ዋሕዲ ምእመናን ኣብ ቤተክርስቲያን ቅ. ዮሓንስ ኣፈወርቅ

ብምክንያት ትዝካር ሰማእትነቶም ናይ ሐዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳዉሎስን ብምግባር፣  ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብዛዕባ ሰባት ናብ ቤተርክስትያን ንከይመጽኡ፣ ኣብ በዓል ተዝካር ናይ ሰማእታት ንከይሳተፉ ዘቕርብዎ ምክንያታትን ዝሃቦ ተግሳጽን ናብ ነበብቲ የብሎ። 

ቀዳማይ ክፋል

“ሎሚ ዉሑዳት ሰባት ጥራይ እዮም፣ ናብ ቤተክርስቲያን ዝመጽኡ ዘለዉ። እቲ ምክንያት ኣገዳሲ እኳ እንተዘይዀነ፣ ግን ዝተፈላለየ እዩ። ናይ ሰማዕታት በዓል ከነብዕል እንከሎና፣ ዉሑዳት ናብ ቤተክርስቲያን ይመጽኡ። ራሕቂ መንገዲ፣ ከም ምክንያት ይጥቀሙሉ፣ ኮይኑ ግና ናይ መንገዲ ራሕቂ ኣይኰነን ዘዳኽሞም ዘሎ። ናይ ገዛእ ርእሶም ስንፍና ጥራይ እዩ። ነቲ ቅኑዕን ብሓቂ ዝመላለስ ሰብን፣ ዝዀነ ዓይነት ምኽንያት ኣየታርፎን እዩ። እንተ ነቲ ጎቦ ዝልቡን ሰነፍን ሰብ ግና፣ ዝዀነ ዓይነት ምክንያት የትርፎ።

ሰማዕታት ሓቂ ክምስክሩ ደሞም ኣፍሲሶም ኣለዉ፣ ንስኻ ግና ነዛ መንገዲ ስጉም ስጉም ኣቢልካ ከይትብገስ፣ ምሕሳብ ስኢንካ ኣለኻ? ንሳቶም ምእንቲ ክርስቶስ ህይወቶም ወፍዮም ኣለዉ፣ ንስኻ ግን ምስኡ ቅሩብ ጉዕዞ ንከይትገብር ተዕጠይጥይ ኣለኻ። ሰማዕታት ኣብ ቤተክርስቲያን ይዝኸሩ ኣለዉ፣ ንስኻ ግና ሰነፍን ዘይግዱስን ኮይንኻ፣ ተሪፍኻ ኣለኻ። እቲ ዝገርም ግና፣ ኣብ ቤተክርስቲያን ክትርኸብ ኔሩኻ፣ ሰይጣን ክሰዓር፣ ሰማእታት ድማ ክዕወቱ፣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ክኸብር፣ ቤተክርስቲያን ድማ ናይ ክብሪ ኣክሊል ክትስለም ምረኣኻያ።

ሕጂ ዉን፣ ‘ኣነ ሓጢኣተኛ እየ፣ ናብ ቤተክርስቲያን ክመጽእ ኣይክእልን’ ኢልካ ትምልሰለይ ኣለኻ። እምበኣር ሓጢኣተኛ ምዃንካ ትፈልጥ ኣለኻ፣ ምጻእ! ሽዑ ሓጢኣተኛ ካብ ምዃን ከተቋርጽ ኢኻ። ምጻእ እሞ፣ ሽዑ ሓጢኣት ካብ ምግባር ከተቋርጽ ኢኻ። እስከ መን እዩ፣ ካብ ደቂ ሰባት ሓጢኣት ዘይብሉ? ዋላ እቶም ኣብ መቅደስ ዘገልግሉ፣ ብሓጢኣት ዝተሸፈኑ ምዃኖም ኣይትፈልጥን ዲኻ? ዋላ እቶም ኣብዚ ኮፍ ኢልና ንምህር ዘለና ዉን፣ ብሓጢኣት ዝተኣሰርና ኢና፣ ምክንያቱ ስጋ ዝለበስናን፣ ሰብነት ዝሓዝናን ስለዝዀንና።

ኮይኑ ግና፣ ንምሕረትን ለዋህነትን ኣምላኽ ፈጺምና ኣይንጠራጠርን። ንዕኡ ዉን ከም ሰብ ፈጺምና ጠሚትናዮ ኣይንፈልጥን። እቶም ዘገልግልዎ ሰባት፣ ንካልኦት ብርህራሀ ምእንቲ ክጥምቱ፤ እግዚአብሔር ኣምላኽ ነቶም ኣብ መቅደስ ዘገልግልዎ ናብ ከምዚ ዓይነት ፈተና ከም ዝቃልዑ ጌርዎም እዩ። ፈተና ኣጋጢምዎም ክቃለሱ እንከለዉ፣ ነቶም ከምኦም ዝበሉ ሰባት ዉን ክሓልዩ ይኽእሉ።

ሓደ ጭራ ዋጣ ዝዋጥይ፡ ወይ ሳዕሳዓይ፡ ወይ ደራፋይ፡ ወይ መሰላቶምን፣ ናብ ገዝኦም ክዕድሙና እንከለዉ፣ ተቀላጢፍና ናብ ገዝኦም ንኸይድ፣ ናብ ገዝኦም ስለዝዓደሙና ዉን ኣዚና ነመስግኖም፣ ዳርጋ ፍርቂ መዓልቲ ዉን ምስኦም ነሕልፎ፣ ንሳቶም ዝብሉና ዉን ጽን ኢልና ንሰምዖም። እግዚአብሔር ኣምላኽ ብሓደ ካብ ነብያቱ ወይ ብሓዋርያቱ ኣቢሉ ክዛረበና እንከሎ ግና፣ ነምቧህቕ፡ ርእስና ንሓኽኽን፣ ናብዝን ናብቲን ነዕለብጥን።

ኣብቲ ሰርከስ ዝረኣየሉ መድረክ ዉን ዝገደደ እዩ። ካብ ማይ ተጽልለሉ ናሕሲ ዘይብሉ ክነሱ፣ ኩሎም ኣብኡ ደዉ ኢሎም፣ ዝናብ ኣብ ልዕሊኦም እናወረደ፣ ንፋስ ኣብ ገጾም እንዳነፈሰ፣ ምርኢቶም ይዕዘቡ። ዛሕሊ ይኹን ዝናብ፣ ዝዀነ ነገር ኣይዓግቶምን። ዝዀነ ይኹን ምክንያት ኣብ ገዛ ኣየትርፎምን! ናብ ቤተክርስቲያን ግና፣ ኲሉ ዝናብን ኣብ መንገዲ ዘሎ ዶሮናን ሓመድን፣ ሓደ ዓቢ መዐንቀፊ ይዀኖም።

“መን እዩ፣ ኦብድያ? መን እዩ ኣሞጽ?ቁጽሪ ነብያት`ከ ክንደይ እዮም? ክንደይ እዮም እቶም ሃዋርያት?” ተባሂሎም እንተዝሕተቱ፣ ኣፎም ኣይምኸፈቱን። ብዛዕባ ኣፍራስን፣ ሰረገላታትን፣ ስም ተቀዳደምቲን እንተዝሕተቱ ግና፣ ልዕሊ እቲ መደርትን ስነጥበባዊን ሰባት፣ ልዕሊኦም ብጽፈት ምመለሱ። /ኣፈወርቅ ኣብዚ ዘመንና ኔሩ እንተዝኸዉን፣ ብዛዕባ ኩዕሶ ተጻወቲን ጋንታታት ዓዲ እንግሊዝን ኢሉ ምሓተተ ኔሩ።/

እንታይ ኢና ክንብል፣ ከመይ እንተ ገብርና ይሓይሽ? ናብ ቲያትር ኣይትኺዱ ኢለ ክንደይ ግዜ ተዛሪበኹም፣ ሰሚዕኩምኒ፣ ግና ኣይተኣዘዝኩምን። ንቃለይ ዕሽሽ ብምባል ናብ ቲያትር ከይድኹም። ቅሩብኸ ኣይትሓፍሩን ዲኹም? ተመሊስኩም ቃለይ ክትሰምዑ ናባይ ትመጽኡ?

“መጺአ ትምህርቲኻ ሰሚዐዮ ኔረ፣ ግን ትእዛዝኻ ኣየኽበርኩን፣ ስለዚ እንድሕሪ ዘይእዘዘኻ ኮይነ፣ ንምንታይ ይመጽእ” ትብሉ ኣሎኹም። ሓደ ነገር ግና ተረዲኡኩም ኣሎ፣ ነቲ ዝበልኩኹም ብዘይ ምእዛዝኩም ኣዝዩ የሕፊርኩም ኣሎ። ምስተጋገኹም ዋላ ሓደ ሰብ ኣይኣረመኩምን፣ ሕጂ ግና ንገዛእ ርእስኹም ባዕልኩም ኣሪምኩማ ኣለኹም። እቲ ኲሉ ዝተዛረብኩዂም ግና ሓቂ ምዃኑ ኣሚንኩም ኣለኹም፣ ዋላ ኣነ ብኣካል ምሳኹም ኣይሃልዉ፣ እቲ ቃለይ ግና ኣብ ርእስኹም ኮይኑ ዕረፍቲ ከሊእኩም ኣሎ። ኣይተኣዘዝኩምን? ኮይኑ ግና ካብ ምምጻእ ኣየቋረጽኩምን፣ ዳግማይ ክትሰምዑ ናብ ቤተክርስቲያን መጺእኹም ኣለኹም፣ ኣጆኹም ክትእዘዙ ኢኹም።

መድሓኒት ዝኸዉን ፈዉሲ ትወስዱ እሞ፣ ኣብ መጀመርታ ኣይፈወሰኹምን፣ እንታይ ምገበርኩም? መሊስኩም መላሊስኩም ዶ ኣይምወሰድኩሞን? ሓደ ገረብ ዝቆርጽ ሰብ ዉን ዉሰዱ፣ ንሓንቲ ዓባይ ሳግላ ክቆርጻ ምስ ዝደሊ፣ ፋስ ይወስድ። ኣልዒሉ፣ ሓንሳብ ይሃርም። ሓንሳብ ወስ ኢሉ እንድሕሪ ዘይወዲቓ፣ እንታይ ክገብር ትጽበይዎ? ደጊሙ ደጋጊሙ በታ ፋስ ይሃርማን፣ ክሳብ እትወድቕ ዉን ኣየቋርጽን።  ካልኣይ ግዜ. .ራብዓይ ግዜ. . ሓሙሻይን መበል ዓስራይን ግዜ ይሃርማ። ንስኹም ዉን ከምኡ ግበሩ። ከምዚ ኢለ ዝዛረበኹም ዘለኹ፣ ምእንቲ ዝያዳ ሰናፋት ክትዀኑ ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ ዝያዳ ምእንቲ ክትነቅሑ ኢለ እየ።

ኣታ ሰብ፣ ናብ ቤተክርስቲያን ኣቲኻ ኣለኻ፣ ዓርኪ ክርስቶስ ክትኸዉን ዉን ክብሪ ተዋሂቡካ እዩ እሞ፣ እንድሕሪ ዘይሰጎጉኻ፣ ካብ ቤተክርስቲያን ኣይትዉጻእ። ዉጻእ ከይተባሃልካ እንድሕሪ ወጺእኻ፣ ሃዲምካ ስለዝወጻእኻ ምክንያት ክትሕተት ኢኻ። ሕሰብዎ እንዶ፣ ኣብ ሓደሓደ ቦታታት ንረብሓ ስጋኹም ሙሉእ መዓልቲ ትዉዕሉ። ንረብሓ ነፍስኹም ግና፣ ክልተ ሰዓት ከተወፍዩ ኣይከኣልኩምን? ብዙሕ ግዜ ናብ ቲያትር ትኸዱ፣ ተዓጽዩ እዩ ኢሎም ክሳብ ዝሶጉኹም ዉን፣ ኣይትወጽኡን። ኣብ ቤተክርስቲያን ግና፣ ቅዳሴ ከይተወድአ ክትወጽኡ ትህወዂ። “ነቲ ቃል ዝንዕቆ፣ ንነፍሱ የጥፍኣ” ኢሉ ዝተዛረበ ጐይታ ፍርሕዎ! /ምሳ 13፥13/።
A chiropractor is trained to identify vertebral subluxations that lead to impotence issue, and many of them are treatable. online cialis check it out
ኣብ ቅድሚ ንጉስ እንተትቆሙ ግና፣ ነዚ ነገር ክትገብሩ ኣይምደፈርኩምን። ኣብ ቅድሚ እቲ ኣምላኽ ኲላ ምድሪ ዝዀነ ጐይታ ክትቆሙ እንከሎዂም ግና፣ ብፍርሒን ብምንቅጥቃጥን ኣይትቖሙን። ትስሕቁ፣ ተላግጹን፣ ንሱ ክቁጣዕን ተገብርዎ! ከምዚ ብምግባርኹም፣ መሊስኩም ብግብሪ ሓጢኣትኩም ክቁጣዕ ተገብርዎ`ዶ የለኹምን? ኣምላኽ እኮ፣ በቶም ሓጢኣት ዝገብሩ ኣይኰነን ዝቁጣዕ፣ በቶም ሓጢኣት ጌሮም ፍጹም ናይ ጣዕሳ ምልክት ዘየርእዩ እዩ ዝያዳ ዝቁጣዕ።

ኣየ ኣታ ሰብ፣ ኣብ ቤተክርስቲያን ደዉ ኢልካ ክተብቅዕ፣ መልሲኻ ግና ናብ ደቂ ኣንስትዮ ትጥምት፣ ኣብ መቅደስ ኣምላኽ ኮይንኻ ከምዚ ዓይነት ጸርፊ ክትገብር እንከሎኻ፣ ቅሩብ ኣይትሓፍርን? ዋላስ ቤተክርስቲያን ኣምላኽ፣ ካብ ዕዳጋ ዝገደደ፣ ናይ ግዕዙያት መአከቢ ድዩ መሲሉኻ? ምኽንያቱ ኣብ ዕዳጋ፣ ንጓል ኣንስተይቲ ከምኡ ጌርካ እንተትጥምታ፣ ምተዋረድኻን ምሓፈርካን። ኣብታ ቀንዲ መቅደስ ኣምላኽ ኮይንካ ግና፣ ንሱ ባዕሉ እንዳተዛረበካ እንከሎ፣ ዋጋ ኣበሳኻ መቅጻዕቲ ከም ዘለዎ እንዳነገረኻ፣ ንከይተገብሮ ሽዑ እንዳተነግረኻ እንከሎ፣ ንስኻ ኸኣ ሽዑ ከምኡ ክትገብር፣ ከመይ ይከኣለኻ? ኣይትፈርሕን ዲኻ? ልብካን ዓይንኻን ናይ ክፍኣት መጋበርያ ስለዝዀና፣ ነፍሲኻ ኣይተንቀጥቅጥን ድያ? ነዚ ካብ ምግባርሲ ዕዉር ምኳን ይሓይሽ!

ኣታ ሰብ፣ እስከ ሕሰብ! ኣብዚ ኣዝዩ ዘፍርሕ መስዋእቲ ምስ መን ኢኻ ደዉ ኢልካ ዘለኻ? ምስ መን ኮይንኻ ኢኻ ንስም ኣምላኽ ትጽዉዕ ዘለኻ? ምስ ኪሩቤልን ሱራፌልን ዶ ኣይኰነን? ነዚ ስርዓተ ኣምልኾ ኣምላኽ ምስ መን ኮይንኻ ትፍጽሞ ከም ዘለኻ ዘክር። ሽሕ`እኳ ምድራዊ ሰብነት ዘለኻን፣ ስጋ ዝለበስኻን ኲን፣ ነቲ ናይ ኲሉ ገዛኢ ዝዀነ ጐይታ ምስ ሰማያዉያን ፍጥረታት ሓቢርኻ ከተምልኾን ከተመስግኖን፣ ዕድል ረኺብካ ከም ዘሎኻ፣ እንተትዝኽር ኔርኻ፣ ብሓቂ ሕሊናኻ ምተኣከበልኻ ኔሩ።

እምበኣር ኣብዚ ቅዱስ ምስጋና እዚን፣ ኣብዚ ቅዱስ ሚስጢር እዚን፣ ዝተዘርገት ነፍሲ ሒዝኻ ኣይትሳተፍ። ኣብዚ ሰዓት እዚ ሓንጎልካ ብምድራዊ ሓሳብ ክሕዛእ የብሉን። የግዳስ፣ ኲሉ ምድራዊ ሓሳባት ካብ ኣእምሮኻ ኣልጊስካ፣ ናብ ሰማያት ኣቅልብ። ብኣክናፍ ሱራፌል ተጾይርካ፣ ኣብቲ ኣዝዩ ክቡር ቦታ ከም ዝበጻሕካ ተረዲእኻ፣ ኣብቲ ልዑል ዝዀነ ክብሩ ከም ዝበጻሕካ ተገንዚብካ፣ ስለቲ ዝገብረልኻ ኲሉ ሰናይ ነገራት ንእግዚአብሔር፣ ቅዱስ ዝዀነ ምስጋናኻ ኣቕርብ።

ኣብ ምድሪ እንከሎና ናብ ሰማያት ምእንቲ ክንበጽሕ፤ ነቲ ናብ ድሕሪት ዝጎትተና ዂሉ ሓሳባት ኣልጊስና፣ ካብ ናብራ እዚ ዓለም`ዚ ዝጠብቀና ኲሉ ክፋእ ነገራት ካብ ህይወትና ነጊፍና ብምልጋስ፣ ነፍስና ኣንቂሕና ናብ ህላወ ኣምላኽ ምእንቲ ከነብጽሓ፣ ኣብ ግዜ ቅዳሴ (ሰማያዊ መስዋእቲ ኣብ ዝቐርበሉ ስርዓት/ devine sacrifice) ብብቅዓትን ብክብሪን ደው ክንብል ይግባእ። እዚ ስርዓት`ዚ ብዛዕባ ኣብ ሰብነትና ዝርኸቡ ኣእዳዉ ወይ ኣእጋር ኣይኰነን፣ ምክንያቱ እዚ ንዛረበሉ ጉዳይ ብዛዕባ ስፖርት፡ ወይ ኣትሌት፡ ወይ ጂምናስቲክ ኣይኰነን። ነቲ ብፈተናታት ተዓንቂፉ ዝተዋረደ ሓሳብና፣ በዚ ንዛረበሉ ዘለና ቃላት ጌርና፣ ሓይሊ ዉሽጣዊ ሓሳባት ብምሕዳስ ልዕል ከነብሎ ኢና።

የሕዋተየ! ሰማያዊ መኣዲ (ቅዱስ ቁርባን) ኣብ ዝቐርበሉ ስዓት፣ ሰባት ጥራይ ኣይኰኑን ምስጋንኦምን ኣዉያቶምን ዘቕርቡ፤ መላኣኽቲ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ይሰግዱ፣ ሊቃነ መላኣኽቲ ዉን ኣብ ጸሎት ይሓብሩ እዮም፣ እዚ ጸሎት እዚ እንኮላይ ንዕኦም ዉን ጠቃሚ እዩ፣ ሓጋዚ መስዋእቲ እዩ።

ኲሎም ሰባት፣ ነቲ ናይ ምሕረትን ርህራሀን ምልክት ዝዀነ ስየ ኣልዒሎም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክሰግዱ እንከለዉ፤ ቅዱሳን መላኣክቲ ድማ ኣብ ክንዲ ስየ፣ ስጋ ጐይታ ኣልዒሎም፣ ኣብ ክንዲ ኲሉ ሰብ ከምዚ እንዳበሉ ጸሎት የቕርቡ። “ኣብ ክንዲ  እቶም ፍጹም ዘፍቀርካዮም እሞ፣ ምእንቲኦም ነፍስካ ኣሕሊፍካ ዝሃብካዮ ሰባት ንልምን ኣለና።  ኣብ ክንዲ እቶም ደምካ ዘፍሰስካሎም ሰባት ንምሕጸን ኣለና። ምእንቲ እቶም ስጋኻ ከም መስዋእቲ ጌርካ ዝሃብካዮም ሰባት ንጽልይ ኣለና!!! 

እምበኣር ነፍሲ ወከፍ የስተዉዕል፣ ኣብ ህይወቱ ክፍዉሶ ዝግባእ ቁስሊ እንድሕሪ ሃልዩ ይመርምር፣ ክገብሮ ዝግባእ ሰናይ ነገር ይግበር፣ ካብ ነፍሱ ክሓክኮ ዝግባእ ሓጢኣት እንተልዩ ይሕከክ፤ ከምዚ እንድሕሪ ጌሩ፣ ዝሓሸ ሰብ ክኸዉን እዩ። ኣብዚ መዳይ`ዚ ብጾም ኣቢሉ ዕቤት እንድሕሪ ጌሩ፣ እሞ ከኣ ኣብ ህይወቱ ክፍዉሶ ዝግባእ ቁስሊ ከም ዘሎ እንድሕሪ ተረዲእዎ፣ ይቕረብ (ናብ ቁርባን ይቕረብ)። በንጻሩ ግና፣ ብህይወቱ ዘይግዱስ ክነሱ፣ ንኸምስል ጥራይ ጸዋማይ እንተዀነ፣ ኣብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ግና ዕቤት ዘየርኢ (ንሓጢኣቱ ዘይቃለስ) እንድሕሪ ኮይኑ፣ ካብዚ ይርሓቅ (ናብ ቁርባን ኣይቕረብ)፣ ኲሉ ሓጢኣቱ ክሳብ ዘርሕቅ ዉን ናብዚ ኣይቅረብ። ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎ ሰብ፣ ብሰንኪ ጥዕንኡ ጾም እንተዘይጾመ፣ በደል የብሉን፣ ምሕረት ካብ ኣምላኽ ዉን ክቅበል እዩ። እቲ ኣብ ህይወቱ ዘሎ ክፋእ ዘይእርም (ሓጢኣቱ ዘየጽሪ) ሰብ ግና፣ ብዝዀነ ይኹን ምክንያት ሕድገት የብሉን።

ካልኣይ ክፋል ይቕጽል።

ምስጋና ንአብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ፣ ኣሜን!!