድኃኒት ጥቕሚ ዘይብሉ ነገር ይኸዉን። ሓደ ንመድኃኒት ዝወስድ ሰብ ኣጠቃቕማ ናይቲ መድኃኒት ጽቡቕ ጌሩ ክፈልጥ ኣለዎ። ሰዓት ክንደይ ነቲ መድኃኒት ክወስዶ ኣለዎ፧? ክንዲ ምንታይ ዓቐን፧? ኣካላቱ እንታይ ዓይነት ምልክታት ምስዘርእይ እዩ ነቲ መድኃኒት ክወስዶ፧ ኣብ ከመይ ዝበለ ወቕቲን ኩነታት ኣየርን ክወስዶ ይኽእል፧ ወዘተ ዝኣመሰሉ ነጥቢታት ብግቡእ ክርድኦ ኣለዎ። ነዘን ነጥቢታት ጎስዩ ብሸለልተኝነት ምስ ዝሓልፈን ግን፣ እቲ መድሃኒት ካብ ዝህቦ ረብሓ፣ ዘስዕቦ ሃስያ ክዛይድ ይኽእል።

እምበኣር ንስጋዊ ኣካላትና ክንፍዉስ ክንድዚ ዝኣኽል ጥንቃቐ ዘድሊ ካብ ኾነ፣ ንነፍሲ ካብቲ ዘለዎ ሕማቕ ልምዲታትን ሓሳባትን ምእንቲ ክንፍዉሳ፣ ንኹሉ ሸነኻቱ ምምርማርን፣ ንነፍሲ ወከፍ ብዕምቈትን ምስትዉዓልን ምግንጻል የድሊ።

ጾም ክበሃል እንከሎ ንኲሉ መዳያት ህይወትኻ ምቕያር እዩ፣ ኣብ ጾም እተቕርቦ መስዋእቲ፣ ብልዒ ምግዳፍ ዘይኰነሲ፣ ካብ ሓጢኣት ምርሓቅ እዩ። ጾም ክበሃል እንከሎ፣ ብዛዕባ መግቢ ጥራይ ዝመስሎ ሰብ ኣሎ። እዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ ግና ንጾም ዘይተረድአን፣ ኣብ ልዕሊ ጾም ዉን ዘላግጽን ዘሽካዕልልን እዩ።

ትጽዉሙ ዲኻ፧

ጾምካ ብግብሪ ኣርእየኒ (ኣርእይኒ)

ኣየናይ ግብሪ፧?


ድኻ እንድሕሪ ርኢኻ ራህርሃሉ፣ ጸላኢኻ እንድሕሪ ረኺብካዮ ተዓረቆ፣ ብኲሉ ህይወቱ ዝተኻወነሉ ዝሓለፈሉን ዝሰለጦን ብጻይኻ እንድሕሪ ርኢኻ ብእኡ ኣይትቅናእ፣ ኣብ መንገዲ ጽብቕቲ ጓል እንድሕሪ ርኢኻ፣ ሱቕ ኢልካ ሕለፋ። ብካልእ ኣዘራርባ፣ ኣብ ጾምካ ኣፍካ ጥራይ ኣይኰነን ክጸዉም ዝግብኦ። እንታይ ደኣ፧? ዓይኒ ትጹም፡ ኢድን እግሪን ይጹማ፡ ኲሉ ኣካላት ሰብነት ይጹም።

ኢድ ትጹም፣ ብስሰዐ ዘይናታ ከብ ምድላይን፣ ካብ ስርቂን ትጹም። እግሪ ዉን ትጹም፣ ሕማቕ ነገር ናብ ምርኣይ ካብ ዝመርሕ መንገዲ ኣይትኺድ። ዓይኒ ዉን ንናይ ካልኦት ሰባት መልክዕን፣ ቁንጅና ገጻት ካብ ምርኣይ፣ ትጹም።

ስጋ ምብላዕ`ዶ ሓዲግካ ኣለኻ? እምበኣር፣ ኣቶኪርካ ብዝሙታዊ መንገዲ ብምጥማት ብዓይንኻ ጌርካ ስጋ ሰብ ካብ ምብላዕ ዉን ኣቋርጽ። እዝኒኻ ዉን ትጹም። ብዛዕባ ካልኦት ሕማቕ ዘረባ ካብ ምስማዕን፣ ካብ ሓሜትን፣ እከይ ዘረባ ካብ ምቕባልን፣ እዝኒኻ ትጹም። ኣፍኻ ዉን ጸጋ ዘይብሉን፣ ጸርፊታትን ሕማቕ ዘረባ ካብ ምዉጻእን ትጹም።

ዓሳን ዶርሆን ካብ ምብላዕ ጾይምኻ ከተብቕዕ፣ ስጋ ሓዉኻ ትበልዕን ትሕይኽን እንድሕሪ ኮይንካ ደኣ፣ እንታይ ረብሓ ኣለዎ? እቲ ዝጸርፍን፣ ዝፈርድን፣ ከምቲ ስጋ ሓዉ ዝበልዐን፣ ስጋ ደቂ ሰባትዉን ዝዘልዘልን እዩ። “ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን ተባላዕኩምን ግና፡ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ።” ብምባል ቅ. ጳዉሎስ ዘጠንቀቐና ዉን ነዚ ከመልክት ደልዩ እዩ /ገላ 5፥15/።

ስንኻ ምናልባት ኣብ ስጋ ብጻይኻ ወይ ጎረቤትኻ ኣይሸኸልካን ትኸዉን፤ ኮይኑ ግና ሕማቕ ዘረባ ብምዝራብካ፣ ንስጋኡ ዘይኰነስ ንነፍሱ ነኺስካዮን ኣቁሲልካዮን ኣለኻ። ከምዚ ብምግባርኻ ድማ፣ ኣብ ልዕሌኻ፣ ኣብ ልዕሊ ብጻይኻን ኣብ ካልኦትን፣ ክግመት ዘይኽእል ሃስያ ኣዉሪድካ ኣለኻ።

ፍቑራተይ፣ ብሰንኪ ዘለኹም ጥዕናዊ ጸገም ምናልባት ሙሉእ መዓልቲ ክትጾሙ (ከተራፍዱ) ዘይትኽእሉ እንድሕሪ ኮይንዂም ኣይትጨነቑ። ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ ዉን ኣይክወቕሰኩምን እዩ።

እቲ ንሕና እንኣምኖ እነምልኾን ጐይታ ትሑትን መፍቀሪ ሰብን እዩ። ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነ ነገር ዘይሓትት ርህሩህ እዩ። ካብ መግቢ ክንኽልከል፣ ወይ ዉን ብጥሙይ ከብድና ክንዉዕል፣ ወይ ዉን ስለ ጾም ጥራይ ኢልና ክንጸዉም፣ ኣይኰነን ንሱ ዝደልይ። ንሱ ካባና መንፈሳዊነት እዩ ዝደሊ። ገዛእ ርእስና ካብ ዓለማዊ ፍትወት ኣርሒቕና፣ ህይወትና ናብ መንፈሳዊ ነገራት ክንዉፍይ ይደሊ።

ብንቅሓትን፣ ገዛእ ርእስና ብምምግታእን፣ ንኲሉ ድሌታትናን ሓሳባትና ናብ መንፈሳዊ ነገራት ከነድህብን ይደሊ። ንዕለት ተድልየና መግቢ ጥራይ ተመጊብና፣ እቲ ዝተረፈ ሙሉእ ህይወትና ንሰናይ ግብሪ እንተንዉፍይ፤ ጾም ባዕሉ እኳ ኣየመድለየናን ኔሩ። ምኽንያቱ ኲሉ`ቲ ካብ ጾም ክርኽባ ዝኽእል መንፈሳዊ በረኸት በዚ መገዲ ምረኽብናዮ ኔርና።

ኮይኑ ግና፣ ንሕና ደቂ ሰባት ዘይግዱሳትን፣ ላንጋ ላንጋን ኢና። ንፍትወትን ምቾትን ቀልጢፍና እንግዛእ፣ ድኹማት ኢና። ስለዚ ዉን`ዩ፣ መፍቀሬ ሰብ ዝዀነ እግዚአብሔር ኣምላኽና ፍቃርን ሓላይን ኣቦ ስለዝዀነ፣ ፈዉሲ ምእንቲ ክዀነና ንጾም ኣዘዘልና። ብጾም ኣቢልና፣ ንፍትወትናን ስጋዊ ድሌትናን ብምግታእ፣ ዓለማዊ ሓሳብና ስዒርና ናብ መንፈሳዊ ግብሪ ከነሰጋግሮ ንኽእል። ስለዚ፣ ካብዞም ኣብዚ ተኣኸብኩም ዘሎኹም ሰባት፣ ብሰንኪ`ቲ ዘለኹም ጥዕና ጸገም፣ ብዘይ መግቢ ክትጸንሑ ዘይትኽእሉ እንድሕሪ ኮይንዂም፣ ነዚ ጥዕና ጸገምኩም ፈዉስዎ። ጾም ዉን ይጽንሓልኩም። ኮይኑ ግና ከብ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣይትርሓቁ፣ እዃ ደኣ ብዝያዳ ኣብኡ ተገደሱ።

Functioning through the cialis 40 mg pop over here touching confront in keeping healthy familiarity in the atmosphere of heart concern may get complex.

ጾም ጥራይ ኣይኰነን ናብ ኣምላኽ ዘቕርበና። ካብ ብልዒ ምኽልካል ዝበለጹ፣ ካልእ ብዙሕ ናብ እግዚአብሔር ብትብዓት ከብጽሑና ዝክእሉ መንገዲታት ኣለዉ። ስለዚ እቲ ብሰንኪ ጥዕና ጸገም ተገዲዱ ዝበልዕ ሰብ፣ ማለት ዘይጸዉም ሰብ፤ ብዝያዳ ይጸልዪ። ብዙሕ ምጽዋት ብምሃብ ንድኻታት ይርዳእ። መለኮታዊ ቃል (ቃል መጽሓፍ ቅዱስ) ክሰምዕ ዉን ብዙሕ ሃረር ይበል። ከምዚ ብምግባሩ ድማ፣ እቲ ጥዕና ጸገም መዐንቀፊ ወይ ዉን ዓንቃጺ ነገር ኣይክዀኖን እዩ። ገዛእ ርእሱ ምስ ጸላእቱ ይዕረቃ፣ ካብ ምምራርን ምጉርምራምን ዉን ነፍሱን የርሕቅ። ብሓቂ ከምዚ እንድሕሪ ጌሩ፣ እዚ ሰብ`ዚ ሓቀኛ ጾም ጾይሙ ኣሎ ማለት እዩ።

ጐይታና ዉን፣ ካባና ዝደልዮ ነዚ እዩ። ካብ ብልዒ ክንክልከል ዝኣዘዘና ዉን፣ ብጾም ኣቢልና፣ ንናይ ስጋ ዕንደራን ፍትወትን መዕገቲ ብምግባር፣ ሰብነትና ንትእዛዝ ኣምላኽ ከም እትግዛእ ንምግባር እዩ። ጥዕና ጸገም ዘስዓቦ፣ ክንጸዉን ኣይከኣልናን ንኸዉን። ኮይኑ ግና፤ ገዛእ ርእስና ብምድላዉ፣ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝገልጽናዮ ነገራት ክንገብር ዘይንግደስ እንድሕሪ ኮይንና፣ ሚዛኑ ኣብ ዘይሓለወ መገዲ ኣለና ማለት`ዩ።

ምክንያቱ፣ ብጾም ኣቢልና ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝገልጽናዮ ነገራት (ማለት ገዛእ ርእስኻ ናይ ምግታእ ባህሪ) ከነጥሪ እንድሕሪ ዘይክኢልና፣ ንሕና ከምቶም ብዘይተገዳስነቶም፣ ናይ ጾም መድኃኒትነት (ጾም ክህቦ ዝኽእል ፈዉሲ) ክጥቀሙሉ ዘይከኣሉ ሰባት ኮይንና ኣለና ማለት`ዩ።

እዚ ነገር ካባና ካብ ሰማዕኩሞ፣ እምበኣር ኣንቱም ክትጾሙ እትኽእሉ ኩሉኹም፣ ምስጋና ዘብዝሕ ድሌታትን ሰናይ ብህሪያትን ከተጥርዩን፣ ብትኽሩነት ክትቃለሱን፣ እላበወኩም።

እቲ ብሰንኪ ጥዕና ጸገም ክጸዉም ዘይኽእል፣ ነዚ መንፈሳዊ መግቢ ምእንቲ ከይሓድግ ኣተባብዕዎ። ነቲ ኣብዚ ንብሎ ዘለና ድማ ናብ ከምዚ ዝበለ ሰብ ኣሰጋግርዎ። “እቲ ብመጠኑ ዝበልዕ ዘይኰነሲ፤ እቲ ዘይግዱስን ዝሕቱልን ዝዀነ ጥራይ እዩ፣ ነዚ ቃል ክሰምዕ ዘይበቅዕ” በልዎ።

ብትብዓትን ብግህዶን ድማ ከምዚ ኢልኩም ንገርዎም፤ “እቲ ዝበልዕ ንክብሪ ኣምላኽ ይበልዕ፣ እዚ ዘየበልዕ ድማ ንክብሪ ኣምላኽ ኣይበልዕን፣ በዚ ዉን ንኣምላኽ የስምሮ እዩ”። ” እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” /1 ቆሮ 10፥31/

እቲ ዝጸዉም ንኣምላኽ የኽብሮ እዩ፣ ምክንያቱ ንዂሉ ድኻማት ጾም ይጻወር ስለዘሎ። እቲ ዝበልዕ ዉን ንኣምላኽ የኽብሮ እዩ፣ ምኽንያቱ እዚ ነገር ንድሕነት ነፍሲ ስለዘይሃሲ። ንድሕነት ነፍሲ ከዋርዳ ዝኽእል ባዕሉ ምስዝፈቕድ ጥራይ እዩ። መፍቀሬ ሰብ ዝዀነ እግዚአብሔር ኣምላኽና፣ እንድሕሪ ደሊና፡ ኣብቲ ናቱ ሓይሉ ክንሳተፈሉ ዘኽእለና ብዙሕ መንፈሳዊ መንገዲታት ነጊሩና ኣሎ። ኣብዚ ክንዝርዝሮም ኣይከኣልን።

ነቶም ኣብ ጾም ዘየለዉ፣ ምእንቲ ሕፍረት ከይስምዖም ብምባል፣ እኹል ተዛሪብና ኣለና። ምኽንያቱ እቶም ዘይጾሙ ሰባት ነዉሪ ዝገበሩ ኮይኑ ክስምዖም የብሎምን፣ ነዉሪ ዘምጽእ ሕማቕ ግብሪ ደኣ እምበር፣ ብልዒ ኣይኰነን።

ሓጢኣት እዩ እቲ ዝዓበየ ነዉሪ። ሓጢኣት እንድሕሪ ጌርና ሕፍረት ጥራይ ዘይኰነ ክስመዓና ዘለዎ፣ እኳ ደኣ ቁስሎም ዝሽፍኑ፣ ንሕና ዉን ክንሽፈን ይግባእ። ዋላ ከምኡ ኮይንና ዉን፣ /ማለት ዋላ ብዙሕ ሓጢኣት ይሃለወና/ ክንሃድም የብልናን፣ እንታይ ደኣ ተቐላጢፍና ናብ ንስሓን ምስጋናን ክንምለስ ይግባእ። ጐይታ፣ ነቲ ብሸለልተኝነት ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ቀልጢፍና ክንናዘዝን፣ ዳግማይ ኣብቲ ሓጢኣት ከይንወድቕን፣ ብኡ ንብኡ ከነቋርጾን፣ እዩ ዝደሊ።

ብመጠን ንበልዕ እንድሕሪ ኮይንና፣ በዚ ክንሓንክ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ፈጣሪና፣ ብብልዒ እትድገፍ ኣካላት እዩ ዝሃበና። ብዘይብልዒ ድማ ስጋ ደዉ ክትብል ኣይትኽእልን። ሓንቲ ክንገብራ ዝግብኣና፣ ብዙሕ ካብ ምብላዕ ንቆጠብ፣ እዚ ንስጋዊ ምቾትን ጥዕናን መርኣያ ስለዝዀነ።

እምበኣር ነቲ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፣ ብኣቦን መንፈስ ቅዱስን፣ ዝተዋህበና ተስፋ ሰናይ ነገራት ምእንቲ ክንወርስ፣ ንዂሉ ናብ ጥፍኣት ዘብጽሕ ዕብዳን ካባና ነርሕቅ። ኣሜን!

ብክርስቶስ ሓዉዂም ፍኖተኣትናቴዎስ

እዛ ጽሕፍቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ኣብዚ ብሎግ ተዘርጊሓ ኔራ፣ ብስንኪ ቴክኒካዊ ጸገማት ግና፣ ሰብ ክረኽባ ኣይከኣለን። ነቢብኩም መንፈሳዊ በረኸት ክትሳተፉ፣ ዳግማይ ተዘርጊሓ።