“ኣምላኽካ ኲሉ ግዜ ዘኽር” ኣባ መቃርዮስ ዓቢ

ሓደ ወዲ መዝሙር ዝበሃል፣ ኲሉ ግዜ ንእግዚአብሔር ኣምላዂ ኣብ ዉሽጡ ክዝክር ኣለዎ። ምክንያቱ ቅዱስ መጽሓፍ “ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ብሙሉእ ልብኻ ኣፍቕር” እዩ ዝበለ /ዘዳግም 6፡5/።

ናብ ቤተክርስቲያን ወይ ናብ ቤት ጸሎት ክትኣትው እንከለኻ ጥራይ ኣይኰነን፣ ንኣምላኽ ክትዝኽሮ ዝግብኣኻ። እዃ ደኣ ኣብ ኲሉ ኩነታት፣ ክትጓዓዝ፣ ክትበልዕ፣ ምስ ካልኦት ክትዘራረብ እንኸሎካ፣ ኣብቲ መዓሙቕ ዉሽጥኻ ንኣምላኽ ዘክሮ።

ቅዱስ መጽሓፍ “እስመ ኀበ ሀሎ መዝገብክሙ ህየ ይሄሉ ልብክሙኒ/ መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፣ ልብኹም ኣብኡ ኣሎ”በለ /ማቴዎስ 6፡21/ ፤ ብርግጽ ከኣ ከምኡ እዩ፣ እቲ ልብኻ ኣብ ዘውደቕካሉ ነገራት፡ ልብኻ ዝሃብካዮ ነገራት፡ መዓሙቕ ትምኒትካ ዝሰሓቦ ነገራት፣ እሱ እቲ ነገር ኣምላኽካ እዩ።

ልቢ ወዲ መዝሙር ኲሉ ግዜ ንእግዚአብሔር ዝናፍቕ እንድሕሪ ኮይኑ፣ እግዚአብሔር ድማ ጐይታ ናይታ ልቢ ክኸዉን እዩ

ምንጪ

McGuckin, John Anthony. The Book of Mystical Chapters: Meditations on the Soul’s Ascent, from the Desert Fathers and Other Early Christ ian Contemplatives. Shambhala Publications, 2003. ገጽ 21 /digital format/