ብሂል ካብ ቅዱስ ቄርሎስ ሳድሳዊ
ፍረ ከንፈር ቅዱስ ቄርሎስ ሳድሳዊ ብከፈር
ቅዱስ ቄርሎስ ሳድሳዊ፡ ኣብ መንበረ ማርቆስ ካብ ሞንጐ እቶም ንሓፂር እዋን ማለት፣ ዓሠርተው ክልተ ዓመታት ኣብ መበል 116 ሓዋርያዊ ቅብብል መንበር ቅዱስ ማርቆስ ዘእስክንድርያ (apostolic succession)፡ ፓትሪያርክ ኰይኖም ዘገልገሉ ኣቦ ኢዮም። ዓሠርተው ክልተ ዓመታት፡ ኣብ ታሪኽ ዕድመ ጕስነት ፓትሪያሪካት ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ከም ቍጽሪ ውሑዳት መሲለን እኳ እንተ ተራእያ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብእተመላለስዎ፡ ቅድስና ዝመልኦ ሕይወት ግና፡ ዕጽፍን ድርብን ደኣ ነበራ።
“ገባሬ ተኣምራት“፡ “ፈቃር ኣቦ”፡ “ትሑት”፡ “ትጉህ ጓሳ”፡ …ወዘተ. ብዝብል ቅጽል ዝፍለጡ ቅዱስ ቄርሎስ ሳድሳዊ ዘእስክንድርያ፡ ካብ እስክንድርያዊት ቤተ ክርስቲያን ኣትያቶ ዝነበረት መንፈሳዊ ትኽስታ ዘበራበሩ፡ ኣርኣያ መንፈሳዊ ኣቦ ብምዃን ድማ፡ ብዙኃት ተመሃሮ ንኽምንኩሱ ዝጸለዉ፡ ኣቦ ዘመንናዊ ትንሣኤ፡ ፈታዊ ጸሎት ነበሩ። ፈታዊ ጸሎት ብምዃኖም ኣብ ዘመኖም፡ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ዘይቱን ተገልጸት፡ ማእለያ ዘይብሎም ሕሙማት ብኢድ ኣቡነ ቄርሎስ ተፈወሱ፡ ዘሸግርዎም ዝነበሩ መራሕቲ ድማ፡ ብጸሎቶም ፈተውቶም ኰኑ። መርኣያ ጸሎተኛ ምዃኖም፡ ዕዮ ጕስነት ከይከበዶም ዝመርኅዎ ቅዳሴ ብእተፈቕደ ድማ፡ ኣብ ታሪኽ ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን፡ 12000 ሳዕ ብምቕዳስ፡ እቶም ዝበዝኀ ዝቐደሱ ፓትሪያሪክ ብምዃን፡ ብቅድስነቶም ኣቡነ ሲኖዳ ሣልሳዊ ተመስከረሎም።
ካብ ዕዙዛት ጕስነት ቅዱስ ቄርሎስ ሳድሳዊ ንምጥቃስ፤ ፋልማዊ ኣህጉራዊ ሠረት ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ምፍቃድ ባዕለ ምምኅዳር (autocephalous) ኢትዮጵያዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ን1500 ዓመታት ብሥጋ ተፈላልየን ዝነበራ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያን ዳግም ተራኺበን ክላዘባን ክደጋገፋን ብጸሎት ደገፉን ዕዉት ብምግባር፡ ካልኦትን ይርከብዎም። ነተን ኣብ ትሕቲኦም ዝነበራ ኤርትራዊትን ኢትዮጵያዊትን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን፡ ብኣባታዊ ፍቕሪ ተበጊሶም፡ ሓዋርያዊ ጕዕዞኦም ኣብ 1960 ዓ.ም. እውን ፈጸሙ። ብፍላይ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሕሉ ሠለስተ መዓልታት (5-7 ጥቅምቲ)፡ ደብረ ምጥማቅ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ባጽዕ፡ ገብረ መንፈስ ቅዱስን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ኣሥመራን ቀደሱ። ንዕዮ ማኅበር ሓዋርያት ፍረ ሃይማኖት ድማ ንኣዱን፡ ባረኹን። ንመተባብዒ ዝኸውን ድማ፡ 500 ናይ ሽዕኡ ቅርሺ ወፈዩ። ማኅበር ሓዋርያት ፍሬ ሃይማኖት ብወገኖም፡ ፍረ ቤት ማኅተሞም ዝኾኑ መጽሓፍ መዝሙራተ ዳዊትን መጽሓፈ ቅዳሴን ብኣካያዲ ማኅበር፡ መልኣከ ሰላም ቀሺ ዲሜጥሮስ ህያብ ሃቡ።
ቅዱስ ቄርሎስ፡ ንምእመናትን ምእመናንን ብትግሃት ድኅሪ ምጕሳዮም፡ ብዕለት 8 መጋቢት ቅድሚ ኃምሳ ዓመት፡ ጉያኦም ብቕድስና ፈጺሞም፡ ካብ‘ዛ ሥጋዊት ዓለም ተፈልዩ። ብሥጋ ይፈለዩ ደኣ እምበር፡ ንኣፈቀርቶምሲ፡ ብደገፍ ጸሎቶምን ተኣምርኦምንስ ኣይተፈለዩዎምን። ሲኖዶስ ዘግብጽ፡ ብዕለት 20 ሰነ 2013 ዓ.ም.፡ ኣብ ዝገበሮ መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ንሊቀ ዲያቆናት ሓቢብ ጊዮርጊስ ወሲኹ፡ ብቕድስና ክጽውዑ፡ ኣፍልጦ (canonized) ሃበ።
ንሕና ድማ፡ ጸሎቶምን ሃብተ በረኸቶምን ምስ ኣፍቀርቶም ይኹን እናበልና፡ ንሶም ዝበልዎ ብሂል፡ ኵኖ ብሂል ነቢሮም ዝጠዓምዎ፡ ጥዒሞም ድማ ዘስተማቐርዎን፡ ሕያው ቃል፡ ብሓፂር እንሀ ተኻፈሉ ንብል። ነቢብና ክንነብሮ ድማ፡ ምሕረት ርኅሩኅ ኣምላኽን ጸሎት ቅዱስ ቄርሎስ ሣድሳውን ይደግፈና፤!
Ginseng manages order levitra online http://respitecaresa.org/event/thanksgiving-holiday-camp/ to increase the human body overall strength and resistance against negative effects without weakening the energy level.ነቢብና ክንነብሮ፡ ምሕረት ርኅሩኅ ኣምላኽን ጸሎት ቅዱስ ቄርሎስ ሣድሳውን ይደግፈና፤!
ብክርስቶስ ሓዉዂም መሓረና እግዚእ
ከፈር– ዓይነት ባህላዊ ሚዛን ኮይኑ፣ ከባቢ 20 ኪሎ ይምዘን። ነዛ ቃል ዝተመርጸትሉ ምክንያት ድማ፣ 20 ዝዀና ካብ ብሂላት ኣቦና ቅዱስ ቄርሎስ ኣብዚ ጽሑፍ ስለዝሰፈራ፣ ንእዑ ንምግላጽ እዩ።