እይኰነን ማርያምሲ፣ በዓልቲ ቤትካ ዉን ከተድሕን ትኽእል እያ!

ፈታዉየይ ኣለኒ፣ በዓላ ሓዳር እዩ። ኣጋጣሚ ኣብ ግዜ ቅዳሴ፣”ድሕነት እንልምነኪ. . . ” ዝብል ሓረግ ምስ ሰምዐ፤ ምርባጽ ብዘለዎ ስምዒት፣ “ማርያም`ዶ ተድሕን እያ፧?” ቢሉ ዱብ ኣበለለይ፣ ኣነዉን ህዉክ ኢለ “ኣይኰነን ማርያምሲ፣ በዓልቲ ቤትካዉን ከተድሕን ትኽእል እያ” ኢለ፣ ሃንደበት መለስዂሉ። በዚ ዝጀመረ ዕላልና፣ ናብ መጽሓፍ ቅዱስን ምግንጻልን ምዝታይን፣ እዚ ዝስዕብ ሓሳባት ዝሓዘለ፣ ምምይያጥን ምትህንናጽን ገበርና። እዚ ጽሑፍ’ዚ ዉጽኢት ናይቲ ዝገብርናዮ ምብልላሕን እዩ፣ ” ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ” ምሳሌ 27፥17

ምልኣት መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ጌርና ምስ ንምርምሮን፣ ብመሰረት`ቲ ካብ ጥንቲ “በቲ ሓንሳእ ንቅዱሳን ዝተዋህበት እመነት” ጌርና ነቲ ቃል ምስ ንቕበሎ፣ ነገራት ምልኣት ይህልዎም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ምድሓን” ወይ “ክትድሕን” ወይ “ደሓነ” ወይ “ኣድሓነ” ወይ “መድሓኒ” . . . ወዘተ፣ ማለት ምስ ምድሓን ዝብል ሓረግ ርክብ ዘለዎ ኣሰር ቃል ደሊና ምስ ንፍትሽ። ሓደ ሓቂ ክበርሃልና እዩ። ንሕና ዝገብርናዮ ብምልላሕ፣ ከምዚ ይመስል።

መድሓኒ እግዚአብሔር እዩ!

መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺሉ ዘንበበ ሰብ፣ ብዘይምዉልዋል “እግዚአብሔር መድሓኒ እዩ!”፣ ብዘይ ንሱ ካልእ ምድሓን የልቦን ይብል። ኣብ ብሉይ ኪዳን (ኣብ ግዜ ኦሪት) ብፍሉይ ተኣምራቱ፣ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዉን፡ ነቲ ሓደ ወዱ ብምልኣክ፣ ዘድሓነና ንሱ እዩ። ድሕሪ ዕርገት ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዉን፣ መንፈስ ቅዱስ ናብ ሓዋርያት ብምላኣክ፣ ነዚ ናይ ምድሓን ዕዮ ናብ ኲሉ ዓለም ክስበኽ፡ ክእወጅን፡ ክንገርን ዝገብረ፣ ንሱ እዩ።

ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት፣ ንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር ኣሎኹ፣ ኣምላኸይውን ኪሰምዓኒ እዩ።” ሚክያስ 7:7 “እንሆ፡ ኣምላኽሲ ምድሓነይ እዩ፡ እእመን ኣይፈርህን ድማ እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓይለይን መዝሙረይን እዩ እሞ፡ ንሱ ምድሓነይ ኰነ።” ኢሳይያስ 12፡2 “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን።” ዮሃንስ 3፡16-17 “ንሱ ብምሕረት ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን።” ቲቶ 3፡5

“ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን። ” ግብረ ሓዋ 4፡12

ኻብ ብዙሕ ብዉሑዱ፣ በዘን ኣብ ላዕሊ ዘንበብናየን ጥቅሲታት፣ መድሓኒ እግዚአብሔር ምዃኑ ንጹር እዩ። ጽሟቕ ናይዚ ሓቂ ከምዚ ኢልና ክንገልጾ ንኽእል። ሰብ (ኣዳም) ብሰንኪ ሕጊ ምጥሓሱ፣ በደለ። ብሰንኩ ናቱ በደል ድማ፣ ሞት ኣብ ልዕሊ ኲሉ ሰብ ሓለፈ። “ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኲላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ ሐለፈ።” /ሮሜ 5፡12/ ነቲ ብሓደ ሰብ ዝሓለፈ ሞት፡ ጥፍኣትን፡ ምምሽማሽን፣ ንክስዕር ድማ፣ ካልኣይ ኣካል ካብ ሥላሴ፣ ማለት ወልደ እግዚአብሔር ጸባኦት፣ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ካብ ስጋኣ ስጋ፣ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ፣ ሰብ ኮይኑ ተወልደ። “ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ።” /ገላትያ 4፡4/። ሰብ ኮይኑ ተወሊዱ ድማ፣ ብልደቱ፡ ብህይወቱ፡ ብትምህርቱ፡ ብሕማማቱ፡ ብስቕለቱ፡ ብትንሳኤኡን፡ ብዕርገቱን ኣድሓነና። ንዂሉ ኣድሓኖ!

ነዚ ድሕነት ኣሚኑ ዝቕበሎ ይድሕን። እዚ ምንም ዘካትዕ የብሉን። ድሕነት ዝፍጸም፣ ማለት ሰብ ዝድሕን፣ ነዚ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ድሕነት ስራሕ ኣሚኑ፣ ምስ ዝቕበሎን ምስዝነብሮን ጥራይ እዩ። “ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ ኢየሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።” /ሮሜ10፡12/።

መጽሓፍ ቅዱስ ግና፣ ነዚ ጥራይ ኣይኰነን ዝነግረና። ድሕነትና ኣብ ሓንቲ ኣጋጣሚ ዝፍጸም፣ ናይ ሓደ ግዜ ተግባር ጥራይ ኣይኰነን። ድሕነት “ኣሚነ ኣለኹ” ኢልካ፣ ከበሮኻ ትዘብጠሉ ናይ ሓንቲ ግዜ ኣጋጣሚ ተግባር ኣይኰነን። ጉዕዞ እዩ። ነቲ ናይ ድሕነት ጉዕዞ ክትጅምሮን፣ ክትቕጽሎን፣ ክትዛዝሞን ኣለኻ። ንኣብነት ኣብ ግብረ ሓዋርያት ከነንንብ እንከሎና፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቶም ኣብ በዓለ ኃምሳ ዝነብሩ ኣይሁዳዉያን ብዛዕባ ድሕነት ምስ ሰበኸሎም፣ ኲሎም ኣሚኖም ተጠምቁ ይብሉ። እቲ ጽሑፍ ነቲ ዕዮ ድሕነት ክገልጾ እንከሎ ግና፣ “እግዚአብሔር ድማ ዚድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።” ይብል /ግብረ 2፡47/። ነስተዉዕል “ዚድሕኑ” ደኣ በለ እምበር “ዚደሓኑ” ኣይበለን። “ዚደሓኑ” እንተዝብል፣ ዉድእ ነገር ጌርና ምወሰድናዮ፣ “ዚድሕኑ” ክብል እንከሎ ግና ዝተጀመረ ግን ከኣ ክፍጸም ዘለዎ ነገር ምዃኑ ከነስተብህል ንኽእል። “ኣብ ማእከል እቶም ዚድሕኑን እቶም ዚጠፍኡን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መኣዛ ክርስቶስ ኢና” 2ይ ቆሮ 2፥15/። ድሕነት መስርሕን ጉዕዞ እዩ።

“ኣብቲ ንምዉታት ዜተንስእ ኣምላኽ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንውከልሲ፡ ሞት ከም እተፈርደና ኣብ ውሽጥና ይስምዓና ነይሩ። ንሱ (እግዚአብሔር) ኻብ ክንድዚ ዚአክል ሞት ኣድሒኑና የድሕነና ድማ አሎ፡ ንዳሕራዩውን ከም ዜድሕነና፡ ብእኡ ተስፋ ንገብር ኣሎና።” /2ይ ቆሮ 1፥10/።

እተን በገዘፍቲ ፊደላት ዘለዋ ሓረጋት ( ኣድሒኑና፡ የድሕነና፣ ከም ዜድሕነና፣) ነስተብህለለን። ኣብዚ ሓደ ነገር ከስምረሉ ይደሊ። ብወገን ኣምላክ ክፍጸም ዝግብኦ ዕዮ ዉድእን ሙሉእን እዩ። ነዚ ዉድእ ዝኰነ ናይ ድሕነት ዕዮ ዝኣመነን ዝተቐበለን ሰብ፣ ክዛዝሞ ዝግባእ ጉዕዞ ኣለዎ። ማለት ሓደ ኣማኒ፣ ድሕነቱ ፍጹም ዝኸዉን፣ ክሳዕ መወዳእታ ክሳዕ ዕለቱ ሞቱ እሙን ኰይኑ፣ ነቲ ናይ ድሕነት ጉዕዞ ምስ ዝፍጽሞ ጥራይ እዩ። “ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።” /ራእ 2፥10/ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ።” /ማቴ 24፥13/

ድሕነት ማለት፣ መንግስቲ ኣምላኽ ምዉራስ ጥራይ ዉን ኣይኰነን። ድሕነት ዕብየት እዩ። ክንጥመቕ ከሎና፣ ነቲ ኣረጊት ምድራዊ ኣዳም ቀቢርና፣ ንክርስቶስ ነቲ ሓድሽ ሰማያዊ ኣዳም ንለብሶ /ገላ 3፡27/። ዕርቡን ድሕነትና ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ንቕበል፣ ስጋን ደምን ወልደ እግዚአብሔር ንቕበል፣ በዚ ዉን ምስ ክርስቶስ ሕብረት ይህልወና። ብድሕሪዚ ዘሎ ህይወት፣ ናብ ምስሊ ወዲ ኣምላኽ፣ ናብ ፍጹም ምልኣት ክርስቶስ ምዕባይ እዩ። ከምቲ ዝተወልደ ሕጻን ቀስ እንዳበለ ዝዓብይን፣ ዝያዳ ንወለዱ እንዳመሰለ ዝመጽእን፤ ናትና ዉን ከምኡ እዩ። ብጥምቀት ካብ ኣብራኽ ሥላሴ ምስ ተወለድና፣ እንዳዓበና፣ ዝያዳ ንክርስቶስ እንዳመሰልና ንኸይድ /ኤፈ 4፥11-13/። እዚ ዕብየትን ጉዕዞን ድማ፣ በይንኻ ዝፍጸም ኣይኰነን።

ድሕነት በይንኻ እትፍጽሞ ጒዕዞ

ሓደ ሰብ ምስ ኣመነ፣ በይናዊ ክርስቲያናዊ ህይወት ኣይኰነን ክመርሕ። ሓደ ሰብ ክርስትያን ምስ ኰነ፣ ኣካል ስጋ ክርስቶስ ይኸዉን። እግዚአብሔር ኣቡኡ፣ ቤተክርስቲያን ከኣ ኣዲኡ ትኸዉን። “ከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስ፡ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ፡ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ስጋ ዝዀነ፡ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ። ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያን፡ ባሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና፡ ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና።. . .ሓደ ኣካል እንተ ተሰቀየ፡ ኲሉ ኣካላት ይስቀ፡ ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸኣ፡ ኲሉ ኣካላት ሐቢሩ እዩ ዚሕጐስ። እምብኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም” /1ይ ቆሮ 12/ ሓደ እግዚአብሔር፡ ኣቦና፣ ሓደ ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ርእስና፣ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ድማ፡ መስተ ህይወትና ይኸዉን። ንሕና ኲላትና ድማ፣ ሓደ ኣካል፡ ሓደ ህንጻን፡ ሓንቲ ስድራን ንኸዉን። ቅዱስ ጳዉሎስ ብልሳኑ ድማ ከምዚ ጌሩ ኣብ ካልእ ገሊጽዎ ኣሎ።

ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ብደም ክርስቶስ ቀረብኩም። ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ እሞ፡ ብርእሱ ዕርቂ እናገበረ፡ ካብዞም ክልተ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺፈጥር፡ ነቲ ጽልኢ፡ ንሱ ኸኣ ሕጊ ትእዛዝ ብስርዓት፡ ብስጋኡ ስዒሩ፡ ብመስቀሉውን ነቲ ጽልኢ ብእኡ ቐቲሉ፡ ንኽልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም። ንኽልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለ ዘሎና ኸኣ፡ ንኣኻትኩም ርሑቓት ዝነበርኩም መጺኡ ሰላም ኣበሰረኩም፡ ነቶም ቀረባ ዝነበሩውን ሰላም ኣበሰሮም። እምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይሽን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩምን። ኣብኡ ብዘሎ እቲ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዓቢ እዩ። ንስኻትኩምውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኰኑ ሐቢርኩም ትህነጹ አሎኹም” /ኤፈሶን 2/

ኣብዚ ሰብነት፡ ኣብዚ ህንጻ፡ ኣብዚ ስድራ`ዚ ኲልና ሓደ ኢና፣ ብመንፈስ ቅዱስ ሕብረት ኣለና፣ ርእስና ከኣ ክርስቶስ እዩ፣ ኲልና ከኣ ኣካላቱ ኢና። ኣብዛ ሰብነት ክርስቶስ ዝዀነት ቅድስት ቤተክርስቲያን ድማ፣ ቅድሜና ዝሓለፉ ኲሎም ቅዱሳን ኣካላታ እዮም። እቶም ብህይወት ዘለና ጥራይ ዘይኰንናስ፣ ዋላቶም ቅድሜና ዝሓለፉ ነብያት (በዓል ሙሴ፡ ኤልያስ፡ ኢሳይያስ. .)፣ ሓዋርያት (በዓል ጴጥሮስ፡ ዮሓንስ፡ ያዕቆብ. . )፣ ሰማእታት (በዓል እስቲፋኖስ፡ ኣግናጥዮስ፡ ፖሊካርፐስ. .)፡ ኲሎም ቅዱሳን (በዓል እንጦንስ፡ ኣባ ጳዉሊ፡ ዮሓንስ ኣፈወርቅ. .)፣ ብዓባያ ወላዲተ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ኲሎም እዚኦም ኣካላትና እዮም። በይንና ኣይኰንናን፣ ብክርስቶስ የሕዋትናን ኣካላትናን ዝዀኑ ብዙሓት ቅዱሳን ኣለዉ። “ሓደ ኣካል እንተተሳቐየ ድማ፣ ኲሉ ኣካል ሓቢሩ ምስኡ ይስቐ” እንድዩ ዝበለ እቲ ቅዱስ ቃል። ኣብዚ ስጋ ክርስቶስ ዝኰነት ቤተክርስቲያን፣ ነዚ ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ጉዕዞ ድሕነት ዛዚሞም ቅድሜና ዝሓለፉ ኣመንቲ ቅዱሳን (ብዓባያ ወላዲተ ኣምላክ) ኣለዉ። “ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ” ይኸዉን። ስለምንትይ እቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ፣ ኻባና ሓደ ሓጥእ ክንሳሕ እንከሎ፣ ይሕጎሱ፧ ሓደ ኣካል ስለዝዀንና ኢና። ኣፍንጫ እንተሃረምካያ፣ ዓይኒ ትነብዕ።

ተነሲሕና ካብ ዝሕጎሱስ፣ ወዲቕና’ከ እንታይ ይዀኑ? ናብ ጐይታ ይጽልዩ፣ የማልዱ፣ ይልምኑ። ዝያዳ ክበርሃልና፣ መልእክቲ እብራዉያን 11ን 12ን ነንብቦ። ቅዱስ ጳዉሎስ፣ ቅድሚኡ ዝሓለፉ ኲሎም ቅዱሳን ኣብ መዕራፍ 11 ይዝርዝሮም እሞ፣ ብድሕሪ’ዚ ከምዚ ኢሉ ይቕጽል። “ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣክል ደበና ምስክር (እቶም ኣብ ምዕራፍ 11 ዝጠቀሶም ኲሎም ቅዱሳን) ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። ናብቲ፡ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰ ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን ኢየሱስ ንጠምት” ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገልጽናዮ፣ ድሕነት ጉዕዞ፣ ወይ ዉን ጒያ እዩ። ቅዱስ ጳዉሎስ፣ ንናይ ድሕነት ጒዕዞና፣ ልክዕ ስፖርተኛታት (ኣትሌታዉያን) ኣብ ቅድድም መወዳደሪ ዝፍጽምዎ ዓይነት ጉያ ጌሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ኣብ ቅድድም ጉያ፣ ተቐዳደምቲ ይጎዩ፣ ደገፍቲ ድማ ሞራል እንዳሃቡ ኣጆኻ ይብልዎ። እቶም ደገፍ ዝህቡ ኣብ ዙርያ ናይቶም ጎየይቲ ኮይኖም የጣቅዑ። ምድራዉያን ጎየይቲ ዝሽለምዎ ገንዘብ ወይ ዉን ዋንጫ ኣሎ። ኣብ ጉዕዛ ድሕነት፣ ምስ ንምለስ፤ እቲ መስርሕ ተመሳሳሊ እቶም ተሳተፍቲ ግና ፍሉያት እዮም። ተወዳደርቲ ምእመናን ኢና፣ መቀዳደሚ ሕንጻጽ ድማ ገድሊ ቅድስናን ንጽህናን፣ ብሓጺሩ ህይወት እዩ። እቲ ስልማት ከኣ፣ ምስ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምንባር እዩ። እቶም ደገፍትና ድማ፣ ደበና ምስክር ኢልዎም ዘሎ፣ ቅድሜና ዝሓለፉ ቅዱሳን እዮም። ምድራውያን ደገፍቲ ሞራል ብምሃብ ካብ ደገፉ፣ ሰማያዉያን ደግፍቲ (ደበና ምስክር) ድማ ብጸሎት ይድግፉና።

“ንስኻትኩም (ንሕና) ናብ ከረን ጽዮንን ናብታ ኸተማ ህያው ኣምላኽ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ናብቶም ኣእላፋት መላእኽትን ኢኹም ዝበጻሕኩም፡ ናብ ጉባኤ ዅሉ፡ ናብ ማሕበር እቶም ኣብ ሰማያት ተጻሒፎም ዘለዉ በዅራትናብ ኣምላኽ ፈራድ ኵሉ፡ ናብ መናፍስቲ እቶም ፍጹማን ጻድቃንንናብ ኢየሱስ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳንን ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ዝሔሸ ዚዛረብ ምንጻግ ደምን በጺሕኩም አሎኹም።”

ናብ ኣምላኽ፡ ናብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ናብ ከተማ ኣምላኽ፣ ናብ ቅዱሳን መላእክት፣ ማሕበር በኲራት፣ ናብ መናፍስቲ ጻድቃን በጺሕና ኣለና (ክትበጽሑ ኢኹም ዘይኰነስ፣ በጺሕኩም ኣሎኹም እዩ ዝበለ)። በይንና ኣይኰንናን፣ ኣብ ጉዕዞ ድሕነትና ዝሓብሩ፣ ኣብ ሰማያት ዝመደበሮም ብክርስቶስ የሕዋትን ኣሓትን ኣለዉና። ምክንያቱ፤ እዛ ስጋ ክርስቶስ ዝዀነት ሓንቲን ቅድስትን ቤተክርስቲያን፣ “እንተ ብመድር ሠረዊሃ፣ ወበሰማይ ኣዕጹቂሃ/ መሰረታ ወይ ዉን ሱራ ኣብ ምድሪ፣ ኣቁጽልታ ድማ ኣብ ሰማይ እዩ”

Today, you view for more levitra without prescription are able to find these systems directly built into the car’s inboard or you can simply stay with this problem.

በይንኻ ትወድቕ ትኸዉን፣ በይንኻ ግና ኣይትድሕንን” ብሂል ቅዱሳን ኣበው

መስርሕ ምድሓን ብብዙሕ መገዲ ይፍጸም

መስርሕ ድሕነት ብከፊሉ ካብ ተረዳእና። ሕጂ ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ምልስ ኢልና፣ ምድሓን ዝብል ቃላት ንፈትሽ። ዘድሕን እግዚአብሔር እዩ። ንዕኡ ብምእማን ከኣ እቲ ድሕነት ይጅምር። ማለት ብወልደ እግዚአብሔር ዝአመነ ሰብ፣ ኣብቲ ናይ መስርሕ ድሕነት፣ ኣብቲ ናይ ድሕነት ጉያ ኣትዩ’ሎ ማለት እዩ። እቲ ናቱ ምድሓን ኣብ ህይወትና ብብዙሕ መገዲ እዩ ዝፍጸም።

  • “ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።” ኤፈሶጅን 2፡8
  • ብጥምቀት ትድሕን ኢኻ። “ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን እዩ።” ማርቆስ 16፥16 “እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም አሎ፡” 1ይ ጴጥ 3፥21
  • ብስብከት ትድሕን ኢኻ። “ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይኣመኑ ኸመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኻ፡ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑ፡ ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧ ከመዮ፡ ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ ኽንደይ ጽቡቕ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ፡ እንተ ዘይተላእኩስ፡ ከመይ ገይሮምዶ ኺሰብኩ እዮም፧” ሮሜ 10፥14
  • ቅዱስ ጳዉሎስ የድሕን እዩ። “ኣነ እቶም ድኹማት ምእንቲ ኽረብሕ ድማ። ምስቶም ድኹማት ድኹም ኰንኩ። ብዂሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን፡ ንዂላቶም ኲሉ ዀንኩ።” 1ይ ቆሮ 9፥22
  • ቅዱስ ጤሞቴዎስ ንገዛእ ርእሱን ንካልኦትን ከድሕን ይኽእል “ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ፡ በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰሞዑኻን ከተድሕን ኢኻ።” 1ይ ጢሞ 4፥16
  • ቅዱስ መጽሓፍ ከድሕን ይኽእል፣ “ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተምሃርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ።” 2ይ ጢሞ 3፥15
  • “እቲ ንሓጥእ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዚመልሶ፡ ንነፍሱ ኻብ ሞት ከም ዜድሕን፡ ብዝሒ ሓጢኣትውን ከም ዝኸድን፡ ይፍለጥ።” ያዕቆብ 5፥20
  • ጓሂ የድሕን እዩ። “ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽሲ ንምድሓን ዚኸውን ዘይትጠዓሰሉ ንስሓ የምጽእ፡ ጓሂ ዓለም ግና ሞት እዩ ዜምጽእ።” 2ይ ቆሮ 7፥10
  • ሰበይቲ ንሰብኣያ፣ ከምኡ ዉን ሰብኣይ ንሰበይቱ ከድሕን ይኽእል፣ “ሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ ኣላቶ፡ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወት፡ ኣይፍትሓያ፡ ሰበይቲውን ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣለዋ፡ ንሱ ኸኣ ምስኣ ኺነብር እንተ ፈተወ፡ ነቲ ሰብኣያ ኣይትፍትሓዮ። ኣቲ ሰበይቲ፡ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢ፧ ወይስ ኣታ ሰብኣይ፡ ንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧” 1ይ ቆሮ 7፥15
  • ሰበይቲ ዉሉድ ብምዉላድ ክትድሕን ትኽእል። “ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ እንተ ጸኒዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ።” 1ይ ጢሞ 2፥15
  • ንሕና ንካልኦት ከነድሕን ተኣዚዝና ኣለና፣ “ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም፡ ብመንፈስ ቅዱስውን እናጸሌኹም፡ ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹምሲ፡ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ። ንገሊኦም፡ ነቶም ዚጣራጠሩ፡ ኣረድእዋም። ንገሊኦም ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፡ ንገሊኦም ድማ፡ ነቲ ብስጋ ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናጸላእኩም፡ ብፍርሃት ደንግጹሎም።” ይሁዳ 1፥20-23

ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ጥቅሲታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምድሓን ብዝተፈላለየ መገዱ ከም ዝፍጸም የነጽረልና። እዚ ኲሉ ግና ካብ ሕብረት ክርስቶስ ተፈሊኻ ዝፍጸም ድሕነት`ዶ ይኸዉን። ኣይኰነን?! ሕጂ ዉን ደጊመ ክሕብሮ ዝደሊ ነገር ኣሎ፣ ድሕነት ብጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ዝፍጸም። ኣብ ትሕቲ ምድሪ ክንድሕነሉ ዝግባእ ካልእ ስም የልቦን። የግዳስ ኣብ ጉዕዞ ድሕነትና፣ ዝሳተፉ ብዙሓት ኣካላት፣ ኣለዉ። ብጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበና ድሕነት ተቐቢልና፣ ምድሓንና ክንፍጽም ኣብ ንገብሮ ጒዕዞ ድሕነት፣ እቲ ዘድሓነና ኣምላኽ፣ ምስና ኮይኑ ንድሕነትና ይፍጽሞ እዩ፣ ኣብ መወዳእታ ዉን ከድሕነና ተስፋ ኣሎና። ኣብ ጉዕዞ ድሕነትና ግና፣ ብዙሓት ኣካላት ታራን ዕማምን ኣለዎም። ታራ ዘለዎም ነግራት ንምጥቃስ ዝኣኽል፣ ጥምቀት፡ ቅብኣ መንፈስ ቅዱስ፡ ስግኡን ደሙን ምቕባል፣ ናይ ንስሓ ጓሂ /2ይ ቆሮ 7፥10/፣ መንፈሳዊ ምልምማድ /1ይ ጢሞ 4፥8/፣ ንድኻታት ምርዳእ፡ ንዝጠመዩ ምብላዕ፡ ንዝጸምኡ ምስታይ /ማቴ 25፥34/፣ ጾምን ጸሎትን፣ ምንባብ ቅዱስ መጽሓፍ፣ እዞም ኲሎም ነገራት ኣብ ድሕነትና ታራ ኣለዎም።

ወንጌል ዝሰብኸና ሰባኺ (ጳጳስ፡ ካህን፡ ዲያቆን፡ ሰባኪ ወንጌል፣ መምህር)፣ ኣብ ድሕነትና ታራ ኣለዎም። ምክንያቱ ብስብከቶም ኢና ነቲ መድሓኒ ዝዀነ ጐይታ ንፈልጦ፣ ብትምህርቶም ኢና ህይወት ክርስትና ንመሃሮ፣ ብጉስነቶም ኢና ነፍስና ንቕድሳ። ጌጋ ክንገብር ርእዩ ዝምዕደና ሰብ፣ ኣብ ድሕነትና ታራ ኣለዎ። ሰበይቲ ኣብ ድሕነት ሰብኣያ፣ ሰብኣይ ዉን ኣብ ድሕነት ሰበይቱ ታራ ኣለዎም። ዉሉድ ኣብ ድሕነት ወለዱ ታራ ኣለዎ።

ጳዉሎስ ብስብከቱ ንብዙሓት ኣድሒኑ እዩ፣ ጤሞቴዎስ ዉን ከምኡ። ቅዱስ ይሁዳ ዉን፣ ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም ኢሉና ኣሎ። እዚ ማለቱ ግና፣ ናይ ክርስቶስ ቦታ በዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮም ነገራት ተተኪኡ ማለት ድዩ፣ ፍጹም ኣይኰነን። ምስ ክርስቶስ ብምሕባርናን ምስኡ ሓድነት ስለዘሎናን እዩ፣ እዚ ኲሉ ታራ ዘህልዎ። ጸሎት ናይቶም፣ ምድራዊ ጉዕዞ ድሕነት ፈጺሞም ኣብ ሰማያት ምስኡ ዝዓረፉ ቅዱሳን ዉን፣ ኣብ ህይወትና ዓቢ ታራ ኣለዎ። ብፍላይ ናይ ወላዲቱ ቅድስት ድንግል ማርያም ጸሎትን ኣማላድነትን ዝለዓለ ታራ ኣለዎ። ኣብ ቅዳሴ ዉን ዋዛ ኣይኰነን ከምዚ ኢልና ንጽሊ።

“ተፈሥሒ፣ ኦ ዘንስእለኪ ዳኅና፣ ኦ ቅድስት ምልዕተ ክብር፣ ድንግል ብኲሉ ጊዜ፣ ወላዲተ ኣምላክ እሙ ለክርስቶስ፣ ኣዕርጊ ጸሎተነ፣ ዲበ መልዕልት ኀበ ፍቁር ወልድኪ፣ ከመ ይሥረይ ለነ ኃጣዉኢነ።” “ድሕነት እንልምነኪ፣ ክብሪ ዝተመላእኪ፣ ቅድስቲ፣ ኲሉ ጊዜ ድንግል ዝኾንኪ፣ ወላዲተ ኣምላኽ፣ ኣደ ክርስቶስ ደስ ይበልኪ። ኃጢኣትና ክሓድገልና፣ ጸሎትና ናብ ላዕሊ ናብ ፍቁር ወድኺ ኣዕርግልና።

ኣብዚ ጸሎት ቅዳሴ ዘሎ ጸሎት ሕጂ ዝመጽአ ሓድሽ ምህዞ ከይመስለኲም ዉን፣ ካብ 250 ዓም ከም ዝተጻሕፈ ዝእመነሉ፣ ጸሎት ዉን ወስ ክብለልኹም

ኦ ወላዲተ ኣምላክ፣

ኣብ ትሕቲ ረድኤትኪ ንዑቆብ ኣለና`ሞ፣

ኣብ ግዜ ጸገምና

ልማኖና ኣይትንጸግዮ።

ኦ ንጽህትን ብጽእትን ዝዀንኪ፣

ካብ ሓደጋ ዉን ኣናግፍና።

መደምደምታ

“ኣቱም ፍቁራተይ፡ እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ከየሎኹ ግዳ እቲ ዚበዝሕ እምበር፡ ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከምቲ ዅሉ ሳዕ እተኣዘዝኩም፡ ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ። /ፊሊጲስዩስ 2፥12/።

ድሕነት፣ “ንሕና ዂልና ብእምነት ሓደ ዄንና፣ ንወዲ ኣምላኽ ፈሊጥና፣ ናብ እዂል ሰብኣይ፣ ናብ ክርስቶስ ምልኣት ብጽሕና፣ ክሳዕ እንበጽሕ እዩ።” /ኤፈ 4፡13/። “ድሕነት ኣንልምነኪ” ኢልና ንድንግል ማርያም ክንጽዉዓ እንከለና፣ እንኮ ንሳ ጥራይ፣ ብዘይ ክርስቶስ ወዳ ባዕላ በይና፣ ብናታ ሓይሊ፣ ብናታ መገዲ ተድሕን እያ፣ ማለትና ኣይኰነን። እዚስ ካባና የርሕቆ፣ ኣምልኮ ጣኦት ዉን እዩ። ኣምላክ ካብ ከምኡ ይሰዉረና።

እንታይ ደኣ፣ ኣብታ ሰብነት ክርስቶስ ዝዀነት ቤተክርስቲያን፣ ንሳ ዉን ኣባል እያ። ብሕብረት መንፈስ ቅዱስ፡ በቲ ርእስና ዝዀነ ክርስቶስ ዉን ሕብረት፡ ሓድነትን፡ ርኽብን ኣለና። ብፍቕሪ ዝሰመርና፣ ብመንፈሳዊ ሓይሊ ዝተዛመድና፣ ብዉልድነት ስላሴ ዝተኣሳሰርና ኢና። ሓንቲ ኣካል ክሳቀ፣ ኲሉ ኣካል ምስኡ ሓቢሩ ይስቐ፣ እንድዩ ዝበለ እቲ መጽሓፍ። ስለዚ ንሕና ክንናሳሕ፣ ትሕጎስ። ንሕና ክንእብስ እንከሎና ድማ፣ ትሓዝን እያ።

ምድሓንና ክንፍጽም ኢልና ምስ ኣምላኽ ሓቢርና እንገብሮ መንፈሳዊ ገድልና፣ ጉያ ኣለና። ኣብዚ ጉያ ድሕነትና፣ ባዕሎም ኣብ ክንዳና ብምጽላይን፣ ናትና ጸሎት ዉን ናብ ኣምላኽ ብምዕራግን ዝድግፉና፣ ደበና መሰካኽር ዝኰኑ ብዙሓት ቅዱሳን ኣለዉና። ሓንቲ ካብቶም መሰካክር ድማ፣ ወላዲተ ኣምላኽ፣ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ሰበይቲ`ዃ በቲ ኣብ ሰብኣያ ዝህልዋ ጽልዋ፣ ንበዓል ቤታ ከተድሕኖ ትኽእል ካብ ዀነት፣ ድንግል ማርያም ግዳ፣ ንዓና ከድሕን ኢሉ ንስጋኣ ማህደር ካብ ዝገበረ ወዳ ብዘለዋ ቅርበት ዝያዳ ኣብዚሓ ተድሕን እያ። ኣብ መርዓ ዶኪማስ ተረኺባ፣ ናይ መርዓ ወይኒ ተወዲእዎም ኢላ፣ ጥርዓን መርዓዉቲ ናብ ወዳ ካብ ኣቕረበት። ኣብ መንፈሳዊ ገድሊና ወይኒ ህይወት ክዉድኣና ከሎ ግዳ፣ ከመይ ጌራ ዘይተማልድ።

በዓል ሓዋርያ ቅዱስ ጳዉሎስ፣ ኣብዛ ጊዜያዊት ድንዃን ኢሉ ዝሰመያ ሰበነት እንከሎ (ብስጋ ኣብዚ ምድሪ እንከሎ 2ይ ቆሮ 5፥1)፣ ከየዕረፈ ምእንቲ ኣመንቲ ይጽሊ ነበረ /ሮሜ 1፥8-10, 1ይ ቆሮ 1፥4 ኤፈ 1፥6 ፊሊ 1፥3-4/። ጾር ኣብ ዝበዝሖ ስጋ እንከሎ፣ “ከየዕረፈ” ካብ ጸለየ፤ ካብዛ ምድራዊት ድንዃን ሓራ ዀይኑ ምስ ክርስቶስ ዕረፍቲ ምስ ረኸበ /ዮሃ 14፥3/ ግዳ፣ እንታይ ኰይኑ ኣብዚሑ ዘይጽሊ?

ኣደ ደቂ ዘብዴዎስ፣ ከይተረድኣ፣ ንክልቲኦም ደቃ፣ እቲ ሓደ ብየማኑ እቲ ሓደ ብጸጋሙ ክስቀል ለመነት /ማቴ 20፥20-28/። ምክንያቱ መንነት ክርስቶስ ኣይፈለጠትን፣ ምድራዊ ንጉስ ይመስላ ነበረ። ኣደ`ቲ ወሃቢ ህይወት ዝኰነት ቅድስት ድንግል ማርያም ግና፣ ኲሉ ነገር ኣብ ልባ ዘዋህለለት፣ ብምስትዉዓል እትኸይድ ቅድስትን ብርኽትን ኮይና፣ መንነት ወዳ ኣጸቢቓ ትፈልጥ ነበረት። ስለዚ ዉን፣ ንዮሃንስ ኣደ ክትዀኖ፣ ኣብ እግሪ መስቀል ተዋህበቶ። ስጋዊ ኣደ ዮሃንስ ወልደ ዘብዴዎስ፣ ስጋዊ ነገር ለመነት። ህይወት ምእንቲ ክትልምነሉን ክትልምነልናን፣ ግና ህይወት እትልምን፣ ኣደ ወሃቢ ህይወት፣ ወላዲተ ኣምላክ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ተዋህበቶ “እነሀት ኣዴኻ” /ዮሃ 19፥27/።

ተቀቢሉ ናብ ቤቱ ወሰዳ፣ ነቶም ናብ ቤቶም ዘእተዉዋ፣ ናብ ወሃቢ ህይወት ዝዀነ ክርስቶስ ወዳ፣ ህይወት እንዳለመነት ንበረኸት ኮይናቶም ኣላ፣ ኮይናትና ኣላ፣ ንዓይ ዉን ኮይናትኒ ኣላ። ተዓዲለ! ዘኽታም ኣይኰንዂን። እግዚአብሔር ዝመስል ግሩም ኣምላኽ፣ “ናይ ሓቂ ዓንድን መሰረትን” /1ይ ጢሞ 3፥15/ ዝዀነት ቅድስት ቤተክርስቲያን ኣደ ኣላትኒ። ብክርስቶስ ዝሰምሩኒ ኣዴታት፡ ኣቦታት፡ የሕዋት፡ ኣሓት፣ ኣብዚ ምድሪን ኣብ ሰማይን ኣለዉኒ። ብጸሎቶም ይድግፉኒ፣ ኣነ ዉን ከምኡ። መላእክቲ ዉን ብጾቶይ እዮም፣ ኣብ ድሕነተይ ይድግፉኒ። ልዕሊ ማንም ግና፣ ወላዲተ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣላ። ኣነስ ናብ ቤተይ የእቴያ ኣለኹ። ይዋእ እቶም ብጽምዋ ትብልዑ ዘለኹም፣ ብጸሎታ ትደግፍኩም!!!

ወስብኀት ለእግዚአብሔር!