ልደትካ መስተንክርን መግለጺ ኣልቦን እዩ! ቅ. ያእቆብ ዘስሩግ

ቅዱስ ያእቆብ ኣብ 5 ክፈለ ዘመን ኣብ ሶርያ እትርኸብ ናይ ሓንቲ ስሩግ ትበሃል ንኢሽተይ ዓዲ ጳጳስ ዝነበረ ኮይኑ፣ ብዙሕ ጽሑፋት ብግጥማዊ መልክዕ ዝጸሓፍ ናይ ቤተክርስቲያን ሊቅ ኣቦ እዩ። እዚ ጽሑፍ፣ ብዛዕባ ልደት ካብ ዝደረሶ ግጥማዊ ስርሓት ዝተወስደ እዩ። በረኸት ናይ ኣቦና ቅዱስ ያእቆብ ምስ ኲልና ይኹን፣ ሰናይ ንባብ።

ኦ ወልደ እግዚአብሔር፣ ልደትካ ኣዝዩ መስተንክር እዩ፣ በዛ ድኽምቲ መልሓሰይ ጌረ ነዚ ኣዝዩ ድንቂ ዝኰነ ናይ ልደትካ ታሪኽ ከመይ ጌረ ከዘንቱ፧ ኣፈይ ኣይትኽእልን። ናትካ ምግላጽ ካብ ናይ ደቂ ሰባት ልሳን ልዕል ዝበለ እዩ፤ ኣነ ድዂም ደኣ`ሞ ከመይ ጌረ እየ፣ ነዚ ናትካ ናይ ልደትካ ነገር ከዘንቱ ዝኽእል፧

ኦ ጐይታ፣ ዓለም ብምልእታ ልደትካ ከተዘንቱ ኣይከኣላን እዩ፣ ኣነ ድዂም ዝዀንኩ ደኣ ከመይ ጌረ እየ፣ ልደትካ ከዘንቱ ዝህወክ፧ ኣብ (ናይ ባህርይ ኣቦኻ) በይኑ ጥራይ እዩ ብዛዕባ ልደትካ ዝፈልጥ፣ ካብ ዶሮና ዝተፈጠርኩ ኣነ ሓመድ ደኣ በየናይ ኣፈይ እየ ብዛዕባኻ ክዛረብ ዝኽእል፧

ብዛዕባ መለኮታዊ ልደትካ ክዛረብ ዝኽእል መን እዩ፧ ምክንያቱ እዚ ነገር እዚ ካብ ኣዴኻ ዉን ዝተሰወረ እዩ። ናትካ ምግላጽ ካብ ደቂ ሰባት ዝተሓብአ እዩ። ብዘይኻ ኣብ (ናይ ባህሪ ኣቦኻ)፣ ካልእ ብዛዕባኻ ክዛረብ ዝክእል ልሳን የለን። ኣነ ደኣ ከመይ ጌረ፣ በየናይ መገዲ’ኸ እየ፣ ብዛዕባ ስዉር ዝዀነ ህላዌኻ ክዛረብ ይኽእል፧

ናይ ልደትካ ነገር ካብቶም ትጉሃት መልኣክቲ ዉን ስዉር እዩ። ከመይ ጌሩ እዩ`ሞ ናተይ ናይ ድኹም ቃል፣ ከም ህያብ ኮይኑ ነቲ ናትኻ ልደት ክገልጽ ዝኽእል፧

ብዛዕባ ማህደርካ ማንም ዝፈልጥ የልቦን። እቶም ኣገልገልትኻ ዝዀኑ ኪሩቤል ዉን፣ ብዛዕባ መሕደሪኻ ዉን ኣይፈልጡን። ብዛዕባኻ ንኽዛረብ ደኣ፣ ኣእምሮይ ናበይ ቦታ እየ ከብሎ፧

ወስብኃት ለእግዚአብሔር!