ጸሎት

ጸሎት ኣብ መንጐ ሰብን እግዚአብሔርን፡ ካብ ምድሪ ናብ ሰማያት እተዘርግሐት መራኸቢት ድልድል ኢያ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ክቡራን ቅዱሳን ነዛ ድልድል ተጠቒሞም፡ ብቕድስና ተመላለሱላ።

በዛ ድልድል ክትሳገር ትደሊዶ? ጉድለት እምነትካ እተርሕቕላ፡ ኃይሊ ጽንዓት እትረኽበላ፡ ምርኵስ ድኻምካ፡ መጸናንዒት ኃዘንካ፡ ማዕከን ተስፋኻ፡ ልብኻ ንዝተረረ እትሰብር፡ ጸጋኒት ድኹም መንፈስ፡ መኽፈቲት ሰማይ፡ ስባሔ መላእክት፡ ምግቢ እግዚአብሔር፡ መሳልለ ያዕቆብ፡ መርኆ ሰማያት፡ ሓጻቢት ዝተጐረ ልቢ፡ ሓዳሲት መንፈስ፡ ነፍሲ እተዕርፈሉ ወደብ፡ ምንጪ ንብዓት፡ ኣፈጻሚት ልማኖ፡ ኣናዛዚት ኃጢኣት፡ ነፍሲ ጥርዓና እተቕርበላ፡ መራገፊት ጾር ጸሎት ኢያ።

ጸሎት ካብዚ ፈተና ዝበዝኆ ሥጋዊ ሕይወት፡ ናብቲ ሓርነት ዘሎዎ መንፈሳዊ ሕይወት እትሳገረላ ድልድል ኢያ። ቅዱሳን ብገድሊ እተሳገሩላ፡ ሰማዕታት ኣኽሊል ዝረኸቡላ፡ ኣቦታት እተባረኹላ፡ እተስተማቕራ ግና ዘይትድህስሳ ድልድል! ካብ ፍላጻታት ሰይጣን እንድኅነላ ዕርዲ፡ ንጥርጥር እነዳኽመላ መሣርሒት፡ ኣርሓቒት መከራ፡ ኣዝሓሊት ቍጥዐ፡ ኣምጻኢት ራህዋ ጸሎት ኢያ። ጸሎት ንነፍሲ ምግቢ፡ ንኣእምሮ ብርሃን፡ ንዘለዓለማዊ ሓጐስ ንእጥዕመላ ዝርግሕቲ ኢድ ኢያ።

ናብ ሰማያት ምስ እምነት ኰይና እተንፍር መንገብገብ፡ ሓሰብ እግዚአብሔር እንርእየና ጸዳለ ብርሃን ኢያ። ጸሎት፡ ካብ ጊዜና ዕሽር እንኸፍለላ፡ ውዳሴ እነቕርላ ምኽኒት ምፍጣርና ኢያ። ነፍሲ እትዓጥቃ፡ ዲያብሎስን ሠራዊቱን ዝውግኡላ ቀስቲ፡ ካብ ኣሳደድቲ እተዕቆበላ በዓቲ፡ ካብ ኃጢኣት ርሒቕካ ናብ ኣምላኽ እትቐርበላ ኣፍደገ ኢያ።

ጸሎት፡ ግራት ልብና ፍረ መንፈስ ቅዱስ ንኸብቑል፡ እትዝራእ ፍረ ዘርኢ፣ ድርቂ ልብና እነረስረሰላ ነጠብጣብ ማይ ኢያ። ጸሎት፡ ደባን ምስሊ ኣሊና ቅኑዕ መንነት ነፍስኻ እንርእየላ መረጼን ኢያ። ጸሎት፡ ኢያሱ ጸሓይ ዘቖመላ፡ ኤልያስ ሰማያት ዘርኃወላ፡ ሓዋርያት ምዉታን ዘተንሥኡላ፡ ሕሙማት ዝፈወሱላ፡ ዕንዝራ ስብሓት እተሰምየ ኤፍሬም ሶርያዊ እተባረኸላ፡፡ አባ ኣብራሃም እምባ ዘንቀሳቐሰላ፡ ኣበው ከዊነ እሳት ዝተቐየሩላ ምንጪ ቅድስና ኢያ።

ጸሎት ኣምልኾኻ እትፍጽመላ፡ ምስጋናኻ እተቕርበላ፡ ኃጢኣትካ እትናዘዘላ፡ ብኽያት ነፍስኻ እተስምዓላ መስኮት ኢያ። ንነፍስኻ ዕረፍቲ ክትረክብ፡ ሕይወትካ ክባረኽ፡ በዛ መስኮት እቶ። ብኣኣና‘ውን ተመላለስ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር!

ኤፕክታሲስ ኣጋጲስ