መንገዲ ባሕታዉያን 15
ምዕራፍ 15. ጸሎት 1 ጸሎት፤ ቀዳማይን፣ ኣዝዩ ኣገዳሲ መስርሒን እዩ። ኣብ ናይ መንፈሳዊ ገድሊ ወሳኒን ኣድላዪን ዉን እዩ። ከመይ ከም ዝጽለ ተማሃር፣ ጸሎት ኣዘዉትር፣ ሽዑ እቲ ዘሸግረኻ ጸላኢ ሰናያት ክትስዕሮ ትኽእል። ጸሎትን እምነትን ከም...
ምዕራፍ 15. ጸሎት 1 ጸሎት፤ ቀዳማይን፣ ኣዝዩ ኣገዳሲ መስርሒን እዩ። ኣብ ናይ መንፈሳዊ ገድሊ ወሳኒን ኣድላዪን ዉን እዩ። ከመይ ከም ዝጽለ ተማሃር፣ ጸሎት ኣዘዉትር፣ ሽዑ እቲ ዘሸግረኻ ጸላኢ ሰናያት ክትስዕሮ ትኽእል። ጸሎትን እምነትን ከም...
ኦርቶዶክስ እንታይ ማለት እዩ፧! ነዚ ሕቶ ቅድሚ ምምላስና፣ ካልእ ሕቶ ክንሓትት። እዚ ሕቶ`ዚ ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሓተቶ ቀንዲን ኣገዳሲን ሕቶ እዩ። “ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም፧ ወዲ መንከ እዩ፧” /ማቴ 22፥43/ “ሰባት...
ምዕራፍ 13. ኣዕሚቕካ ገስግስ ግዳማዊ ፍልማዊ ስጉሚታት ናብቲ ኣብ ውሽጢ ዚፍጸም ኵናት ይመርሑና። ከምቲ ሓደ ንሽጉርቲ እንተቐሊጥናዮ ካልእ ቅላጥ ዚጸንሖ፣ መሥርሕ ምቕላጥ ምስ ቀጸለ ዉን ነቲ ውሽጣዊ ኣካል ማለት እቲ ምስተዘርአ ናብ ብርሃን ዚበቁልን ዓካር ዚረክብ፣ ከምኡ ድማ ብተመሳሳሊ ነቲ ኣፋኣዊ ፍልማዊ ስጉሚታት እናወሰድካ...
ምዕራፍ 12. ተኣዛዝነት ናይ ገዛእ ርእስና ፍቓድ ንምስዓር ኣብ ንገብሮ ቃልሲ፣ ተኣዛዝነት ሓደ ካብቶም ቀንዲ ኣገደስቲ መስራሒ እዩ። ቅዱስ ዮሃንስ ክሊማኩስ ከም ዝገልጾ፤ ‘ተኣዛዝነት፡ ሰብነትና ብዝያዳ ንመፈሳዊ ህይወት ምእንቲ ኸገልግለና እንላመደሉን ነመዓራርየሉን ሜላ እዩ’።...
ምዕራፍ 11. ዉሽጥኻ ምጽራይ ግዳማዊ (ዓለማዊ) ፍትወታትኻ ምርሓቅ ማለት፣ ዉሽጥኻ ዉን ምጽራይ እዩ። ንስጋኻ ካብ ዝኣስሩኻ ስጋዊ ሓልዮታት ሓራ ምዃን፣ ንልብኻ ካብ ዉሽጣዊ ቃንዛ ምፍዋስ`ዩ። ነዚ ነገር ምእንቲ ክትበጽሖ፣ ኣንጻር ገዛእ...
ምዕራፍ 10. ሓጢኣትኻን ሓጢኣት ካልኦትን እምበኣር ሓጥእ፣ ዘይትጠቅምን፣ ድርቡይን ምዃንካን ካብ ተገንዘብካ፤ ከምቲ ኣፍ ልቡ ዝወቅዐ ተጋዊ /ሉቃ 18፥13/፣ ንስኻ ዉን ምሕረት እግዚአብሔር ለምን። “ኦ እግዚአብሔር ንዓይ ንሓጥ መሓረኒ!” በል። “ካብቲ ተጋዊ ዝገደድኹ ሓጥእ...
ምዕራፍ 9. ንዓለም ምስዓር ቅዱስባስልዮስዓቢ“ ሓቀኛ ፍልጠት ብርቡሽ ልቢ ክንቀርቦ ኣይንኽእልን“ በለ። ስለዚ ንልብና ካብ ዚርብሽን ዘይርግኣት ዘለዓዕልን ዝኾነ ነገር ካብ ምግባር፣ ምርሳዕ ዘስዕብ ነገር፣ ውዕውዕ ስምዒት ወይ ድማ ፍትወት፣ ክንቍጠብ ይግባእ። ክሳዕ ዚከኣለና ንነብስና ካብ እንጽርጽሮት ተርባጽ ሸቐልቐል፣ ከንቱ ዝኾነ ነገር ካብ ምስራሕ፤ ሓራ...
3. ሰማያዊ መዋጥርን፣ ፍታሕ ብተዋህዶን. . . ይቕጽል 11. ሰባት ብዉልቃዊ ጻዕሮም ንኣምላኽ ክፈልጥዎ ኣይኽእሉን፣ እግዚአብሔር ባዕሉ`ዩ መንነቱ ዝገለጸሎም። ሰብ ብባህሪኡ ዉሱንን ድሩትን ስለዝኾነ፣ ነቲ ዘይዉሰን፣ ዘይምርመርን፣ ረቂቅን ዝኾነ እግዚአብሔር ክፈልጦ ኣይኽእልን። ክፈጥረና እንከሎ...
ሰለስተ መዓልቲ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ተገሊጹ ኣብዚ ምድሪ ዝነበረሉ ግዜ፣ ብትምህርቱ፣ ተኣምራቱ፣ ሰናይ ግብሩን ጌሩ ስልጣን ከም ዘለዎ ንኣይሁድ ከርእዮም እንከሎ ኲሉ ግዜ ዝሓትዎ ሕቶ፣ “እንታይ ትእምርቲ ተርእየና“ ዝብል ነበረ። ጐይታ ዉን...
መጽሓፍ ቅዱስ በይኑ 5ይ ክፋል . . .መቀጸልታ ሜላ ቁ.2፦ መንፈስ ቅዱስ ቅኑዕ ርድኢት ይህብ ኣብ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማምዑ፣ ፕሮቴስታንትናዊ ሕዳሴ ብዝብል ምንቅስቓስ ቡዙሓት ጉጅለታት ክፍጠሩ ምስ ጀመሩ፣ እቲ ካልኣይ ፍታሕ ኮይኑ ዝቐርብ፣...