ሞት ብሔዋን ህይወት ብማርያም ቅ.ኤጲፋንዮስ ዘሳላሚስ

“ኦ ምልእተ ጸጋ፣ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩሞ፣ ደስ ይበልኺ" /ሉቃ 1፥28/ ። እዚ ቃል`ዚ ነታ፣ ካልአይቲ ሔዋን ዝተነግረ እዩ። ሔዋን “ኣደ ዂሉ ህያው” /ዘፍ 3፥20/ ተባሂላ ኣላ፣ እዚ ግና፣ ብምስላ ንቅድስት ድንግል ማርያም ዝተንግረ እዩ። ምክንያቱ ሔዋን፣ ካብ መሬት ከምዝመጽአት ናብ መሬት ከም እትምለስ /ዘፍ 3፥19/፣ ዝብል ቃል ድሕሪ ምስማዓ እዩ፣ “ኣደ ዂሉ ህያዋን” ዝብል ቃል ዝንገራ ዘሎ፣ ማለት ድሕሪ ዉድቀታ እያ፣ ነዚ ቃል ዝሰምዓቶ። ማለት ብሓጢኣት ድሕሪ ምዉዳቓ፣ ነዚ ዝኣኽል ዓቢ ክብሪ ክወሃባ፣ ይገርም እዩ። ንባቡ ጥራይ ክንወስድ እንከለና፣ ኲሎም ደቂ ሰባት ካብ ሔዋን ዝተወልዱ ስለዝዀኑ፣ ሔዋን “ኣደ ዂሉ ህያዋን” ክትበሃል ግድን እዩ። ማርያም ግና በንጻሩ፣ ነቲ ብባህሪኡ ህያዉ (ወሃቢ ህይወት) ዝዀነ ናብ ዓለም ብምዉላዳ፣ ነቲ ህይወት ባዕሉ ናብ ዓለም ኣእተወቶ። በዚ ድማ፣ ማርያም ባዕላ “ኣደ ዂሉ ህያዋን” ኮነት።

“መኑ ወሀቦን ለአንስት ከመ ይእንማ። ወዘዘ ዚአሁ ትምህርት።” /ነንስቲ ክኣልማሲ መን ጥበብን ትምህርትን ሃበን/” ዝብል ቃል ኢዮብ /ኢዮ 38፥36/፣ ብዛዕባ ክልተ ኣንስቲ እዩ ዝዛረብ ዘሎ። እታ ቀዳመይቲ ባዕላ ሔዋን እያ። ኣዳም ብሰንካ ዕርቃኑ ምስ ኮነ፣ መሊሳ ንሳ ብጥበባ ዕርቃኑ መሸፈኒ ክዳን ኣለመትሉን ሰፈየትሉን ። ነዚ ጻዕሪ ክትጽዕር ዉን ሓላፊነታ ዀነ። ዕርቃኑ ኣትሪፋ (ንኣዳም) ጥራዩ ከም ዝኸዉን ዝገበረቶ ንሳ ባዕላ (ሔዋን) ስለዝዀነት፤ ነታ መዋቲት ሰብነቱ መሊሳ ካብ ዕርቃኑ ክትከድኖን ክትኣልመሉን ዉን፣ እቲ ሓላፍነት ንዕዓ ተዋህበ።

ንማርያም ግና፣ እግዚአብሔር ነቲ ገንሸልን በጊዕን ዝዀነ ወዱ ንክትወልዶ መረጻ። ከምቲ ክዳን ካብ መጎናጸፍያ ዝስራሕ፣ ንሱ ዉን ካብቲ ናቱ ዘይማዊትነቱ ስልጣኑ ንዓና ክዳን ድሕነት ኣለመልና። {ካብቲ ናቱ ዘለዓለማዊ ሓይሉ ንዓና ዘለዓለማዊ ህይወት ኣልበሰና}።

ካልእ ኣዝዩ ድንቂ ዝዀነ፣ ምምስሳል ሔዋንን ማርያምን ግን ክንርኢ ኣለና። ሔዋን ንኲሉ ሰብ ምክንያት ሞት ዀነት፣ ምክንያቱ ሞት ብእኣ ኣቢሉ ናብ ዓለም ስለዝኣተወ። ማርያም ግና፣ ህይወት ብእኣ ኣቢሉ ናባና ስለዝመጽአ፣ ናይ ህይወትና ምክንያት ዀነት። “ኣብቲ ሓጢኣት ዝዐዘዞ ግና፡ ኣብኡ እቲ ጸጋ ኣዝዩ ዐዘዘ።” /ሮሜ 5፥20/ ከምዝበለ እቲ ጽሑፍ፣ ወልደ እግዚአብሔር ነዚ ክገብር እዩ ናብ ዓለም ዝመጽአ። ሞት ካብ ዝመንጨወሉ፣ ካብኡ ህይወት መንጨወ፤ በዚ ድማ ህይወት ንሞት ተክኦ። ሞት ካብ ሰበይቲ እንድሕሪ መጺኡ፣ ህይወት ድማ ብሰበይቲ ኣቢሉ ናባና መጽአ። ንሱ ድማ፣ ንሞት ብህይወት ብምስዓር፣ ንዓና ህይወት ኮነልና።

The very reason for intercourse order cheap viagra find for source is procreation.

ሔዋን ብድንግልንኣ ኣብ ገነት እንከላ፣ ብዘይምእዛዛ ናብ ሓጢኣት ወደቐት። እቲ ዘለዓለማዊ ህይወት ካብ ሰማያት ወሪዱ ብስጋ ክግለጽ ምዃኑ ብስራት ምስ ተነግረ፣ በታ ደንግል (ማርያም)፣ ጸጋ ናይ ተኣዛዝነት ናባና ኣተወ። እግዚአብሔር ንተመን “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል ኣሎኹ።” /ዘፍ3፥15/ በሎ። ሰበይቲ ዘርኢ የብላን፣ ስለዚ እዚ ዝተትኽለ ጽልኢ፣ ብምስላ ንሔዋን ብዘለዋ ዝምድና ዝተነግረ እዩ። ተመን ተብሂሉ ዘሎ ድማ፣ ከሳሲ፡ ባዕሉ ሰይጣን እዩ።

እዚ ኲሉ ብምልኣት ክፍጸም ዝኽእል፣ ብካልእ ኣይኰነን። {ንርእሲ ተመን ክጭፍልቖ ዝኽእል} ነዚ ብሓቂ ክፍጸም ዝኽእል ግና፣ ካብ ማርያም ዝመጽኣ ቅዱስ፡ ምሩጽ፡ ፍሉይ ዘርኢ እዩ። እዚ ዉን ብዘርኢ ሰብኣይ ዘይዀነስ ካብኣ ጥራይ ዝወጽአ ዘርኢ እዩ። እቲ ዘርኢ ድማ፤ ነቲ ንዂላ ዓለም ገዚኡ ብምሓዙ ዝምካሕ ዝነበረ፣ ተወርዋራይን መከራ ክስዕብ ዝፎቱ ተመን፤ ነቲ ሓያል ገበል ካብ ስልጣኑ ሰዓሮ።

ወልደ-አብ ህያው ካብ ሰበይቲ ዝተወልደሉ ቀንዲ ምክንያት ዉን፣ ነቲ ተመን ንክስዕሮ ነበረ። ማለት ናይ ሓሶት ትምህርቲ፣ ናይ ጥፍኣት፣ ናይ ጌጋ፣ ናይ ምትላል፣ ናይ ሕጊ ምፍራስ፣ ናይዚ ኲሉ መገዲ ሓሶት ንክስዕርን ከወግድን ናብ ዓለም ኣተወ። ንሱ (ኢየሱስ ክርስቶስ) ብሓቂ ማህጸን ኣዲኡ ዝኸፈተ እዩ (ዘጸ 13፥12)። ቅድሚኡ ዝተወልዱ ብዙሓት ቦክሪታት ኔሮም፣ ካብ ድንግል ዝተወልደ ግና ፈጺሙ የለን። ወልደ-አብ ህያው በይኑ ጥራይ እዩ፣ ብድንግልና ካብ ዝተሓትመ ማህጸን ዝተወልደ። ንሱ በይኑ ጥራይ እምበር፣ ካልእ ካብ ድንግል ዝተወልደ ፈጺሙ የለን።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር

ምንጪ፦ Mary and the fathers of the Church: Virgin Mary in Patristic Thought, Ignatius 1999. St Epiphanius of Salamis, pg 128-130