ብሂል ካብ ቅዱስ ቄርሎስ ሳድሳዊ

ፍረ ከንፈር ቅዱስ ቄርሎስ ሳድሳዊ ብከፈር

ቅዱስ ቄርሎስ ሳድሳዊ፡ ኣብ መንበረ ማርቆስ ካብ ሞንጐ እቶም ንሓፂር እዋን ማለት፣ ዓሠርተው ክልተ ዓመታት ኣብ መበል 116 ሓዋርያዊ ቅብብል መንበር ቅዱስ ማርቆስ ዘእስክንድርያ (apostolic succession)፡ ፓትሪያርክ ኰይኖም ዘገልገሉ ኣቦ ኢዮም። ዓሠርተው ክልተ ዓመታት፡ ኣብ ታሪኽ ዕድመ ጕስነት ፓትሪያሪካት ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ከም ቍጽሪ ውሑዳት መሲለን እኳ እንተ ተራእያ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብእተመላለስዎ፡ ቅድስና ዝመልኦ ሕይወት ግና፡ ዕጽፍን ድርብን ደኣ ነበራ።

“ገባሬ ተኣምራት“፡ “ፈቃር ኣቦ”፡ “ትሑት”፡ “ትጉህ ጓሳ”፡ …ወዘተ. ብዝብል ቅጽል ዝፍለጡ ቅዱስ ቄርሎስ ሳድሳዊ ዘእስክንድርያ፡ ካብ እስክንድርያዊት ቤተ ክርስቲያን ኣትያቶ ዝነበረት መንፈሳዊ ትኽስታ ዘበራበሩ፡ ኣርኣያ መንፈሳዊ ኣቦ ብምዃን ድማ፡ ብዙኃት ተመሃሮ ንኽምንኩሱ ዝጸለዉ፡ ኣቦ ዘመንናዊ ትንሣኤ፡ ፈታዊ ጸሎት ነበሩ። ፈታዊ ጸሎት ብምዃኖም ኣብ ዘመኖም፡ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ዘይቱን ተገልጸት፡ ማእለያ ዘይብሎም ሕሙማት ብኢድ ኣቡነ ቄርሎስ ተፈወሱ፡ ዘሸግርዎም ዝነበሩ መራሕቲ ድማ፡ ብጸሎቶም ፈተውቶም ኰኑ። መርኣያ ጸሎተኛ ምዃኖም፡ ዕዮ ጕስነት ከይከበዶም ዝመርኅዎ ቅዳሴ ብእተፈቕደ ድማ፡ ኣብ ታሪኽ ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን፡ 12000 ሳዕ ብምቕዳስ፡ እቶም ዝበዝኀ ዝቐደሱ ፓትሪያሪክ ብምዃን፡ ብቅድስነቶም ኣቡነ ሲኖዳ ሣልሳዊ ተመስከረሎም።

ካብ ዕዙዛት ጕስነት ቅዱስ ቄርሎስ ሳድሳዊ ንምጥቃስ፤ ፋልማዊ ኣህጉራዊ ሠረት ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ምፍቃድ ባዕለ ምምኅዳር (autocephalous) ኢትዮጵያዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ን1500 ዓመታት ብሥጋ ተፈላልየን ዝነበራ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያን ዳግም ተራኺበን ክላዘባን ክደጋገፋን ብጸሎት ደገፉን ዕዉት ብምግባር፡ ካልኦትን ይርከብዎም። ነተን ኣብ ትሕቲኦም ዝነበራ ኤርትራዊትን ኢትዮጵያዊትን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን፡ ብኣባታዊ ፍቕሪ ተበጊሶም፡ ሓዋርያዊ ጕዕዞኦም ኣብ 1960 ዓ.ም. እውን ፈጸሙ። ብፍላይ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሕሉ ሠለስተ መዓልታት (5-7 ጥቅምቲ)፡ ደብረ ምጥማቅ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ባጽዕ፡ ገብረ መንፈስ ቅዱስን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ኣሥመራን ቀደሱ። ንዕዮ ማኅበር ሓዋርያት ፍረ ሃይማኖት ድማ ንኣዱን፡ ባረኹን። ንመተባብዒ ዝኸውን ድማ፡ 500 ናይ ሽዕኡ ቅርሺ ወፈዩ። ማኅበር ሓዋርያት ፍሬ ሃይማኖት ብወገኖም፡ ፍረ ቤት ማኅተሞም ዝኾኑ መጽሓፍ መዝሙራተ ዳዊትን መጽሓፈ ቅዳሴን ብኣካያዲ ማኅበር፡ መልኣከ ሰላም ቀሺ ዲሜጥሮስ ህያብ ሃቡ።       

ቅዱስ ቄርሎስ፡ ንምእመናትን ምእመናንን ብትግሃት ድኅሪ ምጕሳዮም፡ ብዕለት 8 መጋቢት ቅድሚ ኃምሳ ዓመት፡ ጉያኦም ብቕድስና ፈጺሞም፡ ካብ‘ዛ ሥጋዊት ዓለም ተፈልዩ። ብሥጋ ይፈለዩ ደኣ እምበር፡ ንኣፈቀርቶምሲ፡ ብደገፍ ጸሎቶምን ተኣምርኦምንስ ኣይተፈለዩዎምን። ሲኖዶስ ዘግብጽ፡ ብዕለት 20 ሰነ 2013 ዓ.ም.፡  ኣብ ዝገበሮ መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ንሊቀ ዲያቆናት ሓቢብ ጊዮርጊስ ወሲኹ፡ ብቕድስና ክጽውዑ፡ ኣፍልጦ (canonized) ሃበ።

ንሕና ድማ፡ ጸሎቶምን ሃብተ በረኸቶምን ምስ ኣፍቀርቶም ይኹን እናበልና፡ ንሶም ዝበልዎ ብሂል፡ ኵኖ ብሂል ነቢሮም ዝጠዓምዎ፡ ጥዒሞም ድማ ዘስተማቐርዎን፡ ሕያው ቃል፡ ብሓፂር እንሀ ተኻፈሉ ንብል። ነቢብና ክንነብሮ ድማ፡ ምሕረት ርኅሩኅ ኣምላኽን ጸሎት ቅዱስ ቄርሎስ ሣድሳውን ይደግፈና፤!

1. ብፈተና እንተ ደኣ ወዲቅካ፡ ጣዕሳ ኃጢኣትካ ካብ ጸሎት ኣይዕገተካ። ክሳዕ እትናሳሕ ጸሎት እንተ ደኣ ኣቛሪጽካ ድማ፡ ኣይክትናሳሕን ኢኻ። እቲ ምንታይሲ፡ ጸሎት ማዕፆ ሓቀኛ ንስሓ ስለ ዝኾነት።

2. እቲ ንኻልኦት ንኽፈርድ ህዉኽ ዝኸውንሲ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሕያው ኣምላኽ ከም ዘይቈመ ገለጸ።

3. ክትጸውም እንከሎኻ፡ ብኣካልካን ብልብኻን ጹም። ካብ ምግቢ ሥጋ፡ ሕምየትን ጸለመን ተሓረም። እታ እትጸውም ልሳን ካብ‘ታ እትጸውም ከርሲ ትበልጽ‘ያ። ከምኡ‘ውን፡ ልቢ ካብ ቍጥዐ እንተ ደኣ ተኸልኪላ፡ ካብ ክልቲአን ዝበለጸት ትኸውን።

4. ወሬዛ (መንእሰይ) እንከሎኹ፡ ንጥበብን ፍቕርን [ዓለም] ይጽሊ ነበርኩ። ብዝዓበኹ ግና፡ ንጥበብ ጐይታና ኢየሱስን፡ ንፍቕሪ ሥቑል ንጉሥናን መድኃኒና ክርስቶስን ጸሎኹ።

5. ጸሎት ኵሉ ነገር ክትገብር ትኽእል ኢያ። ምኽንያቱ፡ ኢድ እቲ ንዓለም ዝገዝእ ስለ እተንቀሳቕስ።

6. ንንጹሕ ልቢ ኣመና ጸሎኹ። ብዙኅ ጊዜ‘ውን ወሰደለይ። ጸሎት ንብሕቱ እቲ እንኮ መንገዲ ንጹሕ ልቢ ምዃኑ ድማ ድኅሪ ኣድካሚ ገድሊ ተጋህደለይ።

7. ጸሎት፡ መኽዘን ጸጋን ዓንዲ ሕቆ በረኸትን ኢያ። ንሕርቃን ትቈጻጸርን ንመንፈስ ድማ ትማርኽን።

8. እቲ ፈቓዪ፡ ኃላዊ፡ ምድላውን ድርዕን ዘይብላ ልቢ፡ ዕላማ እንግዳ (ጋሻ) ሓሳባት ትኸውን።

Ginseng manages order levitra online http://respitecaresa.org/event/thanksgiving-holiday-camp/ to increase the human body overall strength and resistance against negative effects without weakening the energy level.

9. ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብመንገዲ ቅዱሳን ንኽኸይድ ኣብቅዓኒ። ሕግታትካ ንኽኅልው ደኣ እምበር፡ ብዛዕባ ኣብ‘ዛ ዓለም ዝከናወን ሓልዮት ከይስምዓኒ ኣብ እምነት ኦርቶዶክስ ኣጽንዓኒ። ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኃልወኒ። ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጽላሎት ኣኽናፍካ ኣዕቝበኒ። ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ውድቀት ኣድኅነኒ።

 10. ቅድሚ ምዝራብካ ስማዕ፡ በቲ ዝሰማዕካዮ‘ውን ሕሰብ። ድኅሪኡ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ።

11. ሕማቕ ኰነ ጽቡቕ መዓልታት ዝበሃል የልቦን። እንተኾነ ግና፡ ብጸሎት እተሰነየን ዘይተሰነየን መዓልታት ኣሎዋ። እተን ብዘይ ጸሎት ዝኃለፋ መዓልታት፡ ባዶን ጥርሐንን ኢየን። ምኽንያቱ፡ ብድልየታትናን ፍትወታትና ዝተመልኣ ስለ ዝኾና።

12. ብሩህ ምስሊ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንካ፡ ሓቀኛ ርቱዕ እምነታ፡ ዘደንቕን ማሕለፍያ ታሪኻን ዓሚቝን ገዲም [ቀዲም] ጽልዋኣን፡ ኣብ ቅድሚ ክርስቲያናዊ ዓለም ኣወፊ።  

 13. ጾም ነቢያት እተጠቀሙላ መሳርያ (ብረት) ኢያ። ሙሴ፡ ኤልያስ፡ ዳዊት፡ እዝራን ነህምያን ካልኦት‘ውን ጾሙ። ጽርኣውያን (ዘይኣይሁዳውያን) ከይተረፉ‘ውን ምሕረት ኣምላኽ ብምልማን፡ ምስ ጾሙ እሞ ጐይታ‘ውን ቍጥዕኡ ዘርሓቐሎም ነበርቲ ነነዌ ጾሙ። 

14. ናብ መንግሥተ ሰማያት እትወስድ መንገዲ ገፋሕን ጸባብን ኢያ። ገፋሕ ኢያ፡ ምኽንያቱ ነቶም ኣሎዉ እተባህሉ ኃጢኣተኛታት እዛ ዓለም ክትኅዝ ስለ እትኽእል። ጸባብ‘ውን ኢያ፡ ምኽንያቱ ብኣኣ ክትከይድ እንተ ደኣ ደሊኻስ፡ ሓንቲ ኃጢኣት ትኹን‘ውን ክትስከም የብልካን።

 15. ብመንፈሳውነት እንተ ደኣ ዘይነቂሕናስ፡ ትኽስ ንብል። እንተ ደቂስና ድማ፡ እቲ ጸላኢ ድያብሎስ፡ ይመጽእ እሞ፡ ባህ ዝበሎ ተኺልልና ይኸይድ።

 16. መዓልትኻ ዕሥራ ወይ ድማ ሠላሳ፡ ወይ‘ውን ክሳዕ ዝከኣለካ ብምስጋድ ኣምልኾኻ ጀምሮ። ካብቶም ብሰባት ዝፍጸሙ ክእለታት፡ ካብ‘ዚ ዝዓቢስ ከቶ የልቦን።

17. ጸሎት ንቝጥዐ ኣምላኽ ናብ በረኸት ትቕይር። ዘይትስዕሮ‘ውን የብላን። ጸሎት መፍትሕ መንግሥተ ሰማያት ኢያ።

18. ኣብ ሕይወትካ ኵሉ ነገር ሥርዓትን ኣደብን ክህልዎ ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ኣምላኽና ኣምላኽ ሥርዓትን ኣደብን ስለ ዝኾነ። እዚ እንተ ደኣ ኰይኑ ድማ፡ በረኸትን ጸጋን ኣሎ።

19. ናብ ኣምላኽ እትጽልዮ ጸሎት ልዙብ ይኹን። ሓደ፡ ወትሩ ሓደ ወይ ክልተ መዝሙር ዳዊት፡ ወንጌልን ገለ ካብ ሊጦናትን ከንብብ ይግብኦ። እዘን ልምድታት እዚኣተን፡ ብዙኅ ወሬታ (ጻማ)‘ዩ ዘሎወን።

 20. ወንጌል፡ “የማነይቲ ኢድካ እትገብሮን ጸጋመይቲ ኢድካ ኣይትፍለጦ” ከም ዝብል፡ ክትምጽውት እንከሎኻ‘ውን፡ ንስለ ክነቱ ወደሳ፡ ወይ ድማ ንትዕቢት ቢልካ ኣይትግበሮ።

ነቢብና ክንነብሮ፡ ምሕረት ርኅሩኅ ኣምላኽን ጸሎት ቅዱስ ቄርሎስ ሣድሳውን ይደግፈና፤!

ብክርስቶስ ሓዉዂም መሓረና እግዚእ

ከፈርዓይነት ባህላዊ ሚዛን ኮይኑ፣ ከባቢ 20 ኪሎ ይምዘን። ነዛ ቃል ዝተመርጸትሉ ምክንያት ድማ፣ 20 ዝዀና ካብ ብሂላት ኣቦና ቅዱስ ቄርሎስ ኣብዚ ጽሑፍ ስለዝሰፈራ፣ ንእዑ ንምግላጽ እዩ።